ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኵሉ ዚምነዮ ውሑስ መጻኢ

ኵሉ ዚምነዮ ውሑስ መጻኢ

ከመይ ዝበለ መጻኢ ኢኻ እትምነ፧ መሸም ከም መብዛሕትኦም ሰባት፡ ንስኻ እውን ንዓኻን ንስድራ ቤትካን ሓጐስ፡ ጽቡቕ ጥዕና፡ ሰላም፡ ብልጽግና ዘለዎ ውሑስ መጻኢ ኸም እትደሊ ዜጠራጥር ኣይኰነን።

ይኹን እምበር፡ መብዛሕትኦም ሰባት ነቲ ዚምነይዎ መጻኢ ዚረኽብዎ እንተ ዀይኖም ይጠራጠሩ እዮም። ከመይሲ፡ ብሰንኪ ኸም ለበዳ ኮቪድ 19 ዝኣመሰለ ዘይተጸበይዎ ሃንደበታዊ ዅነታት፡ ማሕበራዊ ናብራ ኣንቈልቊሉ፡ ቍጠባዊ ቕልውላው ኣጋጢሙ፡ ብዙሓት ሰባት ድማ ሞይቶም እዮም። ካብዚ እተላዕለ ኸኣ መጻኢኦም ውሑስ ኪኸውን ከም ዘይክእል ይስምዖም እዩ።

ከምዚ ዓይነት ዜስግእ ነገራት፡ ሰባት ናብ ዝሓሸ መጻኢ ዚመርሖም ነገር ከም ዚደልዩ ገይርዎም እዩ። ስለዚ፡ ገሊኦም ኣብ ከም ዕድል ዝኣመሰለ ዘይርአ ሓይሊ ይኣምኑ እዮም። ሓያሎ ሰባት ድማ ዚደለይዎ ዘበለ ኸም ዜማልኣሎም ስለ ዚሓስቡ ደድሕሪ ትምህርትሃብትን ይስዕቡ እዮም። ገሊኦም ከኣ ጽቡቕ ህይወት ንምምራሕ፡ ሕያዋይ ሰብ ምዃን ከም ዜድሊ ይሓስቡ እዮም።

ገለ ኻብቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ኣማራጺታት፡ ናብ እትደልዮ መጻኢ ዚመርሓካ ድዩ፧ ነዚ ንምፍላጥ ነዘን ዚስዕባ ሕቶታት መርምረን፦

  • ንመጻኢኻ ብሓቂ ዚውስኖ እንታይ እዩ፧

  • ትምህርትን ገንዘብን ጽቡቕ ህይወት ክትረክብ ውሕስነት ይዀነካ ድዩ፧

  • ሕያዋይ ሰብ ምዃን ውሑስ መጻኢ ኽትረክብ የኽእለካ ድዩ፧

  • ውሑስ መጻኢ ምእንቲ ኺህልወካ፡ ዜተኣማምን መምርሒ ኻበይ ክትረክብ ትኽእል፧

እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ፡ መልሲ እዘን ሕቶታት ክትረክብ ክትሕግዘካ ትኽእል እያ።