ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እታ ኣብ መደብ ምጥፋእ መሃይምነት እትውዕል ኣፕላይ ዩርሰልፍ ቱ ሪዲንግ ኤንድ ራይቲንግ ዘርእስታ ብሮሹር፡ ብሚልዮናት ብዚቝጸር ቅዳሓትን ብልዕሊ 100 ቛንቋን ተዳልያ እያ

ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምጥፋእ መሃይምነት የተባብዕ

ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምጥፋእ መሃይምነት የተባብዕ

“ምንባብን ምጽሓፍን ሰብኣዊ መሰል እዩ፣ ብዘይካዚ፡ ሓደ ሰብ ውልቃዊ ኽእለቱ ንኼማዕብል ዚሕግዝ፡ ማሕበራውን ሰብኣውን ዕቤት ንኺህሉ ድማ ዚጠቅም ንዋት እዩ።”—ዩኔስኮ። *

ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 700 ሚልዮን ዚዀኑ 15 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም ሰባት፡ ኬንብቡ ዀነ ኺጽሕፉ ኸም ዘይክእሉ ዚሕብር ጸብጻባት ኣሎ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ነቲ ኣብ ዓለምና ዚርከብ ሰፊሕ ፍልጠት፡ እንተላይ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ “ንትምህርትና” እተጻሕፈ ስነ ምግባራውን መንፈሳውን ትምህርቲ ኺፈልጥዎ ኣይክእሉን እዮም። (ሮሜ 15:4) ስለዚ፡ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ርእሲ እቲ ዜዳልውዎ መደብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምንባብን ምጽሓፍን እውን ይምህሩ እዮም፣ እዚ ድማ ብናጻ እዩ ዚውሃብ። እሞኸ ውጽኢታዊ ዀይኑዶ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብታ ብብዝሒ ስጳንኛ ዚዝረበላ መክሲኮ እንታይ ከም ዝዓመሙ እስከ ንርአ። ካብ 1946 ንነጀው ንልዕሊ 152,000 ሰባት ምንባብን ምጽሓፍን ምሂሮም እዮም፣ መብዛሕትኦም ካብቶም ተምሃሮ ድማ ጸኒሖም መምህራን ኰይኖም እዮም። መንግስቲ መክሲኮ እውን ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለቲ ጻዕሮም ሓያሎ ደብዳበ ጽሒፉ ልኢኹሎም እዩ። ኣብ ሓንቲ ኻብቲ ደብዳበ፡ “እዚ ሓፈሻዊ ቦርድ ትምህርቲ እዚ፡ መደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ ኣብ ምምዕባል ብዝገበርኩምዎ ምትሕብባር ኬመስግነኩምን ሓጐሱ ኺገልጸልኩምን ይደሊ” ዚብል ነበረ።

ዓበይቲ ይኹኑ ንኣሽቱ፡ ካብ መደብ ምጥፋእ መሃይምነት ጥቕሚ ይረኽቡ እዮም። ንኣብነት፡ ሆሴፊና ምንባብን ምጽሓፍን ክትምሃር ኣብ ዝጀመረትሉ እዋን ጓል 101 ዓመት እያ ነይራ፣ ኣብ ውሽጢ ኽልተ ዓመት ድማ ትምህርታ ብዓወት ዛዘመት።

ቀንዲ ቛንቋ መክሲኮ ስጳንኛ እኳ እንተ ዀነ፡ መደብ ምጥፋእ መሃይምነት ግና ብስጳንኛ ጥራይ ኣይኰነን ዚግበር። ብ2013 ኣብቲ ኸባቢ ዚዝረብ ሸሞንተ ቛንቋ ደቀባት ዚዛረቡ ሰባት፡ ብቛንቋ ኣዲኦም ምንባብን ምጽሓፍን ተማሂሮም እዮም።

ብሓቂ እምበኣር፡ ምንባብን ምጽሓፍን፡ ንሓደ ሰብ ብዙሕ ሓድሽ ነገራት ንኺምሃር ኣጋጣሚ ዚኸፍተሉ ኽቡር ሃብቲ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ግና፡ ኵሎም ዓይነት ሰባት ምንባብን ምጽሓፍን ሳላ ምኽኣሎም፡ ነቲ ኻብ ባርነት ማሪትን ናይ ሓሶት ሃይማኖትን ጐዳኢ ጠባይን ሓራ ኼውጽኦም ዚኽእል ብመሪሕነት መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ መጽሓፍ ቅዱስ ንኼንብቡ ይሕግዞም እዩ።—ዮሃንስ 8:32

^ ሕ.ጽ. 2 ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ትምህርታውን ስነ ፍልጠታውን ባህላውን ውድብ።