ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 129

ክንጻወር ኢና

ክንጻወር ኢና

(ማቴዎስ 24:13)

  1. 1. የሱስ ሓዲጉ

    ኣብነት ተጻዋርነት፣

    ዚሓይሽ ርእዩ፡

    ፈተና ጾይሩ ብጽንዓት፡

    ናብ ፍትሒ የሆዋ፡

    ወሲኑ ኺጥምት።

    (ኣዝማች)

    ጠሪስና ኣይንሓድጋን፡

    እምነትና ኽትስበር፣

    ሸቶና ትምኒትና’ዩ፡

    ክሳዕ መወዳእታ ኽንጻወር።

  2. 2. ኣብዚ ግዜ’ኳ

    ’ተ ’ሎና ስቓይ ምስ ሓዘን፡

    ስግር ’ቲ ንብዓት

    ኪመጽእ’ዩ ሰናይ ዘመን።

    ክንርእዮ፡ ክንነብሮ፡

    ንሓልን፡ ንወስን።

    (ኣዝማች)

    ጠሪስና ኣይንሓድጋን፡

    እምነትና ኽትስበር፣

    ሸቶና ትምኒትና’ዩ፡

    ክሳዕ መወዳእታ ኽንጻወር።

  3. 3. ኣይንሕለልን፡

    ከቶ ኣይንጠራጠርን፡

    ክንጸንዕ ኢና፡

    ክንፈሪ ትዕግስትን ዓቕልን።

    ንጻወር፡ ንጸመም፡

    ክሳዕ ምዱብ እዋን።

    (ኣዝማች)

    ጠሪስና ኣይንሓድጋን፡

    እምነትና ኽትስበር፣

    ሸቶና ትምኒትና’ዩ፡

    ክሳዕ መወዳእታ ኽንጻወር።