ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኵለን ሃይማኖታት ሕደ ድየን፧ ኵለንከ ናብ ኣምላኽ ይመርሓ ድየን፧

ኵለን ሃይማኖታት ሕደ ድየን፧ ኵለንከ ናብ ኣምላኽ ይመርሓ ድየን፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 ኣይፋልን፡ ኵለን ሃይማኖታት ሕደ ኣይኰናን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንኣምላኽ ብዛዕባ ዜጕህያኦ ብዙሓት ሃይማኖታት ይገልጽ እዩ። ንሳተን ድማ ኣብ ክልተ መሰረታዊ ምድብ ይኽፈላ።

ምድብ 1፦ ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ዜምልኻ

 መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምልኾ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ፡ “ናይ ሓሶት፡” “ከንቱነት፡” ከምኡ እውን “ዘይጠቅም” ኢሉ ይገልጾ። (ኤርምያስ 10:3-5፣ 16:19, 20) የሆዋ a ኣምላኽ ንጥንታውያን ህዝቢ እስራኤል፡ “ብዘይካይ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሃልዉኻ” ኢሉ ኣዚዝዎም ነይሩ እዩ። (ዘጸኣት 20:3, 23፣ 23:24) እስራኤላውያን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ዜምልኹሉ እዋን ድማ፡ ‘ቍጥዓ የሆዋ ኣብ እስራኤል ይነድድ’ ነይሩ እዩ።—ዘሁልቍ 25:3፣ ዘሌዋውያን 20:2፣ መሳፍንቲ 2:13, 14

 ሎሚ እውን እንተ ዀነ ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ነቶም “ኣማልኽቲ ዚብሃሉ” ዚቐርብ ኣምልኾ፡ ኣረኣእያኡ ኣይቀየረን። (1 ቈረንቶስ 8:5, 6፣ ገላትያ 4:8) ነቶም ኬምልኽዎ ዚደልዩ ሰባት ምስቶም ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዘለዎም ሰባት ከይሓብሩ ኺእዝዞም ከሎ ኸኣ፡ “ካብ መንጎኦም ውጹን ተፈለዩን” ኢልዎም ኣሎ። (2 ቈረንቶስ 6:14-17) ኵለን ሃይማኖታት ሕደን ናብ ኣምላኽ ዚመርሓን እንተ ዚዀና ነይረን፡ ስለምንታይ ደኣ እዩ ኣምላኽ ነዚ ትእዛዝ እዚ ዚህብ፧

ምድብ 2፦ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ ንሱ ብዘይሰምሮ መገዲ ዜምልኻ

 ሓድሓደ ግዜ፡ እስራኤላውያን ካብ ኣምልኾ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ብዝወሰድዎ እምነታትን ልምድታትን ገይሮም ንኣምላኽ የምልኽዎ ነይሮም እዮም፣ እንተዀነ ግና፡ የሆዋ ነዚ ንናይ ሓቂ ሃይማኖት ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንምትሕንፋጽ እተገብረ ፈተነ ኣይተቐበሎን። (ዘጸኣት 32:8፣ ዘዳግም 12:2-4) የሱስ ብግዜኡ ንዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ብምኽንያት እቲ ንኣምላኽ ዜምልኹሉ ዝነበሩ መገዲ ዀኒንዎም እዩ፣ ብደጊኦም ሃይማኖታውያን ዚመስሉ እኳ እንተ ነበሩ፡ ብግብዝና ግና ‘ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ዝኸበደ ነገር፡ ማለት ፍትሕን ምሕረትን ተኣማንነትን ሸለል ይብሉ ነይሮም እዮም።’—ማቴዎስ 23:23

 ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ እታ ኣብ ሓቂ እተመስረተት ሃይማኖት ጥራይ እያ ንሰባት ናብ ኣምላኽ እትመርሖም። እዚ ሓቂ እዚ ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ይርከብ እዩ። (ዮሃንስ 4:24፣ 17:17፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጋጮ ትምህርትታት ዘለወን ሃይማኖታት ግና ንሰባት ካብ ኣምላኽ የርሕቓኦም እየን። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝመጸ ዚእመነሉ ብዙሕ ትምህርትታት፡—ንኣብነት፡ ትምህርቲ ስላሴዘይትመውት ነፍሲዘለኣለማዊ ስቓይ፡—ካብቶም ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ዜምልኹ ሰባት እተወስደ እዩ። ከምዚ ዓይነት ትምህርትታት ዜስፋሕፍሕ ኣምልኾ፡ ንመለክዒታት ኣምላኽ ብሃይማኖታዊ ስርዓታት ስለ ዚትክኦ፡ “ከንቱ” ወይ ዘይጠቅም እዩ።—ማርቆስ 7:7, 8

 ኣምላኽ ንሃይማኖታዊ ግብዝና ይፍንፍኖ እዩ። (ቲቶስ 1:16) ሓደ ሃይማኖት ንሰባት ናብ ኣምላኽ ኪቐርቡ ንምሕጋዝ፡ ጽምብላት ወይ ወግዕታት ዘለዎ ኪኸውን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንመዓልታዊ ህይወቶም እውን ኪጸልዎ ኣለዎ። ንኣብነት መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሓደ እኳ ንልሳኑ ዘይለጕም ክነሱ፡ ሃይማኖተኛ ዝዀነ እንተ መሲልዎ፡ ንልቡ እዩ ዜታልል ዘሎ፡ ኣምልኾኡ እውን ከንቱ እዩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ዘይረኸሰን ሃይማኖት እዚ እዩ፦ ንዘኽታማትን ንመበለታትን ኣብ ጸበባኦም ምክንኻን፡ ርእስኻ ድማ ካብ ርስሓት ዓለም ምሕላው።” (ያእቆብ 1:26, 27፣ እግረ ጽሑፍ) ኪንግ ጄምስ ቨርሽን ነዚ ንጹህን ግብዝና ዘይብሉን ኣምልኾ ንምግላጽ፡ “ንጹህ ሃይማኖት” ዚብል መግለጺ ተጠቒሙ ኣሎ።