ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

ተጻዋርነት

ተጻዋርነት

ተጻዋርነትን ይቕረ ምባልን ንርእይቶ ኻልእ ምቕባልን፡ ሰላማዊ ርክብ ከም ዚህሉ እዩ ዚገብር። ኰይኑ ግና፡ ተጻዋርነት ደረት ኪህልዎ ይግባእዶ፧

ብዝያዳ ጸዋራት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ህሉው ኵነታት፦

ኣብ መላእ ዓለም ብሰንኪ ዓሌታውን ቀቢላውን ጽልኢ፡ ብሰንኪ ሃገራውነት፡ ከምኡ ድማ ብሰንኪ ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ወይ ኣኽራርነት፡ ተጻዋርነት ይጠፍእ እዩ ዘሎ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

የሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣገልግሎቱ፡ ጸዋራት ብዘይኰኑ ሰባት እዩ ተኸቢቡ ነይሩ። ኣይሁድን ሳምራውያንን ንሓድሕዶም ይጻልኡ ነበሩ። (ዮሃንስ 4:9) ደቂ ኣንስትዮ ኻብ ደቂ ተባዕትዮ ኸም ዚትሕታ ጌርካ ይርኣያ ነበራ። መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ከኣ፡ ነቶም ተራ ሰባት ይንዕቅዎም ነበሩ። (ዮሃንስ 7:49) የሱስ ክርስቶስ ግና ካባታቶም እተፈልየ እዩ ነይሩ። ጸላእቱ ብዛዕባኡ ኺዛረቡ ኸለዉ፡ “እዝስ ንሓጥኣን ይቕበል፡ ምሳታቶም እውን ይበልዕ” ይብልዎ ነበሩ። (ሉቃስ 15:2) የሱስ ግና ለዋህን ዓቃልን ጸዋርን እዩ ነይሩ፣ ንኻልኦት ሰባት ብመንፈስ የሕውዮም ደኣ እምበር፡ ኣይፈርዶምን እዩ ነይሩ። ከምኡ ንኺገብር ብቐንዱ ዝደረኸቶ ድማ፡ ፍቕሪ እያ።—ዮሃንስ 3:17፣ 13:34

እቲ ተጻዋርነት ብምርኣይ ኣርኣያ ዚዀነና የሱስ፡ ንሰባት ብመንፈስ ኬሕውዮም ደኣ እምበር፡ ኪፈርዶም ኣይመጸን

ፍቕሪ ብዝያዳ ጸዋራት ክንከውን፡ ንኻልኦት ሰባት ከኣ ዘይፍጽምናኦምን ባህርያቶምን ብዘየገድስ ልብና ኽንከፍተሎም እትድርኸና ባህርይ እያ። ቈሎሴ 3:13፡ “ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተ ኣለዎ፡ ንሓድሕድኩም ተዓጋገሱን ብናጻ ይቕረ ተባሃሃሉን” ትብል።

“ፍቕሪ ብዝሒ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ፡ ቅድሚ ዅሉ ንሓድሕድኩም ሓያል ፍቕሪ ትሃሉኹም።”1 ጴጥሮስ 4:8

ተጻዋርነት ደረት ኪህልዎ ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧

ህሉው ኵነታት፦

መብዛሕትኡ ሕብረተ ሰብ፡ ሕግን ስርዓትን ኬኽብር ይጽዕር እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ንገሊኡ ጠባይ ሚዛናዊ ብዝዀነ መገዲ ደረት ኪገብረሉ ይፍትን እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“[ፍቕሪ] ስዲ ኣይኰነትን።” (1 ቈረንቶስ 13:5) የሱስ ጸዋር ብምዃን ዝመጸ ሰናይ ኣብነት እኳ እንተ ሓደገ፡ ስድነትን ግብዝናን ካልእ ዓይነት እኩይ ተግባራትን ግና ኣይድግፍን እዩ ነይሩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ንኸምዚ ዓይነት ጠባይ ብትብዓት ኰኒንዎ እዩ። (ማቴዎስ 23:13) “እቲ ኽፉእ ዚገብር፡ ብርሃን [ሓቂ] ይጸልእ እዩ” ድማ በለ።—ዮሃንስ 3:20

እቲ ክርስትያን ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ንእከይ ፈንፍንዎ፡ ናብ ሰናይ ልገቡ” ኢሉ ጽሒፉ ነበረ። (ሮሜ 12:9) ንሱ እውን ከምኡ እዩ ዚገብር ነይሩ። ንኣብነት፡ ገሊኦም ኣይሁድ ዝነበሩ ክርስትያናት ካብቶም ኣይሁድ ዘይነበሩ ኣመንቲ ምስ ተፈልዩ፡ እቲ ንባዕሉ ኣይሁዳዊ ዝነበረ ጳውሎስ፡ ብትብዓት ግናኸ ለውሃት ብዝመልኦ መገዲ፡ ከም እተጋገዩ ነገሮም። (ገላትያ 2:11-14) እቲ “ዘየዳሉ” ኣምላኽ፡ ከምዚ ዓይነት ዓሌታዊ ጽልኢ ኣብ መንጎ ህዝቡ ኺህሉ ኸም ዘይደሊ፡ ጳውሎስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:34

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ክርስትያናት መጠን፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ስነ ምግባራዊ መምርሒ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። (ኢሳይያስ 33:22) ስለዚ፡ ሓደ ኻባታቶም እኩይ ነገራት ምስ ዚፍጽም፡ ስቕ ኢሎም ኣይርእይዎን እዮም። ከመይሲ፡ እታ ንጽህቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ በቶም ንስርዓታት ኣምላኽ ዘይስዕቡ ሰባት ክትበላሾ ኣይግብኣን እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ “ነቲ እኩይ ካባኻትኩም ኣውጽእዎ” ንዚብል ንጹር መምርሒ መጽሓፍ ቅዱስ ይእዘዝዎ እዮም።—1 ቈረንቶስ 5:11-13

“ኣቱም ንእግዚኣብሄር እተፍቅርዎ፡ እከይ ጽልኡ።”መዝሙር 97:10

ኣምላኽ ንእከይ ንሓዋሩ ድዩ ኺጻወሮ፧

ብዙሓት እንታይ ኢሎም ይኣምኑ፧

ብምኽንያት ባህርይ ደቂ ሰብ፡ እከይ ኣይጠፍእን እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ነብዪ ኣንባቆም ናብ የሆዋ ኣምላኽ፡ “ስለምንታይ . . . ሕሰም እትጥምት፧ ምዝራፍን ዓመጽን ኣብ ቅድመይ እዩ፡ ባእስን ክርክርን ይለዐል ኣሎ” ኢሉ ጸለየ። (ኣንባቆም 1:3) ኣምላኽ ነቲ ተጨኒቑ ዝነበረ ነብዪኡ፡ ኵሉ ነገራት ገለጸሉ፣ ነቶም እኩያት ከም ዚፈርዶም ድማ ኣረጋገጸሉ። ብዛዕባ እቲ ነዚ ዚፍጽመሉ እዋን ኪገልጸሉ ኸሎ ኸኣ፡ “ብርግጽ ኪመጽእ ኣይኪድንጕን ድማ እዩ” በሎ።—ኣንባቆም 2:3

ይኹን እምበር፡ ክሳዕ እቲ ኣምላኽ ዚፈርደሉ እዋን ዚመጽእ፡ ኣበስቲ ኻብቲ ሕማቕ መገዶም ኪምለሱ ኣጋጣሚ ተኸፊቱሎም ኣሎ። “ንሞት ረሲእዶ እፈቱ እየ፧ ፍታወይሲ ኻብ መገዱ ኺምለስ፡ ብህይወት ከኣ ኪነብርዶ ግዳ ኣይኰነን፧ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።” (ህዝቅኤል 18:23) እቶም ነቲ ሕማቕ መገዶም ሓዲጎም ንየሆዋ ዚደልይዎ ሰባት፡ ተኣማሚኖም ብተስፋ ኺጽበዩ ይኽእሉ እዮም። ምሳሌ 1:33፡ “እቲ ዚሰምዓኒ ግና ብደሓን ኪነብር፡ ንኽፉእ ከይፈርሄ ኸኣ ኪሀድእ እዩ” ትብል።

“ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን፡ . . . ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም፡ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ።”መዝሙር 37:10, 11