ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ እዩ፧

ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ እዩ፧

ኣምላኽ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ብሰላምን ብሓጐስን ክንነብር ይደልየና።

‘እዚ ኸመይ ኢሉ ኪኸውን ይኽእል፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነዚ መንግስቲ ኣምላኽ ከም እትገብሮ ይሕብረና። ኵሎም ሰባት ብዛዕባ እታ መንግስቲ እቲኣን ብዛዕባ እቲ ንዓና ዘለዎ ዕላማን ኪምሃሩ ድማ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ።—መዝሙር 37:11, 29፣ ኢሳይያስ 9:7

ኣምላኽ ክንጥቀም ይደልየና።

ከምቲ ሕያዋይ ኣቦ፡ ደቁ ጽቡቕ ኪረኽቡ ዚደሊ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦና እውን ዘለኣለማዊ ሓጐስ ክንረክብ እዩ ዚደሊ። (ኢሳይያስ 48:17, 18) “እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር . . . ንዘለኣለም ይነብር” ኢሉ ድማ ቃል ኣትዩልና ኣሎ።—1 ዮሃንስ 2:17

ኣምላኽ ብመገድታቱ ኽንመላለስ ይደልየና።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ብመገድታት ፈጣሪና ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ንሱ ጐደናታቱ ኺምህረና’ ኸም ዚደሊ ይነግረና። (ኢሳይያስ 2:2, 3) ፍቓዱ ኣብ ብዘላ ምድሪ ምእንቲ ኼፍልጥ፡ “ንስሙ ህዝቢ” ወዲቡ ኣሎ።—ግብሪ ሃዋርያት 15:14

ኣምላኽ ብሓድነት ከነምልኾ ይደልየና።

ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ ንሰባት ዚኸፋፍል ዘይኰነስ፡ ብናይ ሓቂ ፍቕሪ ሓደ ዚገብር እዩ። (ዮሃንስ 13:35) ሎሚ፡ ኣብ ኵሉ ንዚርከቡ ሰብኡትን ኣንስትን፡ ንኣምላኽ ብኸመይ ብሓድነት ከም ዜገልግልዎ ዚምህሩ ዘለዉ መን እዮም፧ በዛ ብሮሹር እዚኣ ኣቢልካ፡ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኽትረክብ ንዕድመካ።