ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሃገራትን ህዝብታትን

ናብ ካመሩን እተገብረ ምብጻሕ

ናብ ካመሩን እተገብረ ምብጻሕ

ናይ መጀመርታ ተቐማጦ ካመሩን፡ እቶም ባካ ወይ ፒግሚ ዚብሃሉ ሓጸርቲ ሰባት ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ድሕሪኡ፡ ብ1500ታት ፖርቱጋላውያን መጹ። ኣማእታት ዓመታት ጸኒሑ ድማ፡ እቶም ፉላኒ ዚብሃሉ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና፡ ንሰሜናዊ ካመሩን ተቘጻጸርዎ። ሎሚ ኻብ ተቐማጦ ካመሩን እቶም 40 ሚእታዊት ክርስትያን ከም ዝዀኑ እዮም ዚዛረቡ፣ 20 ሚእታዊት ከኣ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና እዮም፣ እቶም ዝተረፉ 40 ሚእታዊት ከኣ ባህላዊ ሃይማኖታት ኣፍሪቃ እዮም ዚስዕቡ።

እቶም ኣብ ከባቢ ገጠር ዚነብሩ ሰባት፡ ተቐበልቲ ኣጋይሽ እዮም። ናብ ቤቶም ንዚመጽእ ጋሻ ብፍሽሑው ገጽ ተቐቢሎም እኽለ ማይ ይቕርቡሉ። ነቲ እቲ ብዓል ቤት ዚገብረልካ ነገራት ዘይምቕባል ከም ንዕቀት ጌርካ እዩ ዚርአ፣ ነቲ ዚግበረልካ ነገራት ምቕባል ከኣ ከም ኣኽብሮት ጌርካ እዩ ዚርአ።

ዕላል ዚጅመር፡ ብዛዕባ ኣባላት ስድራ ቤትን ብዛዕባ ድሕንነቶምን ብምሕታት እዩ። ብዛዕባ ዅነታት ማሎም ምሕታት እውን ልሙድ እዩ። ሓደ ጆሴፍ ዚብሃል ወዲ ካመሩን ከምዚ በለ፦ “ጋሻ ኻብ ቤት ወጺኡ ኪኸይድ ከሎ፡ ‘ደሓን ኩን’ ምባል ጥራይ እኹል ኣይኰነን። መብዛሕትኡ እዋን፡ እቲ ብዓል ቤት ነቲ ጋሻ ኽሳብ ፍርቂ መገዲ እናኣዕለለ የፋንዎ እዩ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ጋሻ ተሰናቢቱ ናብ ቤቱ ይምለስ። ከምዚ ዘይተገብረሉ ጋሻ፡ ዘይተኸብረ ዀይኑ ኺስምዖ ይኽእል እዩ።”

ሓድሓደ ግዜ ኣብ እዋን ምግቢ፡ ፈተውቲ ብሓባር ኰይኖም ብኢዶም ካብ ሓደ ሸሓኒ ይበልዑ እዮም። እዚ ባህሊ እዚ ኣብ ካመሩን ከም ምልክት ሓድነት ጌርካ እዩ ዚርአ። ሓድሓደ ግዜ፡ እዚ ልምዲ እዚ ነቶም ብገለ ምኽንያት ዕርክነቶም እተበላሸወ ሰባት ንምትዕራቕ ኣብ ጥቕሚ ይውዕል እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ብሓባር መኣዲ ምብላዕ፡ “ሕጂ ተዓሪቕና ኢና” ኸም ምባል እዩ።