ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ድሕሪ ሓጺር እዋን እትህሉ ገነታዊት ምድሪ!

ድሕሪ ሓጺር እዋን እትህሉ ገነታዊት ምድሪ!

ድሕሪ ሓጺር እዋን እትህሉ ገነታዊት ምድሪ!

“ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና: ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን።” —ማቴዎስ 6:9, 10

እዛ ኣቡነ ዘበሰማያት እትበሃል ፍልጥቲ ጸሎት: ንደቂ ሰብ ተስፋ ሒዛ ኣላ። ብኸመይ፧

እዛ ኣቡነ ዘበሰማያት እትበሃል ጸሎት ከም እትገልጾ: መንግስቲ ኣምላኽ ከምቲ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ዝዀነ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ኸም ዚኸውን ክትገብር እያ። ፍቓድ ኣምላኽ ከኣ ንምድሪ ገነት ከም እትኸውን ምግባር እዩ። (ራእይ 21:1-5) መንግስቲ ኣምላኽ ግን እንታይ እያ፧ ንምድሪ ገነት ከም እትኸውን እትገብራኸ ብኸመይ እያ፧

ናይ ሓቂ መንግስቲ

መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ሓቂ መንግስቲ እያ። ዝዀነ ይኹን መንግስቲ ንኪቐውም ገዛእቲ: ሕጊ: ከምኡውን ተገዛእቲ የድልይዎ። እሞኸ መንግስቲ ኣምላኽ ነዚ ብቕዓት እዚ ተማልእ ድያ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ቐጺሉ ዘሎ ሰለስተ ሕቶታት ዚህቦ መልሲ እስከ ንርአ:-

ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ዚገዝኡ መን እዮም፧ (ኢሳይያስ 33:22) የሆዋ ኣምላኽ ነታ መንግስቲ ንኺመርሓ ንወዱ የሱስ ክርስቶስ ሸይምዎ እዩ። (ማቴዎስ 28:18) የሱስ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት የሆዋ ዀይኑ “ኻብ ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብን ኣህዛብን” እተወሰነ ቝጽሪ ዘለዎም ሰባት ‘ኣብ ምድሪ ነገስታት’ ኰይኖም ምስኡ ኺገዝኡ ሓርዩ እዩ።—ራእይ 5:9, 10

መንግስቲ ኣምላኽ: ተገዛእታ ንኺእዘዝዎ እንታይ ሕግታት ኣቚማ፧ ገለ ኻብቲ ሕግታት ወይ ትእዛዛት ሓድሓደ ነገራት ክትገብር ዚጠልብ እዩ። የሱስ ንኣገዳስነት እዚ ሕግታት እዚ ኺገልጽ ከሎ: “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ: እዚኣ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ። እታ እትመስላ ኻልአይታ ድማ፤ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ: እያ” በለ።—ማቴዎስ 22:37-39

ካልእ ሕግታት ድማ ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ እተወሰነ ተግባራት ኪርሕቑ ይጠልብ። ንኣብነት: መጽሓፍ ቅዱስ: “ኣይትስሓቱ፤ ኣመንዝራታት: ወይ መምለኽቲ ጣኦት: ዘመውቲ: ወይ ሕንቁቓት: ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ: ሰረቕቲ: ወይ ስሱዓት: ወይ ሰካራት: ወይ ተጻረፍቲ: ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም” ኢሉ ብንጹር ይገልጽ እዩ።—1 ቈረንቶስ 6:9, 10

ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ መን እዮም፧ የሱስ ንተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ኣባጊዕ ኣመሳሲልዎም ኣሎ። “ቃለይ ኪሰምዓ እየን። ሓደ መጓሰ ኪዀና እየን ጓሳኤንውን ሓደ” በለ። (ዮሃንስ 10:16) ሓደ ሰብ ተገዛኢ መንግስቲ ኣምላኽ ንኪኸውን: ነቲ ሕያዋይ ጓሳ ዝዀነ የሱስ ከም ዚስዕቦ ይዛረብ ጥራይ ዘይኰነስ: ንትእዛዙ እውን ይፍጽም እዩ። የሱስ: “ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣ እምበር: ጐይታይ: ጐይታይ: ዚብለኒ ዅሉ: መንግስተ ሰማያት ዚአቱ ኣይኰነን” በለ።—ማቴዎስ 7:21

ስለዚ: እቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ዚግዝኡ ሰባት: ልክዕ ከምቲ የሱስ ዝገበሮ ነቲ የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ ይጥቀምሉን የኽብርዎን እዮም። (ዮሃንስ 17:26) ነቲ የሱስ “እዚ ወንጌል መንግስቲ” ንኻልኦት ንኺሰብኩ ዝሃቦም ትእዛዝ ይእዘዙ እዮም። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20) ኣብ ንሓድሕዶም ከኣ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኣላቶም።—ዮሃንስ 13:35

“ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ” ምጥፋእ

እዋናዊ ዅነታት ዓለም ከም ዚሕብሮ: መንግስቲ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን ኣብ ምድሪ ኣገዳሲ ለውጥታት ከተምጽእ እያ። ነዚ ብኸመይ ንፈልጦ፧ ክልተ ሽሕ ዓመት ይገብር: የሱስ: “መንግስቲ ኣምላኽ ምቕራባ” ዚሕብር እተፈላለየ ምልክታት ገሊጹ ነበረ። (ሉቃስ 21:31) ከምቲ ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ ዝረኣናዮ: ናይቲ ምልክት መረጋገጺ ዝዀነ ተርእዮታት ኣብ መላእ ዓለም ብንጹር ይርአ ኣሎ።

ስዒቡኸ እንታይ ኬጋጥም እዩ፧ የሱስ ኪምልስ ከሎ: “ሽዑ መከራ ኪኸውን እዩ: ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ: ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ” በለ። (ማቴዎስ 24:21) እዚ ሰብ ዜምጽኦ ዕንወት ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ: ኣምላኽ ‘ነቶም መጥፋእቲ ምድሪውን ዜጥፍኣሉ’ እዋን እዩ። (ራእይ 11:18) ስስዐ ዝመልኦ ተግባራት ብምፍጻም ምድሪ ናብ ጥፍኣት ገጻ ኸም እተምርሕ ዝገበሩ እኩያት ሰባት: “ካብ ምድሪ ኺጸንቱ” እዮም። ንኣምላኽ በቲ ቕቡል ዝዀነ መገዲ ዜገልግሉ ኣበር ዘይብሎም ሰባት ግን: “ኣብኣ እዮም ዚተርፉ።”—ምሳሌ 2:21, 22

የሆዋ ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ተሪር ስጕምቲ ንኺወስድ ብቑዕ ምኽንያት ኣለዎ። ስለምንታይ፧ ነዚ ዚስዕብ ኣብነት እስከ ንርአ። ሓደ ንእስ ዝበለ ዚካረ ህንጻ ኸም እትውንን ጌርካ እሞ ሕሰብ። ገሊኦም ተኻረይቲ ጽቡቕ ጠባይ ዘለዎም: ሓለይቲ: ገዛ ኽራዮም ብእዋኑ ዚኸፍሉ: ነቲ ገዛ ብግቡእ ዚሕዝዎ እዮም። ካልኦት ተኻረይቲ ግን: ስርዓት ዘይብሎም: ንርእሰይ ይጥዓመኒ ዚብሉ: ብእዋኑ ገዛ ኽራይ ዘይከፍሉ: ነቲ ገዛ ድማ ዜበላሽዉ እዮም። ተደጋጋሚ መጠንቀቕታ እኳ እንተ ሃብካዮም: ሕማቕ ምግባሮም ግን ኣየቋረጹን። እሞ ደኣ እንታይ ምገበርካ፧ ወናኒ እቲ ህንጻ ኸም ምዃንካ መጠን: ነዞም ክፉኣት ተኻረይቲ ኸም እተባርሮም ፍሉጥ እዩ።

ብተመሳሳሊ: የሆዋ ኣምላኽ እውን ንምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ዝፈጠረ ስለ ዝዀነ: ኣብ ምድሪ መን ክነብር ከም ዘለዎ ንኺውስን መሰል ኣለዎ። (ራእይ 4:11) የሆዋ ነቶም ፍቓዱ ዘይገብሩን ንመሰል ካልኦት ዚጥሕሱን እኩያት ሰባት: ካብዛ ምድሪ ንምጥፋእ ዕላማ ኸም ዘለዎ ኣቐዲሙ ተዛሪቡ እዩ።—መዝሙር 37:9-11

ምድሪ ገነት ክትከውን እያ

ድሕሪ ሓጺር እዋን: መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት የሱስ ክርስቶስ ኰይና ንምድሪ ኸተመሓድራ እያ። የሱስ ነዚ ሓድሽ ጅማሮ እዚ: “ሓድሽ ልደት” ኢሉ ጸውዖ። (ማቴዎስ 19:28) እንታይ ዓይነት ኵነታት ኪህሉ እዩ፧ ነዚ ቐጺሉ ዘሎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መብጽዓታት ኣስተብህለሉ:-

መዝሙር 46:9:- “ንውግእ ክሳዕ ወሰን ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ።”

ኢሳይያስ 35:1:- “በረኻን ምድሪ ኣጻምእን ኪሕጐሱ: ምድረ በዳ ኸኣ እልል ኪብል: ከም ጽጌረዳ ድማ ኪዕምብብ እዩ።”

ኢሳይያስ 65:21-23:- “ሕሩያተይ ድማ ጻማ ግብሪ ኣእዳዎም ኪበልዑ እዮም እሞ . . . ንኸንቱ ኣይኪጽዕሩን: ብድንገት ዚሞቱ ደቂ ኣይኪውለዱን እዮም።”

ዮሃንስ 5:28, 29:- “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ [ድምጺ የሱስ] ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ።”

ራእይ 21:4:- “ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ . . . ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።”

ዜእምን ምኽንያት

ኣብ መብጽዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እምነት ኣሎካዶ፧ ብዙሓት ሰባት እምነት ከም ዘይህልዎም መጽሓፍ ቅዱስ ተነብዩ እዩ። “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከም ፍትወት ርእሶም ዚመላለሱን ዜላግጹ መላገጽትን ከም ዚመጹ . . . ንሳቶም ከኣ: ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ አሎ፧ ካብታ ኣቦታትና ዝደቀሱላ መዓልቲ: ካብ መጀመርታ ፍጥረት ሒዙ ዅሉ ኸምቲ ዝነበሮ እዩ ዘሎ: ኪብሉ እዮም” ይብል። (2 ጴጥሮስ 3:3, 4) ይኹን እምበር: ከምዚኦም ዝኣመሰሉ መላገጽቲ ብዙሕ ተጋግዮም እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ነገራት ንኽትኣምኖ ዜኽእል ኣርባዕተ ምኽንያት እስከ ንርአ:-

(1) ኣምላኽ ቅድሚ ሕጂ ንምድሪ ኣብ ዚምልከት ጕዳይ ጣልቃ ኣትዩ ነይሩ እዩ። ብግዜ ኖህ ዝነበረ ማይ ኣይሂ ሓደ ጕሉሕ ኣብነት እዩ።—2 ጴጥሮስ 3:5-7

(2) ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ሕጂ ዘሎ ዓለምለኻዊ ዅነታት ብልክዕ ተነብዩ ነይሩ እዩ።

(3) ኵሉ ነገራት ከምቲ “ኻብ መጀመርታ ፍጥረት ሒዙ” ዝነበሮ ኣይኰነን ዘሎ። ምድርና ቕድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ማሕበራውን ስነ-ምግባራውን ኣከባብያውን ውድቀት ኣጋጢምዋ እዩ።

(4) ኣብዚ ግዜ እዚ: “ወንጌል መንግስቲ” ኣብ ብዘላ ዓለም ይስበኽ ኣሎ: እዚ ድማ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ‘መወዳእታ ከም ዚመጽእ’ የመልክት።—ማቴዎስ 24:14

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ምስኦም ብምጽናዕ: ብዛዕባ እቲ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ዚርከብ ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝያዳ ንኽትመሃር ዕድመኦም የቕርቡልካ። (ዮሃንስ 17:3) እወ: ንደቂ ሰብ ዜደንቕ መጻኢ እዩ ዚጽበዮም ዘሎ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ዝሓሸ ግዜ ኺመጽእ እዩ! ኣብቲ እዋን እቲ ኽትህሉ ዲኻ፧

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

እቶም ሕጂ ዘሎ ዅነታት ከምቲ ዘለዎ ኪቕጽል እዩ ዚብሉ ሰባት ብዙሕ ተጋግዮም እዮም

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ኣብዚ እዋን እዚ ኽትህሉ ዲኻ፧