ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስድራ ቤት | ኣተዓባብያ ውሉዳት

ኣገዳስነት ስራሕ ገዛ

ኣገዳስነት ስራሕ ገዛ

ጸገም

ኣብ ገሊአን ስድራ ቤታት፡ ቈልዑ ኣብ ገዛ ኣብ ዚዕየ ዕዮታት ኪሕግዙ ትጽቢት ይግበረሎም እዩ፣ ነዚ ኸኣ ከየማረሩ እዮም ዚገብርዎ። ኣብ ካልኦት ስድራ ቤታት ግና፡ ወለዲ ደቆም ብዙሕ ኪዓይዩ ኸም ዘይክእሉ ገይሮም ስለ ዚድምድሙ፡ ደቆም ንጥፈታቶም ነክዮም እዮም።

እዚ ልምዲ እዚ ብፍላይ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ከም ዚርአ፡ ኣብኡ ኸኣ ቈልዑ ኣብ ክንዲ ወሃብቲ ዝዀኑ፡ ተቐበልቲ ጥራይ ከም ዚዀኑ፡ ተመራመርቲ ገሊጾም እዮም። ስቲቨን ዝስሙ ወላዲ፡ “ሎሚ፡ ቈልዑ በይኖም ኰይኖም ጸወታታት ቪድዮ ኺጻወቱን ኢንተርነት ኪጥቀሙን ተለቪዥን ኪርእዩን እዮም ዚሕደጉ። ብዙሕ ትጽቢት ኣይግበረሎምን እዩ” ብምባል ትዕዝብቱ ይገልጽ።

ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ ስራሕ ገዛ፡ ንኽንክን ቤት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዕቤት ውሉድ እውን ኣገዳሲ ድዩ፧

ክትፈልጦ ዘሎካ

ገሊኦም ወለዲ፡ ውሉዳቶም ብናይ ቤት ትምህርቲ ዕዮ ገዛ ወይ ብናይ ድሕሪ ትምህርቲ ንጥፈታት ኣዝዮም ትሑዛት ኣብ ዝዀኑሉ እዋን፡ ስራሕ ገዛ ኸይህብዎም የዕጠጥዩ እዮም። ይኹን እምበር፡ ስራሕ ገዛ ምሃቦም ዘለዎ ጥቕምታት እስከ ንርአ።

ስራሕ ገዛ ንብስለት እቲ ቘልዓ ኣበርክቶ ይገብር። ኣብ ቤት ዚዓይዩ ቘልዑ፡ ኣብ ትምህርቶም ዝያዳ ዕዉታት ኪዀኑ ልዑል ተኽእሎ ኣለዎም። እዚ ኸኣ ዜገርም ኣይኰነን። ከመይሲ፡ ሓደ ቘልዓ ኣብ ስራሕ ገዛ ዚሕግዝ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ኣብ ትምህርቲ ኣድላዪ ዝዀነ ኸም ምትእምማንን ርእሰ ግትኣትን ጽንዓትን ቈራጽነትን ዝኣመሰለ ባህርያት ኬጥሪ ይኽእል እዩ።

ስራሕ ገዛ፡ ቈልዑ ንኻልኦት ምእንቲ ኼገልግሉ የዳልዎም። ገሊኦም ሰባት፡ እቶም ኣብ ስራሕ ገዛ ኺሕግዙ ትጽቢት ዚግበረሎም ቈልዑ፡ ምስ ዓበዩ ንማሕበረ ሰብ ዚጠቅም ኣገልግሎት ኪህቡ ኸም ዚኽእሉ ተዓዚቦም እዮም። ስራሕ ገዛ፡ ካብ ንድሌታቶም፡ ንድሌታት ካልኦት ኬቐድሙ ስለ ዜሰልጥኖም፡ እዚ ኣየገርምን እዩ። ብኻልእ ሸነኽ ግና፡ ከምቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ስቲቨን ዝበሎ፡ “ካብ ቈልዑ ዋላ ሓንቲ ዘይትጽበ እንተ ዄንካ፡ ኪግልገሉ ዘለዎም ጥራይ ኰይኑ እዩ ዚስምዖም። ብዛዕባ ዘለዎም ሓላፍነትን ኪገብርዎ ዘለዎም ጻዕርን፡ ጠዋይ ኣረኣእያ ሒዞም ድማ እዮም ዚዓብዩ።”

ስራሕ ገዛ፡ ሓድነት ስድራ ቤት የደንፍዕ። ቈልዑ እቲ ኣብ ቤት ዚገብርዎ ጻዕርታት፡ ኣኽቢርካ ዚርኣዩ ኣባላት እታ ስድራ ቤት ምዃኖም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብታ ስድራ ሓላፍነት ከም ዘለዎም እውን ኪግንዘቡ ይሕግዞም እዩ። ወለዲ ኻብ ንስራሕ ገዛ፡ ድሕሪ ትምህርቲ ንዚግበር ንጥፈታት ቀዳምነት ዚህብዎ እንተ ዀይኖም ግና እዚ ትምህርቲ እዚ ኼምልጦም ይኽእል እዩ። ንገዛእ ርእስኻ፡ “ውሉደይ ምስ ኣባላት እታ ዚጻወተላ ጋንታ ዅዕሶ ጽቡቕ ርክብ እንተ መስረተ፡ ምስ ስድራ ቤቱ ዝነበሮ ርክብ ግና እንተ ኣጥፍአስ እንታይ ፋይዳ ኣለዎ፧” ኢልካ ሕተታ።

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ንኣሽቱ ኸለዉ ጀምር። ገሊኦም፡ ወለዲ ንውሉዳቶም ደቂ ሰለስተ ዓመት ከለዉ ኣትሒዞም ስራሕ ገዛ ኺህብዎም ከም ዘለዎም ይዛረቡ። ካልኦት ድማ፡ ደቂ ኽልተ ዓመት ወይ እውን ትሕቲኡ ኸለዉ ኺጅምሩሎም ይመኽሩ። እቲ ነጥቢ እዚ እዩ፦ ንኣሽቱ ቘልዑ ምስ ወለዶም ሓቢሮም ኪዓይዩን ንዕኦም ኪቐድሕዎምን ይፈትዉ እዮም።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ምሳሌ 22:6

ምስ ዕድሚኦም ዚኸይድ ስራሕ ሃቦም። ንኣብነት፡ ወዲ ሰለስተ ዓመት ቈልዓ መጻወቲኡ ኺጥርንፍ፡ እተኻዕወ ኼጽሪ፡ ወይ ዚሕጸብ ክዳውንቲ ኸከም ዓይነቱ ኺፈሊ ይኽእል እዩ። ዕብይ ዝበሉ ቘልዑ ድማ፡ ገዛ ኼጽርዩ፡ ማኪና ኺሓጽቡ፡ ዋላ እውን ምግቢ ኼዳልዉ ይኽእሉ እዮም። ንውሉዳትካ ኸከም ክእለቶም ስራሕ እንተ ሂብካዮም፡ ንስራሕ ገዛ ኽሳዕ ክንደይ ተሓጒሶም ከም ዚፍጽምዎ ኽትርኢ ትኽእል ኢኻ።

ንስራሕ ገዛ ቐዳምነት ሃቦ። ውሉድካ መዓልታዊ ብዙሕ ናይ ቤት ትምህርቲ ዕዮ ገዛ ዚውሃቦ እንተ ዀይኑ፡ እዚ ኸቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ልዑል ነጥቢ ኼምጽእ ኢልካ፡ ስራሕ ገዛ ዘይትህቦ እንተ ዄንካ፡ ከምቲ ዘ ፕራይስ ኦቭ ፕሪቪለጅ ዘርእስታ መጽሓፍ ዝበለቶ፡ “ነቲ ቐዳምነት እትህቦ ነገራት ብዘይግቡእ ትሰርዖ ኸም ዘለኻ ዜመልክት እዩ።” ከምቲ ኣቐዲሙ እተገልጸ፡ ስራሕ ገዛ ንቘልዑ ዝሓሹ ተምሃሮ ኪዀኑ ይሕግዞም እዩ። እቲ ዚቐስምዎ ትምህርቲ ኸኣ ነቲ ናይ ገዛእ ርእሶም ስድራ ቤት ዚምስርቱሉ ግዜ የዳልዎም እዩ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ፊልጲ 1:10

ኣብ ውጽኢት ዘይኰነስ፡ ኣብ ሸቶኻ ኣተኵር። ውሉድካ ንሓደ ዕዮ ኺፍጽሞ፡ ልዕሊ እቲ ንስኻ እትደልዮ ግዜ ኺወስደሉ ይኽእል እዩ። እቲ ዕዮ ብዝሓሸ መገዲ ኺዕየ ይኽእል ከም ዝነበረ እውን ተስተብህል ትኸውን። ከምኡ እንተ ኣጋጢሙ፡ ባዕልኻ ኽትዓዮ ኣይትፈትን። ሸቶኻ፡ ውሉድካ ነቲ ዕዮ ልክዕ ከምቲ ዓበይቲ ዚዓይዎ ገይሩ ኺዓይዮ ዘይኰነስ፡ ሓላፍነት ኪምሃርን ነቲ ስራሕ ዜምጽኦ ሓጐስ ኪፈልጦን ንምሕጋዝ እዩ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ መክብብ 3:22

ኣብቲ ግቡእ ዓስቢ ኣተኵር። ገሊኦም ሰባት፡ ንቘልዑ ስራሕ ገዛ ምእንቲ ኺሰርሑ ገንዘብ ምሃብ፡ ሓላፍነት ከም ዚምህሮም ይዛረቡ። ካልኦት ድማ፡ ከምዚ ምግባር እቶም ቈልዑ ነታ ስድራ ኣብ ዜበርክትዎ ነገር ዘይኰነስ፡ ካብኣ ኣብ ዚረኽብዎ ነገር ከም ዜተኵሩ ዚገብር ምዃኑ ይዛረቡ። እቲ ቘልዓ ዚኣኽሎ ገንዘብ ምስ ኣዋህለለ፡ ስራሕ ገዛ ምፍጻም ኪኣቢ ኸም ዚኽእል እውን የጠንቅቑ። እዚ ኸኣ ጥቕሚ ስራሕ ገዛ ይጠፍእ ከም ዘሎ ዜርኢ ምልክት እዩ። ስለዚ፡ ንቘልዓ ዚውሃብ ዝዀነ ይኹን ገንዘብ፡ ክፍሊት ናይቲ ዝፈጸሞ ስራሕ ገዛ እንተ ዘይኰነ ይሓይሽ።