ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንቕሑ!

ፖለቲካ ኸፋፋሊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ፖለቲካ ኸፋፋሊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

 ፖለቲካዊ ኽፍፍላት ኣብ ብዘላ ዓለም ጸገማት ይፈጥር ኣሎ። ብመሰረት እቲ ማእከል ምርምር ፒዩ ኣብ 2022 ዝገበሮ መጽናዕቲ፡ “ኣብተን መጽናዕቲ እተገብረለን 19 ሃገራት ዚነብሩ 65% በጽሕታት፡ ኣብ መንጎ እቶም ንእተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዚድግፉ ደቂ ዓዶም ሓያል ወይ ኣመና ሓያል ዘይምቅዳው ኣሎ” ኢሎም ይኣምኑ እዮም።

 ኣብ እትነብረሉ ዓዲ ዘሎ ፖለቲካዊ ኽፍፍል እናሰፍሐ ይኸይድ ከም ዘሎስ ኣስተብሂልካዶ፧ ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ዀይኑ፧ እዚኸ ፍታሕ ኣለዎዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል እስከ ንርአ።

ከፋፋሊ ጠባያት

 ኣብዚ “ዳሕሮት መዓልትታት” ዚብሃል እንነብረሉ ዘለና እዋን፡ ብዙሓት ሰባት ንሓድነት ዜሸግር ጠባያት ከም ዚህልዎም መጽሓፍ ቅዱስ ተነብዩ ነይሩ እዩ።

  •   “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ጽንኩር ግዜ ኸም ዚመጽእ ግና፡ እዚ ፍለጥ። ሰባትሲ ፈተውቲ ርእሶም፡ . . . ንስምምዕ ፍቓደኛታት ዘይኰኑ [ኪዀኑ እዮም]።”—2 ጢሞቴዎስ 3:1-3

 ብዙሓት ሰባት ዚከኣሎም እኳ እንተ ጸዓሩ፡ መንግስትታት ግና ብስርዓት ምዕያይ የሸግሮም ኣሎ። ንሓድሕዱ ዚጻረር ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት ንጸገማቶም ብሓባር ኰይኖም ምፍታሕ ይኸብዶም ኣሎ። እዚ ድማ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነዊሕ ይገብር ዝበሎ እዩ ዜረጋግጸልና።

  •   “ሰብ ንሰብ ንጕድኣቱ ዚገዝኣሉ ግዜ [ኣሎ]።”—መክብብ 8:9

 ይኹን እምበር፡ ናይዚ ፍታሕ እንታይ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብረና እዩ። ነዚ ኣብ ማሕበረ ሰብ ዘሎ ጸገማት ኪፈትሕ ብዚኽእል ገዛኢ እትምራሕ መንግስቲ እያ ፍታሕ እተምጽእ።

ብቑዕን ሓላይን መራሒ

 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ፍሉይ ብቕዓት ዘለዎ መራሒ ተጠቒሱ ኣሎ፣ ንሱ ድማ የሱስ ክርስቶስ እዩ። የሱስ ንዅሎም ደቂ ሰብ ሓድነትን ሰላምን ንምምጻእ ዜኽእል ሓይልን ስልጣንን ድሌትን ኣለዎ።

  •   “ብዘመኑ፡ ጻድቕ ኪዕምብብ፡ . . . ሰላም [እውን] ኪበዝሕ እዩ።”—መዝሙር 72:7

  •   “ኵሎም ኣህዛብ . . . ኬገልግልዎ እዮም።”—መዝሙር 72:11

 የሱስ ምናዳ ንግፉዓት ስለ ዚሓልየሎም፡ ኪሕግዞም እውን ስለ ዚደሊ፡ ብሉጽ መራሒ እዩ።

  •   “ንሱስ ንዜእዊ ድኻን ረዳኢ ንዘይብሉ ትሑትን ኬናግፍ እዩ። ንትሑትን ንድኻን ኪድንግጸሎም፡ ህይወት ድኻታት ድማ ኬድሕን እዩ። ካብ ጭቈናን ካብ ዓመጻን ኬናግፎም . . . እዩ።”—መዝሙር 72:12-14

 ብዛዕባ እታ የሱስ ዝመራሒኣ ሰማያዊት መንግስቲ ዝዀነት መንግስቲ ኣምላኽ ብዝያዳ ፍለጥ። ካብ ግዝኣቱ ብኸመይ ክትጥቀም ከም እትኽእልን ንግዝኣቱ ብኸመይ ከም እትድግፎን ፍለጥ።