ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ክትገብር እያ፧

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ክትገብር እያ፧

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኪጽልዩ ምሂርዎም እዩ። ኣብ ምድሪ ሕማቕ ነገር ኪኸውን ኣምላኽ ከም ዘይደሊ፡ ነዚ ጸገማት እዚ ድማ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ክትፈትሖ ኸም እትኽእል ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እሞ ደኣ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ ኽትገብር፧

መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ሕጂ እንታይ ገይራ ኣላ፧

ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ፡ ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝሃቦ ምልክት ርኢና ኔርና። እቲ ምልክት ድማ እታ የሱስ ክርስቶስ ዝንጉሳ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ከም ዝቘመት ዚሕብር እዩ።

የሱስ ስልጣን መንግስቱ ምስ ሓዘ፡ ንሰይጣንን ንኣጋንንቱ ኻብ ሰማይ ከም ዚድርብዮም መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ሕጂ፡ ንጥፈታቶም ኣብ ምድሪ እዩ ተሓጺሩ ዘሎ፣ ሓደ ኻብቲ ኻብ 1914 ኣትሒዙ ዅነታት ኣመና ኸፊኡሉ ዘሎ ምኽንያት እውን እዚ እዩ።—ራእይ 12:7, 9

ኵነታት ዓለም እናኸፍአ ይኸይድ እኳ እንተሎ፡ የሱስ ከም ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን ኣብ ብዘላ ምድሪ ንዘለዉ ሰባት ዚሕግዝ ነገር ይገብር ኣሎ። ሳላቲ የሱስ ተነብይዎ ዝነበረ ዓለምለኻዊ ዕዮ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዙሓት ሰባት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ይፈልጡን ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ይትግብርዎን ኣለዉ። (ኢሳይያስ 2:2-4) ሚልዮናት ከኣ ብዛዕባ ስራሕ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኺሕዙ፡ ናብራ ስድራ ቤቶም ኬመሓይሹ፡ ባርያ ስጋዊ ጥሪት ከይኰኑ እውን ብስጋዊ ነገራት ኪሕጐሱ ኽኢሎም ኣለዉ። እዞም ሰባት እዚኦም ሕጂ ገዛእ ርእሶም ይጠቕሙ፡ ኣምላኽ ዚደልዮም ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ይዀኑ ኣለዉ።

መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዚቕጽል እንታይ ክትገብር እያ፧

የሱስ ኣብ ሰማይ ይገዝእ እኳ እንተሎ፡ ኣብ ምድሪ ግና ሰብኣውያን መንግስትታት እየን ዚገዝኣ ዘለዋ። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ንየሱስ፡ “ኣብ ማእከል ጸላእትኻ ግዛእ” ኢሉ መምርሒ ሂብዎ እዩ። (መዝሙር 110:2) ኣብ ቀረባ ግዜ፡ የሱስ ንዅሎም ተጻረርቲ ምሉእ ብምሉእ ኬጥፍኦምን ነቶም ንኣምላኽ ብፍታው ዚእዘዝዎ እፎይታ ኼምጽኣሎምን እዩ።

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ነዚ ዚስዕብ ስጕምቲ ኽትወስድ እያ፦

  • ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ከተጥፍእ እያ። ብዛዕባ ኣምላኽ ሓሶት ዚምህራን ኣብ ህይወቶም ጸገም ዚፈጥራን ሃይማኖታት ኪጠፍኣ እየን። መጽሓፍ ቅዱስ ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ከም ኣመንዝራ ገይሩ እዩ ዚገልጻ። ጥፍኣታ ኸኣ ንብዙሓት ኬሰምብዶም እዩ።—ራእይ 17:15, 16

  • ንሰብኣዊ ግዝኣት መወዳእታ ኽትገብረሉ እያ። መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ ሰብኣዊ ግዝኣት መወዳእታ ዚገብረሉ ስጕምቲ ኽትወስድ እያ።—ራእይ 19:15, 17, 18

  • ንእኩያት ሰባት ከተጥፍኦም እያ። እቶም ክፉእ ንምግባር ዝቘረጹን ንኣምላኽ ዘይእዘዝዎን እንታይ ኪዀኑ እዮም፧ “እኩያት ግና ካብ ምድሪ ኺምንቈሱ . . . እዮም።”—ምሳሌ 2:22

  • ንሰይጣንን ንኣጋንንቱን ከተወግዶም እያ። ሰይጣንን ኣጋንንቱን ‘ንኣህዛብ ኣይኬስሕቱን’ እዮም።—ራእይ 20:3, 10

እዚ ዅሉ ነቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ዚቕበሉ ዘበሉ እንታይ ማለት እዩ፧

መንግስቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ እንታይ ክትገብረሎም እያ፧

የሱስ ኣብ ሰማይ ንጉስ ኰይኑ እናገዝአ፡ ዝዀነ ሰብኣዊ ገዛኢ ኺገብሮ ዘይክእል ነገራት ኪገብር እዩ። እቶም ካብ ደቂ ሰብ እተሓርዩ 144,000 መጋዝእቱ ድማ ኪሕግዝዎ እዮም። (ራእይ 5:9, 10፣ 14:1, 3) ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ኸም ዚፍጸም ኪገብር እዩ። እሞ ደኣ መንግስቲ ኣምላኽ ንነበርቲ ምድሪ እንታይ ክትገብረሎም እያ፧

  • ሕማምን ሞትን ከተወግድ እያ። “ካብቶም ነበርቲ ሓደ እኳ፡ ‘ሓሚመ’ ኣይኪብልን እዩ።” ብዘይካዚ፡ “ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን . . . እዩ።”—ኢሳይያስ 33:24፣ ራእይ 21:4

  • ናይ ሓቂ ሰላምን ደሓንን ከተስፍን እያ። “ሰላም ደቅኺ እውን ብዙሕ ኪኸውን እዩ።” ብተወሳኺ፡ “ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ኪቕመጥ እዩ፣ ሓደ እኳ ኣይኬፍርሆምን እዩ።”—ኢሳይያስ 54:13፣ ሚክያስ 4:4

  • ትርጉም ዘለዎ ዕዮ ኽትህብ እያ። “ሕሩያተይ ድማ ንግብሪ ኣእዳዎም ምሉእ ብምሉእ ኪሕጐሱሉ እዮም። ንኸንቱ ኣይኪጽዕሩን . . . እዮም።”—ኢሳይያስ 65:22, 23

  • ኣከባብያዊ ጸገማት ክትፈትሕ እያ። “በረኻን ምድሪ ኣጻምእን ኪፍሳህ፡ ጐልጐል ምድረ በዳ ኺሕጐስ፡ ከም ሳፍሮን ድማ ኪዕምብብ እዩ።”—ኢሳይያስ 35:1

  • ንዘለኣለም ንምንባር እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ኽትምህር እያ። “በይንኻ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንዝዀንካ ንዓኻን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ምፍላጦም፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ።”—ዮሃንስ 17:3

ኣምላኽ ነዚ ዅሉ በረኸት ክትረክብ ይደልየካ እዩ። (ኢሳይያስ 48:18) እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ክፍሊ እቲ ዜደንቕ መጻኢ ንምዃን ሕጂ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ክትገልጸልካ እያ።