ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንሓጐስ ስድራ ቤት ኣበርክቶ ዚገብር ጥበብ

ንሓጐስ ስድራ ቤት ኣበርክቶ ዚገብር ጥበብ

መውስቦን ውሉዳት ምውላድን ብሉጽ ውህበት ፈጣሪና እዩ። ኣምላኽ ዜሐጕስ ናብራ ስድራ ቤት ኪህልወና ይደሊ እዩ። ስለዚ፡ ብሓደ ጥንታዊ ቕዱስ መጽሓፍ ኣቢሉ ናብራ ስድራ ቤትና ዝሓሸን ዜሐጕስን ምእንቲ ኪኸውን ዚሕግዘና መምርሒ ሂብና እዩ። ኣብዚ መዳይ ዚጠቕመና ጥበባዊ ምኽሪ እስከ ንርአ።

ኣቱም ሰብኡት፡ ንኣንስትኹም ኣፍቅርወን

“ሰብኡት እውን ከምኡ፡ ንኣንስቶም ከም ሰብነቶም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግብኦም እዩ። እቲ ንሰበይቱ ዜፍቅር፡ ንርእሱ የፍቅር፣ ከመይሲ፡ ሰብ ንሰብነቱ ይምግቦን ይሕብሕቦን እምበር፡ ዚጸልኦስ ሓደ እኳ የልቦን።”—ኤፌሶን 5:28, 29

ሰብኣይ፡ ርእሲ ስድራ ቤት እዩ። (ኤፌሶን 5:23) ንፉዕ ሰብኣይ፡ ጨቋኒ ወይ ተሪር ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንሰበይቱ የኽብራን ብስጋውን ብስምዒታውን መዳይ ይከናኸናን እዩ። እቲ ንሱ ዚደልዮ ጥራይ ኪገብር ስለ ዘይደሊ፡ ወትሩ ኼሐጕሳ ይጽዕር እዩ። (ፊልጲ 2:4) ሓሳባቱ ብግልጺ ይነግራን ክትዛረብ ከላ ጽን ኢሉ ይሰምዓን እዩ። ብዘይካዚ፡ ‘ኣይንድረላን፡’ ኣካላዊ ዀነ ስምዒታዊ ጕድኣት ኣየውርደላን እዩ።—ቈሎሴ 3:19

ኣትን ኣንስቲ፡ ንሰብኡትክን ኣኽብራኦም

“ሰበይቲ እውን ንሰብኣያ ብዙሕ ተኽብሮ።”—ኤፌሶን 5:33

ሰበይቲ ንሰብኣያ ምስ እተኽብሮን ንውሳነታቱ ምስ እትድግፍን፡ ኣብ ስድራ ቤታ ሰላም ተስፍን እያ። እንተ ተጋግዩ ኣይተነኣእሶን እያ፣ የግዳስ፡ ብህድኣትን ብኣኽብሮትን እያ እትሕዞ። (1 ጴጥሮስ 3:4) ብዛዕባ ሓደ ጸገም ክትነግሮ ምስ እትደሊ ድማ፡ ምሹእ ግዜ መሪጻ ብኣኽብሮት ትዛረቦ እያ።—መክብብ 3:7

ንመጻምድትኻ እሙን ኩን

“ሰብኣይ . . . ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ፡ ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ።”—ዘፍጥረት 2:24

ሰብኣይን ሰበይትን ምስ ተመርዓዉ ስድራ ቤት ይምስርቱ እዮም። ስለዚ፡ ሰብ ሓዳር ኢሂን ምሂን ብምብህሃልን ብምልውዋህን ሓዳሮም ንምድልዳል ኪጽዕሩ ኣለዎም። ንሓድሕዶም እሙናት ኪዀኑ ኣለዎም፣ ፡ ካብ ሓዳሮም ወጻኢ ኸኣ ጾታዊ ርክብ ኪፍጽሙ የብሎምን። ከመይሲ፡ ጥልመት ከቢድ ስምዒታዊ ስቓይ የስዕብ እዩ። ብዘይካዚ፡ ንሓድሕዶም ከም ዘይተኣማመኑ ይገብር፡ ነቲ ሓዳር ድማ ኪብትኖ ይኽእል እዩ።—እብራውያን 13:4

ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም ኣሰልጥንዎም

“ንቘልዓ በታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣሰልጥኖ፣ ምስ ኣረገ እኳ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ።”—ምሳሌ 22:6

ኣምላኽ ንወለዲ ንደቆም ኬሰልጥኑ ሓላፍነት ሂብዎም እዩ። ስለዚ፡ ወለዲ ንደቆም ስነ ስርዓት ኪምህርዎምን ጽቡቕ ኣብነት ኪዀንዎምን ኣለዎም። (ዘዳግም 6:6, 7) ሓደ ቈልዓ፡ ስነ ስርዓት እንተ ጐዲልዎ፡ ጥበበኛ ወላዲ ቐልጢፉ ኣይቍጣዕን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ “ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ፡ ንቝጥዓ ደንጓዪ” እዩ። (ያእቆብ 1:19) እቲ ወላዲ፡ ውሉዱ ኪቕጻዕ ኣለዎ ኢሉ እንተ ሓሲቡ፡ ነዚ ብቝጥዓ ዘይኰነስ ብፍቕሪ ኺገብሮ ኣለዎ።

ኣቱም ውሉዳት፡ ንወለድኹም ተኣዘዝዎም

‘ኣቱም ውሉዳት፡ ንወለድኹም ተኣዘዝዎም፣ “ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር።”’—ኤፌሶን 6:1, 2

ውሉዳት ንወለዶም ኪእዘዝዎምን ብዙሕ ኬኽብርዎምን ኣለዎም። ውሉዳት ንወለዶም ምስ ዚእዘዙ፡ እታ ስድራ ቤት ሓጐስን ሰላምን ስኒትን ዝመልኣ ትኸውን። ውሉዳት ምስ ዓበዩ ንወለዶም ብምክንኻን ከም ዜኽብርዎም የርእዩ እዮም፣ እዚ ድማ ንቤት ወለዶም ምጽጋን ወይ ገንዘባዊ ሓገዝ ምግባር የጠቓልል።—1 ጢሞቴዎስ 5:3, 4