ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከመይ ይመስል ነበረ፧ | ኣሪስቶትል

ኣሪስቶትል

ኣሪስቶትል

ልዕሊ 2,300 ዓመት ይገብር፡ ኣሪስቶትል ኣብ ስነ ፍልጠትን ኣብ ፍልስፍናን ዓብዪ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። ሓሳባቱን ጽሑፋቱን ርኽበታቱን ንሓያሎ ዓመታት ንሰባት የገድሶም ነበረ፣ ብብዙሕ ቋንቋታት ድማ ተተርጕሙን ተጸኒዑን እዩ። ናይ ታሪኽ ፕሮፌሰር ዝዀነ ጄምስ ማክላክላን፡ “እቲ ኣሪስቶትል ብዛዕባ ተፈጥሮ ዝነበሮ ኣረኣእያ ንልዕሊ 2,000 ዓመት ንኣተሓሳስባ ኤውሮጳውያን ጸልዩ እዩ” ብምባል ጸሓፈ። ገሊኡ ኣረኣእያ ኣሪስቶትል፡ ኣብ ትምህርትታት ካቶሊክን ፕሮተስታንትን ምስልምናን እውን ከይተረፈ ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ።

ኣብ ብዙሕ ዓውድታት ይግደስ ነበረ

ኣሪስቶትል ብዛዕባ ስነ ጥበብ፡ ስነ ኰዀብ፡ ስነ ህይወት፡ ስነ ምግባር፡ ቋንቋ፡ ሕጊ፡ ስነ መጐት፡ ማግነትነት፡ ፍልስፍና፡ ምንቅስቓስ፡ ሓጐስ፡ ግጥሚ፡ ፖለቲካ፡ ስነ ኣእምሮ፡ ክእለት ኣዘራርባ፡ ከምኡ ድማ ብዛዕባ እታ መዋቲት ከም ዝዀነት ገይሩ ዚርእያ ዝነበረ ነፍሲ ጽሒፉ እዩ። ኰይኑ ግና፡ በቲ ናይ ስነ ህይወትን ስነ መጐትን ስርሓቱ እዩ ዝያዳ ዚፍለጥ ነይሩ።

ጥንቲ ዝነበሩ ግሪኻውያን ምሁራት፡ ብዛዕባ ተፈጥሮ ኺገልጹ ኸለዉ ኣብቲ ናይ ምዕዛብን ምርዳእን ምምጓትን ክእለቶም እዮም ዚምርኰሱ ነይሮም። ካብቲ ፍሉጥ ሓቅታት ከም ዝዀነ ገይሮም ዚርእይዎ ነገራት ብምብጋስ፡ ነዚ ብጥንቃቐ እንተ መርሚሮምዎ ኣብ ቅኑዕ መደምደምታ ኺበጽሑ ኸም ዚኽእሉ ይኣምኑ ነበሩ።

በዚ ፍልስፍና እዚ ተመሪሖም፡ ኣብ ሓያሎ ቕኑዕ መደምደምታት በጺሖም እዮም፣ ሓደ ኻብዚ ድማ ኣብ ዩኒቨርስ ምዕሩይ ስርዓት ከም ዘሎ ዚገልጽ እዩ ነይሩ። እቲ ዝዓበየ ጸገም ግና እቲ ብዓይኖም ጥራይ ኪዕዘብዎ ዚኽእሉ ዝነበሩ ነገራት ድሩት ምንባሩ እዩ፣ እዚ ድሩትነት እዚ ኸኣ እዩ ንኸም ኣሪስቶትል ዝኣመሰሉ ብዙሓት በላሕቲ ሰባት ከም ዚህውትቱ ዝገበሮም። ንኣብነት፡ ፕላነታትን ከዋኽብትን ኣብ ዙርያ ምድሪ ኸም ዚዞሩ እዮም ዚኣምኑ ነይሮም። እዚ ድማ ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ዘየማትእ ሓቂ ኸም ዝዀነ ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ። ዘ ክሎዚንግ ኦቭ ዘ ዌስተርን ማይንድ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “እቲ ዚቐርብ ዝነበረ ምኽንያትን እቲ ኺርአ ዚከኣል ዝነበረ ነገራትን፡ ነቲ ምድሪ ማእከል ዩኒቨርስ ከም ዝዀነት ዚገልጽ ናይ ግሪኻውያን ኣረኣእያ ዚድገፍ እዩ ዚመስል ነይሩ” ትብል።

እዚ ግጉይ ኣረኣእያ እዚ ኣብ ዓውዲ ስነ ፍልጠት ጥራይ ተሓጺሩ እንተ ዚተርፍ፡ ብዙሕ ሳዕቤን ኣይምሃለዎን ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ጥራይ ተሓጺሩ ኣይተረፈን።

ካቶሊክ ንትምህርትታት ኣሪስቶትል ተቐበለቶ

ኣብ ማእከላይ ዘመን፡ ኣብታ ክርስትና ዝዓብለላ ኤውሮጳ፡ ገሊኡ ትምህርትታት ኣሪስቶትል ዘየማትእን ቅኑዕን ሓቂ ኸም ዝዀነ ጌርካ ይውሰድ ብምንባሩ ሓፈሻዊ ተቐባልነት ረኺቡ ነበረ። ቶማስ ኣኳይነስ (ከ. 1224-1274) ዚርከቦም ምሁራት ስነ ሃይማኖት ሮማዊት ካቶሊክ፡ ንጽሑፋት ኣሪስቶትል ኣብቲ ናታቶም ትምህርቲ ስነ ሃይማኖት ከም ዚጠቓለል ገበሩ። በዚ ኸኣ እታ ዘይትንቀሳቐስ ምድሪ ኣብ ማእከል ዩኒቨርስ ከም እትርከብ ዚገልጽ ኣሪስቶትል ዘቕረቦ ሓሳባት፡ ትምህርቲ ካቶሊክ ኰነ። ከም ካልቪንን ሉተርን ዝኣመሰሉ መራሕቲ ፕሮተስታንት እውን ነዚ ትምህርቲ እዚ ተቐቢሎምዎ ጥራይ ዘይኰነስ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኸም ዝዀነ ይገልጹ ነበሩ።—ነታ “ ኣብ እተወሰነ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ እምብዛ ኣተኰሩ” እትብል ሳጹን ርአ።

ገሊኡ ትምህርትታት ኣሪስቶትል ዘየማትእ ሓቂ ኸም ዝዀነ ጌርካ ይውሰድ ነበረ

ቻርለስ ፍሪማን ዚብሃል ጸሓፊ፡ “ገሊኡ ሓሳባትን [ትምህርትታት ኣሪስቶትልን] ትምህርትታት ካቶሊክን ፍልልይ ኣይነበሮን” በለ። በዚ ድማ እዩ ኣኳይነስ ንኣሪስቶትል ሰዓቢ እምነት ካቶሊክ ከም ዝገበሮ ጌርካ ዚሕሰብ ዝነበረ። ከም ሓቂ ግና፡ ከምቲ ፍሪማን ዝጸሓፎ “ኣኳይነስ እዩ ሰዓቢ ኣሪስቶትል ዝነበረ።” እታ ቤተ ክርስትያን እውን ብእተወሰነ ደረጃ ሰዓቢት ኣሪስቶትል ኰይና እያ ኽንብል ንኽእል ኢና። ከም ውጽኢቱ፡ እቲ ኢጣልያዊ ተመራማሪ ስነ ኰዀብን ናይ ሕሳብ ክኢላን ዝነበረ ጋሊለዮ፡ ምድሪ ኣብ ዙርያ ጸሓይ ከም እትዘውር ዚገልጽ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ትዕዝብትታት እተመርኰሰ መርትዖ ምስ ኣቕረበ፡ ኣብ ቅድሚ ፍርዲ መናፍቓን ኪቐርብ ተሓትተ፣ ኰይኑ ግና፡ ሓሳባቱ ተነጺጉ እዩ። * እቲ ዜገርም፡ ኣሪስቶትል፡ ስነ ፍልጠታዊ ምርዳእ እናወሰኸ ዚኸይድን ኪኽለስ ዜድልዮን ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኣብያተ ክርስትያናት ነዚ ኣረኣእያ እዚ እንተ ዚስዕባ ምሓሸ ነይሩ።

^ ሕ.ጽ. 11 ብዛዕባ “ግጭት ጋሊለዮን ቤተ ክርስትያንን” ዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ 22 ሚያዝያ 2003 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ርአ።