ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት ብጥበብ ዲኻ እትጥቀመሉ፧

ንኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት ብጥበብ ዲኻ እትጥቀመሉ፧

ጀኒ፡ ወልፊ ሓደ ጸወታ ቪድዮ ኣለዋ። “በብመዓልቱ ንሸሞንተ ሰዓት ነቲ ጸወታ እጻወት፣ ናይ ብሓቂ ዓብዪ ጸገም እዩ ዀይኑኒ ዘሎ” ድማ በለት።

ደኒስ ነታ ኤለክትሮኒካዊት መሳርሒቱ ዀነ ኢንተርነት ከይተጠቕመ ንሸውዓተ መዓልቲ ኺጸንሕ ፈተነ። ኰይኑ ግና፡ ን40 ሰዓት ጥራይ እዩ ኸምኡ ኺገብር ክኢሉ።

ጀኒን ደኒስን መንእሰያት ኣይኰኑን። ጀኒ ኣርባዕተ ውሉዳት ዘለዉዋ ጓል 40 ዓመት ኣደ እያ። ደኒስ ከኣ ወዲ 49 ዓመት እዩ።

ንስኻኸ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ ትጥቀም ዲኻ፧ * ብዙሓት ሰባት፡ ‘እወ’ ኢሎም ይምልሱ ይዀኑ፣ ሓቆም ከኣ እዮም። ከመይሲ፡ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት ኣብ ስራሕን ኣብ ማሕበራዊ ህይወትን ኣብ መዘናግዕን ጕሉሕን ጠቓምን ግደ ኣለዎ።

ይኹን እምበር፡ ብዙሓት ሰባት ልክዕ ከም ጀኒን ደኒስን፡ ካብ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታቶም ምፍላይ፡ ከም ሞት ኰይኑ እዩ ዚስምዖም። ንኣብነት፡ ኒኮል ዝስማ ጓል 20 ዓመት ጐርዞ፡ “ጽቡቕ ዘይምዃኑ ይርድኣኒ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣነን ሞባይለይን ትኽ ትንፋስ ኢና። ሞባይለይ ኵሉ ሳዕ ምሳይ ክትህሉ ኣለዋ። ኔትዎርክ ኣብ ዘይብሉ ቦታ እንተ ኣልየ፡ ክጽለል ቍሩብ እዩ ዚተርፈኒ፣ ነቲ እተላእከለይ መልእኽቲ ኸየንበብኩ ንፍርቂ ሰዓት እኳ ኽጽበ ኣይክእልን እየ። እንታይ እዩ እሞ ኺብሃል፧ ዕሽነት እዩ” በለት።

ገሊኦም ሰባት እሞ ኸኣ፡ እተላእከሎም መልእኽትን ሓድሽ ነገራትን ንምርኣይ፡ ለይቲ ብተደጋጋሚ ኻብ ድቃስ ይትንስኡ እዮም። ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታቶም ምሳታቶም እንተ ዘየልዩ፡ ልክዕ ከምቲ ሓሽሽ ምውሳድ ዝገደፎ ሰብ ዚስምዖ ስምዒት ይስምዖም። ከምዚ ዓይነት ስምዒት፡ ወልፊ ምዃኑ ገሊኦም ተመራመርቲ ይገልጹ፣ እዚ ኸኣ ንኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ንኢንተርነት ወይ ንኸም ፍሉያት ዓይነት ሞባይል ዝኣመሰለ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ ዚምልከት እዩ። ገሊኦም ሰባት ግና ነታ “ወልፊ” እትብል ቃል ኪጥቀሙላ ኣይደልዩን እዮም፣ የግዳስ፡ ክቱር ጸገም ከም ዝዀነ ጥራይ እዮም ዚገልጹ።

እቲ ዚውሃቦ ስም ብዘየገድስ፡ ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት ኣብ ጸገም ኬእትወካ ይኽእል እዩ። ሓድሓደ እዋን፡ ኣብ መንጎ ኣባላት ስድራ ቤት ጋግ ከም ዚህሉ ይገብር እዩ። ንኣብነት፡ ሓንቲ ጓል 20 ዓመት ጐርዞ፡ “ኣብ ህይወተይ እንታይ የጋጥመኒ ኸም ዘሎ፡ ባባ ፈጺሙ ኣይፈልጥን እዩ። ኣብ ሳሎን ኮፍ ኢሉ ንዓይ እናተዛረበኒ ኸሎ፡ ኢ-መይል ይጽሕፍ። ንሞባይሉ ኻብ ኢዱ ፈጺሙ ኣይፈልያን እዩ። ብዛዕባይ ከም ዚግደስ ይርድኣኒ እዩ፣ ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ከምኡ ዀይኑ ኣይስምዓንን እዩ” ብምባል ጓሂኣ ገለጸት።

ንውሉፋት ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት ዚኸውን ሓገዝ

ከም ቻይናን ደቡብ ኮርያን ዩናይትድ ኪንግደምን ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ዝኣመሰላ ሃገራት፡ ንዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት ንምቍጽጻር፡ ንውሉፋት ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት ዚሕግዝ ማእከላት ሕክምና ኸፊተን እየን፣ ሓደ ሰብ ኣብቲ ማእከላት እንተ ኣትዩ፡ ንሓያሎ መዓልትታት ኢንተርነት ኰነ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ ኺጥቀም ኣይፍቀደሉን እዩ። ንሓደ ብሬት ዝስሙ መንእሰይ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ፣ ንሱ ኣብ መዓልቲ ን16 ሰዓት ብኢንተርነት ኣቢሉ ጸወታታት ቪድዮ ይጻወት ነበረ። “ናብ ኢንተርነት ክኣቱ ኸለኹ፡ ልክዕ ከም ሓደ ሓሽሽ ዝወሰደ ሰብ፡ ዝሰኸርኩ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ ነይሩ” በለ። ብሬት ኣብቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ማእከል ሕክምና ኣብ ዝኣተወሉ እዋን፡ ስራሕ ዘይብሉን ጽሬቱ ዘይሕሉን ሰብ እዩ ነይሩ፣ ዓርኪ ዘይብሉ እውን ተረፈ። ንስኻኸ ኸምዚ ምእንቲ ኸየጋጥመካ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ንኣጠቓቕማ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታትካ መርምሮ። ተክኖሎጂ ኣብ ህይወትካ ብዛዕባ ዜሕድሮ ዘሎ ጽልዋ ሕሰብ። ንገዛእ ርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፦

  • ኢንተርነት ወይ ከኣ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት ክጥቀም ምስ ዘይክእል፡ ኣመና እበሳጮ፡ ምናልባት እውን እቝጣዕ ድየ፧

  • ካብቲ ደው ከብሎ ኣሎኒ ኢለ ዝወሰንክዎ ግዜ ንላዕሊ፡ ኢንተርነት ወይ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት እጥቀም ድየ፧

  • ነቲ ዚለኣኸለይ መልእኽቲ ምእንቲ ኸንብቦ፡ ድቃስ እስእን ድየ፧

  • ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት ንስድራ ቤተይ ዕሽሽ ከም ዝብሎም ይገብረኒ ኣሎ ድዩ፧ ነቲ ነዛ ሕቶ እዚኣ ዝህቦ መልሲ፡ ኣባላት ስድራ ቤተይ ይሰማምዑሉ ድዮም፧

ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት ‘ነቲ ዚሓይሽ፡’ እንተላይ ንስድራ ቤትካን ንኻልእ ሓላፍነታትካን ዕሽሽ ከም እትብሎ ይገብረካ እንተ ኣልዩ፡ ውዓል ሕደር ከይበልካ ለውጢ ኽትገብር ኣሎካ። (ፊልጲ 1:10) ብኸመይ፧

ሚዛናዊ ደረት ሓንጽጽ። ጠቓሚ ንዝዀነ ነገር እውን፡ ካብ ግቡእ ንላዕሊ እንተ ተጠቒምናሉ ኺጐድኣና ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት እትጥቀመሉ ምኽንያት ንስራሕ ይኹን ንምዝንጋዕ ብዘየገድስ፡ ንኽንደይ ግዜ ኸም እትጥቀመሉ ደረት ሓንጽጽ፣ ካብኡ ድማ ኣይትሕለፍ።

ምኽሪ፦ ንምንታይ ንሓደ ኣባል ስድራ ቤትካ ወይ ፈታዊኻ ንኺሕግዘካ ዘይትሓትቶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እንተ ወደቑ፡ እቲ ሓደ ንብጻዩ የተንስኦ እዩ እሞ፡ ካብ ሓደስ ክልተ ምዃን ይሐይሽ” ይብል።—መክብብ 4:9, 10

ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት ዘለዎ ስሕበት፡ “ወልፊ” ኸይኰነካ ተጠንቀቕ

ሓድሽ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ ኺወጽእ ከሎ፡ ሓበሬታ ምርካብን ምትሕልላፍን ብዝያዳ እዩ ዚቐልል፣ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት ይውስኽ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት ዘለዎ ስሕበት፡ “ወልፊ” ኸይኰነካ ተጠንቀቕ። ‘ንግዜኻ ብዝበለጸ ትጥቀመሉ’ እንተ ዄንካ ግና፡ ንኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት ብግቡእ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ።—ኤፌሶን 5:16

^ ሕ.ጽ. 5 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ “ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት” ዚብል ሓረግ፡ ኤለክትሮኒካዊ ሓበሬታ ንምርካብ ወይ ንምትሕልላፍ እንጥቀመሉ መሳርሒታት የመልክት፣ እቲ ሓበሬታ፡ ኢ-መይልን ተሌፎንን ብሞባይል ዚልኣኽ መልእኽትን ቪድዮን ሙዚቃን ጸወታ ቪድዮን ስእልን የጠቓልል።