ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ንፉዕ ወላዲ ንምዃን እንታይ የድሊ፧

ውሉድካ ንኣምላኽ ኬፍቅሮ ትምህሮ ዲኻ፧

ንሓድሕዶም ዚፋቐሩን ዚከባበሩን ወለዲ ዘለዎ ቤት፡ ሓደ ውሉድ ኪዓብየሉ ዚኽእል ዝበለጸ ሃዋህው እዩ። (ቈሎሴ 3:14, 19) ልክዕ ከምቲ የሆዋ ኣምላኽ ንወዱ ዝነኣዶ፡ ንፉዓት ወለዲ ኸኣ ንውሉዳቶም የፍቅርዎምን ይንእድዎምን እዮም።ማቴዎስ 3:17 ኣንብብ።

እቲ ሰማያዊ ኣቦና ንኣገልገልቱ ይሰምዖም፡ ንስምዒታቶም ድማ የስተብህለሉ እዩ። ወለዲ ኻብኡ ኺመሃሩ፡ ደቆም ሓሳባቶም ኪገልጹ ኸለዉ ኸኣ ጽን ኢሎም ኪሰምዕዎም ኣለዎም። (ያእቆብ 1:19) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ንስምዒታት ደቆም፡ ዋላ እውን ነቲ ኣሉታዊ ዝዀነ ዘረባኦም ከይተረፈ ኺርድኡሎም ኣለዎም።ዘሁልቍ 11:11, 15 ኣንብብ።

ሓላፍነት ዚስምዖም ውሉዳት ከተዕቢ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ከም ወላዲ መጠን ንውሉድካ ስርዓታት ናይ ምውጻእ ሓላፍነት ኣሎካ። (ኤፌሶን 6:1) ካብ ኣብነት ኣምላኽ ተምሃር። ኣምላኽ ንደቁ ብዛዕባ ትእዛዛቱን ትእዛዛቱ እንተ ዘይሓልዮም ኬምጽኣሎም ብዛዕባ ዚኽእል ሳዕቤንን ብንጹር ብምግላጽ ፍቕሩ የርእዮም እዩ። (ዘፍጥረት 3:3) ንኺእዘዝዎ ግና ኣይገድዶምን እዩ፣ ኣብ ክንዳኡስ ቅኑዕ ዘበለ ብምግባር ብኸመይ ኪጥቀሙ ኸም ዚኽእሉ እዩ ዚምህሮም።ኢሳይያስ 48:18, 19 ኣንብብ።

ቀንዲ ሸቶኻ፡ ደቅኻ ንኣምላኽ ኬፍቅርዎ ንምሕጋዝ ይኹን። ከምኡ ምስ እትገብር፡ ምሳኻ ኣብ ዘይህልውሉ ግዜ እውን ከይተረፈ፡ ጥበባዊ ስጕምቲ ኺወስዱ እዮም። ልክዕ ከምቲ ኣምላኽ ብኣብነት ዚምህር፡ ደቅኻ ንኣምላኽ ምእንቲ ኼፍቅርዎ ብኣብነትካ ምሃሮም።ዘዳግም 6:5-7፣ ኤፌሶን 4:32፣ 5:1 ኣንብብ።