ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣቱም መንእሰያት፡—ንጥምቀት ተዳሊኹም ዲኹም፧

ኣቱም መንእሰያት፡—ንጥምቀት ተዳሊኹም ዲኹም፧

“መን ካባኻትኩምከ እዩ ግምቢ ኺሰርሕ ዚደሊ እሞ፡ ንምውዳኡ ዚኣክል እንተ ኣለዎ፡ ቅድም ተቐሚጡ ዘይጽብጽብ፧”—ሉቃ. 14:28

መዝሙር፦ 6, 34

እዘን ዚስዕባ ኽልተ ዓንቀጻት፡ ኣብቶም ብዛዕባ ጥምቀት ዚሓስቡ ዘለዉ መንእሰያት እየን ዜተኵራ

1, 2. (ሀ) ሎሚ ንህዝቢ ኣምላኽ ዜሐጕሶም ነገር እንታይ እዩ፧ (ለ) ክርስትያን ወለድን ሽማግለታት ጉባኤን፡ መንእሰያት ንትርጉም ጥምቀት ምእንቲ ኺርድእዎ፡ ከመይ ገይሮም ኪሕግዝዎም ይኽእሉ፧

ሓደ ክርስትያን ሽማግለ ንሓደ 12 ዝዓመቱ ክሪስቶፈር፡ “ካብ እትውለድ ኣትሒዘ እፈልጠካ እየ፣ ክትጥመቕ ከም ዝደለኻ ምስማዐይ እውን ኣሐጒሱኒ እዩ። ሓንቲ ሕቶ ግና ክሓትተካ፦ ‘ስለምንታይ ኢኻ ነዚ ስጕምቲ ኽትወስድ ደሊኻ፧’” በሎ። እቲ ሽማግለ ዘቕረባ ሕቶ፡ ግብእቲ እያ ነይራ። ልክዕ እዩ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ዓመት ዓመት ኣሽሓት መንእሰያት ኪጥመቑ ምርኣይ ብዙሕ የሐጕሰና እዩ። (መክ. 12:1) ምስናይዚ ግና፡ ክርስትያን ወለድን ሽማግለታት ጉባኤን፡ እቶም መንእሰያት ነቲ ውሳነ ብፍታዎም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ድልዱል መሰረት ኰይኖም ኪገብርዎ እውን ይደልይዎም እዮም።

2 ወፈያን ጥምቀትን ኣብቲ ክርስትያናት ካብ የሆዋ በረኸት፡ ካብ ሰይጣን ግና ተቓውሞ ዚረኽቡሉ ህይወት፡ ናይ መጀመርታ ስጕምትታት ምዃኑ ቓል ኣምላኽ ይገልጽ እዩ። (ምሳ. 10:22፣ 1 ጴጥ. 5:8) ስለዚ፡ ክርስትያን ወለዲ ግዜ ወሲዶም ንደቆም፡ ወዲ መዝሙር ክርስቶስ ምዃን እንታይ ከም ዜጠቓልል ይምህርዎም እዮም። ክርስትያን ወለዲ ዘይብሎም መንእሰያት እንተ ዀይኖም ከኣ፡ ቅድም ተቐሚጦም ወደ መዝሙር ምዃን ዜምጽኦ ሓላፍነት ምእንቲ ኺጽብጽቡ፡ ሽማግለታት ጉባኤ ብፍቕሪ ይሕግዝዎም እዮም። (ሉቃስ 14:27-30 ኣንብብ።) ልክዕ ኸምቲ ሓንቲ እተጀመረት ህንጻ ተሰሪሓ ኽትውዳአ ምድላዋት ዜድሊ፡ ንየሆዋ “ኽሳዕ መወዳእታ” ንምግልጋል እውን ምድላው የድሊ እዩ። (ማቴ. 24:13) እሞ ደኣ መንእሰያት ኣብ ምሉእ ህይወቶም ንየሆዋ ንምግልጋል ቈራጽነት ምእንቲ ኺህልዎም፡ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧ ቀጺልና እስከ ንርአ።

3. (ሀ) ቃላት የሱስን ጴጥሮስን ብዛዕባ ኣገዳስነት ጥምቀት እንታይ ይምህረና፧ (ማቴ. 28:19, 20፣ 1 ጴጥ. 3:21) (ለ) ሕጂ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧ ስለምንታይከ፧

3 ክትጥመቕ ትሓስብ ዘለኻ መንእሰይ ዲኻ፧ ትሓስብ እንተ ኣሊኻ፡ ክትንኣድ ይግብኣካ እዩ። ናይ የሆዋ ምስክር ኴንካ ምጥማቕ፡ ዓቢዪ መሰል እዩ። ብዘይካዚ፡ ጥምቀት ሓደ ኻብቲ ክርስትያናት ኬማልእዎ ዚግብኦም ብቕዓት እዩ፣ ድሕነት ንምርካብ ዚግበር ኣገዳሲ ስጕምቲ እውን እዩ። (ማቴ. 28:19, 20፣ 1 ጴጥ. 3:21) ነቲ ንየሆዋ እተመባጻዕካሉ መብጽዓ ኽትሕሉ ስለ እትደሊ፡ ነዚ ኣገዳሲ ስጕምቲ እዚ ቕድሚ ምውሳድካ ኽትዳሎ ኣሎካ። እምበኣር፡ ንጥምቀት ተዳሊኻ እንተ ዄንካ ንምፍላጥ ዚሕግዛኻ ዚስዕባ ሰለስተ ሕቶታት ርአ፦ (1) ውሳነ ንምግባር ዜኽእለኒ ብስለት ኣሎኒ ድዩ፧ (2) ከምኡ ንምግባር ዜኽእለኒ ድሌት ኣሎኒ ድዩ፧ (3) ርእሰይ ንየሆዋ ምውፋየይ እንታይ ትርጉም ከም ዘለዎ ተረዲአዮ ድየ፧ ነዘን ሕቶታት እዚአን እስከ ንመርምረን።

መዓስ ኢኻ ብሱል እትኸውን፧

4, 5. (ሀ) ጥምቀት ብዕድመ ዓበይቲ ንዝዀኑ ሰባት ጥራይ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ሓደ ክርስትያን ብሱል ዚኸውን መዓስ እዩ፧

4 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዕድመ ዓበይቲ ሰባት ጥራይ ወይ ብሕጊ ብጹሓት ዚብሃሉ ጥራይ ኪጥመቑ ኸም ዚግባእ ኣይኰነን ዚሕብር። ኣብ ምሳሌ 20:11፡ “ቈልዓ እኳ ዕዮኡ ቕኑዕን ንጹህን እንተ ዀነ፡ ብግብሩ የፍልጥ” ዚብል ነንብብ ኢና። ሓደ ሰብ ገና ብግዜ ንእስነቱ እውን እንተ ዀነ፡ ቅኑዕ ምግባርን ርእሱ ንፈጣሪኡ ምውፋይን እንታይ ማለት ምዃኑ ኼስተውዕል ይኽእል እዩ። ጥምቀት እምበኣር እኹል ብስለት ዘርኣዩን ርእሶም ንየሆዋ ዝወፈዩን መንእሰያት ኪወስድዎ ዘለዎም ኣገዳስን ግቡእን ስጕምቲ እዩ።—ምሳ. 20:7

5 ሓደ ሰብ ብሱል ዚኸውን ግና መዓስ እዩ፧ ብስለት ካብ ኣካላዊ ዕቤት ንላዕሊ የጠቓልል እዩ። ብሱላት ኪብሃሉ ዚኽእሉ ሰባት “ቅኑዕን ጌጋን ንምፍላይ ብተመክሮ ልቦናኦም ዘላመዱ” ምዃኖም መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር እዩ። (እብ. 5:14) ስለዚ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ዘበለ ይፈልጡ፡ ምስ ቅኑዕ ለጊቦም ኪመላለሱ ድማ ብልቦም ይውስኑ እዮም። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ብቐሊሉ ስሒቶም ጌጋ ኣይገብሩን እዮም፣ ቅኑዕ ንምግባር ከኣ ወትሩ ኺትዅተኹ የብሎምን። እምበኣር፡ ሓደ እተጠምቀ መንእሰይ፡ ዋላ እውን ወለዱ ወይ ካልኦት ዓበይቲ ሰባት ኣብ ዘይህልዉሉ እዋን፡ ንስርዓታት ኣምላኽ ኪድግፍ ትጽቢት ይግበረሉ እዩ።—ምስ ፊልጲ 2:12 ኣረኣኢ።

6, 7. (ሀ) ዳንኤል ኣብ ባቢሎን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዘጋጠሞ ብድሆታት ግለጽ። (ለ) ዳንኤል ብሱል ምዃኑ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

6 መንእሰያት ብሓቂዶ ኣብ ከምዚ ዓይነት ደረጃ ብስለት ኪበጽሑ ይኽእሉ እዮም፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ዳንኤል እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ካብ ወለዱ ናብ ምርኮ ባቢሎን ኪውሰድ ከሎ፡ ገና ኣብ መጀመርታ ዀተቴ ዕድሚኡ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብሃንደበት ግና ብዛዕባ ቕኑዕን ጌጋን እተፈልየ ኣረኣእያ ምስ ዘለዎም ህዝቢ ኺነብር ጀሚሩ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን ካልእ ብድሆ ነይርዎ እዩ፣ ኣብ ባቢሎን ፍሉይ ክንክን ዚግበረሉ ሰብ እዩ ነይሩ። እወ፡ ዳንኤል ሓደ ኻብቶም ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኪቘሙ ብጥንቃቐ እተሓርዩ መንእሰያት እዩ ነይሩ። (ዳን. 1:3-5, 13) ኣብ እስራኤል ኪረኽቦ ዘይክእል ኣጋጣሚታት እዩ ረኺቡ ነይሩ።

7 እሞኸ ዳንኤል እንታይ እዩ ገይሩ፧ ብብልጭልጭ ባቢሎን ተታሊሉ ድዩ፧ እቲ ሓድሽ ከባቢኡ ንመንነቱ ወይ ንእምነቱ ኪቕይሮ ፈቒዱ ድዩ፧ ኣይፋሉን! ዳንኤል ኣብ ባቢሎን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ምስ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ብዚተሓሓዝ ዝዀነ ይኹን ነገር “ከይረክስ፡ ብልቡ ሐለነ” ኢሉ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና። (ዳን. 1:8) እወ፡ ዳንኤል ዜደንቕ ብስለት እዩ ኣርእዩ!

ሓደ ብሱል መንእሰይ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ፈታው ኣምላኽ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ድማ ከም ፈታው ዓለም ኣይከውንን እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 8 ርአ)

8. ካብ ኣብነት ዳንኤል እንታይ ክትምሃር ትኽእል፧

8 ካብ ኣብነት ዳንኤል እንታይ ክትምሃር ትኽእል፧ ሓደ ትምህርቲ፡ ብሱል ሰብ ኣብ ዚኣምነሉ ነገር ጽኑዕ ምዃኑ እዩ። መምስ ከባቢኡ ኺመሳሰል ኢሉ፡ ከም ነፋሒቶ ሕብሩ ኣይቀያይርን እዩ። ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ፈታው ኣምላኽ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ድማ ከም ፈታው ዓለም ኣይከውንን እዩ። ንየው ነጀው ኣይክብከብን እዩ፣ የግዳስ፡ እምነቱ ኽትፍተን ከላ እኳ ኣይነቓነቕን እዩ።—ኤፌሶን 4:14, 15 ኣንብብ።

9, 10. (ሀ) ሓደ መንእሰይ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ እምነቱ ንዘጋጠሞ ፈተናታት ዝሃቦ ምላሽ ብምሕሳብ ብኸመይ ኪጥቀም ይኽእል፧ (ለ) ጥምቀት እንታይ ትርጉም እዩ ዘለዎ፧

9 ልክዕ እዩ፡ ፍጹም ሰብ የልቦን፣ መንእሰያት ኰኑ ዓበይቲ በብግዜኡ ጌጋታት ይገብሩ እዮም። (መክ. 7:20) ጥምቀት ክትሓስብ ከለኻ ግና፡ ምስ ስርዓታት የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ለጊብካ ኽትመላለስ ብልብኻ ኸም ዝቈረጽካ መርምር። እሞኸ ንብርታዐ ቘራጽነትካ ኸመይ ጌርካ ኽትልክዖ ትኽእል፧ ‘ክሳዕ ክንደይ እየ ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ጠቢቐ ኽመላለስ ጸኒሐ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ነቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ እምነትካ ዘጋጠመካ ፈተናታት እንታይ ምላሽ ከም ዝሃብካሉ ሕሰብ። ቅኑዕን ጌጋን ንምፍላይ ዜኽእል ምስትውዓል ከም ዘሎካ ኣርኢኻ ዲኻ፧ ከምቲ ንዳንኤል እተገብረሉ፡ ናይ ሰይጣን ዓለም ፍሉይ ክንክን እንተ ገይራትልካኸ እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ሓደ ነገር ንምግባር ክትፍተን ከለኻ እሞ እዚ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዘይቃዶ ምስ ዚኸውን፡ ‘ፍቓድ የሆዋ እንታይ ምዃኑ ኸተስተውዕል’ ትኽእል ዲኻ፧—ኤፌ. 5:17

10 ስለምንታይ ኢና ነዚ ሕቶታት እዚ ብግሁድ እነበግሶ ዘለና፧ ብዛዕባ ጥምቀት ቅኑዕ ኣረኣእያ ምእንቲ ኺህልወካ ኢልና ኢና። ጥምቀት፡ ንየሆዋ ኸም እተመባጻዕካ እተርእየሉ ኣጋጣሚ እዩ። ብምሉእ ልብኻ ንዘለኣለም ከም እተፍቅሮን ከም እተገልግሎን ኢኻ እትመባጻዕ። (ማር. 12:30) ዚጥመቕ ዘበለ ዅሉ፡ መብጽዓኡ ንምፍጻም ቈራጽነት ኪህልዎ ኣለዎ።—መክብብ 5:4, 5 ኣንብብ።

ናትካ ድሌት ድዩ፧

11, 12. (ሀ) ሓደ ብዛዕባ ጥምቀት ዚሓስብ ሰብ፡ ብዛዕባ እንታይ እዩ ርግጸኛ ኪኸውን ዘለዎ፧ (ለ) ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝሰርዖ ጥምቀት ቅኑዕ ኣረኣእያ ምእንቲ ኺህልወካ፡ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

11 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ንመንእሰያት እውን ዝሓቘፈ ህዝቢ የሆዋ፡ “ፈትዩ ይመጽእ” እዩ ዚብል። (መዝ. 110:3) ስለዚ፡ ሓደ ኺጥመቕ ዚሓስብ ሰብ፡ ብሓቂ እቲ ውሳነ ናቱ ድሌት ምዃኑ ኼረጋግጽ ኣለዎ። እዚ ድማ ንርእስኻ ኽትምርምር የድልየካ ማለት እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ፍልይ ዝበለ ኵነታት ኪህልወካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ሓቂ ዝዓበኻ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።

12 ብዙሓት ሰባት፡ እንተላይ ገሊኦም መዛኑኻን ኣሕዋትካን ኪጥመቑ ርኢኻ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት፡ ብዛዕባ እንታይ ኢኻ ኽትጥንቀቕ ዘሎካ፧ ‘ዕድመይ ወሲኹ’ ወይ ‘ካልኦት ይገብርዎ ኣለዉ’ ኢልካ ኽትጥመቕ ከይትሓስብ ተጠንቀቕ። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝሰርዖ ጥምቀት ቅኑዕ ኣረኣእያ ምእንቲ ኺህልወካ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ስለምንታይ ክትጥመቕ ከም ዘሎካ፡ ሓንሳእ ደው ኢልካ ሕሰብ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብ እትቕጽልን፡ እተወሰነ ጽቡቕ ምኽንያታት ክትረክብ ኢኻ።

13. ክትጥመቕ እትገብሮ ውሳነ ኻብ ልብኻ እንተ ዀይኑ ኸመይ ጌርካ ኽትፈልጥ ትኽእል፧

13 ክትጥመቕ እትገብሮ ውሳነ ኻብ ልብኻ እንተ ዀይኑ ኸተስተውዕለሉ እትኽእል መገድታት ኣሎ። ንኣብነት፡ ንየሆዋ ንምግልጋል ዘሎካ ልባዊ ድሌት ኣብ ጸሎትካ ይንጸባረቕ እዩ። ብዝሒ ጸሎትካን ኣብ ጸሎትካ እትጠቕሶ ዝርዝር ነገራትን፡ ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ክሳዕ ክንደይ ምዃኑ ይገልጽ እዩ። (መዝ. 25:4) ሓደ ኻብቲ የሆዋ ንጸሎትካ ምላሽ ዚህበሉ ኣገዳሲ መገዲ፡ ናብ ቃሉ ኸም እተቕልብ ብምግባር እዩ። ስለዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ እንገብሮ ጻዕሪ፡ ንየሆዋ ኽንቀርቦን ካብ ልብና ኸነገልግሎን ከም እንደሊ ዚሕብር ካልእ መገዲ እዩ። (እያ. 1:8) እምበኣር፡ ‘ኣብ ጸሎተይ ክሳዕ ክንደይ እየ ዝርዝር ነገራት ዝጠቅስ፧ ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብስሩዕ እገብር ድየ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ኣብ ስድራ ቤትኩም ኣምልኾ ስድራ ቤት ትገብሩ እንተ ዄንኩም ድማ፡ ‘ኣብቲ ብስድራ ቤት እተገብረ መሰናድዎ ብፍታወይ እሳተፍ ድየ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ነዚ ሕቶታት እዚ እትህቦ መልስታት፡ እቲ ኽትጥመቕ እትገብሮ ውሳነ ኻብ ናትካ ድሌት እተበገሰ እንተ ዀይኑ ኺሕብረካ እዩ።

ትርጉም ወፈያ

14. ኣብ መንጎ ወፈያን ጥምቀትን ዘሎ ፍልልይ ግለጽ።

14 ገሊኦም ኣብ መንጎ ወፈያን ጥምቀትን ዘሎ ፍልልይ የደናግሮም እዩ። ንኣብነት፡ ገሊኦም መንእሰያት ርእሶም ንየሆዋ ኸም ዝወፈዩ፡ ኪጥመቑ ግና ኸም ዘይተዳለዉ ይዛረቡ እዮም። እዝስ ቅኑዕ ኣረኣእያ ድዩ፧ ሓደ ሰብ ርእሱ ንየሆዋ ኺውፊ ኸሎ፡ ንዘለኣለም ኬገልግሎ ኸም ዚደሊ እዩ ዚነግሮ ዘሎ። ኪጥመቕ ከሎ ድማ፡ ርእሱ ኸም ዝወፈየ እዩ ንኻልኦት ዜርኢ ዘሎ። ስለዚ፡ ነቲ ብብሕቲ ናብ የሆዋ ብእተቕርቦ ጸሎት ዝገበርካዮ ወፈያ ኢኻ ብጥምቀት ኣቢልካ ንሰባት እትገልጽ። ቅድሚ ምጥምቕካ፡ ትርጉም ወፈያ ኸም እተረድኣካ ርግጸኛ ኽትከውን ኣሎካ።

15. ርእስኻ ምውፋይ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

15 ብሓጺሩ፡ ህይወትካ ንየሆዋ ኽትውፊ ኸለኻ፡ ርእስኻ ንየሆዋ ሂብካዮ ኢኻ። ፍቓዱ ምግባር፡ ኣብ ህይወትካ ልዕሊ ዅሉ ኸም እትሰርዖ ንየሆዋ ተመባጺዕካሉ ማለት እዩ። (ማቴዎስ 16:24 ኣንብብ።) ዝዀነ ይኹን መብጽዓ ኣርዚንካ ኺርአ ይግባእ፣ ንየሆዋ ዚእቶ መብጽዓ ግዳ ኽሳዕ ክንደይ ብዝያዳ ኣርዚንካ ዘይርአ! (ማቴ. 5:33) ግናኸ፡ ርእስኻ ኸም ዝቐበጽካን ናይ የሆዋ ኸም ዝዀንካን ከመይ ጌርካ ኸተርኢ ትኽእል፧—ሮሜ 14:8

16, 17. (ሀ) ርእስኻ ምቕባጽ ኪብሃል ከሎ እንታይ ከም ዜመልክት ብምሳሌ ጌርካ ግለጽ። (ለ) ሓደ ርእሱ ዚውፊ ሰብ፡ ብኻልእ ኣበሃህላ እንታይ እዩ ዚብል ዘሎ፧

16 ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፡ ሓደ ዓርክኻ ኸም ህያብ ገይሩ ማኪና ሂቡካ ንበል። ሰነድ ዋንነት እታ ማኪና ይህበካ እሞ፡ “እዛ ማኪና ናትካ እያ” ይብለካ። ንበል ግና ዓርክኻ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “መፍትሓ ግና ምሳይ ኪጸንሕ እዩ። ንስኻ ዘይኰንካስ፡ ኣነ እየ ነታ ማኪና ዝዝውራ” ይብለካ። ብዛዕባ እታ “ህያብ” ከመይ ምተሰምዓካ፧ ብዛዕባ እቲ ወሃቢኸ፧

17 ሕጂ ድማ የሆዋ ኻብቲ ርእሱ ንዕኡ ዝወፈየ ሰብ፡ ማለት ካብቲ “ህይወተይ ሂበካ እየ። ኣነ ናትካ እየ” ዝበለ ሰብ እንታይ ከም ዚጽበ እሞ ሕሰብ። እቲ ሰብ እቲ፡ ክልተ ዓይነት ህይወት ዚነብር እንተ ዀይኑ፡ ንኣብነት፡ ብሕቡእ ምስ ዘይኣማኒ ኣንጻር ጾታ ፍቕራዊ ርክብ እንተ መስሪቱኸ፧ ነቲ ብምሉእ ነፍሱ ዜቕርቦ ኣገልግሎት ዜጐናድብ ወይ ካብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ዜብኵሮ ስራሕ እንተ ሒዙኸ፧ እዝስ ከምቲ መፍትሕ ማኪና ምስኡ ምሓዝ ደይኰነን፧ ሓደ ርእሱ ንየሆዋ ዚውፊ ሰብ፡ ብኻልእ ኣበሃህላ፡ “ህይወተይ ካብ ንዓይ፡ ንዓኻ እያ እትብጽሓካ። ኣብ መንጎ እቲ ንስኻ እትደልዮን ኣነ ዝደልዮን ፍልልይ እንተ ተፈጢሩ፡ ወትሩ እቲ ንስኻ እትደልዮ እዩ ኺስዕር” እዩ ዚብል ዘሎ። እዚ ድማ ንኣተሓሳስባ የሱስ ዜንጸባርቕ እዩ፣ ንሱ ኣብ ምድሪ ኸሎ፡ “ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ክገብር ኣይኰንኩን ካብ ሰማይ ወሪደ ዘለኹ” ኢሉ እዩ።—ዮሃ. 6:38

18, 19. (ሀ) ሮዝን ክሪስቶፈርን እተዛረብዎ ነገር፡ ጥምቀት ናብ በረኸት ዚመርሕ ፍሉይ መሰል ምዃኑ ዚሕብር ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ብዛዕባ ጥምቀት ከመይ ይስምዓካ፧

18 እምበኣር፡ ጥምቀት ሓደ እኳ ኣፍኲሱ ኺርእዮ ዚግባእ ስጕምቲ ኣይኰነን። ምስናይዚ ድማ፡ ርእስኻ ወፊኻ ምጥማቕ፡ ዓብዪ መሰል እዩ። ንየሆዋ ዜፍቅርዎን ትርጉም ወፈያ እተረድኦምን መንእሰያት፡ ካብ ጥምቀት ኣየድሓርሕሩን እዮም፣ ጸኒሖም እውን ብውሳነኦም ኣይጠዓሱን እዮም። ሮዝ ዝስማ ጥምቕቲ ጐርዞ፡ “ንየሆዋ እፈትዎ እየ፣ ንዕኡ ኸም ምግልጋል ገይሩ ዜሐጕሰኒ ነገር ድማ የልቦን። ካብ ጥምቀተይ ንላዕሊ ኣብ ህይወተይ ርግጸኛ ዝዀንኩሉ ውሳነ የልቦን” ትብል።

19 እቲ ኣብ መእተዊ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ተጠቒሱ ዘሎ ክሪስቶፈርከ፧ እቲ ወዲ 12 ዓመት ከሎ ኺጥመቕ ዝገበሮ ውሳነ ኣብ ጽቡቕ መሰረት እተሰረተ ድዩ ነይሩ፧ ክሪስቶፈር ብዛዕባ እቲ ርእሱ ኺውፍን ኪጥመቕን ዝገበሮ ውሳነ ባህ ዜብል ተዘክሮ እዩ ዘለዎ። ወዲ 17 ምስ ኰነ፡ ስሩዕ ፈላሚ ዀይኑ ኼገልግል ጀሚሩ እዩ፣ ወዲ 18 ምስ ኰነ ድማ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዀይኑ ተሸይሙ እዩ። ሎሚ ድማ ኣብ ቤት-ኤል የገልግል ኣሎ። ርእይቶኡ ኺገልጽ ከሎ ኸኣ፡ “ብምጥማቐይ ጽቡቕ ውሳነ እየ ገይረ። ህይወተይ ንየሆዋን ንውድቡን ብዝዓይዮ ዜዕግብ ዕዮ መሊኡ ኣሎ” ይብል። ክትጥመቕ ትሓስብ እንተ ኣሊኻ፡ ከመይ ጌርካ ንጥምቀት ክትዳሎ ትኽእል፧ እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ፡ ነዛ ሕቶ እዚኣ ምላሽ ክትህበካ እያ።