ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንቕሑ!

ሚልዮናት ካብ ዩክረይን ይስደዱ

ሚልዮናት ካብ ዩክረይን ይስደዱ

 ብ24 ለካቲት 2022፡ ሩስያ ንዩክረይን ክትወርራ ጀሚራ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ካብታ ሃገር ኪሃድሙ ተገዲዶም እዮም። a

 “ቦምባታትን ነተጕትን ነይሩ። ብቓላት ክትገልጾ እኳ ዜሸግር እዩ። ባቡር ከም ዘለዋ ምስ ፈለጥና፡ ክንወጽእ ወሲንና። ነፍሲ ወከፍና ሓንቲ ሻንጣ ጥራሕ ኢና ኽንሕዝ ንኽእል ኔርና። ሰነዳትን መድሃኒትን ማይን ዚብላዕ ነገራትን ጥራይ ኢና ኽንሕዝ ንኽእል ኔርና። ቦምባታት እናተፈንጀረ ንዅሉ ነገራት ራሕሪሕና ናብ መደበር ባቡር ኬድና።”—ናታልያ ኻብ ካርኪቭ፡ ዩክረይን።

 “እቲ ውግእ ፈጺምና ዘይተጸበናዮ እዩ ነይሩ። ካብ ገሊኡ ኽፋል እቲ ኸተማ ድምጺ ነታጒ ሰሚዐ፡ መሳዅቲ ኸኣ የንቀጥቅጥ ነይሩ። ዜድሊ ነገራት ጥራይ ሒዘ ክኸይድ ወሲነ። ሰዓት ሸሞንተ ናይ ንግሆ ኻብ ገዛ ወጺአ፡ ብባቡር ናብ ልቪቭ፡ ብኣውቶቡስ ከኣ ናብ ፖላንድ ከይደ።”—ናድያ ኻብ ካርኪቭ፡ ዩክረይን።

ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፦

 ቀንዲ ጠንቂ እዚ ስደት እዚ እንታይ እዩ፧

 ኣብ ዩክረይን ዘጋጠመ ስደት ብምኽንያት ወራር ሩስያ እዩ። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቀንዲ ጠንቂ እዚ ሕጂ ዘሎ ስደት እንታይ ምዃኑ ይሕብረና እዩ፦

  •   ሰብኣውያን መንግስትታት ኣብ መላእ ዓለም ንደቂ ሰብ ዜድልዮም ዘበለ ነገራት ኬማልኣሎም ኣይከኣላን። ሰበ ስልጣን ንስልጣኖም ንምጭቋን እዮም ዚጥቀምሉ።—መክብብ 4:1፣ 8:9

  •   ሰይጣን ድያብሎስ እቲ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ እኩይ ጽልዋ ኸም ዚገብር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብዘላ ዓለም እውን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ እኩይ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና” ብምባል ይገልጽ እዩ።—ዮሃንስ 14:30፣ 1 ዮሃንስ 5:19

  •   ብዘይካ እቲ ንዘመናት ዚኣክል ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ዝወረደ ጸገማት፡ ሎሚ ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ጽንኩር ግዜ ኸም ዚመጽእ ግና፡ እዚ ፍለጥ” ኢሉ እተዛረበሉ እዋን ኢና እንነብር ዘለና። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ብተወሳኺ፡ መለለዪ እዘን ዳሕሮት መዓልትታት፡ እቲ ንሰባት ከም ዚስደዱ ዚገብሮም፡ ማለት ውግእን ባህርያዊ ሓደጋታትን ጥሜትን ለበዳን ከም ዝዀነ እውን መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ።—ሉቃስ 21:10, 11

 ስደተኛታት ካበይ እዮም ተስፋ ዚረኽቡ፧

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋ b ኣምላኽ ንስደተኛታትን ካብ መረበቶም ንእተመዛበሉ ሰባትን ከም ዜፍቅሮምን ከም ዚርሕርሓሎምን ይገልጽ እዩ። (ዘዳግም 10:18) ኣምላኽ ንጸገማት ስደተኛታት፡ በታ ንሰብኣውያን መንግስትታት እትትክእ፡ መንግስቲ ኣምላኽ እትብሃል ሰማያዊት መንግስቱ ኣቢሉ ኸም ዚፈትሖ ኣተስፍዩ ኣሎ። (ዳንኤል 2:44፣ ማቴዎስ 6:10) የሆዋ ብመንግስቱ ኣቢሉ ንሰይጣን ድያብሎስ ኬወግዶ እዩ። (ሮሜ 16:20) መንግስቲ ኣምላኽ ዓለምለኻዊት መንግስቲ ስለ እትኸውን፡ ብሃገራዊ ዶባት ዚፍጠር ምክፍፋል ከተወግድ እያ። ኵሎም ደቂ ሰብ ሓድነት ዘለዋ ዓለምለኻዊት ስድራ ቤት ኬቝሙ እዮም። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ቤቱ ራሕሪሑ ዚኸይድ ኣይክህሉን እዩ፣ ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣፍ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ኪቕመጥ እዩ፣ ሓደ እኳ ኣይኬፍርሆምን እዩ” ብምባል የተስፉ እዩ።—ሚክያስ 4:4

 ነዚ ሎሚ ዜጋጥመና ዘሎ ስደት፡ ነባሪ ፍታሕ እተምጽእ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ እያ። የሆዋ ብመንግስቱ ኣቢሉ፡ ነቲ ንሰባት ከም ዚስደዱ ዚገብሮም ዘሎ ጸገማት ኬወግዶ እዩ። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ፦

 መጽሓፍ ቅዱስ ሎሚ ንዘለዉ ስደተኛታት ኪሕግዞም ይኽእል ድዩ፧

 እወ። መጽሓፍ ቅዱስ ንስደተኛታት ዜተኣማምን ተስፋ ኣብ ልዕሊ ምሃቡ፡ ነዚ ሕጂ ዘሎ ጸገማት ብኸመይ ኪሰግርዎ ኸም ዚኽእሉ እውን ይሕግዞም እዩ።

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ገርሂ፡ ኵሉ ቓል ይኣምን፣ ጐራሕ ግና ንስጕምትታቱ ተጠንቂቑ ይሓስበለን።”—ምሳሌ 14:15

 ትርጉሙ፦ ብዛዕባ እቲ ኼጋጥመካ ዚኽእል ሓደጋን ርእስኻ ንምዕቛብ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእልን ኣቐዲምካ ሕሰበሉ። ውሕስነትን ተመክሮን ንዘይብሎም ስደተኛታት ካብ ዚሃድኑን ዚምዝምዙን ገበነኛታት ተጠንቀቕ።

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ምግብን ክዳንን እንተ ኣሎናስ፡ በዚ ዕጉባት ንኸውን ኢና።”—1 ጢሞቴዎስ 6:8

 ትርጉሙ፦ ኣብ ንዋታዊ ነገራት ኣይተተኵር። ብመሰረታዊ ነገራት እንተ ዓጊብካ፡ ሕጉስ ክትከውን ኢኻ።

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ከምቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ግበሩሎም።”—ማቴዎስ 7:12

 ትርጉሙ፦ ዕጉስን ለዋህን ኩን። እዚ ባህርያት እዚ፡ ኣብቲ ማሕበረሰብ ኣኽብሮትን ተቐባልነትን ከም ትረክብ እዩ ዚገብረካ።

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ።”—ሮሜ 12:17

 ትርጉሙ፦ ክትግፋዕ ከለኻ ተቘጢዕካ ሕነ ንምፍዳይ ኣይትለዓዓል። እዚ ንነገራት የጋድዶ ጥራይ እዩ።

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።”—ፊልጲ 4:13

 ትርጉሙ፦ ንኣምላኽ ኣብ ህይወትካ ቐዳማይ ቦታ ሃቦ፡ ናብኡ ኸኣ ጸሊ። ንሱ ንጸገማትካ ኽትሰግሮ ሓይሊ ኺህበካ እዩ።

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ብዛዕባ ዅሉ ነገር ደኣ ልማኖኹም ብጸሎትን ብምህለላን ምስ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብዛዕባ ገለ እኳ ኣይትጨነቑ፣ እቲ ኻብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ንኣእምሮኹምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።”—ፊልጲ 4:6, 7

 ትርጉሙ፦ ዝዀነ ይኹን ኵነታት የጋጥመካ ብዘየገድስ፡ ኣምላኽ ውሽጣዊ ሰላም ኪህበካ ለምኖ። “ፊልጲ 4:6, 7—‘ብዛዕባ ገለ እኳ ኣይትጨነቑ’” ዘርእስታ ዓንቀጽ ብእንግሊዝኛ ኣንብብ።

a እቲ ወራር ምስ ጀመረ ንጽብሒቱ፡ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት (UNHCR)፡ ነቲ ቕልውላው ካብቲ ኽሳዕ ሕጂ ዘጋጠመ እቲ ዝኸፍአ ኸም ዝዀነ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ 12 መዓልቲ፡ ልዕሊ ኽልተ ሚልዮን ስደተኛታት ካብ ዩክረይን ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ተሰዲዶም እዮም፣ ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ ኸኣ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ተመዛቢሎም እዮም።

b የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ። (መዝሙር 83:18) “የሆዋ መን እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።