ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 130

ይቕረ በሃልቲ ንኹን

ይቕረ በሃልቲ ንኹን

(መዝሙር 86:5)

  1. 1. የሆዋ ብወዱ፡

    መሰናድዎ ገይሩ፣

    ሓጥያትና ኺሕደገልና፡

    ሞት ኬወግድ ብፍቕሩ።

    ብሓቂ ’ተ ተነሲሕና፡

    ይቕረታ ’ተ ለሚንና፡

    ሳላ መስዋእቲ ክርስቶስ፡

    ኣብዚሑ ይምሕረና።

  2. 2. ምሕረት’ውን ንረክብ፡

    ንኣምላኽ ’ተ መሲልና፣

    ብናጻ ይቕረ ’ተ ኢልና፡

    ርሕሩሓት እንተ ዄንና።

    ጐዳኢ ነገር ኣርሒቕና፡

    እንተ ተዓጋጊስና፡

    ሓውና እንተ ኣኽቢርና፡

    ፍቕሪ ትህልወና።

  3. 3. ኣድላዪት’ያ ምሕረት፡

    ክንኵስኵሳ ኣሎና፣

    ቂም ካብ ምሓዝ ትሰትረና፡

    ካብ ጽልኢ ተርሕቐና።

    ንኣምላኽ ’ተ መሲልናዮ፡

    ነቲ ዓብዪ ብፍቕሪ፡

    ይቕረ በሃልቲ ንኸውን፡

    ንወርሳ’ውን ንምድሪ።