ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር

ኣብዛ ንጥቕሚ ርእሳ ጥራይ እተቐድም ዓለም፡ ሓለይቲ ውሉዳት ምዕባይ

ኣብዛ ንጥቕሚ ርእሳ ጥራይ እተቐድም ዓለም፡ ሓለይቲ ውሉዳት ምዕባይ

ሰባት ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንኻልኦት ሰናይ ነገር ኪገብሩ ዚኽእሉሉ ሓያሎ ኣጋጣሚታት ይረኽቡ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ብዙሓት ሰባት ንጥቕሚ ርእሶም ጥራይ እዮም ዜቐድሙ። እዚ ኸኣ ኣብ ኵሉ እዩ ዚርአ፣ ገሊኦም ሰባት ንኻልኦት ብዘይ ሕንከት የታልልዎም፣ ገሊኣቶም ከኣ ጠገለ ብዘይብሉ መገዲ ማኪና ይዝውሩ፣ ዒደር ዝመልሓሶምን ሓራቓትን ሰባት እውን ኣለዉ።

ኣብ ብዙሓት ኣባይቲ እውን፡ ኣብ ጥቕሚ ርእስኻ ጥራይ ናይ ምትኳር መንፈስ ይርአ እዩ። ንኣብነት፡ ገሊኦም ሰብ ሓዳር፡ ሓደ ኻብቶም መጻምድቲ “ዝሓሸ ኸም ዚግብኦ” ዀይኑ ስለ እተሰምዖ ጥራይ ይፋትሑ። ገሊኦም ወለዲ እውን እንተ ዀኑ፡ ከይፈለጡ ኣብ ጥቕሚ ርእስኻ ጥራይ ናይ ምትኳር መንፈስ ከም ዚሰፍን ኪገብሩ ይኽእሉ እዮም። ብኸመይ፧ ንውሉዶም ቃሕ ዝበሎ ነገራት ንኺገብሩሉ ዓይኖም ዘይሓስዩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ንዕኡ ኻብ ምቕጻዕ ግና ድሕር ምሕር ይብሉ።

ይኹን እምበር፡ ንውሉዳቶም ካብ ርእሶም ንላዕሊ ንኻልኦት ኬቐድሙ ዜሰልጥንዎም ወለዲ ኣለዉ፣ ብዙሕ ጥቕሚ ኸኣ ይረኽቡ እዮም። ሓለይቲ ውሉዳት፡ ፈተውቲ ይረኽቡን ጽኑዕ ርክብ ኪምስርቱ ይኽእሉን እዮም። ዕጉባት እውን እዮም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ፡ “ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ።”—ግብሪ ሃዋርያት 20:35

ወላዲ እንተ ዄንካ፡ ንውሉዳትካ በቲ ኸቢብዎም ዘሎ ኣብ ጥቕሚ ርእስኻ ጥራይ ናይ ምትኳር መንፈስ ንኸይብከሉ ኸተዕቍቦምን ሕያዎት ብምዃን ንኺባረኹ ኽትሕግዞምን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ እቲ ንውሉዳትካ ኣብ ጥቕሚ ርእሶም ጥራይ ከም ዜተኵሩ ኺገብሮም ዚኽእል ሰለስተ መጻወድያታት እንታይ ምዃኑን ብኸመይ ካብኡ ኽትርሕቕ ከም እትኽእልን እስከ ንርአ።

1 እምብዛ ምንኣድ

እቲ ጸገም እንታይ እዩ፧ ንተመራመርቲ ሓደ ኣዝዩ ዜተሓሳስቦም ዝንባለ ኣሎ፣ ብዙሓት ዝባጽሑ መንእሰያት ስራሕ ኪጅምሩ ኸለዉ፡ ኢዶምን እግሮምን ኣጣሚሮም ኣሳልጦ ኺረኽቡ ይጽበዩ። ገሊኣቶም ድማ፡ ዋላ ሓንቲ ኢደ እግሪ ዘይብሎም ክነሶም፡ ኣብ ስራሖም ብቕልጡፍ ዕቤት ዚረኽቡ ይመስሎም። ገሊኣቶም ከኣ፡ ነዛ ርእሶም ሰማይ ስለ ዚሰቕልዋ፡ ፍሉይ ኣተሓሕዛ ኺግበረሎም ዘለዎ ዀይኑ ይስምዖም፣ እዛ ዓለም በቲ ንሳቶም ንርእሶም ዚርእዩሉ መገዲ ገይራ ኸም ዘይትርእዮም ምስ ተገንዘቡ ግና፡ ይድቈሱ።

ጠንቂ እቲ ጸገም እንታይ እዩ፧ ገሊኦም መንእሰያት ንርእሶም ሰማይ ዚሰቕልዋ፡ ብምኽንያት ኣተዓባብያኦም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ገሊኦም ወለዲ በቲ ኣብ ቀረባ ዓሰርተታት ዓመታት ህቡብ እናዀነ ዚመጸ፡ ንርእሰ ተኣማንነት ዚምልከት ኣተሓሳስባ ተጸልዮም እዮም። እቲ ኣተሓሳስባ፡ ‘ንእሽቶ ናእዳ ንቘልዑ ጽቡቕ እንተ ዀይኑ፡ ብዙሕ ናእዳ ኸኣ ዝበለጸ እዩ’ ዚብል ኣረኣእያ ኸም ዚሰፍን እዩ ዚገብር። ብኣንጻሩ ግና፡ ነቶም ቈልዑ ምቅዋም፡ ተስፋ ኸም ዚቘርጹ ኺገብሮም ይኽእል እዩ። ከም ወላዲ መጠን ከኣ፡ ኣብዚ ንርእሰ ተኣማንነት ውሉዳትካ ንምህናጽ ዚግበር ጕዕዞ፡ እግሪ እግሪ እንተ ዘይስዒብካ፡ ንደቁ ብግቡእ ከም ዘየዕቢ ድሑር ወላዲ ዄንካ ኢኻ እትርአ። ስለዚ፡ ንወለዲ፡ ንደቆም ፈጺሞም ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ሕማቕ ከም ዚስምዖም ኪገብሩ ኸም ዘይብሎም እዩ ዚንገሮም።

በዚ ምኽንያት እዚ፡ ብዙሓት ኣቦታትን ኣደታትን ንደቆም፡ ዋላ እውን ዜንእድ ነገር ኣይግበሩ፡ ኵሉ ግዜ ብናእዳ የንበሽብሽዎም። ነፍሲ ወከፍ ዓወት፡ ዋላ እውን ንእሽቶ ይኹን፡ ከም ዓብዪ ነገር ጌርካ ይርአ፣ ነፍሲ ወከፍ ጕድለት ከኣ፡ ዋላ እውን ዓብዪ ይኹን፡ ዕሽሽ ይብሃል። ከምዚ ዚገብሩ ወለዲ፡ ንደቆም ብርእሶም ከም ዚተኣማመኑ ገይሮም ኬዕብይዎም ስለ ዚደልዩ፡ ንጕድለት ደቆም ዕሽሽ ብምባል ኪንእድዎም ጥራይ ዘለዎም ኰይኑ እዩ ዚስምዖም። ልዕሊ ዅሉ ዜገድሶም፡ ደቆም በቲ ዝሰርሕዎ ነገራት ንኺሕጐሱ ምምሃር ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ጽቡቕ ከም ዚስምዖም ምግባር ጥራይ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዚግብኦ ሰብ ኪንኣድ ከም ዘለዎ ይገልጽ እዩ። (ማቴዎስ 25:19-21) ኰይኑ ግና፡ ንቘልዑ ጽቡቕ ምእንቲ ኺስምዖም ኢልካ ጥራይ ምንኣድ፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ግጉይ ኣረኣእያ ኸም ዜማዕብሉ ኺገብሮም ይኽእል እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሓደ ሰብ ንእሽቶ ኽነሱ፡ ዓብዪ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎ፡ ንርእሱ እዩ ዜታልል ዘሎ” ዚብል። (ገላትያ 6:3) ንወለዲ ድማ፡ “ንቘልዓ ብሸቦጥ እንተ ገረፍካዮ፡ ኣይመውትን እዩ እሞ፡ ብዘይ መቕጻዕቲ ኣይትግደፎ” ኢልዎም ኣሎ። aምሳሌ 23:13

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ኣብ ግቡእ እዋኑ ኽትቀጽዕን ክትንእድን ፈትን። ደቅኻ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ጽቡቕ ምእንቲ ኺስምዖም ኢልካ ጥራይ ብናእዳ ኣይተንበሽብሾም። ጥቕሚ የብሉን። ጀነሬሽን ሚ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ናይ ሓቂ ርእሰ ተኣማንነት ዚመጽእ፡ ብህይወት ሃሊኻ ስለ እተወደስካ ዘይኰነስ፡ ንተውህቦኻ እንተ ኣመሓይሽካዮን ትምህርቲ እንተ ተማሂርካን እዩ” በለት።

‘ነፍሲ ወከፍ ኣብ መንጎኹም ዘሎ፡ ብዛዕባ ርእሱ ኻብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኣይሕሰብ፣ የግዳስ ብልብምና ይሕሰብ።’—ሮሜ 12:3

2 እምብዛ ምዕቋብ

እቲ ጸገም እንታይ እዩ፧ ብዙሓት ዝባጽሑ መንእሰያት ስራሕ ኪጅምሩ ኸለዉ፡ ነቲ ኼጋጥሞም ዚኽእል ጸገማት ብግቡእ ኣይዳለዉሉን እዮም። ገሊኣቶም ንእሽቶ ነቐፌታ ዓጽዓጽ የብሎም። ገሊኣቶም ከኣ፡ እቲ ንሳቶም ዚደልይዎ ዓይነት ስራሕ ጥራይ ኪሰርሑ ስለ ዚደልዩ፡ ስራሕ የቃይሑ። ንኣብነት፡ ዶክተር ጆሴፍ ኣለን ኣብታ እስኬፒንግ ዘ ኢንድለስ ኣዶለሰንስ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ሓደ መንእሰይ ኣብ ናይ ስራሕ ቃለ መጠይቕ ብዛዕባ ዝበሎ ነገር ገሊጹ ነበረ፣ እቲ መንእሰይ፡ “ገሊኡ ኽፋል እቲ ስራሕ ዜሰልኪ ኪኸውን ከም ዚኽእል ተረዲኡኒ ኣሎ፣ ኣነ ኸኣ ብስራሐይ ኪስልክየኒ ኣይደልን እየ” በለ። ዶክተር ኣለን፡ “ኵሉ ስራሕ ዜሰልኪ ኽፋል ከም ዘለዎ እተረድኦ ኣይመስለንን። ከመይ ኢሉ እዩ ነዚ ሓቂ እዚ ኸይፈለጠ ንዕስራን ሰለስተን ዓመት ዚነብር ነይሩ፧” ኢሉ ጸሓፈ።

ጠንቂ እቲ ጸገም እንታይ እዩ፧ ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ብዙሓት ወለዲ ንደቆም ካብ ዝዀነ ይኹን ጸገም ኬዕቍብዎም ከም ዘለዎም ኰይኑ እዩ ዚስምዖም። ጓሎም ኣብ ፈተና እንተ ወዲቓ፡ ናብ መምህራ ብምኻድ፡ ሽምጦም ገቲሮም ነጥቢ ንኺውሰኸላ ይከራኸሩ። ወዶም ጠንቀምቀም ኪብል ገለ ነገር እንተ ሰይሩ፡ ባዕላቶም ይሽፍኑሉ። ውሉዶም ምስ ፈታዊኡ እንተ ተባኢሱ ኸኣ፡ ነቲ ፈታዊኡ ተሓታቲ ይገብርዎ።

ንደቅኻ ምዕቋብ ባህርያዊ እኳ እንተ ዀነ፡ እምብዛ ምዕቋብ ግና፡ ጌጋ መልእኽቲ ኼመሓላልፍ ይኽእል እዩ፣ እወ፡ ደቅኻ በቲ ዚገብርዎ ነገራት ብሓላፍነት ዘይሕተቱ ዀይኑ ኸም ዚስምዖም ኪገብር ይኽእል እዩ። እታ ፖዘቲቭ ዲሲፕሊን ፎር ቲንኤጀርስ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ እምብዛ ዕቝባ ዚግበረሎም ቈልዑ፡ “ንስቓይን ንጓህን ኪሰግርዎ፡ ኻብኡ ድማ ኪምሃሩ ዚኽእሉ ቘልዑ ዘይኰኑስ፡ ኣብ ጥቕሚ ርእሶም ጥራይ ዜተኵሩ፡ እዛ ዓለም እዚኣን ወለዶምን ድማ ሰብ ዕዳኦም ከም ዝዀኑ ገይሮም ዚሓስቡ ቘልዑ ዀይኖም እዮም ዚዓብዩ” በለት።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ ጸገማት ክፋል ህይወት እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ እውን እንተ ዀነ፡ “ንዅሎም ጊዜን ኣጋጣምን ይመጾም” ይብል እዩ። (መክብብ 9:11) እዚ ኸኣ ንቕኑዓት ሰባት እውን ዜጠቓልል እዩ። ንኣብነት፡ ነቲ ክርስትያን ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ኣብ ኣገልግሎቱ ብዙሕ መከራ ኣጋጢምዎ ነበረ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ዘጋጠሞ መከራ ጠቒምዎ እዩ። ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ኣነስ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታት፡ ብዘሎኒ ይኣኽለኒ ምባል ተማሂረ እየ እሞ፡ . . . ናይ ጽጋብን ጥሜትን፡ ናይ ርኽበትን ስእነትን ምስጢር እፈልጥ እየ።”—ፊልጲ 4:11, 12

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ንደረጃ ብስለት ደቅኻ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቲ፡ “ነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ ኺጸውር እዩ” ዚብል መሰረታዊ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትስዕቦ ጽዓር። (ገላትያ 6:5) ወድኻ ጠንቀምቀም ኪብል ገለ ነገር እንተ ሰይሩ፡ ካብቲ ዚውሃቦ መውዕሎ ወይ ካብ ደሞዙ ኸም ዚኸፍል ግበር። ጓልካ ኣብ ፈተና እንተ ወዲቓ፡ ካብ ጌጋኣ ተማሂራ ንዚቕጽል ብዚግባእ ክትዳሎ ኣለዋ። ወድኻ ምስ ፈታዊኡ እንተ ተባኢሱ፡ ኣጸናንዓዮ፣ ይኹን እምበር፡ ግቡእ ኣብ ዚዀነሉ እዋን፡ ‘ምልስ ኢለ ኽሓስቦ ኸለኹ፡ ብወገነይ ዝገበርክዎ ጌጋ ነይሩዶ፧’ ንዚብልን ንኻልእን ሕቶታት ከም ዚሓስበሉ ግበር። ነቲ ዜጋጥሞም ጸገማት ባዕሎም ዚሰግርዎ ቘልዑ፡ ድልዱላትን ብርእሶም ዚተኣማመኑን እዮም ዚዀኑ፣ እዚ ኸኣ፡ እምብዛ ዕቝባ ዚግበረሎም ቈልዑ ኼጥርይዎ ዘይክእሉ ኽቡር ሃብቲ እዩ።

“ነፍሲ ወከፍ ገግብሩ ይመርምር እሞ፡ . . . ብርእሱ ዜሐብኖ ነገር ኪህልዎ እዩ።”—ገላትያ 6:4

3 እምብዛ ምሃብ

እቲ ጸገም እንታይ እዩ፧ ብዛዕባ ዝባጽሑ መንእሰያት ኣብ እተገብረ መጽናዕቲ፡ 81 ሚእታዊት፡ ቀንዲ ሸቶ ወለዶኦም፡ ንኻልኦት ምሕጋዝ ዘይኰነስ፡ ‘ሃብታም ምዃን’ ከም ዝዀነ ገለጹ። ኰይኑ ግና፡ ደድሕሪ ሃብቲ ምጕያይ፡ ዕግበት ኣየምጽእን እዩ። ከመይሲ፡ እተገብረ ምርምር ከም ዚሕብሮ፡ እቶም ኣብ ስጋዊ ሃብቲ ዜተኵሩ ሰባት፡ ዘይሕጉሳትን ኣመና ጭኑቓትን እዮም። ዝለዓለ መጠን ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጸገማት እውን ኣለዎም።

ጠንቂ እቲ ጸገም እንታይ እዩ፧ ኣብ ገሊኡ ዅነታት፡ ቈልዑ ብፍቕረ ንዋይ ኣብ እተዋሕጠ ስድራ ቤት እዮም ዚዓብዩ። ዘ ናርሲሲዝም ኢፒደሚክ ዘርእስታ መጽሓፍ ከምዚ በለት፦ “ወለዲ ንደቆም ኬሐጕስዎም እዮም ዚደልዩ፣ ቈልዑ ኸኣ ኣቕሑ ኺዕደገሎም ይደልዩ እዮም። ስለዚ፡ ወለዲ ይዕድጉሎም። ድሕሪኡ፡ እቶም ቈልዑ ይሕጐሱ፣ እዚ ግና ነዊሕ ኣይጸንሕን እዩ። ምኽንያቱ፡ እቶም ቈልዑ ኻልእ ኣቕሓ ምድላዮም ኣይተርፎምን እዩ።”

ሓቂ እዩ፡ ረክላማት ንባህጊ እቶም ዘዝረኣይዎ ኺዕድጉ ዚደልዩ ሰባት ይምዝምዞ እዩ። ንሰባት፡ ‘ዘዝበለጸ ንዓኻትኩም’ ወይ ከኣ ‘እዚ እዩ ንዓኻትኩም ዚግባእ’ ብዚብል መወዓውዒ ገይሩ ኺስሕቦም ይጽዕር እዩ። ብዙሓት ዝባጽሑ መንእሰያት ከኣ፡ ነዚ መልእኽቲ እዚ ስለ ዝኣመንዎ፡ ነቲ ንዓታቶም ‘ከም ዚግብኦም’ ተገይሩ እተነግሮም ነገራት ምኽፋል ስኢኖም ኣብ ዕዳ ዕንዲዳን ጥሒሎም እዮም።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ገንዘብ ኣድላዪ ኸም ዝዀነ ይገልጽ እዩ። (መክብብ 7:12) ኰይኑ ግና፡ “ፍቕሪ ገንዘብ፡ ሱር ኵሉ ዓይነት ክፍኣት እዩ” ብምባል እውን የጠንቅቕ እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ገሊኦም ነዚ እናተመጣጠሩ . . . ንርእሶም . . . ብብዙሕ ስቓይ ወጋግኡ” ይብል። (1 ጢሞቴዎስ 6:10) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ደድሕሪ ስጋዊ ሃብቲ ኽንጐዪ ዘይኰነስ፡ በቲ ንህይወት ዜድሊ መሰረታዊ ነገራት ክንዓግብ እዩ ዜተባብዓና።—1 ጢሞቴዎስ 6:7, 8

“እቶም ኪህብትሙ ዝቘረጹ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን፡ . . . ብዙሕ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እውን እዮም ዚወድቁ።”—1 ጢሞቴዎስ 6:9

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ወላዲ ኸም ምዃንካ መጠን፡ ነቲ ብዛዕባ ገንዘብን ብዛዕባ እቲ ንሱ ዚዕድጎ ነገራትን ዘሎካ ኣረኣእያ መርምሮ። ነቲ ቐዳምነት እትህቦ ነገራት ብንጹር ክትፈልጦ ጽዓር፣ ደቅኻ ኸምኡ ንኺገብሩ እውን ሓግዞም። እታ ዘ ናርሲሲዝም ኢፒደሚክ ዘርእስታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት መጽሓፍ ከምዚ ትብል፦ “ወለድን ውሉዳትን፡ ‘ብሕሱር ዋጋ ምዕዳግ ጽቡቕ ዝዀነ መዓስ እዩ፧ ጽቡቕ ዘይኰነኸ መዓስ እዩ፧’ ‘ምጣነ ወለድ እንታይ እዩ፧’ ‘ካልእ ሰብ ክትዕድጎ ኸም ዘሎካ ስለ ዝነገረካ ጥራይ ንሓደ ነገር ዝዓደግካሉ እዋን መዓስ እዩ፧’ ንዚብል ሕቶታት ኪመያየጡሉ ይኽእሉ እዮም።”

ካብቲ ኣቓልቦኻ ዜድልዮ ኣብ ስድራ ቤትካ ዘሎ ጸገም ንምህዳም ኢልካ “ኣቕሑ” ኣይትዓድግ። እታ ዘ ፕራይስ ኦቭ ፕሪቭለጅ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ንጸገማት ብንዋት ጌርካ ኽትሽፍኖ ምጽዓር፡ መፍትሒ ኣይከውንን እዩ። ንጸገማት ብተገዳስነትን ብምስትውዓልን ብሓልዮትን ደኣ እምበር፡ ሳእንን ቦርሳ ኢድን ብምዕዳግ ክትፈትሖ ኽትጽዕር የብልካን” በለት።

a መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቘልዑ ዚወርድ ኣካላዊ ዀነ ስምዒታዊ ማህሰይቲ ኣይድግፎን እዩ። (ኤፌሶን 4:29, 31፣ 6:4) ዕላማ መቕጻዕቲ፡ ወለዲ ሕርቃኖም ንኼውጽኡ ዘይኰነስ፡ ንምምሃር ኪኸውን ኣለዎ።