ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዓለምለኻዊ ሕጽረት ጽሩይ ማይ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዓለምለኻዊ ሕጽረት ጽሩይ ማይ እንታይ ይብል፧

 ብህይወት ንምንባር ኵላትና ጽሩይ ማይ የድልየና እዩ። ኰይኑ ግና፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬዝ፡ “ኣብ ዓለምና እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ጠለብ ማይ፡ ከቢድ ሕጽረት ኬስዕብ እዩ” ብምባል ኣጠንቂቑ ኣሎ። ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ብቢልዮናት ዚቚጸሩ ሰባት ዚስተ ጽሩይ ማይ ኣይረኽቡን እዮም።

Strdel/AFP via Getty Images

 ኵሉ ሰብ እኹል ማይ ዚረኽበሉ እዋን ይመጽእዶ ይኸውን፧ ወይስ ወትሩ ምስ ሕጽረት ማይ እናተቓለስና ኢና ኽንነብር፧ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ቐረብ ማይ እንታይ ኣተስፍዩ ኣሎ፧

 መጽሓፍ ቅዱስ ሕጽረት ማይ ዘይህልወሉ እዋን ከም ዚመጽእ ይገልጽ እዩ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ብዙሕ ጽሩይን ጥዑምን ማይ ዚህልወሉ ግዜ ኸም ዚመጸእ እዩ ዚዛረብ።

 “ማያት ኣብ በረኻ፡ ወሓይዝ እውን ኣብ ጐልጐል ምድረ በዳ ኺፍልፍል እዩ። ምድሪ ረመጽሲ ሻምብቆ ዝመልኦ ራህያ፡ ምድሪ ኣጻምእ ከኣ ዓይኒ ማያት ኪኸውን እዩ።”—ኢሳይያስ 35:6, 7

 ነዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ተስፋ እዚ ኽንኣምኖ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ፕላነትና ብዛዕባ እተነድፈትሉ ሓደ መዳይ እንታይ ከም ዚብል እስከ ንርአ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምድርን ዑደት ማይን እንታይ ይብል፧

 ‘ኣምላኽ ንምድሪ ኪንበረላ እምበር፡ ንኸንቱ ኢሉ ኣይፈጠራን።’—ኢሳይያስ 45:18

 ኣምላኽ ንምድሪ ዝፈጠራ ህያዋን መታን ኪነብሩላ ኢሉ ስለ ዝዀነ፡ ብዙሕ ጥዑም ማይ ክትፍልፍል ዜኽእላ ተፈጥሮኣዊ ስርዓታት ዘርጊሑ እዩ።

 “[ኣምላኽ] ነጠብጣብ ማይ ናብ ላዕሊ ይስሕብ፣ ካብ ግመኡ ድማ ዝናም ይሰርብ። ሽዑ፡ ንደበናታት የፍስሶ፣ ኣብ ልዕሊ ሰብ እውን የንጠብጥቦ።”—እዮብ 36:27, 28

 ብሓጺሩ እዛ ጥቕሲ፡ ኣምላኽ ንዑደትን ቀረብን ማይ ዝኸውን ተፈጥሮኣውን ዜተኣማምንን መስርሕ ከም ዝነደፈ እያ እትገልጽ ዘላ። ማይ ካብ መሬትን ባሕርን ሃፊፉ ደበና ይኸውን፡ እቲ ደበና ኸኣ ዝናም ኰይኑ ይዘንም። በዚ ኸምዚ ደቂ ሰባትን እንስሳታትን፡ ቀረብ ጽሩይን ጥዑምን ማይ ብቐጻሊ ይህልዎም።—መክብብ 1:7፣ ኣሞጽ 5:8

 “ዝናም ብግዜኡ ኽህበኩም እየ፣ ምድሪ ኸኣ ፍሪኣ ኽትህብ እያ፣ ኣእዋም መሮር እውን ፍሪኡ ኺህብ እዩ።”—ዘሌዋውያን 26:4

 ኣምላኽ ነቶም ሓረስቶት ዝነበሩ ጥንታዎት እስራኤላውያን፡ ጽቡቕ ዓጺድ መታን ኪዓጽዱ እኹል ቀረብ ማይ ብምሃብ ኪባርኾም ምዃኑ ኣተስፍይዎም ነይሩ እዩ። ከመይሲ፡ ፍርያት ምግቢ ንምፍራይ ብግዜኡ ዚዘንም ዝናም ኣድላዪ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ።

 ኣምላኽ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ከምቲ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝገበሮ ኣብ ብምልእታ ምድሪ ኺገብር እዩ። (ኢሳይያስ 30:23) ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ግዜና ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ዓለም፡ ሕጽረት ጽሩይ ማይ እናገደደ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ጠንቂ እቲ ጸገም ድማ ስእነት ዝናም ጥራይ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ሎሚ ዘሎ ምስ ማይ እተሓሓዘ ጸገማት እንታይ ተወሳኺ ፍታሕ እዩ ዚገልጽ፧

ሕጽረት ማይ ብኸመይ እዩ ኺውገድ፧

 ኣምላኽ ነቲ ፕላነትና ኣጋጢምዋ ዘሎ እተፈላለየ ጸገማት እንተላይ ሕጽረት ማይ፡ ብመንግስቱ ኣቢሉ ኸም ዜወግዶ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ማቴዎስ 6:9, 10) መንግስቲ ኣምላኽ ሰማያዊት መንግስቲ እያ፡ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸኣ ክትገዝእ እያ።(ዳንኤል 2:44፣ ራእይ 11:15) ብዘይካዚ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ሰብኣውያን መንግስትታት ኪገብርዎ ዘይከኣሉ ነገር ክትገብር እያ፣ እወ፡ ነቲ ቐንዲ ጠንቂ ጸገም ማይ ከተወግዶ እያ።

 ጸገም፦ ምልውዋጥ ኵነታት ኣየር፡ ኣብ ዑደት ማይ ከቢድ ምምዝባል ኣስዒቡ እዩ። ንኣብነት፡ ደርቂ፡ ብርቱዕ ዝናም ወይ ምብራኽ ጽፍሒ ባሕሪ ዜስዕቦ ምዕልቕላቕ ማይ ኪጥቀስ ይከኣል እዩ።

 ፍታሕ፦ መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ዚርአ ዘሎ ኸባብያዊ ዕንወት ብምውጋድ፡ ንፕላነትና ኸተሐድሳ እያ። ኣምላኽ “እንሆ፡ ንዅሉ እሕድሶ ኣለኹ” ብምባል ኣተስፍዩ እዩ። (ራእይ 21:5) ማይ ንዘይብሉ ምድሪ ናብ ዓይኒ ማያት ኪቕይር፡ ሕጂ ህይወት ዘለዎም ኪነብሩሉ ዘይክእሉ ቦታታት እውን ከይተረፈ ኸም ዜብቍል ኪገብሮ እዩ። (ኢሳይያስ 41:17-20) ብዘይካዚ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢላ ንተፈጥሮኣዊ ሓይልታት ምድሪ ክትቈጻጸር እያ።

 የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ብርቱዕ ህቦብላ ኣህድአ፡ እዚ ኸኣ መርኣያ እቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ሓይሊ እዩ። (ማርቆስ 4:39, 41) መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ክርስቶስ፡ ንባህርያዊ ሓደጋታት ከተወግድ እያ። ሽዑ፡ ሰባት ካብ ዝዀነ ይኹን ሓደጋታት ከይሰገኡ ብሰላምን ደሓንን ኪነብሩ እዮም።

 ጸገም፦ ምስትውዓል ዝጐደሎም ሰባትን ስሱዓት ትካላትን፡ ወሓይዝን ቀላያትን ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዚርከብ መዕቈርን ስለ ዝበከልዎ፡ ጸገም ሕጽረት ጽሩይ ማይ እናተጋደደ ይኸይድ ኣሎ።

 ፍታሕ፦ ኣምላኽ ንምድሪ ኼጽርያ እዩ፣ ነቲ ተጐዲኡ ዘሎ ወሓይዝን ቀላያትን ባሕርታትን ሓመድን ድማ ኪፍውስ እዩ። ምድሪ ገነት ክትከውን እያ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ብመልክዕ ግጥሚ ኪገልጾ ኸሎ፡ “በረኻን ምድሪ ኣጻምእን ኪፍሳህ፡ ጐልጐል ምድረ በዳ ኺሕጐስ፡ ከም ሳፍሮን ድማ ኪዕምብብ እዩ” ይብል።—ኢሳይያስ 35:1

 እቶም ብዛዕባ ደቂ ሰባት ኰነ ምድሪ ዋላ ሓንቲ ዘይግደሱ እንታይ ኪዀኑ እዮም፧ ኣምላኽ፡ “ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ” ኸም ዜጥፍኦም ቃል ኣትዩ እዩ።—ራእይ 11:18፣ ምሳሌ 2:21, 22

 ጸገም፦ ሰባት ንጸጋታት ማይ ብዘይግቡእ ይጥቀሙሉ ስለ ዘለዉ፡ ቀረብ ማይ ብፍጥነት የንቈልቍል ኣሎ።

 ፍታሕ፦ ሳላ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣብ ምድሪ ፍቓድ ኣምላኽ ደኣ እምበር፡ ፍቓድ ስሱዓት ሰባት ኣይክኸውንን እዩ። (ማቴዎስ 6:9, 10) መንግስቲ ኣምላኽ ንተገዛእታ ዝበለጸ ትምህርቲ ኽትምህሮም እያ። ከምቲ ኣብ ኢሳይያስ 11:9 እተገልጸ፡ “ምድሪ ብርግጽ ብፍልጠት የሆዋ ኽትመልእ እያ።” a ሽዑ ደቂ ሰብ ነዚ ብሉጽ ፍልጠት ዓጢቖም ንኣምላኽን ንፍጥረታቱን ዓሚቝ ፍቕሪ ኼርእዩ፡ ነዛ ውቅብቲ ምድርናን ንተፈጥሮኣዊ ጸጋታታን ከኣ ኪከናኸኑ እዮም።

  •    መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ከም እትገብር ዝያዳ ንምፍላጥ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ክትገብር እያ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

  •    ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ መጽሓፍ ኢሳይያስ ምዕራፍ 35፡ ምድሪ ብኸመይ ገነት ከም እትኸውን ኣንብብ።

  •    ኣምላኽ ንምድርን ንደቂ ሰብን ብዛዕባ ዘለዎ ዕላማ ዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣምላኽ ንምድሪ ዝፈጠራ ስለምንታይ እዩ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።

a የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ። (መዝሙር 83:18) “የሆዋ መን እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።