ግምቢ ዘብዐኛ ሕዳር 2014 | ሰይጣን ኣሎ ድዩ፧

ሰይጣን ብሓቂ እንተ ዘየልዩ፡ እቶም ዚፈርህዎ ሰባት ተታሊሎም እዮም ማለት እዩ። ይኹን እምበር፡ ሰይጣን መታለልን ንኻልኦት ከም ድላዩ ኺቈጻጸሮም ዚኽእልን እንተ ዀይኑ፡ ካብቲ ሰባት ዚሓስብዎ ንላዕሊ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ ማለት እዩ።

ገበር

ሰይጣን ኣሎ ድዩ፧

ሰይጣን ንእኩይ ባህርይ ድዩ ዜመልክት ወይስ ንሓደ ብርእሱ ሓሲቡ ዚHS-.3ዓዪ መንፈሳዊ ኣካል፧

ገበር

ሰይጣን ንእኩይ ባህርይ ድዩ ዜመልክት፧

ነዛ ሕቶ እዚኣ ብዘየማትእ መገዲ ዚምልሳ ኽልተ ጸብጻባት ኣሎ።

ገበር

ንሰይጣን ክንፈርሆ ኣሎና ድዩ፧

ኣምላኽ፡ ካብ መጥቃዕቲ ሰይጣን ኬዕቍበካ ዚኽእል ኣርባዕተ መሰናድዎታት ገይሩ ኣሎ።

ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዚግበር ዝርርብ

መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ እያ ኽትገዝእ ጀሚራ፧ (2ይ ክፋል)

ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስን ኣምላኽ ንንጉስ ባቢሎን ዘርኣዮ ሕልምን፡ ብዛዕባ እቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክትገዝእ ዝጀመረትሉ ዓመት ብልክዕ ይሕብረና።

ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ

‘ከመይ ገይረኸ እዚ ዓብዪ ኽፍኣት ክገብር እኽእል፧’

ዮሴፍ ነቲ ሰበይቲ ጶጢፋር ንኸተስድዖ ኢላ ብዘ⁠ይምቍራጽ ዝገበረቶ ጻዕሪ ኺቃወሞ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

እቲ የሱስ ዝፈጸሞ ትንሳኤ፡ ብዛዕባ እቲ ንመጻኢ እተመባጽዖ መብጽዓ እንታይ እዩ ዜረጋግጸልና፧

ኣብ ኢንተርነት ዝወጸ ተወሳኺ ዓንቀጻት

ኣምላኽ ንድያብሎስ ፈጢርዎ ድዩ፧

ሰይጣን ካበይ እዩ መጺኡ፧ የሱስ ብዛዕባ ድያብሎስ ኪገልጽ ከሎ፡ “ኣብ ሓቂ ኣይጸንዐን” ዝበለ ስለምንታይ ምዃኑ ፍለጥ።