ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ግዜኡ ዝሓለፎዶ ወይስ ቅድሚ ግዜኡ ዜፍልጥ፧

ግዜኡ ዝሓለፎዶ ወይስ ቅድሚ ግዜኡ ዜፍልጥ፧

ስነ ፍልጠት

መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ስነ ፍልጠት መምሃሪ መጽሓፍ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ብስነ ፍልጠት ቅድሚ ምርግጋጹ ነዊሕ እዋን ኣቐዲሙ እተጻሕፈ ሓሳባት ሒዙ ኣሎ። ሒደት ኣብነታት እስከ ርአ።

ግኡዝ ዩኒቨርስ መጀመርታ ኣለዎዶ፧

ፍሉጣት ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ መልሲ እዛ ሕቶ ‘ኣይፋል’ ዚብል ኰይኑ እዩ ዚስምዖም ነይሩ። ሕጂ ግና ዩኒቨርስ መጀመርታ ኸም ዘለዎ ብሓፈሻ ይቕበልዎ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ኣቐዲሙ ብንጹር ገሊጽዎ ነይሩ እዩ።—ዘፍጥረት 1:1

ቅርጺ ምድሪ ኸመይ እዩ፧

ብግዜ ጥንቲ፡ ብዙሓት ሰባት ምድሪ ጸፋሕ ከም ዝዀነት እዮም ዚሓስቡ ነይሮም። ግሪኻውያን ተመራመርቲ፡ ምድሪ ድምብልብሎ ኸም ዝዀነት ዝኣመቱ፡ ኣብ ሓምሻይ ዘመን ቅ.ክ. እዩ። ቅድሚ እዚ ነዊሕ እዋን ኣቐዲሙ፡ ማለት ኣብ ሻምናይ ዘመን ቅ.ክ. ግና፡ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ኢሳይያስ፡ “ከባብ ምድሪ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ፣ እታ እተጠቕመላ ቓል፡ “ድምብልብሎ” ተባሂላ እውን ክትትርጐም ትኽእል እያ።—ኢሳይያስ 40:22፣ እግረ ጽሑፍ።

ግኡዝ ሰማያት ኪበላሾ ይኽእል ድዩ፧

ኣሪስቶትል ዝስሙ ኣብ መበል ራብዓይ ዘመን ቅ.ክ. ዝነበረ ግሪኻዊ ተመራማሪ ስነ ፍልጠት፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ነገራት ጥራይ ኪበላሾ ኸም ዚኽእል፡ እቲ ኸዋኽብቲ ዝመልኦ ሰማያት ግና ኪልወጥ ኰነ ኺበላሾ ኸም ዘይክእል መሃረ። እዚ ኣረኣእያ እዚ ንሓያሎ ዘመናት ቀጺሉ እዩ። ኣብ መበል 19 ዘመን ግና ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ኢንትሮፒ ዚብሃል ኣምር ኣቘሙ። እዚ ኸኣ፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ ነገራት፡ ኪበላሾ ኸም ዚኽእል ዚገልጽ እዩ። ሓደ ኻብቶም እዚ ኣምር እዚ ዘማዕበሉ ተመራመርቲ ዝዀነ ሎርድ ከልቪን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሰማይን ምድርን፡ “ኵላቶም ከም ክዳን ኪበልዩ እዮም” ዚብል ምዃኑ ኣስተውዒሉ እዩ። (መዝሙር 102:25, 26) ከልቪን ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ፡ ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ምብልሻው ንፍጥረታቱ ኻብ ምጥፋእ ኪዓግቶ ኸም ዚኽእል ይኣምን ነይሩ እዩ።—መክብብ 1:4

ንኸም ምድርና ዝኣመሰላ ፕላነታት ደጊፉ ሒዝወን ዘሎ እንታይ እዩ፧

ኣሪስቶትል፡ ኵሉ ሰማያዊ ኣካላት ሓደ ድሕሪ እቲ ሓደ ኣብ ውሽጢ ክሪስታላዊ ኽብታት ተሓቚፉ ኸም ዘሎ፡ ምድሪ ድማ ኣብ ማእከል ከም እትርከብ መሃረ። ኣብ መበል 18 ዘመን ድ.ክ.፡ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ከዋኽብትን ፕላነታትን ኣብ ባዶ ተንጠልጢሎም ኪህልዉ ኸም ዚኽእሉ ኺርድኡ ጀመሩ። ኣብታ ኣብ መበል 15 ዘመን ቅ.ክ. እተጻሕፈት መጽሓፍ እዮብ ግና ብዛዕባ ፈጣሪ፡ “ንምድሪ ኣብ ገለ ዘይብሉ የንጠልጥላ” ዚብል ነንብብ ኢና።—እዮብ 26:7

መድሃኒት

መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሕክምና መምሃሪ መጽሓፍ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ልዑል ፍልጠት ጥዕና ዜንጸባርቕ ስርዓታት ሒዙ ኣሎ።

ንሕሙማት ምውሻብ።

ሕጊ ሙሴ፡ ሕማም ደዌ ዘለዎም ሰባት ካብ ካልኦት ኪፍለዩ ይእዝዝ ነበረ። ሓካይም ነዚ ሎሚ እውን ውጽኢታዊ ዝዀነ ስርዓት እዚ ኺዓይዩሉ ዝጀመሩ ግና፡ ኣብ ማእከላይ ዘመን ለብዒ ምስ ኣጋጠመ እዩ።—ዘሌዋውያን፡ ምዕራፋት 13ን 14ን።

ሬሳ ድሕሪ ምትንካይ፡ ኢድካ ምሕጻብ።

ክሳዕ መወዳእታ 19 ዘመን፡ ሓካይም ሬሳ ሒዞም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኢዶም ከይተሓጽቡ ሕሙማት ይሕክሙ ነበሩ። ብሰሪ እዚ ልምዲ እዚ ኸኣ ብዙሓት ሰባት ሞቱ። ሕጊ ሙሴ ግና ሬሳ ዝተንከየ ዘበለ ሰብ ከም ዚረክስ ይገልጽ ነይሩ እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ሰብ ማይ ብምሕጻብ ኪነጽህ ይእዝዝ ነበረ። እዚ ሃይማኖታዊ ልምዲ እዚ ጥዕናዊ ረብሓታት እውን ከም ዝነበሮ ኣየጠራጥርን እዩ።—ዘሁልቍ 19:11, 19

ምውጋድ ቀልቀል።

በብዓመቱ፡ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ቈልዑ ብሰንኪ ውጽኣት ይሞቱ እዮም፣ ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ኸኣ ብግቡእ ንዘይተወገደ ቐልቀል ሰብ ስለ ዚቃልዑ እዩ። ሕጊ ሙሴ ግና ቀልቀል ሰብ፡ ሰባት ካብ ዚነብሩሉ ሰፈር ኣብ ዝረሓቐ ቦታ ኺውገድን ኪቕበርን ከም ዘለዎ ገሊጹ ነይሩ እዩ።—ዘዳግም 23:13

ሕጻን ዚግዘረሉ ግዜ።

ሕጊ ኣምላኽ፡ ወዲ ምስ ተወልደ ኣብ ሻምነይቲ መዓልቱ ኺግዘር ይእዝዝ ነበረ። (ዘሌዋውያን 12:3) ገና ኣብ እተወልዱ ሕጻናት፡ ደም ብንቡር ደረጃ ኺረግእ ዚጅምር፡ ድሕሪ እታ ቐዳመይቲ ሰሙን ከም ዝዀነ እዩ ዚእመን። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ማለት ኣብቲ ምዕቡል ሕክምና ዘይነበረሉ ግዜ፡ ሕጻን ንምግዛር ልዕሊ ሰሙን ምጽባይ፡ ጥበባውን ዕቝባ ዚኸውንን እዩ ነይሩ።

ኣብ መንጎ ስምዒታዊ ጥዕናን ኣካላዊ ጥዕናን ዘሎ ምትእስሳር።

ተመራመርቲ ሕክምናን ስነ ፍልጠትን፡ ከም ሓጐስን ተስፋን ሞሳን ይቕረ ምባልን ዝኣመሰለ ኣወንታዊ ባህርያት፡ እተወሰነ ጥዕናዊ ጥቕሚ ኸም ዘለዎ ይገልጹ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ድማ፡ “ሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ፣ ስቡር መንፈስ ግና ብርታዐ ይጽንቅቕ” ይብል።—ምሳሌ 17:22