ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር

ንግዳም ሓደርን ንድኻታትን ዚኸውን ተስፋ

ንግዳም ሓደርን ንድኻታትን ዚኸውን ተስፋ

ጆ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብር ገዲም ወተሃደር እዩ ነይሩ። ብሰንኪ ውልቃዊ ጸገማትን ምስ ስድራ ቤት ዚተሓሓዝ ዜሕዝን ፍጻመታትን፡ ንኣስታት 18 ዓመት ግዳም ሓደር እዩ ነይሩ። ሓደ እዋን፡ ኣብቲ ኸባቢኡ ናብ ዚርከብ ቤተ መጻሕፍቲ ኪኸይድ ጀመረ፣ ኣብኡ ድማ ሓሓሊፉ ምስ ሓንቲ ኣብቲ ቤተ መጻሕፍቲ እትሰርሕ ሰበይቲ ይዛራረብ ነበረ። እቲ ዚገብሮ ዝነበረ ዝርርብ ድማ ንህይወቱ ቐየሮ።

ማርቲን ዝስሙ ኣብ ኣርጀንቲና ዚነብር መንእሰይ፡ መንፈሳዊ ጥሜት ነበሮ። ህይወት ዕላማ ዘይብላ ዀይኑ ድማ ይስምዖ ነበረ። ዕላማ ህይወት ምእንቲ ኺፈልጥ፡ ካብ ቤቱ ወጸ፣ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኸኣ ኪሓድር ጀመረ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ዚደልዮ ዝነበረ ጕዳይ፡ መልሲ ኣይረኸበሉን፣ ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ ብጭንቀት ተዋሕጠ። ንኣምላኽ ከኣ፡ “ብሓቂ እንተ ኣሊኻ፡ በጃኻ ኽረኽበካ ሓግዘኒ” ኢሉ እናነብዐ ለመኖ። እሞኸ ውጽኢቱ እንታይ ኰነ፧ ነዚ ጸኒሕና ኽንምለሶ ኢና።

ሰባት ብእተፈላለየ ምኽንያት እዮም ግዳም ሓደር ዚዀኑ። ገሊኣቶም ልክዕ ከም ጆ፡ ኣብ ውልቃዊ ህይወቶም ዜሕዝን ፍጻመ የጋጥሞም ይኸውን። ገሊኣቶም ከኣ ከም ማርቲን፡ ህይወት ትርጉም ዘይብሉ ዕንክሊል ስለ ዝዀኖም፡ ካብቲ “ንቡር” ዚብሃል ዚፍለ ህይወት ኪነብሩ ይደልዩ። ገሊኣቶም ድማ ብሰንኪ ድኽነትን ባህርያዊ ሓደጋን ዘቤታዊ ዓመጻን ምውሳድ ሓሽሽን ምብዛሕ ኣልኮላዊ መስተን ኣእምሮኣዊ ሕማምን ግዳም ሓደር ይዀኑ፣ ገሊኣቶም ከኣ ገዛ ኺካረዩ ዓቕሚ ስለ ዘይብሎም ወይ ካብ ስራሖም ስለ ዚስጐጉ፡ ግዳም ሓደር ዚዀኑ ኣለዉ።

ግዳም ሓደር ምዃን፡ ኣብተን ኣብ ምምዕባል ዚርከባ ወይ ከኣ ኣብተን ብውግእ ወይ ብቝጠባዊ ቕልውላው እተሃስያ ሃገራት ጥራይ ዘሎ ጸገም ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ፣ ኰይኑ ግና፡ ፖል ቶሮ ዝስሙ ፕሮፌሰር ስነ ኣእምሮ፡ ግዳም ሓደር ምዃን “ኣብተን ኣዝየን ዝማዕበላ ሃገራት እውን፡ ዓብዪ ማሕበራዊ ጕዳይ ኰይኑ ኣሎ” በለ። * ገለ ኻብቲ ሰባት ግዳም ሓደር ዚዀኑሉ ዘለዉ ምኽንያት፡ ምስቲ ነተን ትሑት ኣታዊ ዘለወን ስድራ ቤታት ዚውሃብ ረድኤት ዚተሓሓዝ ዘይውጽኢታዊ ፖሊሲታት መንግስቲ፡ ከምኡ እውን እቲ እናዓበየ ዚኸይድ ዘሎ ዘይምምጥጣን ኣታዊ ኺጥቀስ ይከኣል እዩ።

ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ጽባሕ ይጭነቑ እዮም። ገሊኣቶም ግና፡ ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንመጻኢ ብዚምልከት ዚብሎ ነገራት ብምሕሳብ ንጭንቀቶም ነክዮምዎ እዮም፣ ነዚ ጕዳይ እዚ ጸኒሕና ኽንምለሶ ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወትና ኽንመርሓሉ እንኽእል ዜተኣማምን ስርዓታት ስለ ዚህበና፡ ሎሚ እውን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ፣ ከመይሲ፡ እቲ ስርዓታት፡ ንቝጠባዊ ውሕስነትናን ንስምዒታዊ ጥዕናናን የመሓይሾ እዩ፣ ጆን ማርቲንን ከምኡ ምዃኑ ተመኪሮምዎ እዮም።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወቱ ቐየሮ

ሲንዲ ዝስማ ኣብቲ ጆ ዚመላለሰሉ ዝነበረ ቤተ መጻሕፍቲ እትሰርሕ ሰበይቲ፡ ንዕኡ ብተደጋጋሚ ትርእዮ ነበረት፣ “ኣስተውዓልን እዱብ ዝጠባዩን ትሑትን እዩ” ድማ በለት። ናይ የሆዋ ምስክር ስለ ዝዀነት፡ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛንቕሑ!ን ትህቦ ነበረት፣ ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኪመጽእ እውን ትዕድሞ ነበረት። ናብቲ ኣኼባታት ምስ ከደ ድማ፡ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ብለውሃትን ብኣኽብሮትን ስለ እተቐበልዎ፡ ኣዘውቲሩ ኺእከብ ጀመረ። ሓደ ኻብቶም ኣብቲ ጉባኤ ዝነበሩ ሰባት፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሓሉ ምስ ሓተቶ ኸኣ፡ ፍቓደኛ ዀነ።

ጆ መጽሓፍ ቅዱስ ሳላ ዘጽንዐ፡ ንገዛእ ርእሱ ዘለዎ ኣኽብሮት ወሰኸ

ጆ ኻብቲ እተማህሮ ትምህርቲ ብዙሕ ምጽንናዕ ረኸበ፣ ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ኪትግብሮ ጀመረ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ህይወቱ ዓብዪ ለውጢ ኺገብር ዚሓትት እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ ህይወት ውህበት ኣምላኽ ስለ ዝዀነት ብኣኽብሮት ክትተሓዝ ከም ዘለዋን ምትካኽ ሽጋራ ንሰብነትና ኸም ዜርክሶን ተማህረ። (መዝሙር 36:9) ምስቲ ኣብ 2 ቈረንቶስ 7:1 ዚርከብ “ካብ ኵሉ እቲ ስጋ . . . ዜርክስ ርእስና ነንጽህ” ዚብል ስርዓት ብምስምማዕ ድማ፡ ምትካኽ ሽጋራ ኣቋረጸ። ከምኡ ምግባሩ ንጥዕናኡ ጠቒምዎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ገንዘብ ካብ ምጥፋእ እውን ሰቲርዎ እዩ።

ጆ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ንገዛእ ርእስና ንምድጋፍ ዚከኣለና ኽንጽዕር ከም ዘሎና ዚገልጽ ምኽሪ ብምስዓብ፡ ስራሕ ኪደሊ ጀመረ። * (1 ተሰሎንቄ 4:11, 12) መክብብ 2:24፡ “ንሰብሲ ኻብ ምብላዕን ምስታይን ካብቲ ኺጽዕር ከሎ ንነፍሱ ባህ ምባልን ዚሐይሽ የብሉን” ትብል። ብሓቀኛነት ዚስራሕ ስራሕ፡ ክብረትና ኸም እንሕሉ ስለ ዚገብረና፡ ንገዛእ ርእስና ዘሎና ኣኽብሮት ይውስኽ እዩ፣ እዚ ኸኣ ንሓጐስና የዛይዶ እዩ። ብዘይካዚ፡ ንስኡናት ክንሕግዞም ንኽእል ኢና።ኤፌሶን 4:28

ሲንዲ ኸም ዝገለጸቶ፡ “ኣባላት እታ ጉባኤ” ንቕንዕና ጆ ምስ ረኣዩ፡ “ሓንጎፋይ ኢሎም ተቐበልዎ፣ ገሊኣቶም ድማ ቤትን ካልእ ዜድልዮ ነገራትን ንኺረክብ ሓገዝዎ።” ጆ ቐጻሊ ዕቤት ብምግባር፡ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይኑ ተጠምቀ። ሕጂ ንኻልኦት ሰባት ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበብ ኣምላኽ ኪጥቀሙ ኼተባብዖም ከሎ፡ ንውልቃዊ ተመክሮኡ እዩ ዚጠቕሰሎም።ምሳሌ 3:13, 14

ዕላማ ህይወት ፈለጠ

ማርቲን ብዛዕባ ዕላማ ህይወት ንኺፈልጥ ኪጽዕር ዝጀመረ፡ ወዲ 20 ዓመት ከሎ እዩ። ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ነቲ ኣብ ውሽጠይ ዚስምዓኒ ዝነበረ ባዶነት ምእንቲ ኼጥፍኣለይ፡ እተፈላለያ ሃይማኖታትን ፍልስፍናን እምርምር፡ ሓሽሽ እውን እወስድ ነበርኩ፣ እዚ ግና ዋላ ሓንቲ ኣይጠቐመንን” በለ። ንእተወሰነ እዋን ኣብ ካሊፎርንያ፡ ሕ.መ.ኣ. ምስ ተቐመጠ፡ ናብ ሃዋይ ከደ። ተዘክሮኡ ኺገልጽ ከሎ ድማ፡ “ገነት ዝረኸብኩዋ ዀይኑ ተሰምዓኒ” በለ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ባህ ዜብል ትርኢት ነቲ ዚስምዖ ዝነበረ ባዶነት ኣየጥፍኦን። ማርቲን፡ “ኣመና ብጭንቀት ስለ እተወሓጥኩ፡ ርእሰ ቕትለት ክፍጽም እውን እሓስብ ነይረ እየ” በለ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ኵነታት ከሎ እዩ ንኣምላኽ፡ “ብሓቂ እንተ ኣሊኻ፡ በጃኻ ኽረኽበካ ሓግዘኒ” ኢሉ እናነብዐ ዝለመኖ።

ማርቲን ብዛዕባ ህይወት ኣወንታዊ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎ

ማርቲን፡ ኣቐድም ኣቢሉ “ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር” ዚብል ምልክት ከም ዘንበበ ዘከረ። ናብኡ ኸይዱ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባ ኺእከብ ድማ ወሰነ። ማርቲን፡ “ጸጕረይን ጭሕመይን ነዊሕ እዩ ነይሩ፣ ክዳን ካብ ዝቕይር ድማ ኣዋርሕ እዩ ሓሊፉ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ሓንጐፋይ ኢሎም እዮም ተቐቢሎምኒ” በለ። ብውልቁ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓሉ ተሰማምዐ፣ ካብቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዚሓድረሉ ዝነበረ “ቤት” ናብቲ ኣብ ማእከል ከተማ ዚርከብ ኣደባባይ እናመጸ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዕ ነበረ።

ኣብ መወዳእታኡ፡ ማርቲን ንሕቶታቱ ዚኸውን ዜዕግብ መልስታት ኪረክብ ጀመረ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ጭንቀቱ ሓደጎ፣ ነቲ የሱስ ዝጠቐሶ ሓጐስ ድማ ረኸበ፣ የሱስ፡ “መንፈሳውነት ዚሃርፉ . . . ሕጉሳት እዮም” ኢሉ ነይሩ እዩ።ማቴዎስ 5:3

“ሰባት በቲ ዝገበርክዎ ለውጢ ኣዝዮም እዮም ዚድነቑ”

ማርቲን እውን ህይወቱ ምእንቲ ኼተዓራሪ፡ ነቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ጆ ዝሓገዞ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪትግብሮ ምስ ጀመረ፡ ብዛዕባ ህይወት ዘለዎ ኣረኣእያ ኸም እተቐየረ ብንጹር ተራእየ። ብዝያዳ ድማ ብዛዕባ ትርኢቱ ኺሓስብ ጀመረ፣ ብሓገዝ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ስራሕን ዚነብረሉ ቤትን ረኸበ። ከምዚ በለ፦ “ቀደም፡ ኣብ ኣደባባይ ከም ዚነብር ግዳም ሓደር እየ ዝፍለጥ ነይረ፣ ሕጂ ግና ሰባት በቲ ዝገበርክዎ ለውጢ ኣዝዮም እዮም ዚድነቑ።”

ማርቲን ጸኒሑ ናብ ኣርጀንቲና ተመልሰ፣ ኣብኡ ኸኣ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይኑ ተጠምቀ። ሕጂ ነቶም ብመንፈሳዊ መዳይ ዚጠምዩ ሰባት፡ ንኣገዳሲ ሕቶታት ህይወት መልሲ ንኺረኽቡሉ ኺሕግዞም ምኽኣሉ ኸም ፍሉይ መሰል ገይሩ እዩ ዚርእዮ።

ግዳም ሓደር ምዃንን ድኽነትን ዚጠፍኣሉ እዋን

ጥንቲ ዝነበረ ኤርምያስ ዝስሙ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ኣዝዩ ዜጨንቕ ኵነታት ኣጋጢምዎ ነበረ። ጨካን ጸላኢ ንሃገሩ ወረራ፣ ንብዙሓት ደቂ ዓዱ ማሪኹ ብምውሳድ ድማ ባሮት ገበሮም። (ድጕዓ ኤርምያስ 1:3) ኤርምያስ ዋላ እኳ እንተ ዘይተማረኸ፡ ጥራይ ኢዱ እዩ ተሪፉ። ብሓዘን ተዋሒጡ ድማ፡ “ሽጋረይን ኰብለል ምባለይን [“ቤት ኣልቦነተይን፡” NWHS.4] . . . ዘክር” ኢሉ ናብ ኣምላኽ ጸለየ።ድጕዓ ኤርምያስ 3:19

ኤርምያስ ብዙሕ መከራ እኳ እንተ ኣጋጠሞ፡ ተስፋ ግና ኣይቈረጸን። ስለምንታይ፧ ቀዳማይ፡ የሆዋ ኸም ዘይጥንጥኖ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ኤርምያስ 1:8) ካልኣይ፡ ተመሃራይ ቅዱሳት ጽሑፋት እዩ ነይሩ፣ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ድማ፡ ድኽነትን መከራን ጠፊኡ ብናይ ሓቂ ሰላምን ድሕንነትን ዚትክኣሉ እዋን ከም ዚመጽእ ተገሊጹ ኣሎ።መዝሙር 37:10, 11

“ኣባይቲ ኺሰርሑን ኪነብሩለንን እዮም።”ኢሳይያስ 65:21

እዚ ዅሉ ግና ብሰብኣዊ ጻዕርታት ዘይኰነስ፡ በታ ፍጽምቲ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ ዚመጽእ። (ዳንኤል 7:13, 14) ንጉስ እታ መንግስቲ እቲኣ፡ የሱስ ክርስቶስ እዩ፣ ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ድማ፡ ንድኻታት ከም ዚድንግጸሎም ኣርእዩ እዩ። (ሉቃስ 7:22፣ 14:13) ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ፡ “እቲ ጻድቕ ኪዕምብብ፡ . . . ብዝሒ ሰላም ኪህሉ እዩ። ነቲ ዚጠርዕ ድኻን ነቲ ረዳኢ ዜብሉ መስኪንን ኬናግፎ እዩ። ንነፍሶም ካብ ምጥቃዕን ግፍዕን ኪብጀዋ . . . እዩ።”መዝሙር 72:7, 12, 14

ትምህርትታት የሱስ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ዘተኰረ እዩ። (ሉቃስ 4:43) ብዘይካዚ፡ ንሰባት፡ “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢሎም ኪጽልዩ ምሂርዎም እዩ። (ማቴዎስ 6:9, 10) መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ ነገራት ምስ ተቘጻጸረቶ፡ ኣብ ምድሪ ዚህሉ ህይወት ከመይ ኪመስል እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ይገልጸልና እዩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪገልጽ ከሎ ኸምዚ ይብል፦

  • “ኣባይቲ ኺሰርሑን ኪነብሩለንን እዮም፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ፡ ፍሬኡውን ኪበልዑ እዮም። . . . ሕሩያተይ ድማ ጻማ ግብሪ ኣእዳዎም ኪበልዑ እዮም እሞ፡ ካልኦት ዚነብሩሉ ኣባይቲ ኣይኪሰርሑን፡ ካልኦት ፍሬኡ ዚበልዕዎ ኸኣ ኣይኪተኽሉን እዮም።”ኢሳይያስ 65:21, 22

  • “ኣፍ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ተዛሪብዎ እዩ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ኪቕመጥ እዩ፡ ዜፍርሆም ከኣ የልቦን።”ሚክያስ 4:4

እዚ እተረጋገጸ ተስፋ እዚ፡ ኣብ እዋን ፈተና ኼበራትዓና ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ከምቲ ጆን ማርቲንን ብዙሓት ካልኦትን ኣብ ህይወቶም ዝረኣይዎ፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሎሚ እውን እንተ ዀነ ትርጉም ዘለዎን ዜዕግብን ህይወት ንኽንነብር ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። እቲ ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ፡ “እቲ ዚሰምዓኒ ግና ብደሓን ኪነብር፡ ንኽፉእ ከይፈርሄ ኸኣ ኪሀድእ እዩ” ዚብል ውሕስነት ሂቡና ኣሎ። (ምሳሌ 1:33) ንዓኻ እውን ኣብ ህይወትካ ኸምኡ ኺስምዓካ ንምነየልካ!

^ ሕ.ጽ. 6 ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ብሰንኪ ግጭት፡ ዓመጻ፡ ወይ መስጐጕቲ፡ ካብ መረበቶም ተሰዲዶም እዮም፣ ብሰሩ ኸኣ ኣብ ካልእ ሃገር ስደተኛታት ይዀኑ፣ ወይ ከኣ ኣብ ገዛእ ሃገሮም ይፋናቐሉ እዮም። እዚ ጸገም እዚ፡ ኣብታ ናይ 22 ጥሪ 2002 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ተገሊጹ ኣሎ።

^ ሕ.ጽ. 11 ገሊኦም ኪሰርሑ ዚደልዩ ሰባት ምናልባት ብሰንኪ ስንክልና፡ ሕማም፡ ወይ እርጋን፡ ኪሰርሑ ኣይክእሉን ይዀኑ። ኣምላኽ ነቶም ‘ኪዓዩ ዘይደልዩ’ ሰባት እዩ ዚዅንኖም።2 ተሰሎንቄ 3:10