ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ “ሕያዋይ ሳምራዊ” ዚብል መጸውዒ እንታይ እዩ ትርጉሙ፧

እቲ “ሕያዋይ ሳምራዊ” ዚብል መጸውዒ እንታይ እዩ ትርጉሙ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

እቲ “ሕያዋይ ሳምራዊ” ዚብል መጸውዒ፡ ብዛዕባ ሓደ ንእተሸገሩ ሰባት ሰናይ ዚገብር ሰብ ንምግላጽ እዩ ዚውዕል። እዚ ኸኣ፡ ካብቲ የሱስ ንሓደ ዜግነቶም ወይ ድሕረ ባይታኦም ብዘየገድስ፡ ንሰባት ብርሕራሐ ተደሪኹ፡ ሰናይ ዚገብር ናይ ሓቂ ብጻይ ንምግላጽ እተጠቕመሉ ምሳልያዊ ዛንታ እተወስደ እዩ።

ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፦

 ምሳሌ እቲ “ሕያዋይ ሳምራዊ” እንታይ እዩ፧

እቲ የሱስ ዘዘንተዎ ዛንታ፡ ሕጽር ብዝበለ መገዲ ኸምዚ ዚስዕብ ይመስል፦ ሓደ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ካብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ ኺጓዓዝ ከሎ፡ ሃንደበት ከተርቲ ረኸብዎ እሞ፡ ዝነበሮ ንብረት ወሲዶም፡ ወቒዖም፡ ኣይምዉት ኣይስሩር ገይሮም ሓዲጎምዎ ኸዱ።

ሓደ ኣይሁዳዊ ኻህንን ጸኒሑ ድማ ሓደ ኣይሁዳዊ መራሒ ሃይማኖትን ብጥቓ እቲ ወዲቑ ዝነበረ ተጓዓዛይ ይሓልፉ ነበሩ። ምስቲ ተጓዓዛይ ደቂ ሓደ ዓዲ እኳ እንተ ነበሩ፡ ዋላ ሓደ ኻባታቶም ግና ኪሕግዞ ኢሉ ኣየላገሰን።

ኣብ መወዳእታ፡ ሓደ ኻልእ ዝዓሌቱ ሰብኣይ፡ በቲ መገዲ ይሓልፍ ነበረ። ንሱ ኸኣ ሳምራዊ እዩ ነይሩ። (ሉቃስ 10:33፣ 17:16-18) እቲ ሳምራዊ ድማ፡ ብድንጋጽ ተደሪኹ ነቲ ወዲቑ ዝነበረ ሰብኣይ ኣቝሳሉ ሓከመሉ። ብድሕሪኡ ኸኣ፡ ኣልዒሉ ናብ መዕረፊ ኣጋይሽ ወሰዶ። ኣብኡ ኸኣ፡ ምሉእ ለይቲ ኺከናኸኖ ሓደረ። ንጽባሒቱ ድማ፡ ነቲ ሓላው መዕረፊ ኣጋይሽ፡ ነቲ ሰብኣይ ምእንቲ ኺከናኸኖ ኸፈሎ፡ ኣብ ቀጻሊ ዜውጽኦ ተወሳኺ ወጻኢታት ኪኸፍሎ ምዃኑ እውን ቃል ኣተወሉ።—ሉቃስ 10:30-35

 የሱስ ነዚ ምሳልያዊ ዛንታ እዚ ዝነገረ ስለምንታይ እዩ፧

የሱስ ነዚ ዛንታ እዚ ንሓደ ደቂ ዓሌቱን ደቂ ሃይማኖቱን ጥራይ ከም ብጾቱ ገይሩ ዚሓስብ ሰብ፡ ኬረድእ ኢሉ እዩ ዘዘንተዎ። የሱስ ነቲ ሰብኣይ፡ ሓደ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኺምህሮ እዩ ደልዩ። እዚ ኸኣ “ብጻይ” ማለት ነቶም ብጾቱ ኣይሁድ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኻልኦት ሰባት እውን ዜጠቓልል ምዃኑ ኺርዳእ እዩ ደልይዎ ነይሩ። (ሉቃስ 10:36, 37) እዚ ጸብጻብ እዚ፡ ነቶም ንኣምላኽ ኬሐጕሱ ዚጽዕሩ ሰባት ኪጠቅም ተባሂሉ እዩ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰፊሩ ዘሎ።—2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17

 ካብዚ ምሳልያዊ ዛንታ እዚ እንታይ ንምሃር፧

እቲ ዛንታ፡ ብዛዕባ ሓደ ብተግባሩ ርሕራሐ ዜርኢ ሕያዋይ ብጻይ እዩ ዚምህር። እዚ ብጻይ እዚ፡ ንሓደ ሰብ ድሕረ ባይታኡ፡ ዓሌቱ፡ ዜግነቱ ብዘየገድስ ኪሽገር ከሎ ኺሕግዝ ድሉው እዩ። ናይ ሓቂ ብጻይ ንሰባት ከምቲ ንሶም ኪገብሩሉ ዚደልዮም እዩ ዚገብረሎም።—ማቴዎስ 7:12

 ሳምራውያን እንታዎት እዮም ነይሮም፧

ሳምራውያን ብሸነኽ ሰሜን ይሁዳ ዚነብሩ ዝነበሩ ህዝቢ እዮም ነይሮም። ገለ ኻባታቶም፡ ካብ ኣይሁዳውያንን ኣይሁዳውያን ካብ ዘይኰኑን እተወልዱ እዮም ነይሮም።

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ.፡ ሳምራውያን ናይ ገዛእ ርእሶም ሃይማኖት ኣቚሞም ነይሮም እዮም። ነተን ቀዳሞት ሓሙሽተ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተቐቢሎም፡ ነቲ ኻልእ ግና ነጺጎምዎ እዮም።

ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ብዙሓት ኣይሁድ ንሳምራውያን ይንዕቕዎም ስለ ዝነበሩ፡ ምስኦም ኪራኸቡ ኣይደልዩን እዮም ነይሮም። (ዮሃንስ 4:9) ገለ ኻብቶም ኣይሁድ፡ ነቲ “ሳምራዊ” ዚብል መጸውዒ ኸም ጸርፊ እዮም ዚጥቀምሉ ነይሮም።—ዮሃንስ 8:48

 እቲ ዛንታ ናይቲ “ሕያዋይ ሳምራዊ” ብሓቂ እተፈጸመ ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዛንታ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ፡ ኣብ ናይ ሓቂ ፍጻመ እተመስረተ ምዃኑ ኣይነግረናን እዩ። ይኹን እምበር፡ የሱስ ንሰማዕቱ ምእንቲ ኼረድእ፡ ኣብ ትምህርትታቱ፡ ብዙሕ ሳዕ ፍሉጥ ዝዀነ ባህልታትን ቦታታትን ይጥቀም ነይሩ እዩ።

መብዛሕትኡ ኣብቲ ዛንታ ተጠቒሱ ዘሎ ነገራት፡ ታሪኻዊ ሓቅነት ዘለዎ እዩ። ንኣብነት፦

  • እታ ኻብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ እትወስድ ልዕሊ 20 ኪሎ ሜተር ዝምንዋሓ መገዲ፡ ሓደ ኪሎ ሜተር ዚወርድ ቍልቍለት ዘለዋ እያ ነይራ። ኣብቲ ጸብጻብ፡ ሰባት ‘ካብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ ይወርዱ’ ኸም ዝነበሩ ተገሊጹ ኣሎ።—ሉቃስ 10:30

  • ኣብ ያሪኮ ዚነብሩ ዝነበሩ ኻህናትን ሌዋውያንን፡ በዚ መገዲ እዚ ገይሮም እዮም ናብ የሩሳሌም ዚጓዓዙ ነይሮም።

  • ከተርቲ ብዙሕ ግዜ ኣብዚ መገዲ እዚ ኣድብዮም ብምጽናሕ፡ ንተጓዓዝቲ ብፍላይ ከኣ በይኖም ዚጓዓዙ ሰባት ይኸትርዎም ነበሩ።