ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | ኣብ ስድራ ቤትካ ሰላም ምግባር

ኣብ ቤትካ ብኸመይ ሰላም ተስፍን፧

ኣብ ቤትካ ብኸመይ ሰላም ተስፍን፧

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ስድራ ቤትካ ሰላም ከተስፍን ኪሕግዘካ ዚኽእልዶ ይመስለካ፧ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ምስቲ እዘን ዚስዕባ ቓለ መጠይቕ እተገብረለን ሰባት ሓጋዚ ዀይኑ ዝረኸባኦ እስከ ኣነጻጽሮ። ካብዚ እተጠቕሰ ሓሳባት፡ ባእሲ ኸተወግድን ሰላም ክትዕቅብን ነቲ ምስ ስድራ ቤትካ ዘሎካ ርክብ ከተደልድልን ኪሕግዘካ ዚኽእል ነጥብታት መርምር።

ሰላም ከተስፍን ዚሕግዝ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ

ብዛዕባ ብጻይካ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኣማዕብል።

“ንህልኽ ወይ ንኽትንየቱ ኢልኩም ሓንቲ እኳ ኣይትግበሩ፣ ብትሕትና ግና ንኻልኦት ካብ ርእስኹም ኣብሊጽኩም ርኣዩ። ንጥቕሚ ኻልኦት እውን እምበር፡ ንጥቕሚ ርእስኹም ጥራይ ኣይትጠምቱ።”ፊልጲ 2:3, 4

“ንመጻምድትኻ፡ ካባኻ ዀነ ኻብ ካልኦት ከም ዚበልጽ ጌርካ ምርኣይ ጽቡቕ ኰይኑ ረኺብናዮ ኢና።”—ቸ. ፒ.፡ ኣብ ሓዳር 19 ዓመት ዝገበረት።

ብኽፉት ኣእምሮ ጽን ኢልካ ስማዕ።

“ተባኣስቲ ኸይኰኑ፡ ልዙባት ኪዀኑ፡ ልእመት ዘበለ ንዅሉ ሰብ ኬርእዩ እውን ኣዘኻኽሮም።”ቲቶስ 3:1, 2

“ንብጻይና ህልኽ ብዝመልኦ ቓላት ብዘይ ምዝራብ፡ ምስሕሓብ ከነወግድ ንኽእል ኢና። ኣቐዲምካ ኸይፈረድካ ኽትሰምዖን ኣብቲ ዘይትሰማማዓሉ ጕዳያት እውን እንተዀነ ኣረኣእያኡ ኸተኽብረሉን ኣገዳሲ እዩ።”—ፒ. ፒ.፡ ኣብ ሓዳር 20 ዓመት ዝገበረት።

ትዕግስትን ልእመትን ኣማዕብል።

“ፈራዲ ብትዕግስቲ ይቕልስ፡ ልዙብ መልሓስ ከኣ ኣዕጽምቲ ይሰብር።”ምሳሌ 25:15

“ምግርጫው ዘይተርፍ እኳ እንተዀነ፡ እቲ ውጽኢት ኣብቲ እነርእዮ መንፈስ እዩ ዚምርኰስ። ዕጉሳት ክንከውን የድልየና እዩ። ከምዚ ኽንገብር ከሎና፡ ሽግራት ብቐሊሉ ኺፍታሕ ይኽእል እዩ።”—ጂ. ኣ.፡ ኣብ ሓዳር 27 ዓመት ዝገበረት።

ንኻልኦት ብቓላትካ ኣይትጕዳእ፡ ኣካላዊ ማህሰይቲ እውን ኣይተውርድ።

“ሕጂ ግና እዚ ዅሉ፡ ማለት ነድሪ፡ ቍጥዓ፡ ክፍኣት፡ ጸርፊ፡ ጽዩፍ ዘረባ ኻብ ኣፍኩም ኣርሕቑ።”ቈሎሴ 3:8

“ንሰብኣየይ በቲ ዜርእዮ ርእሰ ግትኣት ኣዝየ እየ ዘድንቖ። ኵሉ ሳዕ ህዱእ እዩ፣ ጨዲሩለይ ኰነ ጸሪፉኒ ኣይፈልጥን እዩ።”—ቢ. ዲ.፡ ኣብ ሓዳር 20 ዓመት ዝገበረት።

ይቕረ ንምባልን ዘይምስምማዕ ንምፍታሕን ቅልጡፍ ኩን።

“ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተ ኣለዎ፡ ንሓድሕድኩም ተዓጋገሱን ብናጻ ይቕረ ተባሃሃሉን።”ቈሎሴ 3:13

“ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ኸለኻ፡ ህድኣትካ ኽትዕቅብ ቀሊል ኣይኰነን፣ ብቐሊሉ ድማ ንብጻይካ ዚጐድእ ነገር ክትዛረብ ወይ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ይቕረ በሃሊ ኽትከውን ጽቡቕ እዩ። ብዘይ ይቕረ ምብህሃል ጽቡቕ ሓዳር ክትምስርት ዘይከኣል እዩ።”—ኣ. ቢ.፡ ኣብ ሓዳር 34 ዓመት ዝገበረት።

ብዘይ ስስዐ ናይ ምሃብን ናይ ምምቓልን ልምዲ ይሃሉኻ።

“ሃቡ፡ ኪህቡኹም እውን እዮም። ብእትሰፍሩሉ መስፈሪ ኺስፈረልኩም እዩ።”ሉቃስ 6:38

“ብዓል ቤተይ ንዓይ ዜሐጕሰኒ ነገራት ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዚፈልጥ፡ ኵሉ ግዜ ዘይተጸበኽዎ ዜሐጕስ ነገራት ይገብረለይ እዩ። ኣነ ድማ ብወገነይ፡ ወትሩ ብኸመይ ከሐጕሶ ኸም ዝኽእል እየ ዝሓስብ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ ዜሐጕስ እዋናት ኣሕሊፍና ኢና፣ ገና እውን ነሕልፍ ኣሎና።”—ኤች. ከይ.፡ ኣብ ሓዳር 44 ዓመት ዝገበረት።

ኣብ ስድራ ቤትካ ሰላም ንምስፋን ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ ኣይትተሓለል።

እዘን ብንቕሑ! ቓለ መጠይቕ እተገብረለን ኣባላት ስድራ ቤት፡ ካብቶም መጽሓፍ ቅዱስ ሰላም ዝሰፈና ቤት ንኽትህልዎም ዚሕግዝ ባህርያት ኬማዕብሉ ዝሓገዞም ኣብ መላእ ዓለም ዚነብሩ ሚልዮናት ሰባት ሒደት ጥራይ እየን። * ገሊኦም ኣባላት ስድራ ቤቶም ምስ ዘይተሓባበርዎም እውን ከይተረፈ፡ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቶም ሰላም ዚመኽሩ ግና ደስታ አለዎም” ዚብሎ፡ ሰላም ኬስፍኑ ዚገብርዎ ጻዕሪ ጻማ ዘለዎ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም።—ምሳሌ 12:20

^ ሕ.ጽ. 24 ናብራ ስድራ ቤትካ ብኸመይ ሓጐስ ዝመልኦ ኽትገብሮ ኸም እትኽእል ዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 14 ርአ። ኣብ www.isa4310.com/ti እውን ትርከብ እያ። ብተወሳኺ ኣብቲ ብእንግሊዝኛ ዚርከብ ኣብ ትሕቲ BIBLE TEACHINGS > HELP FOR THE FAMILY ርአ።