ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከመይ ይመስል ነበረ፧

ደሲደርዩስ ኢራስመስ

ደሲደርዩስ ኢራስመስ

ደሲደርዩስ ኢራስመስ (ከ. 1469-1536) ኣብ ፈለማ፡ ብዘመኑ ልዕሊ ዅሎም ምሁራት ኤውሮጳ በሊሕ ከም ዝዀነ ተናኢዱ እኳ እንተ ነበረ፡ ጸኒሑ ግና ኸም ጃጃዊ ወይ መናፍቕ ተቘጺሩ፡ ተዋሪዱ እዩ። ኣብ ሓደ ርሱን ሃይማኖታዊ ኽትዕ፡ ነቲ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን ኣብቶም መራሕቲ ተሓድሶን ዚርአ ዝነበረ ጕድለታትን ዓመጽን ብትብዓት ኣቃሊዕዎ እዩ። ሎሚ፡ ኣብ ሃይማኖታት ኤውሮጳ ኣብ እተራእየ ለውጢ፡ ኣገዳሲ ግደ ኸም ዝነበሮ ተፈሊጡ እዩ። ብኸመይ፧

መጽናዕትታቱን እምነታቱን

ኢራስመስ ግሪኽኛን ላቲንን ይመልኽ ብምንባሩ፡ ንኸም ቩልጌት ዝኣመሰለ ብላቲን እተዳለወ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ምስቲ ብልምዲ ሓድሽ ኪዳን ተባሂሉ ዚጽዋዕ ናይ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት ኬነጻጽሮ ኽኢሉ እዩ። ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ኣገዳሲ ምዃኑ ኸኣ ኣመነ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብቲ እዋን እቲ ልሙድ ናብ ዝነበረ ቛንቋታት ኪትርጐም ከም ዘለዎ ገለጸ።

ኢራስመስ ክርስትና ኺብሃል ከሎ ትርጉም ኣብ ዘይብሉ ጽምብላት ምስታፍ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ኣነባብራኻ ኺርአ ኸም ዘለዎ ይኣምን ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ውሽጣዊ ተሓድሶ ኺግበር ኣተባብዐ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ መራሕቲ ተሓድሶ፡ ተቓውሞ ኺገብሩን ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን ሮማ ለውጢ ኺግበር ኪሓትቱን ምስ ጀመሩ፡ ኣብ ዓይኒ ጥርጣረ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣተወ።

ኢራስመስ ነቲ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን ኣብቶም መራሕቲ ተሓድሶን ዚርአ ዝነበረ ጕድለታትን ዓመጽን ብትብዓት ኣቃሊዕዎ እዩ

ኢራስመስ ኣብ ጽሑፋቱ፡ ንዓመጽን ንናይ ጃህራ ኣነባብራን ኣቕሽሽቲ ኸምኡ ድማ እቶም ንውግእ ዚድግፉ ጳጳሳት ንዘለዎም ህርፋን ስልጣን ኣቃሊዕዎ እዩ። ነቲ ብልሹዋት ኣቕሽሽቲ ብኸም ኑዛዜ ሓጢኣትን ኣምልኾ ቕዱሳንን ጾምን ንግደትን ዝኣመሰለ ልምድታት ቤተ ክርስትያን ኣቢሎም ኣብ ልዕሊ ምእመናን ዚፍጽምዎ ዝነበሩ ምዝመዛ ኸም ዘይሰማማዓሉ ገለጸ። ንኸም መሸጣ ስርየት ሓጢኣትን ምኽልካል መርዓን ዝኣመሰለ ልምድታት ቤተ ክርስትያን እውን ተቓዊምዎ እዩ።

ብግሪኽኛ እተዳለወ ሓድሽ ኪዳን

ብ1516 ኢራስመስ ነቲ ንፈለማ እዋን ባዕሉ ብግሪኽኛ ዘዳለዎ ሓድሽ ኪዳን ኣሕተመ፣ እዚ እቲ ንፈለማ እዋን እተሓትመ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ እዩ። ዕዮ ኢራስመስ፡ ተወሳኺ መግለጺታትን ነቲ ኻብ ቩልጌት ዚፍለ ባዕሉ ናብ ላቲን ዝተርጐሞ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛን ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። ንሕታሙ ኻብ ግዜ ናብ ግዜ ብቐጻሊ ይኽልሶ ስለ ዝነበረ ድማ፡ እቲ ተጻፊፉ እተወድአ ሕታሙ ምስቲ ናይ ላቲን ቩልጌት ብዙሕ ፍልልይ ኪህልዎ ኸኣለ።

ኢራስመስ ብግሪኽኛ ዘዳለዎ ሓድሽ ኪዳን

ሓደ ኻብቲ ፍልልያት፡ ኣብ ቀዳማይ ዮሃንስ 5:7 ዚርከብ እዩ ነይሩ። ኣብ ቩልጌት፡ ነቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ዘይብሉ ትምህርቲ ስላሴ ንምድጋፍ፡ ኮማ ዮሃነዩም ተባሂሉ ዚፍለጥ ሓቅነት ዘይብሉ ቓላት ተወሲኽዎ ነይሩ እዩ። ኣብኡ፡ “ኣብ ሰማይ፡ ኣቦን ቃልን መንፈስ ቅዱስን ኣለዉ፣ ሰለስቲኦም ድማ ሓደ እዮም” ዚብል ይንበብ። ይኹን እምበር፡ ኢራስመስ ነዘን ቃላት እዚአን ኣብ ኵሉ እቲ እተወከሶ ኢደ ጽሑፋት ግሪኽኛ ስለ ዘይረኸበን፡ ካብ ክልቲአን እተን ናይ ሓድሽ ኪዳን ቀዳሞት ሕታማቱ ኣውጽአን። ድሕሪ ግዜ ግና፡ ኣብታ ሳልሰይቲ ሕታሙ ነዘን ቃላት እዚአን እንደገና ኼእትወን ብቤተ ክርስትያን ጸቕጢ ተገይሩሉ ነበረ።

ኢራስመስ ብግሪኽኛ ዘዳለዎ እተመሓየሸ ሕታማት ሓድሽ ኪዳን፡ ናብ ቋንቋታት ኤውሮጳ ብዝሓሸ መገዲ ንምትርጓም መሰረት ኰይኑ እዩ። ማርቲን ሉተርን ዊልያም ቲንደልን ኣንቶንዮ ብሩቾልን ፍራንሲስኮ ዲ ኢንዚናስን፡ ነዘን ሕታማት እዚአን ብምጥቃም፡ ንቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ናብ ጀርመንኛን እንግሊዝኛን ጥልያንኛን ስጳንኛን ተርጒሞምዎ እዮም።

ኢራስመስ ሓያል ሃይማኖታዊ ናዕቢ ዝነበሮ እዋን ኣሕሊፉ እዩ። እቲ ባዕሉ ብግሪኽኛ ዘዳለዎ ሓድሽ ኪዳን፡ ብመራሕቲ ተሓድሶ ፕሮተስታንት ከም ኣዝዩ ሓጋዚ ንዋት ተቘጺሩ እዩ። ተሓድሶ ኸይጀመረ ኸሎ እውን ከይተረፈ፡ ገሊኦም ንኢራስመስ ከም መራሒ ተሓድሶ ይርእይዎ ነይሮም እዮም። ብድሕርዚ፡ ኣብቲ ጸኒሑ እተላዕለ ዓበይቲ ሃይማኖታዊ ኽትዓት ወገን ምሓዝ ኣብዩ እዩ። እቲ ዜገርም ድማ፡ ዴቪድ ሻፍ ዝስሙ ምሁር ቅድሚ 100 ዓመት ኣቢሉ፡ ኢራስመስ “ምስ ዝዀነት ትኹን ሃይማኖት ምትእስሳር ኣይነበሮን፡ ብዅሉ ተነጺሉ ኸሎ ድማ እዩ ሞይቱ። ካቶሊክ ኰኑ ፕሮተስታንት ኣባሎም ምንባሩ ኺዛረቡ ኣይከኣሉን” ብምባል ጸሓፈ።