ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዛዕባ ኣምላኽን ክርስቶስን፡ እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧

ብዛዕባ ኣምላኽን ክርስቶስን፡ እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧

ሰባት ንብዙሓት ኣማልኽቲ ዜምልኹ እኳ እንተ ዀኑ፡ ሓደ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ዘሎ። (ዮሃንስ 17:3) ንሱ ኸኣ “ልዑል፡” ማለት ፈጣሪ ዅሉን ምንጪ ዅሉ ህይወትን እዩ። ንሱ ጥራይ እዩ ኺምለኽ ዚግብኦ።—ዳንኤል 7:18፣ ራእይ 4:11

ኣምላኽ መን እዩ፧

ስም ኣምላኽ ኣብ በዅሪ ጽሑፋት ዚርከበሉ ብዝሒ ኣስታት 7,000 ሳዕ

የሆዋ ስም ኣምላኽ እዩ

ጐይታ፡ ኣምላኽ፡ ኣቦ ገለ ኻብቲ የሆዋ እተጸውዓሉ መዓርጋት

ኣምላኽ መን እዩ፧ ስም ኣምላኽ መን እዩ፧ ኣምላኽ ባዕሉ፡ “ኣነ የሆዋ እየ። ስመይ እዚ እዩ” ኢሉ እዩ። (ኢሳይያስ 42:8) ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣስታት 7,000 ሳዕ ይርከብ እዩ። ይኹን እምበር፡ ሓያሎ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ስም እዚ ብኸም “ጐይታ” ወይ “እግዚኣብሄር” ዝኣመሰለ መዓርጋት ተኪእዎ ኣሎ። ኣምላኽ፡ ዓርኩ ኽትከውን ይደልየካ እዩ፣ ስለዚ፡ ‘ስሙ ኽትጽውዕ’ የተባብዓካ እዩ።—መዝሙር 105:1

የሆዋ እተጸውዓሉ መዓርጋት። መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ብናይ መዓርግ ስማት ይጽውዖ እዩ፣ ገለ ኻብኡ፡ “ኣምላኽ፡” “ኵሉ ዚኽእል፡” “ፈጣሪ፡” “ኣቦ፡” “ጐይታ፡” “ልዑላዊ ጐይታ” ኺጥቀስ ይከኣል። የሆዋ ብሓደ ኻብቲ ኣኽብሮታዊ መዓርጋቱን በቲ የሆዋ ዚብል ብሕታዊ ስሙን ብሓባር እተጸውዓሉ ሓያሎ ጸሎት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ይርከብ እዩ።—ዳንኤል 9:4

ኣምላኽ እንታይ ይመስል፧ ኣምላኽ መንፈስ እዩ፣ ስለዚ፡ ኣይርአን እዩ። (ዮሃንስ 4:24) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንኣምላኽ ዝረኣዮ ሓደ እኳ የልቦን” ኢሉ የረጋግጸልና እዩ። (ዮሃንስ 1:18) ብዘይካዚ፡ ስምዒታቱ ይገልጸልና እዩ። ሰባት ኬጕህይዎ ወይ ‘ባህ ኬብልዎ’ ይኽእሉ እዮም።—ምሳሌ 11:20፣ መዝሙር 78:40, 41

ዜደንቕ ባህርያት ኣምላኽ። ሰባት ካበየናይ ህዝቢ ወይ ድሕረ ባይታ ምዃኖም ብዘየገድስ፡ ኣምላኽ ንሓደ እኳ ኣየዳሉን እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35) ብዘይካዚ፡ “መሓርን ርሕሩሕን . . . ንቝጥዓ ደንጓዪ፡ ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ሓቅን” እዩ። (ዘጸኣት 34:6, 7) ምናዳ ኣርባዕተ ባህርያቱ ግና ማራኺ እዩ።

ሓይሊ። “ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ” ስለ ዝዀነ፡ ቃል ዝኣተዎ ዘበለ ዅሉ ንምፍጻም ዜኽእል ደረት ዘይብሉ ሓይሊ ኣለዎ።—ዘፍጥረት 17:1

ጥበብ። ኣምላኽ ካብ ናይ ኵሉ ዝበለጸ ጥበብ ኣለዎ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ፡ “በይኑ ጥበበኛ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ።—ሮሜ 16:27

ፍትሒ። ኣምላኽ ወትሩ ቕኑዕ ዘበለ ይገብር እዩ። ተግባሩ “ፍጹም” እዩ፡ ‘ከቶ እውን ኣይዕምጽን’ እዩ።—ዘዳግም 32:4

ፍቕሪ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ይብል እዩ። (1 ዮሃንስ 4:8) እዚ ማለት፡ ኣምላኽ ፍቕሪ የርኢ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኵለንትናኡ ፍቕሪ እዩ። እታ ብልጽቲ ፍቕሩ ኸኣ፡ ንዅሉ ተግባራቱ ትጸልዎ እያ፡ ንዓና እውን ብብዙሕ መገድታት ትጠቕመና እያ።

ኣምላኽ ምስ ደቂ ሰብ ዘለዎ ዕርክነት። ኣምላኽ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና እዩ። (ማቴዎስ 6:9) ብእኡ እንኣምን እንተ ዄንና፡ ኣዕሩኹ ኽንከውን ንኽእል ኢና። (መዝሙር 25:14) ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍና ብጸሎት ናብኡ ኽንቀርብ ዓዲሙና ኣሎ፣ ኣብ ቃሉ ድማ፡ “ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ጭንቀትኩም ናብኡ ደርብይዎ” ዚብል ምሕጽንታ ተዋሂቡና ኣሎ።—1 ጴጥሮስ 5:7፣ ያእቆብ 4:8

ኣብ መንጎ ኣምላኽን ክርስቶስን እንታይ ፍልልይ ኣሎ፧

የሱስ ወዲ ኣምላኽ እዩ። የሱስ በይኑ ብቐጥታ ብኣምላኽ እተፈጥረ ብምዃኑ፡ ካብ ኵሎም ፍጡራት ፍሉይ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ወዲ ኣምላኽ ኢሉ ዚጽውዖ። (ዮሃንስ 1:14) የሆዋ ንየሱስ ምስ ፈጠሮ፡ ነዚ “ኽኢላ ሰራሕተኛ” ዝዀነ በዅሪ ፍጥረቱ ንኻልእ ኵሉ ንምፍጣር ተጠቒሙሉ እዩ።—ምሳሌ 8:30, 31፣ ቈሎሴ 1:15, 16

የሱስ ክርስቶስ፡ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ተዛሪቡ ኣይፈልጥን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ “ኣነ ናቱ [ናይ ኣምላኽ] ወኪል ስለ ዝዀንኩ፡ ንሱ እውን ስለ ዝለኣኸኒ፡ እፈልጦ እየ” ኢሉ እዩ ተዛሪቡ። (ዮሃንስ 7:29) ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ የሆዋ ኺዛረቦም ከሎ ድማ፡ “ኣቦይን ኣቦኹምን” “ኣምላኸይን ኣምላኽኩምን” ኢሉ እዩ። (ዮሃንስ 20:17) የሱስ ድሕሪ ሙማቱ፡ የሆዋ ንዕኡ ናብ ሰማይ ኣተንሲእዎን ኣብ የማኑ ዓብዪ ስልጣን ሂብዎን እዩ።—ማቴዎስ 28:18፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:32, 33

ንኣምላኽ ምእንቲ ኽትቀርቦ፡ የሱስ ክርስቶስ ኪሕግዘካ ይኽእል

የሱስ ናብ ምድሪ ዝመጸሉ ሓደ ዕላማ፡ ብዛዕባ ኣቦኡ ንዓና ንምምሃር እዩ። የሆዋ ብዛዕባ የሱስ፡ “ፍቑር ወደይ እዚ እዩ። ንዕኡ ስምዕዎ” ኢሉ እዩ። (ማርቆስ 9:7) የሱስ ንኣምላኽ፡ ካብ ካልኦት ብዝያዳ ይፈልጦ እዩ። ብዛዕባ እዚ ድማ፡ “ኣቦ መን ምዃኑ . . . ብዘይካ ወድን ወዲ ኺገልጸሉ ዚደልን፡ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን” ኢሉ እዩ።—ሉቃስ 10:22

የሱስ ንባህርያት ኣምላኽ ፍጹም ብዝዀነ ደረጃ የንጸባርቖ እዩ። የሱስ ንባህርያት ኣቦኡ ኣጸቢቑ ስለ ዜንጸባርቖ፡ “እቲ ንዓይ ዝረኣየ፡ ንኣቦ እውን ርእይዎ እዩ” ኺብል ክኢሉ እዩ። (ዮሃንስ 14:9) ፍቕሪ ኣቦኡ ብቓሉን ብግብሩን ብምንጽብራቕ ከኣ፡ ንሰባት ናብ ኣቦኡ ስሒብዎም እዩ። ስለዚ፡ “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይካ ብኣይ፡ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን” ኪብል ክኢሉ እዩ። (ዮሃንስ 14:6) ብዘይካዚ ድማ፡ “ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ንኣቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዜምልኹላ ሰዓት ትመጽእ ኣላ፡ . . . ኣቦስ ከምዚ ዝበሉ ኣምለኽቲ እዩ ዚደሊ ዘሎ” ኢሉ እዩ። (ዮሃንስ 4:23) ሕስብ እሞ ኣብሎ! የሆዋ ንኸም ከማኻ ዝኣመሰሉ ብዛዕባኡ ሓቂ ኺፈልጡ ዚደልዩ ሰባት እዩ ዚደሊ ዘሎ።