ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“እዚ ብሓቂ ሓድሽ ኣቀራርባ እዩ!”

“እዚ ብሓቂ ሓድሽ ኣቀራርባ እዩ!”

ኣማኻሪት ሓደ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዚርከብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዝዀነት ሱ-ጁን፡ ኣብቲ እትምህሮ ኽፍሊ ነተን ኣብ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይት ዚርከባ ቪድዮታት ተጠቒማትለን እያ። ከምዚ ኸኣ ትብል፦ “እቶም ተምሃሮ ነታ ናይ ሓቂ ዓርኪ ዚብሃል መን እዩ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ምስ ረኣይዋ ዝሃብዎ ግብረ መልሲ ዜደንቕ እዩ። ገሊኦም፡ ‘ንዕርክነት ከምዚ ገይረ ሓሲበሉ ኣይፈልጥን እየ፣ እዚ ብሓቂ ሓድሽ ኣቀራርባ እዩ!’ ዝኣመሰለ ርእይቶ ሃቡ። ካልኦት ድማ ምኽሪ ኣብ ዜድልዮም ዘበለ እዋን ነዛ ወብ ሳይት ከም ዚጥቀሙላ ተዛረቡ። ንኻልኦት መምህራን እውን ነዛ ቪድዮ ኺጥቀሙላ ኣማኺረዮም እየ፣ ኣብ ክፍሎም ኪጥቀሙላ ዚኽእሉ ጽብቕቲ መሳርሒት ብምርካቦም ድማ ተሓጒሶም እዮም።”

እታ ንደንዳኒ ብዘይ ጕስጢ መክቶ ዘርእስታ ቪድዮ እውን ብዙሓት ተምሃሮ ደቡብ ኮርያ ሓጋዚት ኰይና ረኺቦምዋ እዮም። ሓንቲ ምስ ጁቨናይል ቫዮለንስ ፕረቨንሽን ፋውንዴሽን ዚብሃል ትካል እትሰርሕ ወሃቢት ኣስተምህሮ እውን ነዛ ቪድዮ ንተምሃሮ ኣርእያቶም እያ። ከምዚ ድማ ትብል፦ “እዛ ቪድዮ፡ ማራኺ ስእልታት ዝሓዘት ስለ ዝዀነት፡ ኣቓልቦ ብዙሓት መንእሰያት ስሒባ እያ። ኣብ ርእሲኡ ድማ ንዓመጻ ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ ጥራይ ዘይኰነስ ካብኡ ብኸመይ ከም እትርሕቕ ስለ እትገልጽ ግብራዊት እያ።” እቲ ትካል፡ ኣብቲ ኣብ መብዛሕትአን መባእታን ማእከላይን ኣብያተ ትምህርቲ ዚህቦ ኣስተምህሮ እውን ነዛ ቪድዮ ኺጥቀመላ ፍቓድ ሓቲቱን ተፈቒዱሉን እዩ። ኣባላት ፖሊስ እውን ከይተረፉ ነዘን ኣብ jw.org ዚርከባ ቪድዮታት ይጥቀሙለን ኣለዉ።

ቅድሚ ሕጂ ነዚ ወብ ሳይት ዘይረኣኻዮ እንተ ዄንካ፡ ንምንታይ ዘይትርእዮ፧ ነቲ ወብ ሳይት ብቐሊሉ ኽትጥቀመሉን ካብኡ ኣውድዮን ቪድዮን መጽሓፍ ቅዱስን ሓያሎ ኻልእ ጽሑፋትን ብናጻ ኸተራግፍን ትኽእል ኢኻ።