ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር

ናይ ሓቂ ዓርኪ ኸመይ ዝበለ እዩ፧

ናይ ሓቂ ዓርኪ ኸመይ ዝበለ እዩ፧

ብ25 ታሕሳስ 2010፡ ሓንቲ ኣብ ብሪጣንያ እትነብር 42 ዓመት ዝዕድሚኣ ሰበይቲ፡ ኣብ ሓደ ህቡብ ወብ ሳይት ማሕበራዊ መራኸቢ፡ ርእሰ ቕትለት ክትፍጽም ምዃና ሓበረት። መልእኽታ፡ ቈላሕታ ንኺግበረላ ዚሕብር ምሕጽንታ እዩ ዚምስል ነይሩ። እታ ሰበይቲ ብመራኸቢ ብዙሓን እተላለየቶም ብኣሽሓት ዚቝጸሩ “ፈተውቲ” እኳ እንተ ነበርዋ፡ ኪረድኣ እተበገሰ ዋላ ሓደ ኣይነበረን። ነቲ ጽሑፍ ድሕሪ ምጽሓፋ፡ ሓደ መዓልቲ ጸኒሑ፡ ኣባላት ፖሊስ ሬሳኣ ረኸብዎ። ልዕሊ ዓቐን ዝዀነ መድሃኒት ወሲዳ ኸኣ እያ ርእሰ ቕትለት ዝፈጸመት።

ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ዘመናዊ ተክኖሎጂ ብማሕበራዊ መራኸቢ ኣቢልና ብኣማእታት፡ ወይ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ “ፈተውቲ” ኸነፍሪ መገዲ ኸፊቱልና ኣሎ። እዚ ኸኣ፡ ስሞም ኣብ ዝርዝር እቶም ብኮምፕዩተር እትራኸቦም ሰባት ምእታው ጥራይ እዩ ዚሓትት። ነቲ “ዕርክነት” ከተቋርጾ ምስ እትደሊ ኸኣ፡ ንስም እቲ ሰብ ካብቲ ዝርዝር ምስራዝ ጥራይ እዩ ዚሓትት። ይኹን እምበር፡ እቲ ነታ ኣብ ብሪጣንያ እትነብር ሰበይቲ ዘጋጠማ ዜሕዝን ፍጻመ፡ ዜሰንብድ ክውንነት ዜጕልሕ እዩ። እዚ ኸኣ፡ ሓያሎ ሰባት ናይ ሓቂ ዓርኪ ኸም ዘይብሎም እዩ ዜርኢ። ሓደ ኣብ ቀረባ እዋን እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ምስ ሰባት ንራኸብ እኳ እንተ ኣለና፡ ቍጽሪ እቶም ናይ ሓቂ ኣዕሩኽና ዚዀኑ ሰባት ግና ነክዩ ኣሎ።

ከምቲ መብዛሕትኦም ሰባት ዚሰማምዑሉ፡ ንስኻ እውን ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ኣገደስቲ ምዃኖም ትሰማምዓሉ ትኸውን ኢኻ። ብዘይካዚ፡ ዓርኪ ምዃን ኪብሃል ከሎ፡ ኣብ ኮምፕዩተር ወይ ኣብ ስማርትፎን ኣብ ዘሎ መራኸቢ ኻብ ምጥዋቕ ንላዕሊ ኸም ዚሓትት እውን ትፈልጥ ትኸውን ኢኻ። ካብ ሓደ ዓርኪ እንታይ ኢኻ እትደሊ፧ ናይ ሓቂ ዓርኪ ኽትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ነባሪ ዕርክነት ንምምስራትከ እንታይ ይሓትት፧

ነዚ ዚስዕብ ኣርባዕተ መምርሒ መርምሮ እሞ፡ ሰባት ዚደልይዎ ዓይነት ዓርኪ ንኽትከውን፡ ግብራዊ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዘካ ኸም ዚኽእል ርአ።

1. ብሓቂ ኸም እትግደስ ኣርኢ

ናይ ሓቂ ዕርክነት፡ ቃልካ ምሕላው እውን ዚሓቍፍ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ናይ ሓቂ ዓርኪ ብዛዕባኻ ሓላፍነት ይስምዖ፡ ብሓቂ ድማ ይግደሰልካ እዩ። ይኹን እምበር፡ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓላፍነት ንኽልቴኹም ዚምልከት ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ጻዕርን መስዋእትነትን ዚሓትት እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ እትገብርዎ ጻዕሪ ዓስቢ ኣለዎ። ስለዚ፡ ‘ንዓርከይ ገዛእ ርእሰይን ግዜይን ጥሪተይን ክውፍየሉ ፍቓደኛ ድየ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ። ናይ ሓቂ ዓርኪ ንኽትረክብ ግና፡ መጀመርታ ንስኻ ናይ ሓቂ ዓርኪ ኽትከውን ከም ዜድልየካ ኣይትረስዕ።

ሰባት ካብ ሓደ ዓርኪ እንታይ ይደልዩ፧

ኢረነ፦ “ልክዕ ከምቲ ሓደ ውቁብ ስፍራ ኣታኽልቲ ብዙሕ ግዜን ክንክንን ዜድልዮ፡ ዕርክነት ንኽትሃንጽ እውን ብዙሕ ግዜን ጻዕርን ይሓትት እዩ። መጀመርታ ንርእስኻ ናይ ሓቂ ዓርኪ ኹን። ብዘይ ልግሚ ለውሃትን ተገዳስነትን ኣርኢ። ክትድለ ኸለኻ ድማ ግዜኻ ንምስዋእ ፍቓደኛ ኹን።”

ሉዊስ ኣልፎንሶ፦ “እዚ ሕጂ ዘሎ ሕብረተሰብ ብዛዕባ ኻልኦት ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ርእስኻ ጥራይ ክትግደስ እዩ ዜተባብዕ። ስለዚ፡ ሓደ ሰብ ንኽትፈድዮ ኸይተጸበየ፡ ናይ ሓቂ ተገዳስነት ምስ ዜርእየካ፡ ዓብዪ ነገር እዩ ዚገብረልካ ዘሎ።”

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“ከምቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ እውን፡ ንስኻትኩም ከምኡ ግበሩሎም። ሃቡ፡ ኪህቡኹም እውን እዮም።” (ሉቃስ 6:31, 38) ኣብዚ የሱስ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ጥቕሚ ርእስና፡ ኣብ ጥቕሚ ኻልኦት ከነተኵርን ለጋሳት ክንከውንን እዩ ተማሕጺኑና። ከምዚ ዝኣመሰለ ልግሲ፡ ናይ ሓቂ ዕርክነት እዩ ዜፍሪ። ንኣዕሩኽካ፡ ኪፈድዩኻ ኸይተጸበኻ ኽትሕግዞም እንተ ጽዒርካ፡ ኪቐርቡኻ እዮም።

2. ጽቡቕ ጌርካ ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋወጥ

ኣዘውቲርካ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ እንተ ዘየልዩ፡ ናይ ሓቂ ዕርክነት ኪድልድል ኣይክእልን እዩ። ስለዚ፡ ንኽልቴኹም ብዛዕባ ዜገድሰኩም ነገራት ተዘራረቡ። ዓርክኻ ኺዛረብ ከሎ ጽን ኢልካ ስምዓዮ፡ ንርእይቶኡ ድማ ኣኽብረሉ። ብእተኻእለ መጠን፡ ንኣዶን ኣተባብዓዮን። ሓድሓደ ግዜ፡ ዓርክኻ ምኽሪ ወይ መኣረምታ ኼድልዮ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ነዚ ንኽትገብሮ ቐሊል ዚኸውን ኵሉ ሳዕ ኣይኰነን። ሓደ እሙን ዓርኪ ግና፡ ዓብዪ ጌጋ ምስ እትገብር ንኺሕብረካን ብሜላ ንኺመኽረካን ድሕር ኣይብልን እዩ።

ሰባት ካብ ሓደ ዓርኪ እንታይ ይደልዩ፧

ህዋን፦ “ሓደ ናይ ሓቂ ዓርኪ፡ ርእይቶኡ ብናጻ ኺገልጽ ኣለዎ፣ ምስኡ እንተ ዘይተሰማሚዕካ ግና ኪዅሪ የብሉን።”

ዩኒስ፦ “ብፍላይ ጸገም ኬጋጥመኒ ኸሎ፡ ምሳይ ግዜ ኼሕልፉን ኪሰምዑንን ፍቓደኛታት ንዚዀኑ ኣዕሩኽ እየ ዝያዳ ኣኽቢረ ዝርእዮም።”

ሲልቪና፦ “ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ካብ ልቢ ስለ ዚግደሱልካ፡ ኬሕምመካ ኸም ዚኽእል እናፈለጡ እውን ሓቂ እዮም ዚነግሩኻ።”

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“ኵሉ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ፡ ንቝጥዓ ደንጓዪ ይኹን።” (ያእቆብ 1:19) ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ወትሩ ጽን ኢሉ ዚሰምዖም ሰብ ይደልዩ እዮም። ክንዘራረብ ከለና፡ ነቲ ዝርርብ ንዕብልሎ እንተ ዄንና ግና፡ ‘ርእይቶና ኻብ ናይ ካልኦት ርእይቶ ዝያዳ ኣገዳስነት ኣለዎ’ ዚብል መልእኽቲ ኢና እነመሓላልፍ። ስለዚ፡ ዓርክኻ ሓሳባቱን ሻቕሎቱን ኬካፍለካ ኸሎ ጽን ኢልካ ስምዓዮ። ብዛዕባ ጕድለትካ ብቕንዕና ምስ ዚነግረካ እውን ኣይትዀሪ። ምሳሌ 27:6፡ “ናይ ፈታዊ ምቝሳል እሙን እዩ፡ ጸላኢ ግና ኣብዚሑ ይስዕም” ትብል።

3. ሚዛናዊ ትጽቢት ይሃሉኻ

ንዓርክና ዝያዳ ብዝቐረብናዮ መጠን፡ ጕድለታቱ ብዝያዳ ይርኣየና ይኸውን። ፈተውትና ፍጹማት ኣይኰኑን፣ ንሕና እውን ፍጹማት ኣይኰንናን። ስለዚ፡ ካብቶም እንተዓራረኾም ሰባት ፍጽምና ኽንጽበ የብልናን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ጽቡቕ ባህርያቶም ኣኽቢርና ኽንርእዮን ንጕድለታቶም ዕሽሽ ክንብሎን ይግባእ።

ሰባት ካብ ሓደ ዓርኪ እንታይ ይደልዩ፧

ሳሙኤል፦ “ካብቲ ኻብ ርእስና እንጽበዮ ንላዕሊ፡ ካብ ካልኦት ሰባት ብዙሕ ንጽበ ኢና። ጕድለታት ከም እንገብርን ሕድገት ኪግበረልና ኸም ዜድልየናን እንተ ተገንዚብና፡ ንኻልኦት በደሎም ክንሓድገሎም ብዝያዳ ፍቓደኛታት ክንከውን ኢና።”

ዳንኤል፦ “ኣዕሩኽካ ኺጋገዩ ኸም ዚኽእሉ ፍለጥ። ጸገማት ኬጋጥም ከሎ፡ ቀልጢፍና ኽንፈትሖን ንኽንርስዖ ኽንጽዕርን ይግባእ።”

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ይቕረ ንኽትብል ፍቓደኛ ዲኻ፧—ቈሎሴ 3:13, 14

“ኵላትናስ ብዙሕ ሳዕ ንስሕት ኢና። ብቓል ዘይስሕት እንተሎ፡ ንሱ ንብዘሎ ሰብነቱ ኺለጕም ዚኽእል ፍጹም ሰብ እዩ።” (ያእቆብ 3:2) ነዚ ሓቂ እዚ ምፍላጥና፡ ንኣዕሩኽና ጸገሞም ንኽንርድኣሎም ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ጸገሞም እንተ ተረዲእናሎም ከኣ፡ ነቲ ኼሕርቐና ዚኽእል ንኣሽቱ ጕድለታት ዕሽሽ ኢልና ኽንሓልፎ ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተ ኣለዎ፡ ንሓድሕድኩም ተዓጋገሱን ብናጻ ይቕረ ተባሃሃሉን። . . . ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉ እውን፡ ፍቕሪ ፍጽምቲ ማእሰር ሓድነት እያ እሞ፡ ልበስዋ” ይብል።—ቈሎሴ 3:13, 14

4. ምስ እተፈላለዩ ሰባት ተዓራረኽ

እንተዓራረኾም ሰባት ክንመርጽ ከም ዘሎና ፍሉጥ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ሓደ ኽሊ ዕድሜ ንዚርከቡ ወይ ሓደ ዓይነት ኣተዓባብያ ንዘለዎም ሰባት ጥራይ ክንመርጽ ኣሎና ማለት ግና ኣይኰነን። ኣብ ኵሉ ኽሊ ዕድመ ንዚርክቡን እተፈላለየ ድሕረ ባይታን ዜግነትን ንዘለዎምን ሰባት ንግደሰሎም እንተ ዄንና፡ ህይወትና ዝያዳ ትርጕም ኪህልዋ ይኽእል እዩ።

ሰባት ካብ ሓደ ዓርኪ እንታይ ይደልዩ፧

ኡናይ፦ “ኣብ ክሊ ዕድመኻ ምስ ዘለዉን ከም ናትካ ዓይነት ድሌት ምስ ዘለዎምን ሰባት ጥራይ ትተዓራረኽ እንተ ዄንካ፡ ኵሉ ሳዕ ንሓደ እትፈትዎ ኽዳን ጥራይ ተኸዲንካ ምንባር ማለት እዩ። ነቲ ሕብሪ ኣዚኻ ትፈትዎ እኳ እንተ ዀንካ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ኸም ዚምነወካ ፍሉጥ እዩ።”

ፉንከ፦ “ምስ እተፈላለዩ ሰባት ምትዕርራኸይ፡ ናብ ብስለት ንኽዓቢ ኣጋጣሚ ኸፊቱለይ እዩ። ኣብ ኵሉ ኽሊ ዕድመ ምስ ዚርከቡን እተፈላለየ ድሕረ ባይታ ምስ ዘለዎምን ሰባት ተሳንየ ኽነብር ተማሂረ እየ፣ እዚ ኸኣ ብዝያዳ ኸም ዝረዳዳእን ከም ዝላዘብን ገይሩኒ እዩ። ከምዚ ምዃነይ ኣዕሩኸይ ብሓቂ የማስዉሉ እዮም።”

ምስ ኵሎም ዓይነት ሰባት ትተዓራረኽዶ ኣሎኻ፧—2 ቈረንቶስ 6:13

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ውሬታ ንምምላስ ከኣ፡—ከም ንውሉደይ እየ ዝዛረብ ዘለኹ፡—ንስኻትኩም እውን ልብኹም ኣርሕዉ።” (2 ቈረንቶስ 6:13) መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኵሎም ዓይነት ሰባት ክንተዓራረኽ የተባብዓና እዩ። ምስ ኵሎም ዓይነት ሰባት ምትዕርራኽካ ድማ፡ ንህይወትካ ዝያዳ መቐረት ይውስኸላ፡ ብኻልኦት ሰባት ከኣ ተፈታዊ ይገብረካ።