ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

Left: Yasser Qudaih/Anadolu via Getty Images; right: RONALDO SCHEMIDT/AFP via Getty Images

ንቕሑ!

ግጭት መዓስ እዩ ደው ዜብል፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ግጭት መዓስ እዩ ደው ዜብል፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

 “ሕጂ እዋን ምዝላቕ እዩ። ሕጂ ዝያዳ ርእሰ ግትኣት ዜድልየሉ እዋን እዩ፣” ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝዀነ ኣንቶኒዮ ጉተረስ፡ ብዛዕባ እቲ ብ13 ሚያዝያ 2024፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈነወቶ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ እተዛረቦ።

 ውግእ ማእከላዊ ምብራቕ፡ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዘሎ ውግእ እቲ ሓደ እዩ።

 “ካብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ንነጀው ኣብ ዓለምና ዝለዓለ ቝጽሪ ግጭት የጋጥም ኣሎ፣ ዳርጋ 2 ቢልዮን ሰባት፡ ማለት ርብዒ ህዝቢ ዓለም በዚ ተጸልዮም እዮም።”—ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ 26 ጥሪ 2023።

 ግጭት ዘለወን ሃገራት፦ እስራኤል፡ ቃዛ፡ ሶርያ፡ ኣዘርባጃን፡ ዩክረይን፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ኒዠር፡ ምያንማር፡ ሀይቲ። a

 ግጭት መዓስ እዩ ደው ዚብል፧ መራሕቲ ዓለም፡ ሰላም ኬምጽኡ ይኽእሉዶ ይዀኑ፧ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣብ ውግእ ዘላ ዓለም

 እዚ ሎሚ ዘሎ ዓለምለኻዊ ግጭት፡ ምልክት እቲ ዅሉ ውግእ ኣብ ቀረባ እዋን ከም ዜኽትም ዚሕብር እዩ። እዚ ውግኣት እዚ፡ ፍጻመ እቲ ኣብ ግዜና ኸም ዚኸውን እተነግረ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ግዜ እዚ፡ “መደምደምታ እቲ ስርዓት” ኢሉ ይጽውዖ።—ማቴዎስ 24:3

  •   “ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም፣ . . . . ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ መንግስቲ ድማ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኺልዓል እዩ።”—ማቴዎስ 24:6, 7

 እዚ ሎሚ ዘሎ ውግኣት ፍጻመ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝዀነ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ “ምልክት ‘ዳሕሮት መዓልትታት’ እንታይ እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።

ንዅሉ ውግኣት መወዳእታ ዚገብረሉ ውግእ

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ግጭት ደቂ ሰባት ዜብቅዓሉ ግዜ ተነብዩ እዩ። እዚ ብኸመይ እዩ ዚፍጸም፧ ብጻዕሪ ደቂ ሰባት ዘይኰነስ፡ ብኣርማጌዶን፡ ማለት ‘ብውግእ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ’ ኣቢሉ እዩ ዚኸውን። (ራእይ 16:14, 16) እዚ ውግእ እዚ፡ ነቲ ኣምላኽ ደቂ ሰባት ንሓዋሩ ሰላም ከም ዚረኽቡ ዘተስፈዋ ተስፋ ንምፍጻም ድማ መገዲ ኪኸፍት እዩ።—መዝሙር 37:10, 11, 29

 ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንዅሉ ውግኣት መወዳእታ ዚገብረሉ ውግእ ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ “ውግእ ኣርማጌዶን እንታይ እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።

a ACLED Conflict Index, “ደረጃ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ግጭታት፡” ጥሪ 2024