ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሃይማኖት ዓብዪ ንግዲ ድዩ፧

ሃይማኖት ዓብዪ ንግዲ ድዩ፧

 ብዙሓት ሃይማኖታት መንፈሳዊ መምርሒ ኣብ ምሃብ ዘይኰነስ፡ ገንዘብ ኣብ ምእካብ ኣተኲረን ከም ዘለዋስ ኣስተብሂልካዶ፧ ኣገልግሎትን ሸቐጣትን የዋዓውዓን ይሸጣን ኣለዋ። መብዛሕትኦም መራሕተን ከኣ፡ ብዙሕ ደሞዝ ይኽፈሉ፡ እናኣጋየጹ እውን ይነብሩ እዮም። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ፦

  •   ሓደ ጳጳስ ካቶሊክ ኣብ 13 ዓመት ብናይ ውልቂ ነፋሪት ንዝገበሮ ዳርጋ 150 መገሻታትን ብማኪና ሊሞዚን ንዝገበሮ ኣስታት 200 ጕዕዞታትን ብገንዘብ ቤተ ክርስትያን ከም ዝኸፈለ፡ ሓደ መርመራ ኣቃሊዑ። ቤተ ክርስትያን ንእትውንኖ መንበሪኡ ንምሕዳስ ከኣ ልዕሊ ኣርባዕተ ሚልዮን ዶላር ኣውጺኡ።

  •   ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ እትርከብ ሓንቲ ሃገር ዚነብር ሰባኺ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ተኣከብቲ ኣብ ዚርከብዎ ኣኼባ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ይህብ እዩ። ኣብቲ ዓብዪ ቤተ ክርስትያኑ ኸኣ፡ ተኣምራዊ ዚብሃል ዘይቲ፡ ፍሉይ ምልክት ዘለዎ ሽጎማኖን ማልያን፡ ኰታስ በብዓይነቱ ሸቐጣት ይሽየጥ እዩ። መብዛሕትኦም ናብቲ ቤተ ክርስትያን ዚኸዱ ድኻታት እኳ እንተ ዀኑ፡ ንሱ ግና ኣዝዩ ሃብታም እዩ።

  •   ካብቲ ኣብ እምነት ቡድህና ቕዱስ ጌርካ ዚርአ ኣርባዕተ ኣኽራን፡ እቲ ኽልተ ኣኽራን ከም ህዝባዊ ኩባንያ ተመዝጊቡ ኣሎ። እቲ ፍሉይ ቤተ መቕደስ ሻኦሊን ከኣ ኣብ ብዙሕ ንግዳዊ ንጥፈታት ይሳተፍ እዩ። እቲ ንዕኡ ዜመሓድር ሓለቓ ፈለስቲ ድማ፡ “ኣካያዲ ስራሕ ፈላሲ” ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ።

  •   ኣብ ትካላት ንግዲ ኣመሪካ፡ ኣማኸርቲ ስነ ሃይማኖት ይቕልቀሉ ኣለዉ። ብመሰረት ሓደ ጸብጻብ፡ እዞም ሰባት እዚኦም ሃይማኖታዊ ጽምብላት ይምህዙ፡ ንዓማዊሎም ከኣ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ይህቡ ኣለዉ።

 እሞ ደኣ ብዛዕባ እተን ኣብ ንግዲ ኣትየን ዘለዋ ሃይማኖታት ከመይ ይስምዓካ፧ ኣምላኽ ብዛዕባ እቶም ካብ ሃይማኖታዊ ንጥፈታት ገንዘባዊ መኽሰብ ኪረኽቡ ዚደልዩ ሰባት እንታይ ኣረኣእያ ኸም ዘለዎስ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧

ኣምላኽ ብዛዕባ እቶም ንሃይማኖት ምስ ንግዲ ዚሓናፍጹ ሰባት እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎ፧

 ኣምላኽ፡ ሃይማኖት ምስ ንግዲ ኺተሓናፈጽ ኣይደልን እዩ። ኣብ ሕሉፍ ግዜ፡ በቶም ካብኡ ኸም ዝዀኑ እናተዛረቡ ‘ብዋጋ ዚምህሩ’ ኻህናት ኣመና ኸም ዝጐሃየ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰፊሩ ኣሎ። (ሚክያስ 3:11) ነቶም ብሰንኪ ናይ ስስዐ ንግዲ ንቦታ ኣምልኾኡ ናብ “በዓቲ ጐሓሉት” ዝቐየሩ እውን ኰኒንዎም እዩ።—ኤርምያስ 7:11

 የሱስ እውን ከም ኣምላኽ፡ ነቶም ብስም ሃይማኖት ገንዘባዊ ረብሓ ኺረኽቡ ዚጽዕሩ ዘበሉ ይፍንፍኖም እዩ። ብግዜኡ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት በቶም ኣብ ቤተ መቕደስ የሩሳሌም ኪነግዱ እተፈቕደሎም ስሱዓት ነጋዶ ኣቢሎም ረብሓ ይረኽቡ ነበሩ። ኣብኡ ድማ ነቶም ኬምልኹ ዝመጹ ቕኑዓት ሰባት ይምዝምዝዎም ነበሩ። የሱስ ነቶም ጐሓሉ ነጋዶ ብትብዓት፡ “ንቤት ኣቦይ፡ ደጊም ቤት ሸቐጥ ኣይትግበርዋ!” ብምባል፡ ካብ ቤተ መቕደስ ኣውጽኦም።—ዮሃንስ 2:14-16

 ብተወሳኺ፡ የሱስ ኣብቲ ዜቕርቦ ዝነበረ ኣገልግሎት፡ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ኣንጸባሪቑ እዩ። (ዮሃንስ 8:28, 29) ንሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ንምምሃር ገንዘብ ኣኽፊልዎም ኣይፈልጥን እዩ። ጥሙያት ኪዕንግል፡ ሕሙማት ኬሕዊ፡ ምዉታት ኬተንስእ፡ ወይ ካልእ ተኣምራት ኪገብር ከሎ እውን፡ ክፍሊት ዚብሃል ኣይሓተተን። ስለዚ፡ ብኣገልግሎቱ ተጠቒሙ ሃብቲ ኣይደለበን፣ ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ናይ ርእሱ ቤት እኳ ኣይነበሮን።—ሉቃስ 9:58

ቀዳሞት ክርስትያናት ንኣምልኾኦም ካብ ንግዲ ዝፈለይዎ ብኸመይ እዮም፧

 የሱስ ንሰዓብቱ፡ ካብ ሃይማኖታዊ ንጥፈታቶም ገንዘባዊ መኽሰብ ኪረኽቡ ኸም ዘይግባእ እዩ ምሂርዎ። “ብናጻ ተቐቢልኩም ኢኹም እሞ፡ ብናጻ ሃቡ” እዩ ኢልዎም። (ማቴዎስ 10:8) እቶም ክርስትያናት ተባሂሎም እተጸውዑ ቐዳሞት ሰዓብቱ ንትምህርትታቱ ስዒቦምዎ እዮም። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ፦

  •   ሓደ እዋን፡ ስምኦን ዝስሙ ሰብኣይ ስልጣን ምእንቲ ኺውሃቦ ኢሉ ነቲ ምስ የሱስ እተመላለሰ ሃዋርያ ጴጥሮስ ገንዘብ ኣቕረበሉ። ጴጥሮስ ነዚ ብኡብኡ ነጸጎ፡ ንስምኦን እውን፡ “ነቲ ናጻ ውህበት ኣምላኽ ብገንዘብ ክትገዝኦ ስለ ዝሓሰብካ፡ ብሩርካ ምሳኻ ይጥፋእ” ኢሉ ገሰጾ።—ግብሪ ሃዋርያት 8:18-20

  •   ሃዋርያ ጳውሎስ ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናተጓዕዘ ዜገልግል ፍሉጥ ኣገልጋሊ እዩ ነይሩ። ኣብ ሓያሎ ጉባኤታት ንብዙሕ ዓመታት እኳ እንተ ኣገልገለ፡ ስለቲ ጻዕሩ ገንዘብ ኪኽፈሎ ግና ኣይደለየን። ንሱን ካልኦት ክርስትያናትን “ከምቶም ብዙሓት ዝዀንዎ፡ ሸቀጥቲ ቓል ኣምላኽ” ኣይነበሩን። (2 ቈረንቶስ 2:17) ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ጳውሎስ፡ “ብስራት ኣምላኽ ክንሰብከልኩም ከለና፡ ንሓደ ኻባኻትኩም እኳ ጾር ከይንኸውን ኢልና፡ ለይትን መዓልትን ንዓዪ ኔርና ኢና” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ።—1 ተሰሎንቄ 2:9

 ልክዕ እዩ፡ እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ነቲ ሰፊሕ ወፈራታት ስብከቶምን ግብረ ሰናያዊ ተግባራቶምን ንምምዋል ገንዘብ የድልዮም ነይሩ እዩ። ስለቲ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎቶም ግና ገንዘብ ኣየኽፈሉን። የግዳስ፡ ሰባት ብድሌቶም እዮም ገንዘቦም ዚውፍዩ ነይሮም። ምስ ወፈያታት ብዚተሓሓዝ ድማ፡ ነዚ ዚስዕብ መምርሒታት ይስዕቡ ነበሩ፦

  •   2 ቈረንቶስ 8:12 “ቅድም ድሉውነት እንተ ኣልዩስ፡ በቲ ዘለዎ መጠን ኣዝዩ ቕቡል እዩ እምበር፡ ብዘይብሉ ኣይኰነን።”

     ትርጉሙ፦ ሓደ ሰብ ንምሃብ ዜለዓዕሎ ውሽጣዊ ድራኸ፡ ካብቲ ዚህቦ መጠን ንላዕሊ ኣገዳስነት ኣለዎ።

  •   2 ቈረንቶስ 9:7 “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብልቡ ዝሓለኖ ይሃብ።”

     ትርጉሙ፦ ኣምላኽ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ግዴታ ተሰሚዕዎ ኺህብ ኣይደልን እዩ። የግዳስ፡ ብድሌት ዚውሃብ ወፈያ እዩ ዜሐጕሶ።

ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ስሱዓት ሃይማኖታት እንታይ ኪዀና እየን፧

 ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ዚረክብ ኵሉ ሃይማኖት ወይ ኵሉ ዓይነት ኣምልኾ ኸም ዘይኰነ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ይምህር እዩ። (ማቴዎስ 7:21-23) ኣብ ሓደ ዜደንቕ ትንቢት ከኣ፡ ኵለን ናይ ሓሶት ሃይማኖታት፡ ገንዘብ ወይ ካልእ ሓለፋታት ንምርካብን ንዅሎም ኣህዛብ ንምምዝማዝን ኢለን ምስ መንግስትታት ከም ዚሻረኻ ድሕሪ ምግላጽ፡ ምስ ኣመንዝራ ኣመሳሲልወን ኣሎ። (ራእይ 17:1-3፣ 18:3) ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣምላኽ ንናይ ሓሶት ሃይማኖታት ከም ዚፈርደን ይሕብር።—ራእይ 17:15-17፣ 18:7

 ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ኣምላኽ ብሰንኪ እቲ ናይ ሓሶት ሃይማኖት እትገብሮ ዘላ ኽፍኣት፡ ሰባት ኪታለሉ ወይ ካብኡ ኺርሕቁ ኣይደልን እዩ። (ማቴዎስ 24:11, 12) ቅኑዓት ሰባት ብኸመይ ብቕቡል መገዲ ኸም ዜገልግልዎን ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ከም ዚሃድሙን ኪፈልጡ ይደልዮም እዩ።—2 ቈረንቶስ 6:16, 17