ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ግምቢ ዘብዐኛ ቍ. 3 2021 | ውሑስ መጻኢ—ብኸመይ ክትረክብ ትኽእል፧

ውሑስ መጻኢ ኽትረክብ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ኣብዛ መጽሔት ዘሎ ዓንቀጻት፡ እተፈላለየ ኣማራጺታት ክትምርምር ኪሕግዘካ እዩ። ነቲ እንኮ ምንጪ ውሑስ መጻኢ ኽትረክብ እውን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

 

ኵሉ ዚምነዮ ውሑስ መጻኢ

ኣብ ማሕበረሰብካ ዘይተጸበኻዮ ሃንደበታዊ ዅነታት ኬጋጥም ከሎ፡ ክትኣምኖ እትኽእል መምርሒ ኣየናይ እዩ፧

ንመጻኢኻ ብሓቂ ዚውስኖ እንታይ እዩ፧

ብዙሓት ኣብ ቈጸራ ኸዋኽብቲ፡ ኣብ ፉንግ ሽዊ፡ ኣብ ኣምልኾ ኣቦታት ወይ ሪኢንካርኔሽን ዚሳተፉ፡ ገለ ዘይርአ ሓይሊ ንመጻኢኦም ከም ዚቈጻጸሮ ይኣምኑ እዮም።

ትምህርትን ገንዘብን ውሑስ መጻኢ ኸም ዚህልወካ ኺገብር ይኽእል ድዩ፧

ሓያሎ ሰባት ዝለዓለ ትምህርትን ሃብትን ከምቲ እተጸበይዎ ዓይነት ውጽኢት ኣየምጽኣሎምን።

ሕያዋይ ሰብ ምዃን ውሑስ መጻኢ ኸም እትረክብ ይገብር ድዩ፧

ሕያዋይ ሰብ ምዃን ኣገዳሲ እኳ እንተዀነ፡ እዚ ግና ውሑስ መጻኢ ምእንቲ ኽትረክብ እኹል ኣይኰነን።

ውሑስ መጻኢ ንምርካብ ዜተኣማምን መምርሒ ኣሎዶ፧

ውሳነ ኽንገብር ከለና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኻባና ብዕድመ ንዝዓብን ዝሓሸ ጥበብ ንዘለዎን ሰብ ነማኽር ኢና። ብተመሳሳሊ ድማ፡ ካባና ኻብ ዝዓብን ዝሓሸ ጥበብ ካብ ዘለዎን ኣካል፡ ንመጻኢና ዚኸውን መምርሒ ኽንረክብ ንኽእል ኢና።

መጻኢኻ ኽትመርጽ ትኽእል ኢኻ

እንታይ ምርጫታት እዩ ቐሪቡልና ዘሎ፧

ናብ ውሑስ መጻኢ ዚመርሕ መገዲ

ናብ ውሑስ መጻኢ ዚመርሕ መገዲ ኣየናይ እዩ ምበልካ፧