ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕያዋይ ሰብ ምዃን ውሑስ መጻኢ ኸም እትረክብ ይገብር ድዩ፧

ሕያዋይ ሰብ ምዃን ውሑስ መጻኢ ኸም እትረክብ ይገብር ድዩ፧

ንዘመናት፡ ሓያሎ ሰባት፡ ሓደ ሰብ ሕያዋይ እንተ ዀይኑን ጽቡቕ ስነ ምግባር እንተ ኣልይዎን፡ ውሑስ መጻኢ ኸም ዚህልዎ ይኣምኑ ነይሮም እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ርሑቕ ምብራቕ ዚነብሩ ሰባት ነቲ ፈላስፋን መምህርን ዝዀነ ኮንፊሸስ፦ “ከምቲ ኺገብሩኹም ዘይትደልይዎ ንኻልኦት ከምኡ ኣይትግበሩ” ዝበሎ ሓሳብ የኽብርዎ እዮም። * (551-479 ቅ.ኣ.ዘ.)

ብዙሓት ዚስዕብዎ መገዲ

ሎሚ እውን ብዙሓት ሰባት ውሑስ መጻኢ ንምርካብ፡ ጽቡቕ ጠባይ፡ ቀንዲ ረቛሒ ኸም ዝዀነ ይኣምኑ እዮም። ስለዚ ድማ ኣኽብሮት ኬርእዩ፡ ጽቡቕ ባህርያት ኬንጸባርቑ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ዘለዎም ሓላፍነት ኪዋጽኡ፡ ሰናይ ሕልና ኺዕቅቡ ይጽዕሩ እዮም። ሓንቲ ኣብ ቬትናም እትነብር ሊን ዝስማ ሰበይቲ ኸምዚ ትብል፦ “ሓቀኛን ቅንዕትን እንተ ዀይነ፡ ከም ዝባረኽ ወትሩ እኣምን ነይረ እየ።”

ገሊኦም፡ ሃይማኖታዊ እምነቶም ጽቡቕ ኪገብሩ ይድርኾም እዩ። ኣብ ታይዋን ዚነብር ሹስ ያን ዝስሙ ሰብኣይ ከምዚ ይብል፦ “ሓደ ሰብ ብህይወት ከሎ ዝገበሮ ነገር፡ ምስ ሞተ ዘለኣለማዊ ሓጐስ ወይ ዘለኣለማዊ ስቓይ ከም ዜምጽኣሉ ተማሂረ ነይረ እየ።”

እዚ እንታይ የስዕብ፧

ንሰባት ጽቡቕ ነገር ክንገብር ከለና፡ ብዙሕ ጥቕምታት ከም እንረክብ ፍሉጥ እዩ። ይኹን እምበር፡ ብዙሓት ብቕንዕና ንኻልኦት ጽቡቕ ኪገብሩ ዚፍትኑ ሰባት፡ ጽቡቕ ዚፍደዩ ወትሩ ኣይኰነን። ኣብ ሆንግ ኮንግ እትነብር ሹንግ ፒንግ ዝስማ ሰበይቲ ኸምዚ ትብል፦ “ኣብ ተመክሮ ኸም ዝረኣኽዎ፡ እቶም ንሰባት ጽቡቕ ዚገብሩ፡ ጽቡቕ ዚረኽቡ ወትሩ ኣይኰነን። ንስድራ ቤተይ ክከናኸንን ጽቡቕ ክገብርን ብእተኻእለኒ እጽዕር ነይረ። እንተዀነ ግና፡ ሓዳረይ ተበቲኑ ሰብኣየይ ድማ ንዓይን ንወደይን ጠንጢኑና ኸይዱ።”

ሓያሎ ሰባት፡ ሃይማኖት ንሰባት ሕያዎት ኪዀኑ ኸም ዚገብሮም ወትሩ ኸም ዘይኰነ ኣስተብሂሎም እዮም። ኣብ ጃፓን እትነብር ኢትስኮ ዝስማ ሰበይቲ ኸምዚ ትብል፦ “ኣባል ሓንቲ ሃይማኖታዊት ውድብ ኰይነ፡ ደሓር ድማ ዳይረክተር ማሕበር መንእሰያት ኰይነ ነይረ። ኣብቲ ዘለኽዎ ሃይማኖት ዘለዉ ሰባት፡ ርኹሳትን ንስልጣን ዚወዳደሩን ንገንዘብ ቤተ ክርስትያን ብዘይ ግቡእ ዚጥቀሙሉን ምዃኖም ምስ ረኣኹ ሰንቢደ እየ።”

“ንስድራ ቤተይ ክከናኸንን ጽቡቕ ክገብርን ብተኻእለኒ እጽዕር ነይረ። እንተ ዀነ ግና፡ ሓዳረይ ተበቲኑ ሰብኣየይ ድማ ንዓይን ንወደይን ጠንጢኑና ኸይዱ።”—ሹንግ ፒንግ፡ ሆንግ ኮንግ

ገሊኦም ንኣምላኽ ዚፈርሁ ሰባት፡ እቲ ጽቡቕ ተግባሮም ዓስቢ ኸም ዘይረኸብሉ ምስ ረኣዩ፡ ተስፋ ቘሪጾም እዮም። ቫን ዝስማ ኣብ ቬትናም እትነብር ሰበይቲ ኸምኡ እዩ ተሰሚዕዋ። ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “ኣብ መጻኢ ምእንቲ ኽባረኽ ኢለ፡ መዓልቲ መዓልቲ ንዝሞቱ ኣቦታተይ፡ ፍረታት፡ ዕምባባታት፡ ምግቢ አቐምጥ ነይረ። ሰናይ ተግባራት ዘበለ ዅሉ እገብርን ኣብ ሃይማኖታዊ ጽምብላት እካፈልን እኳ እንተ ነበርኩ፡ ሰብኣየይ ዜማስን ሕማም ሓሚሙ፣ ኣብ ወጻኢ ሃገር ትምሃር ዝነበረት ጓለይ ድማ፡ ኣብ ንኡስ ዕድሜኣ ሞይታ።”

ሕያዋይ ሰብ ምዃን፡ ውሑስ መጻኢ ዘይምጽኣልካ እንተ ዀይኑ፡ ውሑስ መጻኢ ደኣ ብኸመይ ክትረክብ ትኽእል፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንምርካብ፡ ንሕቶታትና ዚምልስን ውሑስ መጻኢ ኽንረክብ ዜኽእለናን ሓበሬታ ዝሓዘ ዜተኣማምን መምርሒ የድልየና እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ መምርሒ ኻበይ ኢና እንረኽብ፧

^ ሕ.ጽ. 2 ትምህርቲ ኮንፊሸስ ብዛዕባ ዘሕደሮ ጽልዋ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ነታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ማን ካይን ሰርች ፎር ጎድ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ምዕራፍ 7 ሕጡብ ጽሑፍ 31-35 ርአ፣ ኣብ ኢንተርነት www.isa4310.com እውን ትርከብ እያ።