ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዚግበር ዝርርብ

ኣምላኽ ንሰባት ኣብ ገሃነም እሳት ኣእትዩ ድዩ ዚቐጽዖም፧

ኣምላኽ ንሰባት ኣብ ገሃነም እሳት ኣእትዩ ድዩ ዚቐጽዖም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ምምይያጥ ባህ ይብሎም እዩ። ክትዘራረበሉ እትደሊ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ርእሰ ነገር ኣሎካዶ፧ ብዛዕባ እምነትን ሃይማኖታዊ ልምድታትን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ እንተ ደሊኻ፡ ምስ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ክትራኸብ ከለኻ፡ ከይተሰከፍካ ነቲ ጕዳይ ኣበግሶ። ንሱ እውን ተሓጒሱ ኺምልሰልካ እዩ።

ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ምስ ካልእ ሰብ ዚገብሮ ዝርርብ ከምዚ ዚስዕብ ኪመስል ይኽእል እዩ። ምስግና ዚብሃል ናይ የሆዋ ምስክር ናብ እንዳ ሓደ ኣስመሮም ዚብሃል ሰብኣይ ከም ዝኸደ ጌርና እስከ ንሕሰብ።

ኣምላኽ ንእኩያት ኪቐጽዖም ድዩ፧

ምስግና፦ ኣስመሮም ከመይ ቀኒኻ፧

ኣስመሮም፦ ደሓን እየ። ንስኻኸ ደሓንዶ ቐኒኻ፧

ምስግና፦ ጽቡቕ ኣለኹ። ብዛዕባ እታ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዘበገስካያ ጕዳይ ክሓስብ ቀንየ።

ኣስመሮም፦ ብዛዕባ እንታይ ማለትካ ኢኻ፧

ምስግና፦ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ገሃነም እሳት ከም ዘይኣምኑ ምስ ሰማዕካ ኸም እተገረምካ ነጊርካኒ ኔርካ።

ኣስመሮም፦ ኣሃ፡ እወ። ሓቂ ይሓይሽ፡ ብዛዕባ ገሃነም እሳት ዘይትኣምኑ ምዃንኩም ፈጺሙ ኣይወሓጠለይን እዩ።

ምስግና፦ እተሰምዓካ ስለ እተዛረብካ አመስግነካ። ናይ ካልኦት ሰባት ርእይቶ ምስማዕ የሐጕሰኒ እዩ። ሰባት ብዛዕባ ገሃነም እሳት እተፈላለየ ኣረኣእያ ስለ ዘለዎም፡ ንስኻ እንታይ ኢልካ ኸም እትኣምን ክትነግረኒ ትኽእልዶ፧

ኣስመሮም፦ እኩያት ሰባት ምስ ሞቱ ኣብ ገሃነም እሳት ከም ዚኣትዉን ኣብኡ ንዘለኣለም ከም ዚሳቐዩን እየ ዝኣምን።

ምስግና፦ መብዛሕትኦም ሰባት ከምኡ ኢሎም እዮም ዚኣምኑ። ሓንቲ ሕቶ ግና ኽሓትተካ፦ ኣብ ህይወትካ ሕማቕ ነገር ኣጋጢሙካዶ ይፈልጥ፧

ኣስመሮም፦ እወ። ሓብተይ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ተቐቲላ እያ።

ምስግና፦ ዜሕዝን እዩ። መቸም ብጣዕሚ ጕሂኻ ኽትከውን ኣሎካ።

ኣስመሮም፦ እወ። ብዛዕባኣ ኸይሓሰብኩ ውዒለ ኣይፈልጥን እየ።

ምስግና፦ ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ ገሃነም እሳት ኣትሪሮም ዚዛረቡ፡ ብተግባራት እኩያት ሰባት ስለ እተጸልዉ ኸም ዝዀነ እፈልጥ እየ። ምኽንያቱ፡ ግዳይ እከይ ዝዀኑ ንጹሃት ሰባት፡ እኩያት ሰባት ብተግባሮም ኪቕጽዑ ይደልዩ እዮም።

ኣስመሮም፦ እወ፡ ኪቕጽዑ ኣለዎም። እቲ ብሞት ሓብተይ ተሓታቲ ዝዀነ ሰብኣይ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ስድራ ቤትና ዘውረዶ ጕድኣት ናይ ኢዱ ኺረክብ እየ ዝደሊ።

ምስግና፦ ከምኡ ኺስምዓካ ንቡር እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ እውን እንተ ዀነ፡ ኣምላኽ በቲ ንንጹሃት ሰባት ዚወርዶም ግፍዒ ኸም ዚሓርቕን ንእኩያት ሰባት ኪቐጽዖም ምዃኑን ይምህር እዩ። ኢሳይያስ 3:11፡ “ንረሲእሲ እኩይ ኪረኽቦ እዩ፡ ግብሪ ኢዱ ኺፍደ እዩ እሞ፡ ወይለኡ” ትብል። ስለዚ፡ ኣምላኽ ንእኩያት ሰባት ከም ዚቐጽዖም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

ኣስመሮም፦ ገሃነም እሳት እንተ ዘየልዩ ግና፡ እዚ ብኸመይ እዩ ኺፍጸም፧

ምስግና፦ ጽብቕቲ ሕቶ እያ። መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ብሓጺሩ፡ ‘ኣምላኽ ንእኩያት ሰባት ንዘለኣለም ኬጥፍኦም እዩ’ ዚብል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 2 ተሰሎንቄ 1:9 እንታይ ከም ዚብል ከርእየካ። ከተንብባዶ፧

ኣስመሮም፦ ሕራይ። “ንሳቶም ብመቕጻዕቲ፡ ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ካብ ቅድሚ ጐይታና . . . ኪቕጽዑ እዮም” ትብል።

ምስግና፦ ኣምላኽ ንእኩያት ሰባት ብናይ ዘለኣለም ሞት ስለ ዚቐጽዖም፡ ኣብ መጻኢ ብህይወት ናይ ምንባር ተስፋ የብሎምን ማለት እዩ።

ኣስመሮም፦ እታ ጥቕሲ እትብሎ ዘላ ተረዲኡኒ ኣሎ፣ ፍትሓዊ ዀይኑ ግና ኣይስምዓንን እዩ። ኵሉ ሰብ ይመውት እዩ። እኩያት ሰባት ልዕሊኡ ደይኰኑን ኪቕጽዑ ዚግብኦም፧

ፍትሒ ዚጠልቦ ነገራት

ምስግና፦ ፍትሒ እትፈቱ ሰብ ኢኻ።

ኣስመሮም፦ እወ፡ ናይ ብሓቂ እየ ፍትሒ ዝፈቱ።

ምስግና፦ እዚ ዚንኣድ እዩ። ደቂ ሰብ ቅኑዕን ጌጋን ክንፈሊ እንኽእል፡ ኣምላኽ ከምኡ ገይሩ ስለ ዝፈጠረና እዩ። ንሱ እውን እንተ ዀነ፡ ብዛዕባ ፍትሒ ኣዝዩ ይግደስ እዩ። ኰይኑ ግና፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ኣምላኽ ንሰባት ኣብ ገሃነም እሳት ኣእትዩ ኸም ዚቐጽዖም ኪምህሩ ኸለዉ፡ ንኣምላኽ ዘይፍትሓዊ እዮም ዚገብርዎ።

ኣስመሮም፦ እንታይ ማለትካ ኢኻ፧

ምስግና፦ ሓደ ኣብነት እስከ ኽጠቕሰልካ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብዛዕባ ኣዳምን ሄዋንን ዚገልጽ ጸብጻብ ትፈልጦዶ፧

ኣስመሮም፦ እወ። ኣምላኽ፡ ካብ ፍረ ሓንቲ ኦም ከይበልዑ እኳ እንተ ነገሮም፡ ንሳቶም ግና ኣይተኣዘዙን።

ምስግና፦ ጽቡቕ ኣለኻ። ነቲ ብዛዕባ እዚ ዚገልጽ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ እስከ ነንብቦ። ኣብ ዘፍጥረት 2:16, 17 እዩ ዚርከብ። “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንሰብ፤ ካብ ኵሉ ኦም ገነት ከም ዝደሌኻ ብላዕ፡ ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና፡ ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ፡ ካብኣ ኣይትብላዕ፡ ኢሉ አዘዞ” ይብል። ኣዳም ካብታ ፍረ እንተ በሊዑ እንታይ ከም ዚኸውን እዩ ኣምላኽ ነጊርዎ፧

ኣስመሮም፦ ከም ዚመውት።

ምስግና፦ ልክዕ። ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ብሰሪ እቲ ኣዳም ዝፈጸሞ ሓጢኣት፡ ብምሉኦም ደቂ ሰብ ሓጥኣን ኰይኖም እዮም ዚውለዱ። a ኰይኑ ግና፡ ኣምላኽ ንኣዳም ኣብ ገሃነም እሳት ኣእትዩ ኸም ዚቐጽዖ ተዛሪቡ ድዩ፧

ኣስመሮም፦ ኣይተዛረበን።

ምስግና፦ ኣዳምን ሄዋንን ንዘለኣለም ኪሳቐዩ ዚግብኦም እንተ ዚዀኑ ነይሮም፡ ኣምላኽ ኣቐዲሙ ኣይመጠንቀቖምንዶ፧ ከምኡ ምግባር፡ ፍትሓውን ፍቕሪ ዝመልኦን ደይኰነን፧

ኣስመሮም፦ እወ፡ ሓቅኻ።

ምስግና፦ ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን ድሕሪ ምሕጣኦም እንታይ ከም ዝበሎም እውን እስከ ንርአ። ዘፍጥረት 3:19 ከተንብባዶ፧

ኣስመሮም፦ ሕራይ። “ናብታ እተፈጠርካላ ምድሪ ኽሳዕ እትምለስ፡ እንጌራ ብረሃጽ ገጽካ ኽትበልዕ ኢኻ። መሬት ኢኻ እሞ፡ ናብ መሬት ድማ ትምለስ” ትብል።

ምስግና፦ አመስግነካ። ኣምላኽ፡ ኣዳም ምስ ሞተ ናበይ ከም ዚኸይድ እዩ ገሊጹ፧

ኣስመሮም፦ ናብ መሬት ከም ዚምለስ።

ምስግና፦ ጽቡቕ ኣለኻ። ኰይኑ ግና፡ ሓደ ሰብ ናብቲ ዝነበሮ ቦታ ኺምለስ እንተ ዀይኑ፡ ኣቐዲሙ ኣብኡ ዝነበረ ኪኸውን ኣይግብኦንዶ፧

ኣስመሮም፦ እወ።

ምስግና፦ እሞኸ ኣምላኽ ንኣዳም ከይፈጠሮ ኸሎ፡ ኣዳም ኣበይ ነይሩ፧

ኣስመሮም፦ ኣብ ዋላ ሓደ ኣይነበረን።

ምስግና፦ ልክዕ ኣለኻ። ኣብቲ ኣምላኽ ንኣዳም ብዚምልከት ዝሃቦ ፍርዲ ድማ፡ ገሃነም እሳት ኣይተጠቕሰን። ኣምላኽ፡ ኣዳም ናብ ገሃነም እሳት ከም ዚኸይድ እናፈለጠ ኽነሱ፡ ናብቲ እተፈጥረሉ ምድሪ ኸም ዚምለስ ኪነግሮስ ፍትሓዊዶ ይመስለካ፧

ኣስመሮም፦ ኣይመስለንን።

ድያብሎስ ፈጻሚ ፍቓድ ኣምላኽ ድዩ፧

ምስግና፦ ብዛዕባ ትምህርቲ ገሃነም እሳት ዚለዓል ካልእ ነጥቢ እውን ኣሎ።

ኣስመሮም፦ እንታይ እዩ፧

ምስግና፦ ንብዙሓት ሰባት፡ “ሓለቓ” ገሃነም እሳት መን እዩ ዚመስሎም፧ ነቶም ኣብ ገሃነም እሳት ዘለዉ ሰባት ዚቐጽዖም መን እዩ ምበልካ፧

ኣስመሮም፦ ድያብሎስ።

ምስግና፦ ድያብሎስ ደኣ ጸላኢ ኣምላኽ እንድዩ እሞ። ኣምላኽ ንሰባት፡ ብድያብሎስ ኪሳቐዩ ኢሉ ናብ ገሃነም እሳት ዜእትዎም እንተ ዀይኑ፡ ኣምላኽን ድያብሎስን ሓቢሮም ከም ዚዓይዩ ደይኰነን ዜርኢ፧

ኣስመሮም፦ ነዝስ ሓሲበሉ ኣይፈልጥን እየ።

ምስግና፦ ሓደ ኣብነት እስከ ኽነግረካ፣ ወላዲ ኢኻ፡ ሓቀይ፧

ኣስመሮም፦ እወ። ሓደ ወዲ 15 ዓመት ዚኸውን ውሉድ ኣሎኒ።

ምስግና፦ ወድኻ ኸም ዝዓለወ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ብዙሕ ዜጕህየካ ሕማቕ ነገራት እንተ ዚገብር እንታይ ስጕምቲ ምወሰድካ፧

ኣስመሮም፦ ክእርሞ ምጸዓርኩ።

ምስግና፦ መገዱ ምእንቲ ኺልውጥ፡ ብተደጋጋሚ ኽትሕግዞ ኸም እትጽዕር ፍሉጥ እዩ።

ኣስመሮም፦ እወ።

ምስግና፦ ኰይኑ ግና፡ ዝጸዓርካ እኳ እንተ ጸዓርካ፡ ነቲ እትነግሮ ነገራት ነጸጎ ንበል። ሽዑ፡ ብገለ መገዲ ኽትቀጽዖ ዘሎካ ዀይኑ ተሰሚዑካ።

ኣስመሮም፦ ሕራይ።

ምስግና፦ ሓደ እኩይ ሰብኣይ ንወድኻ፡ ሕማቕ ነገራት ኪገብር ብምምሃር ይጸልዎ ኸም ዝነበረ እንተ ትፈልጥከ፧

ኣስመሮም፦ እቲ ሰብኣይ ኣመና መሕረቐኒ ነይሩ።

ምስግና፦ እሞኸ እቲ እኩይን ርኹስን ሰብኣይ ንወድኻ ይጸልዎ ኸም ዝነበረ እናፈለጥካ፡ ንወድኻ ኪቐጽዓልካ ምሓተትካዮዶ፧

ኣስመሮም፦ ከምኡ እሞ ኣይገብርን እየ።

ምስግና፦ እሞኸ ኣምላኽ ነቲ ንእኩያት ሰባት ዚጸልዎም ሰይጣን ድያብሎስ፡ ንእኩያት ኪቐጽዓሉ ዚሓትቶዶ ይመስለካ፧

ኣስመሮም፦ ኣሃ፡ ተረዲኡኒ።

ምስግና፦ ኣምላኽ፡ እኩያት ኪቕጽዑ ይደሊ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ቐንዲ ጸላኢ ኣምላኽ ዝዀነ ድያብሎስ ምስ ድሌት ኣምላኽ ብዚሰማማዕ መገዲ ንእኩያት ዜሳቕዮም ስለምንታይ እዩ፧

ኣስመሮም፦ ነዚኣስ ሓሲበላ ኣይፈልጥን እየ።

የሆዋ ንዅሉ እከይ ኬጥፍኦ እዩ

ምስግና፦ ኣምላኽ ነቶም ኪቕየሩ ፍቓደኛታት ዘይኰኑ እኩያት ሰባት ከም ዜጥፍኦም ግና ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ነዚ ነጥቢ እዚ እተጕልሕ ሓንቲ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ እስከ ኸርእየካ። እታ ጥቕሲ፡ መዝሙር 37:9 እያ። ከተንብባዶ፧

ኣስመሮም፦ ሕራይ። “እኩያት ኪጸንቱ እዮም፡ ንእግዚኣብሄር ዚጽበይዎ ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም” ትብል።

ምስግና፦ አመስግነካ። የሆዋ ኣምላኽ ንእኩያት እንታይ ከም ዚገብሮም ኣስተብሂልካዶ፧

ኣስመሮም፦ እታ ጥቕሲ፡ ኣምላኽ ከም ዜጥፍኦም እያ እትገልጽ።

ምስግና፦ ጽቡቕ ኣለኻ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ምሉእ ብምሉእ ኬጥፍኦም እዩ ማለት እዩ። ቅኑዓት ሰባት፡ ማለት እቶም “ንእግዚኣብሄር ዚጽበይዎ” ግና፡ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ተሓጒሶም ኪነብሩ እዮም። እዚ ሓሳባት እዚ፡ ካልእ ሕቶ ኼበግሰልካ ይኽእል ይኸውን። ንኣብነት፡ ‘ኣምላኽ ንሰባት እኩይ ነገራት ከይገብሩ ዘይክልክሎም ስለምንታይ እዩ፧ ንእኩያት ኪቐጽዖም እንተ ዀይኑ ድማ፡ ክሳዕ ሕጂ እንታይ እዩ ዚጽበ ዘሎ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን።

ኣስመሮም፦ ጽቡቕ ሕቶታት እዩ።

ምስግና፦ ኣብ ዚቕጽል፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ መልስታት ከርእየካ እኽእል እየ። b

ኣስመሮም፦ ብጣዕሚ ጽቡቕ።

a ሮሜ 5:12 ርአ።

b ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 11 ርአ።