ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር መናፍቕ ድዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር መናፍቕ ድዮም፧

 ኣይፋልን፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መናፍቕ ኣይኰንናን። የግዳስ፡ ንትምህርታትን ንኣብነትን የሱስ ክርስቶስ ክንስዕብ እንጽዕር ክርስትያናት ኢና።

መናፍቕ እንታይ እዩ፧

 እታ “መናፍቕ” እትብል ቃል፡ እተፈላለየ ትርጉም እዩ ዚውሃባ። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ መናፍቕ ዚገልጽ ክልተ ኣረኣእያ እስከ ንርአ። ስለምንታይ ንዓና ኸም ዘይምልከተና ድማ ክንርኢ ኢና።

  •   ገሊኦም ሰባት፡ ኑፋቐ ኺብሃል ከሎ፡ ሓድሽ ምጻእ ወይ ካብ ወግዒ ዝወጸ ሃይማኖት ከም ዝዀነ እዮም ዚሓስቡ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓድሽ ሃይማኖት ኣይፈጠሩን። እኳ ደኣስ፡ ኣምልኾና ኣሰር እቶም ኣብነቶምን ትምህርትታቶምን ኣኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዚርከብ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ዝሰዓበ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) ቅቡል ኣገባብ ኣምልኾ ኣየናይ ምዃኑ ኺውስን ስልጣን ዘለዎ ቕዱሳት ጽሑፋት ከም ዝዀነ ኢና እንኣምን።

  •   ገሊኦም ሰባት፡ ኑፋቐ ኺብሃል ከሎ፡ ሰብኣዊ መራሒ ዘለዎ ሓደገኛ ሃይማኖታዊ ጕጅለ ኸም ዝዀነ እዮም ዚሓስቡ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሰብኣዊ መራሒ የብሎምን። የግዳስ፡ ነቲ የሱስ ንሰዓብቱ፡ “መራሒኹም ሓደ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ” ኢሉ ዝሰርዓሎም ስርዓት እዮም ዚስዕቡ።—ማቴዎስ 23:10

 ሃይማኖት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓደገኛ ኑፋቐ ዘይኰነስ፡ ንኣባላቱን ንማሕበረሰብን ዚጠቅም ሃይማኖት እዩ። ንኣብነት፡ ኣገልግሎትና ንሓያሎ ሰባት ከም ምውሳድ ሓሽሽን ምብዛሕ ኣልኮላዊ መስተን ዝኣመሰለ ጐዳኢ ወልፍታት ኬሰንፉ ሓጊዝዎም እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣብ መላእ ዓለም ናይ ምንባብን ምጽሓፍን ትምህርቲ ብምሃብ፡ ንኣሽሓት ሰባት ፊደል ኪቘጽሩ ንሕግዝ ኢና። ዕንወት ኬጋጥም ከሎ ድማ ኣብ ዕዮ ረድኤት ንነጥፍ ኢና። ከምቲ የሱስ ንሰዓብቱ ኺገብሩ ዝኣዘዞም፡ ኣብ ካልኦት ኣወንታዊ ጽልዋ ኸነሕድር ንጽዕር ኢና።—ማቴዎስ 5:13-16