ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓላፍነት ዚስምዖም ውሉዳት ምዕባይ

ሓላፍነት ዚስምዖም ውሉዳት ምዕባይ

መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት

ሓላፍነት ዚስምዖም ውሉዳት ምዕባይ

ጆርጅ፦ a “ምሸት ምሸት እዩ ኸምኡ ዜጋጥም ነይሩ። እቲ ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ማይክል ወደይ፡ መጻወቲታቱ ፈቐዶኡ ፋሕ ኣቢሉ ይሓድጎ ነበረ። ቅድሚ ምድቃሱ፡ ነቲ መጻወቲታቱ ኣብ በቦታኡ ኸም ዜቐምጥ ክገብሮ እፍትን ነበርኩ። ማይክል ግን ይውጭጭን ጠገለ ዘይብሉ ተግባራት ይገብርን ነበረ። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣመና ብምብስጫወይ እኳ እንተ ጨደርኩሉ፡ እዚ ግን ንኽልቴና ሕማቕ ከም ዚስምዓና ኻብ ምግባር ሓሊፉ ዋላ ሓንቲ ኣይዓበሰን። ሰዓት ድቃስ ባህ ዜብል ግዜ ኪኸውን እየ ዝደሊ ነይረ። ስለዚ፡ ንዕኡ ንምስልጣን ዝገብሮ ጻዕሪ ሓዲገ፡ ባዕለይ ነቲ ዛሕዛሕ ዝበለ መጻወቲታቱ ኸለዓዕል ጀመርኩ።”

ኤሚሊ፦ “ጓል 13 ዓመት ጀኒ ጓለይ፡ ነቲ መምህራ ብዛዕባ ዕዮ ገዛ ዘውጽኣቶ መለክዒታት ምርዳእ ምስ ኣበያ፡ ጸገም ተላዕለ። ጀኒ ኻብ ቤት ትምህርቲ ናብ ገዛ ምስ መጸት፡ ንሓደ ሰዓት ዚኣክል በኸየት። ኣብ ቤት ትምህርቲ ሓገዝ ክትሓትት እኳ እንተ ኣተባባዕክዋ፡ መምህራ ሕስምቲ ስለ ዝዀነት፡ ክትዛረባ እውን ከም ዘይትደፍር ነገረትኒ። ናብቲ ቤት ትምህርቲ ኸይደ፡ ነታ መምህር ሕርሕራይ ገይረ ኸስምዓ ሓሰብኩ። ዋላ ሓደ ሰብ ንጓለይ ኬጕህያ መሰል ከም ዘይብሉ ዀይኑ ተሰምዓኒ።”

ምስ ናይ ጆርጅን ኤሚሊን ዚመሳሰል ዓይነት ስምዒት ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ብዙሓት ወለዲ፡ ውሉዶም ምስ ሓደ ጸገም ኪቃለስ ወይ ኪጕሂ ኸሎ ኺርእይዎ ኣይደልዩን እዮም። ወለዲ ንውሉዳቶም ኬዕቍቡ ምፍታኖም ባህርያዊ ነገር እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ዅነታት፡ ወለዲ ንውሉዶም ብዛዕባ ሓላፍነት ዚምልከት ኣገዳሲ ትምህርቲ ንኺህብዎ ኣጋጣሚ ዚኸፍት እዩ። ልክዕ እዩ፡ ወዲ 4 ዓመትን ጓል 13 ዓመትን ኪመሃርዎ ዚኽእሉ ትምህርቲ እተፈላለየ እዩ።

ከም ሓቂ ግን፡ ንውሉድካ ኻብቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥሞ ብድሆታት ወትሩ ኸተዕቍቦ ኣይትኽእልን ኢኻ። ውዒሉ ሓዲሩ፡ ውሉድ ኣቦኡን ኣዲኡን ሓዲጉ፡ ‘ጾሩ ይጸውር’ ወይ ሓላፍነቱ ይስከም እዩ። (ገላትያ 6:5፣ ዘፍጥረት 2:24) ወለዲ ንውሉዳቶም ርእሶም ከም ዚኽእሉ ምእንቲ ኺገብርዎም፡ ለጋሳትን ሓለይትን ሓላፍነት ዚስምዖምን ከም ዚዀኑ ዚገብር ቀጻሊ ትምህርቲ ኺህብዎም ኣለዎም። እዚ ቐሊል ዕዮ ኣይኰነን።

እቲ ዜሐጕስ ከኣ፡ እቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝሓዘሉ መገዲ፡ ንወለዲ ጽቡቕ ኣርኣያ ኪዀኖም ይኽእል እዩ። የሱስ ቃል ብቓሉ ወላዲ ኣይነበረን። ንደቀ መዛሙርቱ ዝሓረየሉን ዘሰልጠነሉን ዕላማ ግን፡ ንሱ ድሕሪ ምኻዱ፡ ነቲ ዕዮ ንኪቕጽልዎ መዝነት ንኺህቦም ኢሉ እዩ። (ማቴዎስ 28:19, 20) እቲ የሱስ ዝፈጸሞ ዕዮ፡ ምስቲ ነፍሲ ወከፍ ወላዲ ንውሉዳቱ ሓላፍነት ከም ዚስምዖም ገይሩ ንምዕባይ ዚዓዮ ዕዮ ዚመሳሰል እዩ። ካብቲ የሱስ ንወለዲ ኣብነት ዝዀነሉ ሰለስተ መዳያት ጥራይ ንርአ።

ንውሉድካ ‘መርኣዪ ሃቦ’፦ የሱስ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ህይወቱ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ከምቲ ኣነ ኣባኻትኩም ዝገበርክዎ፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ መርኣዪ ሂበኩም አሎኹ” በሎም። (ዮሃንስ 13:15) ወለዲ እውን ንውሉዳቶም፡ ሓላፍነት ዚስምዖ ሰብ ምዃን ብልክዕ ከመይ ምዃኑ ኺገልጹሎምን ኣብነት ኪዀንዎምን ኣለዎም።

ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘ብዛዕባ እቲ ዝስከሞ ሓላፍነታት ብዙሕ ሳዕ ብኣወንታዊ መገዲ ድየ ዝዛረብ፧ ምእንቲ ኻልኦት ኣበርቲዐ ምዕያየይ ከም ዜዕግበኒ እዛረብ ድየ፧ ወይስ አማርርን ንርእሰይ ምስቶም ጾር ዘይብሎም ዚመስሉ አነጻጽርን ድየ፧’

ዋላ ሓደ ሰብ ፍጹም ከም ዘይኰነ ፍሉጥ እዩ። ኵላትና ጾር ዝኸበደና ዀይኑ ዚስምዓና ግዜያት ኣሎ። ውሉዳትካ ሓላፍነት ዚስምዖም ምዃኖም ዘለዎ ኣገዳስነትን ጥቕምን ንኺርድኡ ዚሕግዞም ዝበለጸ መገዲ ግን፡ ንስኻ እተርእዮም ኣብነት ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ነዚ ፈትኖ፦ እንተ ተኻኢሉ፡ ንውሉድካ ናብ ስራሕካ ውሰዶ፣ ንስድራ ቤትኩም ዜድሊ ገንዘብ ንምርካብ እንታይ ስራሕ ከም እትሰርሕ እውን ኣርእዮ። ምስ ውሉድካ ብሓባር ኴንካ ብወለንታ ኣብ ዚዕየ ዕዮ ተሳተፍ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ሓላፍነት እቲ ምስካምካ እንታይ ሓጐስ ከም ዘምጽኣልካ ኣመያይጦ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:35

ሚዛናዊ ትጽቢታት ይሃሉኻ፦ የሱስ፡ ደቀ መዛሙርቱ ነቲ ዚጽበዮም ዝነበረ ሓላፍነት ንምስካም ድሉዋት ንኪዀኑ ግዜ ኸም ዜድልዮም ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኣብ ሓደ እዋን፡ “ዝነግረኩም ብዙሕ ካልእ ዘረባ ገና አሎኒ፡ ግናኸ ሕጂ ኽትጾርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም” በሎም። (ዮሃንስ 16:12) ብኡንብኡ ኣይኰነን ብርእሶም ሓደ ነገር ኪገብሩ ዚእዝዞም ዝነበረ። የግዳስ፡ ብዙሕ ነገር እናመሃሮም፡ ምሳታቶም ነዊሕ ግዜ የሕልፍ ነበረ። ድሉዋት ምዃኖም ምስ ኣመነ ጥራይ እዩ፡ በይኖም ኪኸዱ ዝለኣኾም።

ብተመሳሳሊ እውን፡ ወለዲ ንውሉዳቶም፡ ገና ኸይተዳለዉ ኸለዉ፡ ናይ ዓበይቲ ሓላፍነታት ኪስከሙ ኺሓትዎም ርትዓዊ ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ውሉዳት ኪዓብዩ ኸለዉ፡ እንታይ ዕዮታት ምስ ዓቕሞም ከም ዚመጣጠን፡ ወለዲ ኺውስኑ ኣለዎም። ንኣብነት፡ ሰብነቶምን ክፍሎምን ብጽሬት ንኺሕዙ፡ ግዜ ንኬኽብሩ፡ ከምኡውን ገንዘብ ንኼካውኑ ኺምህርዎም ይኽእሉ እዮም። ሓደ ቘልዓ ትምህርቲ ምስ ጀመረ፡ ነቲ ኣብ ትምህርቲ ዚዋሃቦ ዕዮ ኸም ኣገዳሲ ሓላፍነቱ ገይሩ ኺርእዮ ብወለዱ ትጽቢት ይግበረሉ እዩ።

ወለዲ ንውሉዶም ሓላፍነታት ካብ ምሃብ ንላዕሊ ኺገብሩ ኣለዎም። ንውሉዶም ኣብቲ ንኺዕወት ዚገብሮ ጻዕርታት እውን ኪድግፍዎ ኣለዎም። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ጆርጅ ዝስሙ ኣቦ፡ ማይክል ንመጻወቲታቱ ኣብ በቦታኡ ኬቐምጥ ዘይደልየሉ ዝነበረ ሓደ ምኽንያት፡ እቲ ዕዮ ልዕሊ ዓቕሙ ዀይኑ ይስምዖ ስለ ዝነበረ ምዃኑ ኣስተውዓለ። “ንማይክል መጻወቲታቱ ኼልዕሎ ኣብ ክንዲ ዝጭድረሉ፡ ነቲ ዕዮ ብኸመይ ከም ዚዓዮ ኽምህሮ ፈተንኩ” በለ።

ንምዃኑ እንታይ እዩ ገይሩ፧ ጆርጅ ባዕሉ ኺምልስ ከሎ፡ “ፈለማ፡ ምሸት ምሸት እቲ መጻወቲታት ዚለዓለሉ ግዜ ወሰንኩ። ድሕሪኡ፡ ምስ ማይክል ብሓባር ኴንና፡ ነቲ ኽፍሊ ተመቓቒልና ኸነጸራርዮ ጀመርና። ነቲ ዕዮ ኸም ጸወታ ገበርክዎ፣ መን ቀልጢፉ ኸም ዚዓዪ ኽንወዳደር ጀመርና። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ቀቅድሚ ሰዓት ድቃስ ዚዕየ ልሙድ ዕዮ ዀነ። ንማይክል፡ ቀልጢፉ ነቲ ዕዮ እንተ ዓዪዩ፡ ቅድሚ ድቃስ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ዛንታ ኸም ዘንብበሉ ቓል ኣተኹሉ። ጐተት እንተ ኢሉ ግን፡ ነቲ ዛንታ ዘንብበሉ ግዜ ኸሕጽሮ ምዃነይ ሓበርክዎ።”

ነዚ ፈትኖ፦ ነፍሲ ወከፍ ውሉድ ኣብ ቤት ኪገብሮ ዚኽእል ምስ ዓቕሙ ዚመጣጠን ዕዮ ወስን። ‘ውሉዳተይ ባዕሎም ኪገብርዎ ዚኽእሉ፡ ግን ከኣ ኣነ ዝገብረሎም ዘለኹ ነገራት ኣሎዶ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ከምኡ እንተሎ፡ ነቲ ዕዮ በይኖም ክሳዕ ዚኽእልዎ፡ ብሓባር ኴንኩም ዕየይዎ። ውሉዳት ከከም ዕዮኦም፡ ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ሳዕቤናት ኬስዕበሎም ከም ዚኽእል ንጹር ግበረሎም። ሕማቕ እንተ ዓዪዮም፡ ሳዕቤናቱ ኸም ዚዓጽዱ ግበር፣ ጽቡቕ እንተ ዓዪዮም ከኣ፡ ዓስብታቶም ከም ዚረኽቡ ግበር።

ንጹር መምርሒ ሃብ፦ የሱስ ንፉዕ መምህር ስለ ዝዀነ፡ ሰባት ኪመሃሩሉ ዚኽእሉ ዝበለጸ መገዲ ብተግባር ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ። ንኣብነት፡ ደቀ መዛሙርቱ ድሉዋት ከም ዝዀኑ ምስ ኣስተውዓለ፡ “በብኽልተ ገይሩ . . . ናብቲ ንሱ ዚኸዶ ዘበለ ኸተማን ስፍራን ቀቅድሚኡ ለአኾም።” (ሉቃስ 10:1) ኰይኑ ግን፡ ብዘይ መምርሒ ኣይለኣኾምን። ቅድሚ ምልኣኹ፡ ንጹር መምርሒታት ሂብዎም እዩ። (ሉቃስ 10:2-12) ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ተመሊሶም ዝረኸብዎ ኣሳልጦ ምስ ነገርዎ፡ ንኢድዎምን ኣተባቢዕዎምን እዩ። (ሉቃስ 10:17-24) ኣብ ክእለቶም ከም ዚተኣማመንን ከም ዚሰምሮምን እውን ገሊጹሎም እዩ።

ንውሉዳትካ በዳሂ ሓላፍነታት ኬጋጥሞም ከሎ፡ እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ካብቲ ዜፍርሆም ነገራት ከተዕቍቦም፡ ባዕሎም ኪዓይዎ ዘይከኣሉ ነገራት ድማ ባዕልኻ ኽትዓየሎም ትፍትን ዲኻ፧ ፈለማ ኣብ ኣእምሮኻ ዚመጸካ ነገር፡ ንውሉድካ ኻብ ጸገሙ “ምድሓን፡” ወይ ጾሩ ባዕልኻ ምስካም ኪኸውን ይኽእል እዩ።

እንተዀነ ግን፡ ተጓዪኻ ንውሉዳትካ “ብዘድሓንካዮም” መጠን፡ እንታይ መልእኽቲ ኢኻ እተመሓላልፈሎም፧ ከም እትተኣማመነሎም ዲኻ እትሕብር ዘለኻ፡ ወይስ ገና ርእሶም ከም ዘይክእሉ ሕጻናት፧

ንኣብነት፡ እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ኤሚሊ ነቲ ንጓላ ዘጋጠማ ጸገም ብኸመይ ፈትሓቶ፧ ጣልቃ ኣብ ክንዲ እትኣቱ፡ ጀኒ ነቲ ጕዳይ ምስ መምህራ ተዘራሪባ ኸም እትፈትሖ ኽትገብር ወሰነት። ኤሚሊን ጀኒን ብሓባር ኰይነን፡ ጀኒ ናብ ቤት ትምህርታ ሒዛቶ እትኸይድ ሕቶታት ጸሓፋ። ድሕሪኡ፡ ነታ መምህር መዓስ ክትቀርባ ኸም ዚግባእ ተመያየጣሉ። እቲ ዝርርብ ናበይ ገጹ ኼምርሕ ከም ዚኽእል ገሚተን እውን ተለማመዳሉ። ብዛዕባ እቲ ቐጺሉ ዝዀነ ነገራት፡ ኤሚሊ ኸምዚ በለት፦ “ጀኒ ተቢዓ ንመምህራ ቐረበታ፣ መምህራ ኸኣ ስለቲ ተበግሶኣ ነኣደታ። ጀኒ በቲ ዝገበረቶ ሓበን ተሰምዓ፣ ኣነ እውን ሓበን ተሰሚዑኒ እዩ።”

ነዚ ፈትኖ፦ ሕጂ ንውሉድካ ዜጋጥሞ ዘሎ ብድሆ ጽሓፍ። ድሕሪኡ፡ ንውሉድካ ኻብቲ ጸገሙ “ኸተድሕኖ” ኣብ ክንዲ እትፍትን፡ ባዕሉ ኺዋጽኣሉ ንምሕጋዙ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ጽሓፍ። ነቲ ብድሆ ንኺዋጽኣሉ ዜድልዮ ስጕምትታት ንውሉድካ ኣለማምዶ። ኣብ ክእለቱ ዘሎካ ምትእምማን ግለጸሉ።

ንውሉዳትካ ወትሩ ኻብ ጸገማት ተዕቍቦም እንተ ዄንካ፡ ኣብ ህይወት ዜጋጥሞም ብድሆታት ንምስጋር ዜድልዮም ክእለት ንኸየማዕብሉ ዕንቅፋት ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ሓላፍነት ዚስከሙ ንኪዀኑ ኣበራትዓዮም። እዚ ድማ፡ ሓደ ኻብቲ ኽትህቦም እትኽእል ብሉጽ ውህበታት እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ስማት ተቐዪሩ እዩ።

ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦

ብዛዕባ ውሉዳተይ ሚዛናዊ ትጽቢታት ድዩ ዘሎኒ፧

ዕዉታት ንኪዀኑ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዜድልዮም እነግሮምን አርእዮምን ድየ፧

ንውሉደይ ካብ ዘተባብዕ ወይ ካብ ዝንእድ ክንደይ ገይረ ኣለኹ፧