ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

ብዙሓት ሰባት፡ መንግስቲ ኣምላኽ ክትመጽእ ይጽልዩ እዮም፣ ግናኸ፡ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ከም ዝዀነትን እንታይ ከም እትገብርን ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል ርአ፦

  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

    የሱስ ክርስቶስ ዝንጉሳ ሰማያዊት መንግስቲ እያ።—ኢሳይያስ 9:6, 7፣ ማቴዎስ 5:3፣ ሉቃስ 1:31-33

  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ክትገብር እያ፧

    ንዅሉ ኽፍኣት ኣጥፊኣ፡ ንሰባት ኣብ ምድሪ ነባሪ ሰላም ከተምጽኣሎም እያ።—ዳንኤል 2:44፣ ማቴዎስ 6:10

  • ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ምድላይ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

    ንመንግስቲ ኣምላኽ ምድጋፍን ኣምላኽ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅነታት ከምቲ ዝደለዮ ንምግባር ዚጥቀመላ ንሳ በይና ምዃና ምእማንን ማለት እዩ።—ማቴዎስ 6:33፣ 13:44