ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዚግበር ዝርርብ

መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ እያ ኽትገዝእ ጀሚራ፧ (2ይ ክፋል)

መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ እያ ኽትገዝእ ጀሚራ፧ (2ይ ክፋል)

ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ምስ ካልእ ሰብ ዚገብሮ ዝርርብ፡ ከምዚ ዚስዕብ ኪመስል ይኽእል እዩ። ካሌብ ዚብሃል ናይ የሆዋ ምስክር ናብ እንዳ ሓደ ዮሃንስ ዚብሃል ሰብኣይ ተመሊሱ ኸም ዝኸደ ጌርና እስከ ንሕሰብ።

ሕልሚ ነቡካድነጻር—ሓጺር ድግማ

ካሌብ፦ ዮሃንስ ከመይ ቀኒኻ፧ ነዚ ሰሙናዊ እንገብሮ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዝየ እየ ዝፈትዎ። * ከመይከ ኣለኻ፧

ዮሃንስ፦ ደሓን እየ፡ ጽቡቕ ኣለኹ።

ካሌብ፦ ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ክትገዝእ ከም ዝጀመረት ብዛዕባ ዚኣምኑሉ ምኽንያት ተመያይጥና ኔርና። * ኣብቲ ምይይጥና ድማ፡ ኣብታ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ ዳንኤል ኣብ ምዕራፍ 4 ኣብ ዚርከብ ትንቢት፡ ኣገዳሲ መርትዖ ረኺብና ኔርና። ነቲ ኣብኡ ዘሎ ሓሳባት ትዝክሮዶ፧

ዮሃንስ፦ ብዛዕባ እታ ንጉስ ነቡካድነጻር ኣብ ሕልሙ ዝረኣያ ዓባይ ኦም እዩ ዚገልጽ።

ካሌብ፦ ጽቡቕ ኣለኻ። ነቡካድነጻር ኣብ ሕልሙ፡ ክሳዕ ሰማይ እትበጽሕ ዓባይ ኦም ርእዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ካብ ኣምላኽ ዝመጸ መልእኽተኛ፡ እታ ኦም ንኽትቍረጽ ግናኸ ጕንዲ ሱራታ ንኺሕደግ ኪእዝዝ ከሎ፡ ነቡካድነጻር ሰሚዑ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ እታ ኦም ድሕሪ “ሾብዓተ ግዝያት” እንደገና ኽትጥጥዕ ነበራ። * እዚ ትንቢት እዚ ኽልተ ፍጻመ ዘለዎ ስለምንታይ ምዃኑ እውን ርኢና ኔርና ኢና። እቲ ናይ መጀመርታ ፍጻመ እንታይ ከም ዝነበረ ትዝክሮዶ፧

ዮሃንስ፦ እቲ ንነቡካድነጻር ዘጋጠሞ ነገር እዩ፡ ሓቀይ፧ ንሸውዓተ ዓመት ኣእምሮኡ ስሒቱ ነይሩ።

ካሌብ፦ ልክዕ ኣለኻ። ነቡካድነጻር ንግዜኡ ኣእምሮኡ ምስ ሰሓተ፡ ግዝኣቱ ኣቋሪጹ ነይሩ እዩ። ኣብቲ ቐንዲ ፍጻመ እቲ ትንቢት ግና፡ ግዝኣት ኣምላኽ ብምሳልያዊ መገዲ ንሸውዓተ ግዜያት ተቛሪጹ እዩ። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝረኣናዮ፡ እቲ ሸውዓተ ግዜያት፡ የሩሳሌም ብ607 ቅ.ክ. ምስ ጠፍአት እዩ ጀሚሩ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ብምውካል ንህዝቡ ዚገዝእዎም ነገስታት ኣብ ምድሪ ኣይነበሩን። ኰይኑ ግና፡ ኣብ መወዳእታ እተን ሸውዓተ ግዜያት፡ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ሓድሽ ገዛኢ ሸመ፣ እቲ ገዛኢ ኣብ ሰማይ እዩ ዚነብር። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ምዝዛም እተን ሸውዓተ ግዜያት፡ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ክትገዝእ ከም ዝጀመረት ዚሕብር ምልክት እዩ። እተን ሸውዓተ ግዜያት መዓስ ከም ዝጀመራ ፈሊጥና ኣለና። ንውሓተን ክንደይ ምዃኑ እንተ ፈሊጥና፡ መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ ክትገዝእ ከም ዝጀመረት እውን ክንፈልጥ ንኽእል ኢና። ሒዝካኒዶ ኣለኻ፧

ዮሃንስ፦ ሒዘካ ኣለኹ። ነቲ ነጥብታት እንደገና ስለ ዝደገምካለይ፡ ትዝ ኪብለኒ ጀሚሩ ኣሎ።

ካሌብ፦ ብጣዕሚ ጽቡቕ። ሕጂ እምበኣር፡ ንንውሓት እተን ሸውዓተ ግዜያት ክንፈልጦ እስከ ንፈትን። ኣነ እውን ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ምእንቲ ኽዝክሮ፡ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኣንቢበ እየ መጺአ። ብእተኻእለኒ ጽቡቕ ገይረ ኽገልጸልካ ኽፍትን እየ።

ዮሃንስ፦ ሕራይ።

ምዛዛም ሸውዓተ ግዜያት —ምጅማር ዳሕሮት መዓልትታት

ካሌብ፦ ኣብቲ ምስ ነቡካድነጻር ዚተሓሓዝ ናይ መጀመርታ ፍጻመ እቲ ትንቢት፡ እተን ሸውዓተ ግዜያት ቃል ብቓሉ ንሸውዓተ ዓመታት እየን ዜመልክታ ነይረን። ኣብቲ ምስ መንግስቲ ኣምላኽ ዚተሓሓዝ ዝዓበየ ፍጻመ ግና፡ እተን ሸውዓተ ግዜያት ካብ ሸውዓተ ዓመታት ንዚነውሕ ግዜ ዜመልክታ ኪዀና ኣለወን።

ዮሃንስ፦ ስለምንታይ፧

ካሌብ፦ ብቐዳምነት፡ እተን ሸውዓተ ግዜያት፡ የሩሳሌም ብ607 ቅ.ክ. ምስ ጠፍአት ከም ዝጀመራ ዘክር። ካብታ ዓመት እቲኣ ጀሚርና ቓል ብቓሉ ሸውዓተ ዓመት እንተ ቘጺርና፡ ኣብ ዓመተ 600 ቅ.ክ. ኢና እንበጽሕ። ኣብታ ዓመት እቲኣ ግና፡ ምስ ግዝኣት ኣምላኽ ዚተሓሓዝ ኣገዳሲ ፍጻመ ኣየጋጠመን። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝረኣናዮ፡ የሱስ ድሕሪ ነዊሕ ዘመናት ናብ ምድሪ ምስ መጸ እውን እንተ ዀነ፡ እተን ሸውዓተ ግዜያት ገና ኸም ዘይተዛዘማ ሓቢሩ ነይሩ እዩ።

ዮሃንስ፦ እወ ሓቅኻ። ሕጂ ትዝ ኢሉኒ።

ካሌብ፦ ስለዚ፡ እተን ሸውዓተ ግዜያት፡ ቃል ብቓሉ ንሸውዓተ ዓመታት ኣይኰናን ዜመልክታ፣ የግዳስ፡ ንንውሕ ዝበለ እዋን እየን ዜመልክታ።

ዮሃንስ፦ ክንደይ ማለትካ ኢኻ፧

ካሌብ፦ እታ ምስ መጽሓፍ ዳንኤል እትተሓሓዝ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ፡ እተን ሸውዓተ ግዜያት ክንደይ ምዃነን ብልክዕ ንኽንፈልጥ ትሕግዘና እያ። መጽሓፍ ራእይ፡ ሰለስተ ግዜን ፈረቓን፡ 1,260 መዓልቲ ምዃኑ ትገልጽ እያ። * ስለዚ፡ ሸውዓተ ግዜያት፡ ማለት ዕጽፊ እቲ ሰለስተ ግዜን ፈረቓን፡ 2,520 መዓልቲ እዩ ዚኸውን። ተረዳዲእናዶ ኣለና፧

ዮሃንስ፦ እወ፡ ተረዲአካ ኣለኹ። እዚ ሓሳብ እዚ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ክትገዝእ ከም ዝጀመረት ምስ ዚገልጽ ሓሳብ ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝ ግና ኣይተረድኣንን።

ካሌብ፦ ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝ እስከ ንርአ። ሓድሓደ እዋን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓንቲ መዓልቲ ንሓንቲ ዓመት እያ እተመልክት። * ነቲ፡ “ሓንቲ ዓመት ኣብ ክንዲ ሓንቲ መዓልቲ” ዚብል ኣቈጻጽራ እንተ ተጠቒምና፡ እተን ሸውዓተ ግዜያት፡ 2,520 ዓመት እየን ዝዀና። ካብ 607 ቅ.ክ. ጀሚርና 2,520 ዓመት እንተ ቘጺርና ድማ፡ ኣብ 1914 ኢና እንበጽሕ። * ስለዚ፡ እተን ሸውዓተ ግዜያት ብ1914 እየን ዚዛዘማ፣ ሽዑ ኸኣ እዩ የሱስ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ኺገዝእ ጀሚሩ። እቲ ዚገርም ከኣ፡ ኣብ ዓለም ዓበይቲ ፍጻመታት ዘጋጠመ፡ ካብ 1914 ንነጀው እዩ፣ እዚ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ከም ዚፍጸም ከኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብትንቢት ተነጊሩ ነይሩ እዩ።

ዮሃንስ፦ እንታይ ዓይነት ፍጻመታት፧

ካሌብ፦ ነቲ ኣብ ማቴዎስ 24:7 ዚርከብ የሱስ ዝበሎ ነገራት እስከ ንርአ። የሱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰማይ ኪገዝእ ዚጅምረሉ እዋን ኪገልጽ ከሎ፡ “ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ መንግስቲ ድማ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኺለዓል እዩ፣ ኣብ በቦታኡ ኸኣ ጥሜትን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ” በለ። ብዛዕባ ጥሜትን ምንቅጥቃጥ ምድርን ከም እተነበየ ኣስተብሂልካዶ፧ ዓለምና ኣብዚ ዝሓለፈ ዘመን ብዙሕ ጥሜትን ምንቅጥቃጥ ምድርን እዩ ኣጋጢምዋ፡ ሓቀይ፧

ዮሃንስ፦ እወ፡ ሓቅኻ።

ካሌብ፦ የሱስ ኣብታ ጥቕሲ፡ ኣብቲ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ዚዀነሉ እዋን፡ ውግእ ከም ዚህሉ እውን ተነብዩ ነይሩ እዩ። መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ድማ፡ ኣብ ከከባቢኡ ዜጋጥም ውግእ ዘይኰነስ፡ ኣብ ግዜ መወዳእታ ንመላእ ምድሪ ዚጸሉ ውግእ ከም ዚህሉ ትንበ እያ። * ቀዳማይ ውግእ ዓለም መዓስ ከም ዝጀመረ ትዝክሮዶ፧

ዮሃንስ፦ ብ1914 እዩ ጀሚሩ፣ የሱስ ድማ ሽዑ ኺገዝእ ከም ዝጀመረ ኢኻ እትነግረኒ ዘለኻ። ቅድሚ ሕጂ ነዚ ኣተሓሒዘዮ ኣይፈልጥን እየ ነይረ።

ካሌብ፦ ነዚ ዅሉ ነጥብታት፡ ማለት ነቲ ብዛዕባ ሸውዓተ ግዜያት ዚገልጽ ትንቢትን ካልእ ብዛዕባ ግዜ መወዳእታ ዚገልጽ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስን ከነተሓሕዞ ኸለና፡ ኵሉ ነገር ኪንጽረልና ይኽእል እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ የሱስ ብ1914 ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ኺገዝእ ከም ዝጀመረን ዳሕሮት መዓልትታት እውን ሽዑ ኸም ዝጀመራን እዮም ዚኣምኑ። *

ዮሃንስ፦ እዚ ነገር እዚ፡ ገና ምሉእ ብምሉእ ኣይተረድኣንን።

ካሌብ፦ ሓቅኻ ኢኻ። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝነገርኩኻ፡ ኣነ እውን ኣብ ፈለማ ምሉእ ብምሉእ ክሳዕ ዝርድኦ ግዜ ወሲዱለይ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ካብዚ ምይይጥና፡ ዋላ እኳ 1914 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ዘይተጠቕሰት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ እታ ዓመት እቲኣ ዘለዎም እምነት ግና ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ምዃኑ ተረዲእካ ኽትከውን ተስፋ እገብር።

ዮሃንስ፦ ንሱስ እወ፣ እትብልዎ ዘበለ ዅሉ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ምዃኑ ኣዝዩ እዩ ዜደንቐኒ። ኣብ ርእይቶኹም ጥራይ ኣይኰንኩምን እትምርኰሱ። እቲ ዘዘራረበና ነጥቢ ኽሳዕ ክንድዚ ሕልኽልኽ ዝበለ ምዃኑ ግና ኣይተረድኣንን። ኣምላኽ ስለምንታይ እዩ ብቐሊሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ 1914 የሱስ ኣብ ሰማይ ዚነግሰላ ዓመት ምዃና ዘይነገረና፧

ካሌብ፦ ጽብቕቲ ሕቶ እያ። ይገርመካ፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብንጹር ዘይተነግረና ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ኣምላኽ ንመጽሓፍ ቅዱስ ንኽንርድኦ ጻዕሪ ኽንገብር ዚደልየና ስለምንታይ እዩ፧ ብዛዕባ እዚ ኻልእ መዓልቲ እንተ ተዘራረብና እንታይ ይመስለካ፧

ዮሃንስ፦ ባህ ይብለኒ።

ክትዘራረበሉ እትደሊ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ርእሰ ነገር ኣሎካዶ፧ ብዛዕባ እምነትን ሃይማኖታዊ ልምድታትን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ከይተሰከፍካ ንሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ሕተቶ። ንሱ እውን ተሓጒሱ ኺምልሰልካ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 5 ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ብዘይ ክፍሊት ዚገብርዎ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሎም፡ ምስ ካልኦት ሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ይዘራረቡ እዮም።

^ ሕ.ጽ. 7 ነታ ኣብ ናይ 1 ጥቅምቲ 2014 ሕታም እዛ መጽሔት እዚኣ እትርከብ፡ “ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዚግበር ዝርርብ—መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ እያ ኽትገዝእ ጀሚራ፧—1ይ ክፋል” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 22 ራእይ 12:6, 14፣ እግረ ጽሑፍ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 24 “ነቡካድነጻር ብዛዕባ ኦም ዝሓለሞ ሕልሚ” ዚብል ሰሌዳ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 30 ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 9 ርአ። ኣብ www.isa4310.com/ti እውን ትርከብ እያ።