ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ ይቕረ ይብለለይ ድዩ፧

ኣምላኽ ይቕረ ይብለለይ ድዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 እወ፡ ቅኑዕ ስጕምትታት ምስ እትወስድ፡ ኣምላኽ ንሓጢኣትካ ይቕረ ይብለልካ እዩ። ኣምላኽ “ንይቕረታ ድልዊ” ምዃኑ፡ ከምኡ እውን “ብዙሕ ይቕረ [ኸም ዚብል]” መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ነህምያ 9:17፣ መዝሙር 86:5፣ ኢሳይያስ 55:7) ይቕረ ኽብል ከሎ ምሉእ ብምሉእ እዩ ይቕረ ዚብል። ንሓጢኣትና ‘ይድምስሶ’ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 3:19) “ሓጢኣቶም እውን ደጊም ኣይክዝክርን እየ” ስለ ዝበለ፡ ይቕረ ኺብል ከሎ ንሓዋሩ እዩ ይቕረ ዚብል። (ኤርምያስ 31:34) ሓንሳእ ይቕረ እንተ ኢሉልና፡ ንኪኸስሰና ወይ ንኪቐጽዓና ኢሉ ንሓጢኣትና ኸም ብሓድሽ ኣየልዕሎን እዩ።

 እንተዀነ ግና፡ ይቕረታ ኣምላኽ፡ ኣብ ድኽመት ወይ ስምዒት እተመርኰሰ ኣይኰነን። ነቲ ስርዓታት ጽድቁ ዕሽሽ ኣይብሎን እዩ። ስለዚ ድማ ይቕረ ዘይብሃሎ ሓጢኣት ኣሎ።—እያሱ 24:19, 20

ካብ ኣምላኽ ይቕረታ ንምርካብ ዚውሰድ ስጕምትታት

  1.   ሓጢኣትካ ስርዓታት ኣምላኽ ዝጠሓሰ ምዃኑ ተኣመን። ብሓጢኣትካ ኻልኦት ተጐዲኦም እኳ እንተ ዀኑ፡ ልዕሊ ዅሉ ግና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ዝሓጣእካ ኽትፈልጥ ይግባእ።—መዝሙር 51:1, 4፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:16

  2.   ብጸሎት ንኣምላኽ ተናዘዘሉ።—መዝሙር 32:5፣ 1 ዮሃንስ 1:9

  3.   ብዝገበርካዮ ሓጢኣት ዓሚቝ ጓሂ ይሰማዕካ። እዚ “ጓሂ ኸም ፍቓድ ኣምላኽ” ከኣ ናብ ንስሓ ይመርሕ። (2 ቈረንቶስ 7:10) እዚ ድማ በቲ ናብ ሓጢኣት ዝመርሓካ ግጉይ ስጕምትታት ምጥዓስ እውን ዜጠቓልል እዩ።—ማቴዎስ 5:27, 28

  4.   መገድኻ ቐይር፡ ወይ ‘ተመለስ።’ (ግብሪ ሃዋርያት 3:19) እዚ ነቲ ሕማቕ ተግባር ወይ ሕማቕ ልምዲ ዘይምድጋሙ፡ ወይ እውን ኣተሓሳስባኻን ተግባርካን ምቕያር ማለት ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ኤፌሶን 4:23, 24

  5.   ጌጋኻ ንምእራም ወይ ንዘውረድካዮ ጕድኣት ንምኽሓስ ስጕምቲ ውሰድ። (ማቴዎስ 5:23, 242 ቈረንቶስ 7:11) ብሰንኪ በደልካ ወይ ክትገብሮ ዚግብኣካ ብዘይምግባርካ ንእተጐድኡ ዘበሉ ይቕረታ ሕተት፡ ብእተኻእለካ መጠን ከኣ ክሓሶም።—ሉቃስ 19:7-10

  6.   ብመሰረት እቲ የሱስ ዝኸፈሎ በጃ ኻብ ኣምላኽ ይቕረታ ሕተት። (ኤፌሶን 1:7) ጸሎትካ ምእንቲ ኺምለሰልካ፡ ንስኻ እውን ንዝበደሉኻ ይቕረ በለሎም።—ማቴዎስ 6:14, 15

  7.   ሓጢኣትካ ኸቢድ ምስ ዚኸውን፡ ነቶም መንፈሳዊ ሓገዝ ኪህቡኻን ኪጽልዩልካን ብቕዓት ዘለዎም ኣዛራርቦም።—ያእቆብ 5:14-16

ካብ ኣምላኽ ይቕረታ ብዛዕባ ምርካብ ዘሎ ግጉይ ርድኢት

 “ብዙሕ ሓጢኣት ብምግባረይ፡ ይቕረታ ኣይግበረለይን እዩ።”

ኣምላኽ ነቲ ዳዊት ዝፈጸሞ ዝሙትን ቅትለትን ይቕረ በለሉ

 ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ ስጕምትታት ክሳዕ ዝወሰድና፡ እቲ ኣምላኽ ይቕረ ኺብለልና ዘለዎ ኽእለት ካብ ሓጢኣትና ስለ ዚዓቢ፡ ይቕረ ኺብለልና እዩ። ንኸቢድ ሓጢኣት ኰነ ብተደጋጋሚ ንእተፈጸመ ሓጢኣት ይቕረ ኺብል ይኽእል እዩ።—ምሳሌ 24:16ኢሳይያስ 1:18

 ንኣብነት፡ ዳዊት ንጉስ እስራኤል ዝሙትን ቅትለትን ምስ ፈጸመ፡ ሓጢኣቱ ተሓዲጉሉ እዩ። (2 ሳሙኤል 12:7-13) እቲ ዝኸፍአ ሓጢኣተኛ ኸም ዝዀነ ዚስምዖ ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ እውን፡ ይቕረ ተባሂሉሉ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:15, 16) ኣምላኽ ነቶም ብቕትለት የሱስ ክርስቶስ ተሓተትቲ ዝዀኑ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድ እውን እንተ ዀነ፡ ኣካይዳኦም ምስ ዚቕይሩ፡ ይቕረ ኺብለሎም ኣጋጣሚ ኸፊቱሎም ነይሩ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 3:15, 19

 “ናብ ሓደ ቀሺ ወይ ኣገልጋሊ ኸይደ እንተ ተናዚዘ፡ ካብ ሓጢኣተይ ናጻ እኸውን እየ።”

 ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ይቕረ ናይ ምባል ስልጣን ዘለዎ ዋላ ሓደ ሰብ የሎን። ኣብ ቅድሚ ኻልእ ሰብ ኬድካ ምንሳሕ፡ ንሓደ ሓጥእ መገዱ ኼዐሪ ኺሕግዝ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ይቕረ ኺብል ዚኽእል ግና ኣምላኽ ጥራይ እዩ።—ኤፌሶን 4:32፣ 1 ዮሃንስ 1:7, 9

 እቲ የሱስ ንሃዋርያቱ፡ “ሓጢኣቶም ንዝሓደግኩምሎም፡ ተሓዲጉሎም፣ ንዝሓዝኩምሎም ከኣ፡ ተታሒዙሎም እዩ” ዝበሎ ደኣ እሞ እንታይ ማለት እዩ፧ (ዮሃንስ 20:23) ብዛዕባ እቲ ንሃዋርያት መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐበሉ ዚህቦም ፍሉይ ስልጣን እዩ ዚሕብር ነይሩ።—ዮሃንስ 20:22

 ብ33 ድ.ክ. መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሃዋርያት ምስ ፈሰሰ፡ ልክዕ ከምቲ ዝበሎም እዚ ስልጣን እዚ ተዋሂብዎም እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:1-4) ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ዝነበሩ ሃናንያን ሰጲራን ኪፈርዶም ከሎ፡ ነዚ ስልጣን እዚ ተጠቒሙሉ እዩ። ነቲ ምትላል ዝገበርዎ ውጥን ብተኣምር ፈሊጡ እዩ፣ እቲ ዝሃቦም ፍርዲ ድማ ሓጢኣቶም ይቕረ ኸም ዘይብሃለሎም ዜርኢ እዩ ነይሩ።—ግብሪ ሃዋርያት 5:1-11

 ከምቲ ምፍዋስን ብቛንቋታት ምዝራብን ዝኣመሰለ ውህበታት ዝተረፈ፡ እዚ ተኣምራዊ ውህበት መንፈስ ቅዱስ እዚ እውን ድሕሪ ሞት እቶም ሃዋርያት ተሪፉ እዩ። (1 ቈረንቶስ 13:8-10) ስለዚ ኸኣ ሎሚ፡ ሓጢኣት ካልኦት ኪሓድግ ዚኽእል ዋላ ሓደ ሰብ የሎን።