ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ገርሂ ሰብ ንዅሉ ቓል ይኣምን’

‘ገርሂ ሰብ ንዅሉ ቓል ይኣምን’

“ጋዜጣ ፈጺሙ ዘየንብብ ሰብ ዓሻ እዩ። ኣብ ጋዜጣ ስለ ዝረኸቦ ጥራይ ነቲ ዜንብቦ ዚኣምን ድማ፡ ዝገደደ ዓሻ እዩ።” —ኦገስት ቫን ሽሎዘር፡ ጀርመናዊ ተመራማሪ ታሪኽ (1735-1809)።

ካብቲ ቕድሚ 200 ዓመት ኣብ ጋዜጣ ዚጸሓፍ ዝነበረ ነገራት ኪእመን ዚከኣል ኵሉ ኻብ ዘይነበረ፡ መብዛሕትኡ እቲ ኣብዚ መበል 21 ዘመን ኣብ ኢንተርነት እነንብቦ ነገራት ዝያዳ ኺእመን ዚከኣል ኣይኰነን። ሎሚ ሳላ ዘመናዊ ተክኖሎጂ፡ ሓቅን ሓሶትን፡ ጠቓምን ዘይረብሕን፡ ጕድኣት ዘይብሉን ጐዳእን ዝዀነ ኣዝዩ ብዙሕ ሓበሬታ ንረክብ ኢና። ስለዚ፡ ብዛዕባ እቲ ትዅረት እንገብረሉ ነገራት ኣዚና መረጽቲ ኽንከውን ኣሎና። ብፍላይ ሓደስቲ ተጠቀምቲ ኢንተርነት፡ እቲ ዝረኣይዎ ሓበሬታ ወይ ዜና ዘይልሙድ ወይ መስተንክር እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ኢንተርነት ስለ ዝረኸብዎ ወይ ካብ ፈታዊኦም ብኢ-መይል ስለ እተላእከሎም ጥራይ ከም ሓቂ ገይሮም ኪኣምንዎ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ ኸኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ገርሂ ሰብ ንዅሉ ቓል ይአምን፡ ለባም ግና ንስጕምቱ ይጥንቀቐለን” ኢሉ የጠንቅቐና እዩ።—ምሳ. 14:15

እሞኸ ‘ለባማት’ ኴንና ነቲ ብኮምፕዩተር ኣቢሉ ዚመጽእ ሽጣራታትን ናይ ሓሶት ወረን መታለሊታትን ካልእ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ከነለልዮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ፈለማ፡ ‘እቲ ሓበሬታ ኻብ ወግዓውን ዜተኣማምንን ወብ ሳይት እተረኽበ ድዩ ወይስ ካብ ብሎግ ወይ ካብ ዘይፍለጥ ምንጪ እተረኽበ እዩ፧ ሽጣራታት ብዜቃልዕ ወብ ሳይታት ዚፍለጥ ድዩ፧’ * ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ። ድሕሪኡ እውን፡ ክትውስን ከለኻ፡ ‘ልቢ ዘይብልካ’ ኣይትኹን። (ምሳ. 7:7) ሓደ ዜና ዘይእመን ዚመስል እንተ ዀይኑ፡ ናይ ሓቂ ዘይእመን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ስም ካልኦት ዜጸልም ሓበሬታ እንተ ረኺብካ፡ ከምዚ ዓይነት ወረ ብምዝርጋሑ መን ኪጥቀም ከም ዚኽእልን እቲ ወረ ዝዘርግሐ ሕቡእ ዕላማ እንተ ኣልይዎን ሕሰብ።

ውሉፋት ኣመሓላለፍቲ

ገሊኦም፡—መብዛሕትኦም ኣትኵሮ ኺግበረሎም ዚደልዩ ሰባት—ዋላ ሓደ ኸይቀደሞም ወረ ኺዝርግሑ ስለ ዚህወኹ፡ ሓቅነቱ ኸየረጋገጹ ወይ ኪህልዎ ዚኽእል ሳዕቤን ከይገምገሙ ናብ ኵሎም እቶም ናይ ኢንተርነት ኣድራሻኦም ዘለዎም ሰባት ሓበሬታ ይልእኩ እዮም። (2 ሳሙ. 13:28-33) ‘ለባማት’ እንተ ዄንና ግና፡ ከምኡ ምግባር ኣብ ስም ካልእ ሰብ ወይ ውድብ ኪህልዎ ዚኽእል ጕድኣት ኣቐዲምና ንሓስብ ኢና።

ሓቅነት ሓደ ወረ ምጽራይ ጻዕሪ ዚሓትት እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ገሊኦም እቲ ተቐባሊ ባዕሉ ሓቅነት ኬጻሪ ንዕኡ ይሓድጉሉ እዮም። እቲ ተቐባሊ ግና ሓቅነቱ ኼጻሪ ኽንደይ ዚኣክል ግዜ እዩ ዚወስደሉ፧ ግዜ ኽቡር እዩ። (ኤፌ. 5:15, 16) “እንተ ኣጠራጢሩ፡ ክሰድዶ” ኢልካ ኻብ እትሓስብ፡ “እንተ ኣጠራጢሩ፡ ከወግዶ” ኢልካ ምሕሳብ ይሓይሽ።

‘ውሉፍ ኣመሓላላፊ ኢ-መይላት ድየ፧ ግጉይ ወይ ውጹእ ሓሶት ዝዀነ ሓበሬታ ስለ ዝለኣኽኩሎም ይቕረታ ዝሓተትኩዎም ሰባት ኣለዉዶ፧ ኢ-መይል ከይልእከሉ ዝነገረኒ ሰብ ኣሎዶ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ። ናይ ኢ-መይል ኣድራሻኦም ዘሎካ ሰባት ኢንተርነት ከም ዚጥቀሙን ብዘይሓገዝካ ዚደልይዎ ነገራት ካብ ኢንተርነት ኪረኽቡ ኸም ዚኽእሉን ኣይትረስዕ። ብዜስሕቕ ወረታት፡ ብቪድዮታት፡ ወይ ብስላይድ ከተዕለቕልቖም ኣየድልዮምን እዩ። ብድምጺ ወይ ብጽሑፍ መደረታት መጽሓፍ ቅዱስ ቀዲሕካ ምምሕልላፍ እውን ጥበባዊ ኣይኰነን። * ብዘይካዚ፡ ብምርምር ዝረኸብካዮ ሓሳባት፡ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚኸውን ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ወይ ንኣኼባታት ጉባኤ ዚኸውን መልስታት ምምሕልላፍ፡ ነፍሲ ወከፍ ናይ ብሕቱ ምድላው ብምግባር ከይጥቀም ዕንቅፋት ኪኸውን ይኽእል እዩ።

መስተንክር ዝዀነ . . . ኢ-መይል ናብ ካልኦት ክልእኽዶ፧

ኣብ ኢንተርነት ንውድብ የሆዋ ዚጸርፍ ወረ እንተ ረኺብካ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧ ብትብዓት ክትነጽጎ ኣሎካ። ገሊኦም፡ ካልኦት ኪፈልጥዎን ሓሳቦም ኪህብሉን ከም ዚግባእ ሓሲቦም ይዝርግሕዎ እኳ እንተ ዀኑ፡ ከምኡ ምግባሮም ግና ጐዳኢ ሓበሬታ ጥራይ እዩ ዚዝርግሕ። በቲ ኣብ ኢንተርነት እንርእዮ ነገር እንተ ተሻቒልና፡ የሆዋ ጥበብ ኺህበና ንጸሊ፡ ብዛዕባኡ ድማ ንብሱላት ኣሕዋት ነዘራርቦም። (ያእ. 1:5, 6፣ ይሁ. 22, 23) እቲ ግዳይ ናይ ሓሶት ክስታት ኰይኑ ዝነበረ የሱስ ንሰዓብቱ፡ ጸላእቲ ኸም ዚሰጕጉዎምን ‘ክፉእ ዘበለ ብሓሶት ከም ዚዛረቡሎምን’ ኣጠንቂቕዎም ነይሩ እዩ። (ማቴ. 5:11፣ 11:19፣ ዮሃ. 10:19-21) ነቶም “ቄናን ዚዛረቡ” ዀነ ነቶም ‘መገድታቶም ዚጠዋውዩ’ ምእንቲ ኸነለልዮም፡ “ጥበብ”ን “ምስትውዓል”ን የድልየና እዩ።—ምሳ. 2:10-16

መሰል ካልኦት ኣኽብር

ምንጪ ኻብ ዘይኰነ ኻልእ ሰብ ብዛዕባ እንቕበሎ መንፈሳዊ ወረ ወይ ተመክሮ እውን ጥንቁቓት ክንከውን ኣሎና። ሓደ ሓበሬታ ሓቂ እንተ ዀነ እውን፡ ግድን ኪዝርጋሕ ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። ሓድሓደ ግዜ፡ ናይ ሓቂ ጸብጻባት ናብ ካልኦት ምዝርጋሕ ቅኑዕን ፍቕራውን ከይከውን ይኽእል እዩ። (ማቴ. 7:12) ንኣብነት፡ ዋላ እውን እቲ ሓበሬታ ሓቂ እንተ ዀነ፡ ሕሜት ምዝርጋሕ ፍቕራውን ሃናጽን ኣይኰነን። (2 ተሰ. 3:11፣ 1 ጢሞ. 5:13) ገሊኡ ወረ ምስጢር ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ካልኦት ነቲ ሓበሬታ ኣብ ግቡእ ግዜን ብግቡእ መገድን ኬቃልዕዎ ንዘለዎም መሰል ድማ ነኽብሮ። ቅድሚ ግዜኡ ሓበሬታ ምዝርጋሕ ብዙሕ ጕድኣት ኪህልዎ ይኽእል እዩ።

ሎሚ፡ ሓቅን ሓሶትን፡ ጠቓምን ዘይረብሕን፡ ጕድኣት ዘይብሉን ጐዳእን ዝዀነ ወረ ብዜገርም ፍጥነት ኪዝርጋሕ ይከኣል እዩ። ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ዋላ እውን ናብ ሓደ ሰብ ኢ-መይል ወይ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ምስ ዚልእኽ፡ ፈሊጡ ይግበሮ ኣይግበሮ ብዘየገድስ፡ እቲ ሓበሬታ ብቕጽበት ኣብ መላእ ዓለም ኪዝርጋሕ ይኽእል እዩ። እምበኣር፡ ተሃዊኽናን ከይመመናን ሓበሬታ ኣይነመሓላልፍ። መስተንክር ወረ ምስ እነንብብ፡ ፍቕሪ ኻብ መጠን ንላዕሊ ተጠራጣሪት እኳ እንተ ዘይኰነት፡ ገርሂ ወይ ዓሻ እውን ከም ዘይኰነት ኣይንረስዕ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ፍቕሪ ነቲ ብዛዕባ ውድብ የሆዋ ዚዝርጋሕ ጐዳኢ ወረ ወይ ነቲ በቶም ባሮት እቲ “ኣቦ ሓሶት” ዝዀነ ሰይጣን ዲያብሎስ ብዛዕባ ኣሕዋትና ዚዝርጋሕ ሓሶት ትነጽጎ እያ። (ዮሃ. 8:44፣ 1 ቈረ. 13:7) ምምዝዛንን ምስትውዓልን፡ “ለባማት” ክንከውንን ነቲ በብመዓልቱ እንረኽቦ ብዙሕ ሓበሬታታት ብኸመይ ከም እንጥቀመሉ ኽንሓስብን ይሕግዘና እዩ። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፡ “እቶም ደናቝርቲ ዕሽነት ይርስተዩ፡ ለባማት ግና ፍልጠት ዘውዶም እዩ።”—ምሳ. 14:18

^ ሕ.ጽ. 4 ቅድሚ ሕጂ ተቓሊዑ ዝነበረ ገሊኡ ሽጣራታትን ናይ ሓሶት ወረን፡ ሓድሓደ ግዜ ናይ ሓቂ ምእንቲ ኺመስል ቍሩብ ለውጢ ተገይሩሉ መሊሱ ኺመጽእ ይኽእል እዩ።

^ ሕ.ጽ. 8 ነታ ኣብ ናይ ሚያዝያ 2010 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዝወጸት “ሳጹን ሕቶ” ርአ።