ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስድራ ቤት | ኣተዓባብያ ውሉዳት

ውሉዳት እዙዛት ንኪዀኑ ምምሃር

ውሉዳት እዙዛት ንኪዀኑ ምምሃር

ጸገም

ንስኻን ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ውሉድካን፡ ‘ኣነ ዝበልክዎ እንተ ዘይኰነ’ ብዚብል ጕዳይ ኵሉ ሳዕ ኢኹም እትከራኸሩ፣ ኵሉ ሳዕ ከኣ ውሉድካ ዝበሎ ዚፍጸም እዩ ዚመስል።

  • ንውሉድካ ገለ ንሱ ኺገብሮ ዘይደልዮ ነገር ንኺገብር ክትነግሮ ኸለኻ፡ ዕጭ ይሕንፍፍ። *

  • ንሱ ኺገብሮ ዚደልዮ ነገር ከይገብር ክትነግሮ ኸለኻ ድማ፡ ኣመና ይቝጣዕ።

‘እዝስ ምስ ዕድመ ዚመጽእ ነገር ድዩ፧ ምስ ጐበዘ ይሓድጎ ደዀን ይኸውን፧’ ኢልካ ኽትሓስብ ትጅምር።

ንውሉድካ፡ እዙዝ ኪኸውን ክትምህሮ ትኽእል ኢኻ። ኰይኑ ግና፡ ብኸመይ ከምኡ ኸም እትገብር ቅድሚ ምርኣይና፡ ውሉድካ ኸምኡ ዓይነት ጠባይ ዜርእየሉ ሓደ ምኽንያት ንርአ።

እቲ ጸገም ዜጋጥመሉ ምኽንያት

ውሉድካ ገና ንእሽቶ ሕጻን ከሎ፡ ቀንዲ ሓላፍነትካ ንዕኡ ምክንኻን እዩ ነይሩ። ዝደለዮ ነገራት ከተማልኣሉ ድሉው ኢኻ ኔርካ። ኪበኪ እንተ ጀሚሩ፡ ካብ ዘለኻዮ ጐይኻ መጺእካ ዜድልዮ ነገራት ክትገብረሉ ላዕልን ታሕትን ትብል ኔርካ። ከም ሓቂ ድማ፡ ከምኡ ምግባርካ ግቡእን ኣገዳስን እዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ ሓደ ሕጻን ቀጻሊ ኣቓልቦ ወለዱ የድልዮ እዩ።

ይኹን እምበር፡ እቲ ንብዙሕ ኣዋርሕ ከምኡ ጌርካ ኽትከናኸኖ ዝጸናሕካ ውሉድ፡ ንሱ ጐይታ ገዛ፡ ወለዱ ኸኣ ንትእዛዙ ዚፍጽሙ ባሮት ከም ዝዀኑ ገይሩ ኺሓስብ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ውሉድካ ወዲ ኽልተ ዓመት ምስ ኰነ፡ ኵሉ ነገራት ከምቲ ዝሓሰቦ ዘይምዃኑ ኺግንዘብ ይጅምር፣ ለካስ ከምቲ ዝሓስቦ ዝነበረ፡ “ጐይታ” ኣይኰነን። ወለዱ ነቲ ናቱ ትእዛዛት ኣይኰኑን ዚፍጽሙ፣ ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ ንሱ ነቲ ናታቶም ትእዛዝ ኪፍጽም እዮም ዚጽበይዎ። እዚ ዅሉ ነቲ ቘልዓ ድቦላ ኪዀኖ ይኽእል እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ገሊኦም ውሉዳት ኣመና ይቝጥዑ። ገሊኣቶም ከኣ ንስልጣን ወለዶም ኣይእዘዙን እዮም።

ኣብ ከምዚ ዓይነት ኣጸጋሚ እዋን፡ ሓደ ወላዲ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቐዲሙ ዝነበሮ ሓላፍነት፡ ካልእ ሓድሽ ሓላፍነት ኪስከም ኣለዎ፣ ውሉዱ እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎ ንጹር መምርሒ ዚህብ ብዓል ስልጣን ኪኸውን ኣለዎ። ኰይኑ ግና፡ ውሉድካ ኸምቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ኣብነት፡ ንመምርሒታትካ ሸለል ዚብሎ ወይ ዚነጽጎ እንተ ዀይኑኸ፧

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

መሪሕ ግደ ይሃሉኻ። ውሉድካ ኸም መራሒ ገይሩ ኺርእየካ እንተ ደሊኻ፡ መምርሒ ኽትህብ ከለኻ ኺርኢ ኣለዎ። ስለዚ፡ ንስልጣንካ ብሚዛናዊ መገዲ ተጠቐመሉ። ኣብዚ ቐረባ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ገሊኦም ምሁራት ዚብሃሉ ሰባት፡ ነታ “ስልጣን” እትብል ቃል ምስ ጭካነ የተሓሕዝዋ እዮም። አረ ሓደ ምሁርሲ፡ እቲ ወለዲ ዘለዎም ስልጣን፡ “ስነ ምግባርን ኣደብን ዚጐድሎ” ኸም ዝዀነ ተዛሪቡ እዩ። ኰይኑ ግና፡ እቶም ምሁራት ከም ኣማራጺ ገይሮም ዚጠቕስዎ ንውሉዳት ምሕንቃቕ፡ ንውሉዳት ከም ዚደናገሩን ቀበጥበጥ ከም ዚብሉን ንርእሶም ሰማይ ከም ዚሰቕልዋን እዩ ዚገብሮም። ከምዚ ዓይነት ኣተዓባብያ፡ ሓላፍነት ዚስምዖም ኣባጽሕ ንኪዀኑ ኣየዳልዎምን እዩ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ምሳሌ 29:15

ተግሳጽ ሃብ። ሓደ መዝገበ ቓላት ብዛዕባ ትርጉም “ተግሳጽ” ኪገልጽ ከሎ፡ “መብዛሕትኡ እዋን ብመልክዕ መምርሒ ዚውሃብ፡ እቲ መምርሒ እንተ ተጣሒሱ ድማ መቕጻዕቲ ዜስዕብ፡ ተኣዛዝነት ወይ ርእሰ ግትኣት ዜፍሪ ስልጠና እዩ” በለ። ሓቂ እዩ፡ ተግሳጽ ሚዛኑ ኺስሕትን ሃሳዪ ኪኸውንን የብሉን። በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ፡ እቲ ተግሳጽ ንውሉድካ ንጹር ኪዀነሉን እቲ ዚገብሮ ነገራት ሳዕቤን ከም ዘለዎ ኺርዳእን ኣለዎ፣ ከምኡ እንተ ዘይኰይኑ ግና፡ ለውጢ ንኺገብር ኣይኪድረኽን እዩ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ምሳሌ 23:13

ንጹር ትእዛዝ ሃብ። ገሊኦም ወለዲ፡ ንውሉዶም ገለ ነገር ንኺገብር ኪነግርዎ ኸለዉ፡ ሕቶ እዮም ዚሓትትዎ። (ንኣብነት፡ “ክፍልኻ ኣለዓዕሎ፡ ሕራይዶ፧” ይብሉ።) ከምኡ ምግባር፡ ጽቡቕ ጠባይ ኰይኑ ይስምዖም ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ከምኡ ዓይነት ሜላ ምጥቃም፡ ነቲ ወላዲ ስልጣኑ እዩ ዜስእኖ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እቲ ውሉድ፡ ንኣወንታውን ንኣሉታውን ጐድንታት እቲ ሕቶ ብምምዛን፡ ንኺእዘዝ ወይ ንኸይእዘዝ ይውስን። ስለዚ፡ ሕቶ ብምሕታት ንስልጣንካ ኣሕሊፍካ ኣብ ክንዲ እትህብ፡ ንጹር ትእዛዝ ሃብ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ 1 ቈረንቶስ 14:9

ጽኑዕ ኩን። ‘ኣይፋል’ እንተ ደኣ ኢልካ፡ ቃልካ ሓሉ፣ ምስ መጻምድትኻ ድማ ኣብ ውሳነኹም ስኒት ይሃልኹም። ንውሉድካ፡ እንተ ዘይተኣዚዙ ኸም ዚቕጻዕ ነጊርካዮ እንተ ኔርካ፡ ከምቲ ዝበልካዮ ግበር። ንውሉድካ ብዛዕባ ውሳነኻ ንኸተረድኦ ኢልካ ኣብ ዘየድልን መወዳእታ ዘይብሉን ክትዕ ኣይትእቶ። ብሓጺሩ፡ ‘“እወ” ዝበልካዮ፡ እወ፡ “ኣይኰነን” ዝበልካዮ ድማ፡ ኣይኰነን እንተ ዀይኑ፡’ ንውሉድካ ዀነ ንዓኻ ዅሉ ነገር ቀሊል ኪዀነልኩም እዩ።ያእቆብ 5:12

ፈቃር ኩን። ስድራ ቤት ብዲሞክራስያዊ ወይ ብምልካዊ ስርዓት ኣይኰነን ዚምራሕ። የግዳስ፡ ውሉዳት ሓላፍነት ዚስምዖም ኣባጽሕ ክሳዕ ዚዀኑ ፍቕራዊ መምርሒ ዚረኽቡሉ ኣምላኽ ዘቘሞ መሰናድዎ እዩ። ውሉድካ ነቲ መምርሒ ኻብ ዚረኽበሉ መገድታት እቲ ሓደ ድማ፡ ተግሳጽ እዩ፣ እዚ ኸኣ እዙዝ ንኪኸውን ኪሕግዞ እዩ፣ ከም እተፍቅሮ ዀይኑ ኸም ዚስምዖ ድማ ኪገብር እዩ።

^ ሕ.ጽ. 5 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነቲ ቘልዓ ብተባዕታይ ጾታ እኳ እንተ ጠቐስናዮ፡ እቲ መሰረታዊ ስርዓታት ግና ንኽልቲኡ ጾታ ዚምልከት እዩ።