ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ—ግዜ ዘይሓልፎ ጥበብ

ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ—ግዜ ዘይሓልፎ ጥበብ

ነዚ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ፦ ጥንታዊ ሓወልትታት ኣብ ዝመልኦ ቤተ መዘክር ዑደት ትገብር ኣለኻ። መብዛሕትኡ ጐድጒዱን ነቓዕቓዕ ኢሉን ተባሕጒጕን እዩ። ገሊኡ ድማ ዓብዪ ኽፋሉ ጠፊኡ እዩ። ሓደ ኻብዚ ግና ጐደሎ ዘይብሉ ብምዃኑ ዜደንቕ እዩ። ኵሉ እቲ እተሓላለኸ ንድፉ ብንጹር እዩ ዚርአ። ነቲ ዚመርሓካ ዘሎ፡ “እዚ ሓወልቲ ናይ ቀረባ እዋን ድዩ፧” ኢልካ ትሓቶ። ንሱ ኸኣ፡ “ኣይኰነን። ካብ መብዛሕትኡ ኣብዚ ዘሎ ዝነውሐ ዕድመ ኣለዎ፣ ተሓዲሱ ድማ ኣይፈልጥን እዩ” ኢሉ ይምልሰልካ። “መከላኸሊኸ ተገይሩሉዶ ይፈልጥ፧” ኢልካ ትሓትት። ንሱ ድማ፡ “ኣይፈልጥን። እኳ ደኣ ሓያል ንፋስን ዝናምን ኣጋጢምዎ እዩ። ብዙሓት ገበርቲ ጸይቂ ኸኣ ኬበላሽውዎ ፈቲኖም እዮም” ይብለካ። ካብ ምግራም እተላዕለ፡ ‘ብምንታይ ኰን እዩ ተሰሪሑ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን።

መጽሓፍ ቅዱስ እውን ምስዚ ዜደንቕ ሓወልቲ እዚ ይመሳሳል እዩ። ካብ ዕድመ ሓያሎ መጻሕፍቲ ዚነውሕ ዕድመ ዘለዎ ኣዝዩ ጥንታዊ መጽሓፍ እዩ። ሓቂ እዩ፡ ካልኦት ጥንታውያን መጻሕፍቲ እውን ኣለዉ። መብዛሕትኡ ናይ ቀደም ጽሑፋት ግና፡ ልክዕ ከም እተባሕጐጉ ናይ ቀደም ሓወልትታት ግዜ ብዝሓለፈ መጠን ኣመና ተበላሽዮም እዮም። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ስነ ፍልጠት ዚህብዎ ሓሳባት ምስቲ እተረጋገጸ ሓቅታት ዝዀነ ሓድሽ ፍልጠት ዚጋጮ እዩ። ዚህብዎ ሕክምናዊ ምኽርታት መብዛሕትኡ ግዜ ኻብ ጥቕሙ ጕድኣቱ ዚዛይድ እዩ ዚመስል። ሓያሎ ጥንታዊ ጽሑፋት ከኣ፡ ገሊኡ ኽፋላቱ ጠፊኡ ወይ ኣመና ተበላሽዩ ስለ ዝዀነ፡ ቍርጽራጻቱ ጥራይ እዩ ተሪፉ ዘሎ።

መጽሓፍ ቅዱስ ግና ኣዝዩ እተፈልየ እዩ። ቅድሚ 35 ዘመን ኪጽሓፍ እኳ እንተ ጀመረ፡ ገና ጐደሎ ዘይብሉ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ንዘመናት ዚኣክል ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ወሪድዎ፡ ማለት ነዲዱን ተኣጊዱን ተነቒፉን ክነሱ፡ ሓሳባቱ ኣይተበላሸወን። መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ሓድሽ ፍልጠት ኪነጻጸር ከሎ ብሉይ ኣይኰነን፣ ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ኣቐዲምካ ናይ ምፍላጥ ክእለቱ ዚምስክር ብዙሕ ነገራት ኢሉ ኣሎ።—“ግዜኡ ዝሓለፎዶ ወይስ ቅድሚ ግዜኡ ዜፍልጥ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

ሎሚ ዜድልየና ስርዓታት

‘ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂዶ ኣብዚ ዘመናዊ ግዜና ግብራዊ ጥቕሚ ኣለዎ እዩ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ነዚ ንምምላስ፡ ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተታ፦ ‘ሎሚ ንደቂ ሰብ ዜጋጥሞም ዘሎ ዝኸፍአ ጸገማት እንታይ እዩ፧ ልዕሊ ዅሉ ዜስግእከ ኣየናይ እዩ፧’ ምናልባት ብዛዕባ ውግእ፡ ብከላ፡ ዓመጻ፡ ወይ ብልሽውና ትሓስብ ትኸውን። ሕጂ ንገሊኡ መሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እስከ ርአ። ነዚ ኸተንብብ ከለኻ፡ “ሰባት ነዚ ስርዓታት እዚ ኣብ ግብሪ እንተ ዜውዕልዎ ነይሮም፡ ዓለምና ዝሓሸትዶ ምዀነት ነይራ፧” ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ።

ሰላም ምፍታው

“ገበርቲ ሰላም፡ ውሉዳት ኣምላኽ ኪብሃሉ እዮም እሞ፡ ሕጉሳት እዮም።” (ማቴዎስ 5:9) “ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብወገንኩም፡ ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ።”—ሮሜ 12:18

ምሕረት፡ ይቕረ ምባል

“መሓርቲ ኺምሓሩ እዮም እሞ፡ ሕጉሳት እዮም።” (ማቴዎስ 5:7) “ሓደ ኣብቲ ሓደ ቕር ዜብል ነገር እንተ ኣልይዎ፡ ንሓድሕድኩም ተዓጋገሱን ብናጻ ይቕረ ተባሃሃሉን። ከምቲ የሆዋ * ብናጻ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ግበሩ።”—ቈሎሴ 3:13

ዓሌታዊ ስኒት

ኣምላኽ “ካብ ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሊ ዅላ ገጽ ምድሪ ኺነብሩ፡ ኵሉ ህዝቢ ገይሩ እዩ።” (ግብሪ ሃዋርያት 17:26) “ኣምላኽ [ኣየዳሉን እዩ፣] . . . የግዳስ፡ ኣብ ኵሉ ህዝቢ፡ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅኑዕ ዚገብርን፡ ብእኡ ቕቡል እዩ።”—ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35

ንምድሪ ብግቡእ ምሓዝ

“የሆዋ ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ወሲዱ፡ ምእንቲ ኺዓይያን ኪከናኸናን ኣብ ገነት ኤደን ኣቐመጦ።” (ዘፍጥረት 2:15) ኣምላኽ ‘ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ ኼጥፍኦም እዩ።’—ራእይ 11:18

ስስዐን ምንዝርናን ምጽላእ

“ሰብ ብዙሕ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ብገንዘቡ ህይወት ኣይረክብን እዩ እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ካብ ኵሉ ስስዐ ድማ ተሓለዉ።” (ሉቃስ 12:15) “ምንዝርናን ኵሉ ርኽሰትን ወይስ ስስዐ ንቕዱሳት ዚግባእ ስለ ዘይኰነ፡ ኣባኻትኩም ከቶ ኣይሰማዕ”—ኤፌሶን 5:3

ቅንዕና፡ ጻዕሪ

‘ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ኽንነብር ንደሊ ኢና።’ (እብራውያን 13:18) “እቲ ዚሰርቕ፡ . . . ብኣእዳዉ ይጽዓር እምበር፡ ደጊምሲ ኣይስረቕ።”—ኤፌሶን 4:28

ሓገዝ ንዜድልዮም ምሕጋዝ ዘለዎ ኣገዳስነት

“ንእተጨነቑ ኣጸናንዕዎም፡ ንድኹማት ደግፍዎም፡ ንዅሎም ተዓገስዎም።” (1 ተሰሎንቄ 5:14) “ንዘኽታማትን ንመበለታትን ኣብ ጸበባኦም [ተኸናኸንዎም።]”—ያእቆብ 1:27

መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ስርዓታት እዚ ይዝርዝረልና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ስርዓታት ኣኽቢርና ኽንርእዮን ኣብ መዓልታዊ ናብራና ኽንዓይየሉን ብግብራዊ መገድታት ይምህረና እዩ። ዝያዳ ሰባት ነዚ ዝጠቐስናዮ ትምህርትታት ኣብ ግብሪ እንተ ዜውዕልዎ ነይሮምሲ፡ ሎሚ ኣብ ዓለምና ዝወሓደ ጸገማትዶ ኣይምሃለወን፧ ብሓቂ እምበኣር፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ልዕሊ ዝዀነ ይኹን ግዜ ግብራውን እዋናውን እዩ። ግናኸ፡ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ሕጂ ንዓኻ እንታይ ኪገብረልካ ይኽእል፧

ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ሕጂ ንዓኻ ብኸመይ ኪጠቕመካ ኸም ዚኽእል

እቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ጥበበኛ ዝነበረ ሰብ፡ “ጥበብ ብፍሪኣ እያ ቕንዕቲ ምዃና ዚረጋገጽ” በለ። (ማቴዎስ 11:19፣ እግረ ጽሑፍ) ነዝስ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧ ጥበብ ብሓቂ እትፍተን፡ ኣብ ግብሪ ምስ ኣውዓልካያ ብእተምጽኣልካ ፍረ እያ። ስለዚ፡ ‘መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ግብራዊ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ህይወተይ ጽቡቕ ፍረ ኼፍሪዶ ኣይግብኦን፧ ኣብቲ ሕጂ ዜጋጥመኒ ዘሎ ጸገማት ብኸመይ ኪጠቕመኒ ይኽእል፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። ሓደ ኣብነት ርአ።

ደልፊን * ኣብ ህይወታ ትሕዝትን ዕግብትን ሕጕስትን እያ ነይራ። ብሃንደበት ግና ተኸታታሊ ዝዀነ ዜሕዝን ፍጻመታት ኣጋጠማ። እታ ጐርዞ ዝነበረት ጓላ ሞተት። ሓዳራ ፈረሰ። ናይ ገንዘብ ጸገማት እውን ኣጋጠማ። ከምዚ ብምባል ከኣ ተዘንቱ፦ “ብድሕርዚ፡ ኣነ መን ምዃነይ እውን ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ብዘይ ጓልን ብዘይ ሰብኣይን ብዘይ ቤትን እየ ተሪፈ። መንነተይን ሓይለይን ትርጉም ህይወተይን ስለ ዝጠፍኣኒ፡ ባዶነት ተሰሚዑኒ ነይሩ።”

ደልፊን ንሓቅነት እተን፡ “ዕድመና 70 ዓመት፡ ኣዝዩ ብርቱዕ እንተ ተረኽበ ኸኣ 80 እዩ። ግናኸ፡ ሽግርን ጓህን ዝመልኦ እዩ፣ ቀልጢፉ ይሓልፍ፡ በሪርና ድማ ንኸይድ” ዚብላ ቓላት ከም ሽዑ ገይራ ብንጹር ርእያቶ ኣይትፈልጥን እያ።—መዝሙር 90:10

ኣብዚ ጽንኩር እዋን እዚ፡ ደልፊን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዜደንቕ ሓገዝ ረኺባ እያ። ኣብተን ዚስዕባ ሰለስተ ዓንቀጻት ከም እንርእዮ፡ ብዙሓት ካልኦት እውን ጸገማቶም ንምፍታሕ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ምስ ኣውዓልዎ ብዜደንቕ መገዲ ሓጊዝዎም እዩ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ልክዕ ከምቲ ኣብ መእተዊ እተገልጸ ሓወልቲ ዀይኑ እዮም ረኺቦምዎ። ካብቲ ዚበልን ግዜ ዚሓልፎን ማእለያ ዘይብሉ መጻሕፍቲ ኣዝዩ እተፈልየ እዩ። ከምዚ ዝዀነ ግና፡ ብፍሉይ መገዲ ስለ እተዳለወ ደዀን ይኸውን፧ ብሓቂዶ ሓሳባት ሰብ ዘይኰነስ፡ ሓሳባት ኣምላኽ ዝሓዘ ኪኸውን ይኽእል እዩ፧—1 ተሰሎንቄ 2:13

ንስኻ እውን ህይወት ሓጻርን ጸገማት ዝመልኣን ኰይና ረኺብካያ ትኸውን። ጸገማት ኪዕብልለካ ኸሎ፡ ካበይ ኢኻ ምጽንናዕን ደገፍን ዜተኣማምን ምኽርን ክትረክብ እትጽዕር፧

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወትካ ብግብሪ ኺጠቕመካ ዚኽእለሉ ሰለስተ ቐንዲ መገዲ እስከ ንርአ፦

  1. ብእተኻእለ መጠን ብኸመይ ካብ ጸገማት ከም እትርሕቕ።

  2. ጸገማት ኪልዓል ከሎ ብኸመይ ከም እትፈትሖ።

  3. ክትቅይሮ ንዘይትኽእል ኵነታት ብኸመይ ብዓወት ከም እትዋጽኣሉ።

እዘን ዚስዕባ ዓንቀጻት ብዛዕባ እዚ ሰለስተ መዳያት እዚ ኺገልጻ እየን።

^ ሕ.ጽ. 10 የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስም ኣምላኽ እዩ።—መዝሙር 83:18

^ ሕ.ጽ. 24 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብተን ዚቕጽላ ሰለስተ ዓንቀጻትን ዘሎ ገሊኡ ስማት ተቐይሩ እዩ።