ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ ተስፋታት ‘ርእዮምዎ’

ነቲ ተስፋታት ‘ርእዮምዎ’

“ነቲ ተስፋታት እኳ እንተ ዘይረኸብዎ፡ ካብ ርሑቕ ርእዮም ግና ተቐበልዎ።” —እብ. 11:13

1. እቲ ብዛዕባ ዘይረኣናዮ ነገራት ኣብ ኣእምሮና ኽንስእል ዘሎና ኽእለት ብኸመይ ኪጠቕመና ይኽእል፧ (ኣብዛ ገጽ እዚኣ ዘላ ስእሊ ርአ።)

ብዛዕባ ዘይረኣናዮ ነገራት ኣብ ኣእምሮና ንኽንስእል ዘሎና ኽእለት፡ ካብ ኣምላኽ ዝረኸብናዮ ውህበት እዩ። እዚ ኸኣ፡ ጥበባዊ መደባት ከነውጽእን ኣብ መጻኢ ንዚፍጸም ጽቡቕ ነገራት ክንጥምትን ዚሕግዝ እዩ። የሆዋ ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዚፍጸም ነገራት ኪርኢ ይኽእል እዩ፣ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ከኣ ኣብ ዚመጽእ ብዛዕባ ዚፍጸም ነገራት መብዛሕትኡ ግዜ ኣቐዲሙ ይነግረና እዩ። ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዚፍጸም ነገራት ኣብ ኣእምሮና ኽንስእል ንኽእል ኢና። ነቲ ዘይርአ ነገራት ናይ ምርኣይ ክእለትና ኸኣ፡ እምነትና ንኸነደልድል ዚሕግዝ እዩ።—2 ቈረ. 4:18

2, 3. (ሀ) ብዛዕባ መጻኢ ኣብ ኣእምሮና ምስኣልና ብኸመይ ኪጠቕመና ይኽእል፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

2 ኪፍጽም ብዛዕባ ዘይክእል ነገራት ኣብ ኣእምሮና እንስእለሉ እዋናት ከም ዘሎ ፍሉጥ እዩ። ንኣብነት፡ ሓንቲ ቘልዓ ኣብ ጽምብላሊዕ ክትውጣሕ፡ ኣብ ኣእምሮኣ ኽትስእል ትኽእል እያ፣ ይኹን እምበር፡ እዚ ፈጺሙ ኪኸውን ዘይክእል ነገር እዩ። ሃና ኣደ ሳሙኤል ግና ነቲ ንነገራት ኣብ ኣእምሮኣ ናይ ምስኣል ክእለታ ኻብዚ ብእተፈልየ መገዲ እያ ተጠቒማትሉ። ንወዳ ሳሙኤል ምስ ካህናት ምእንቲ ኺዓዪ ናብ ማሕደር እትወስደሉ መዓልቲ ኣብ ኣእምሮኣ ሰኣለት። እዚ ኸኣ ኣብቲ ኽትገብሮ ዝወሰነቶ ነገር እተመስረተ ዀይኑ፡ ከምኡ ምግባራ ኣብ ዕላማኣ ንኸተተኵር ሓጊዝዋ እዩ። (1 ሳሙ. 1:22) ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ነገራት ኣብ ኣእምሮና ንስእል እንተ ዄንና፡ ብዛዕባ እቲ ብርግጽ ዚፍጸም ነገራት ኢና እንሓስብ።—2 ጴጥ. 1:19-21

3 ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ሓያሎ እሙናት ሰባት፡ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ነገራት ኣብ ኣእምሮኦም ይስእሉ ኸም ዝነበሩ ፍሉጥ እዩ። እቶም ሰባት፡ ከምኡ ብምግባሮም ብኸመይ ተጠቒሞም፧ ንሕናኸ፡ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንእዙዛት ደቂ ሰብ ዘተስፈዎ ዜደንቕ ነገራት ምስ እንሓስብ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧

ንተስፋኦም ‘ብምርኣይ’ እምነቶም ኣደልደሉ

4. ኣቤል ብዛዕባ መጻኢ ኣብ ኣእምሮኡ ኺስእል እንታይ መሰረት እዩ ነይርዎ፧

4 እቲ ቐዳማይ እሙን ሰብ ዝነበረ ኣቤል፡ ንገለ ኻብቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ነገራት ኣብ ኣእምሮኡ ብምስኣል ‘ርእዩ’ ድዩ፧ ኣዳምን ሄዋንን ምስ ሓጥኡ፡ የሆዋ ነቲ ተመን፡ “ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፡ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ፡ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ” ኸም ዝበሎ ኣቤል ይፈልጥ ነይሩ። (ዘፍ. 3:14, 15) ይኹን እምበር፡ እዚ ብኸመይ ከም ዚፍጸም ብልክዕ ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ፣ ምስናይዚ ግና፡ ነቲ ጕዳይ እቲ ብዙሕ ሓሲቡሉ ኪኸውን ኣለዎ። በዚ መሰረት እዚ ድማ፡ ልክዕ ከምቲ ኣዳምን ሄዋንን ቅድሚ ምሕጣኦም ፍጹማት ዝነበሩ፡ ደቂ ሰብ እውን ፍጹማት ምእንቲ ኪዀኑ፡ ‘ሸዀናኡ ዚንከስ’ ዘርኢ ኸም ዘሎ ይግንዘብ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ዚመጽእ ኣብ ኣእምሮኡ እንታይ ከም ዝሰኣለ ብዘየገድስ፡ ኣምላኽ ኣብ ዝሃቦ ተስፋ እተመስረተት እምነት ስለ ዝነበረቶ፡ መስዋእቱ ብየሆዋ ተቐባልነት ረኺቡ እዩ።—ዘፍጥረት 4:3-5፣ እብራውያን 11:4 ኣንብብ።

5. ሄኖክ ብዛዕባ መጻኢ ኣብ ኣእምሮኡ ምስኣሉ ኣገዳሲ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

5 ሄኖክ ኣብ ማእከል እቶም ብዛዕባ ኣምላኽ ዜሰምብድ ዘረባ ዚዛረቡ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት ይነብር እኳ እንተ ነበረ፡ ድልድልቲ እምነት ነይራቶ እያ። ብመንፈስ ኣምላኽ ተመሪሑ ድማ፡ የሆዋ ምስ ኣእላፋት ቅዱሳቱ ኺመጽእ እሞ፡ “ንዅላቶም ኪፈርዶም፡ ንዅሎም እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ድማ ብዛዕባ እቲ ብእኩይ መገዶም ዝገበርዎ ዅሉ እኩይ ግብሮም፡ ነቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ሓጥኣን ከኣ ብዛዕባ እቲ እተዛረብዎ ዜሰምብድ ዘረባ ኺረትዖም” ምዃኑ ተነብዩ እዩ። (ይሁ. 14, 15) ድልድልቲ እምነት ስለ ዝነበረቶ ኸኣ፡ እከይ ዘይብላ ዓለም ከም እትመጽእ ኣብ ኣእምሮኡ ስኢሉ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።እብራውያን 11:5, 6 ኣንብብ።

6. ኖህ ድሕሪ ማይ ኣይሂ እውን ብዛዕባ እንታይ እዩ ዚሓስብ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል፧

6 ኖህ ካብ ማይ ኣይሂ ዝደሓነ፡ እምነት ስለ ዝነበረቶ እዩ። (እብ. 11:7) ድሕሪ ማይ ኣይሂ እውን፡ ብእምነት መስዋእቲ እንስሳታት ኣቕሪቡ እዩ። (ዘፍ. 8:20) ንሱ እውን ከም ኣቤል፡ ደቂ ሰብ ካብ ባርነት ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኸም ዚወጹ ኣጸቢቑ ይኣምን ነይሩ እዩ። ኣብቲ ኒምሮድ ንየሆዋ ዚጻረረሉ ዝነበረ ሕማቕ ዘመን እውን ከይተረፈ፡ ብእምነትን ብተስፋን እዩ ዚመላለስ ነይሩ። (ዘፍ. 10:8-12) ኖህ ብዛዕባ እቲ ደቂ ሰብ ካብ ጨቈንቲ ገዛእቲ ዀነ ኻብቲ ዝወረስዎ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ዀይኖም ዚነብሩሉ እዋን ይሓስብ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንሕና እውን ነዚ ዜደንቕ እዋን ኣብ ኣእምሮና ብምስኣል ‘ክንርእዮ’ ንኽእል ኢና። ብሓቂ ድማ ቀሪቡ እዩ።—ሮሜ 6:23

እቲ ተስፋታት ከም እተፈጸመ ጌርካ ‘ምርኣይ’

7. ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ብዛዕባ ዚመጽእ እንታይ እዮም ‘ርእዮም፧’

7 ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ዚፍጸም ዜደንቕ ነገራት ኣብ ኣእምሮኦም ስኢሎም ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ከመይሲ፡ ኣምላኽ ብዘርኦም ህዝብታት ኵላ ምድሪ ኸም ዚባረኹ ኣተስፍይዎም ነይሩ እዩ። (ዘፍ. 22:18፣ 26:4፣ 28:14) ዘርኢ እቶም ኣበዋት ኪስስኑን ኣብታ ኣምላኽ ዚህቦም ምድሪ ተስፋ ኺነብሩን ተነጊርዎም ነይሩ እዩ። (ዘፍ. 15:5-7) እዞም ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮም ሰባት፡ ዘርኦም ንምድሪ ተስፋ ኺወርሳ ኸሎ ብዓይኒ እምነት “ኪርእዩ” ይኽእሉ ነይሮም እዮም። የሆዋ ኻብቲ ደቂ ሰብ ፍጽምና ዘጥፍኡሉ እዋን ኣትሒዙ፡ ንእሙናት ኣገልገልቱ እቲ ኣዳም ዘጥፍኦ በረኸት ንዘለኣለም ጠፊኡ ኸም ዘይተርፍ ኬረጋግጸሎም ጸኒሑ እዩ።

8. ኣብርሃም እተደንቕ እምነት ንኼርኢ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧

8 ኣብርሃም ንእምነቱ ብዜደንቕ ተግባር ንኺገልጻ ዘኽኣሎ፡ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ነገራት ኣብ ኣእምሮኡ ንኺስእል ዝነበሮ ኽእለት ከይኰነ ኣይተርፍን እዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ኣብርሃምን ካልኦት እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽን፡ “ነቲ ተስፋታት እኳ እንተ ዘይረኸብዎ፡ ካብ ርሑቕ ርእዮም ግና ተቐበልዎ” ብምባል ይገልጸልና እዩ። (እብራውያን 11:8-13 ኣንብብ።) ኣብርሃም እቲ ብተስፋ ዚጽበዮ ዝነበረ ነገራት ብርግጽ ከም ዚፍጸም ዜእምን መርትዖ ስለ ዝነበሮ፡ ነቲ ዘይረኣዮ ነገራት ከም ዝረኣዮ ዀይኑ እዩ ዚስምዖ ነይሩ።

9. ኣብርሃም ኣብ ተስፋታት ኣምላኽ ምእማኑ ብኸመይ እዩ ጠቒምዎ፧

9 ኣብርሃም ኣብ ተስፋታት ኣምላኽ ዝነበሮ እምነት፡ ፍቓድ ኣምላኽ ንኺገብር ንዝገበሮ ቘራጽነት ኣደልዲሉሉ እዩ። ካብ ከተማ ኡር ብምውጻእን ኣብ ከተማታት ከነኣን ብቐዋምነት ንኸይነብር ብምውሳንን ንእምነቱ ብተግባር ኣርእይዋ እዩ። ከምቲ ኸተማ ኡር ጽኑዕ መሰረት ዘይነበራ፡ ከተማታት ከነኣን እውን፡ ኣመሓደርተን ፍርሃት ኣምላኽ ስለ ዘይነበሮም፡ ጽኑዕ መሰረት ኣይነበረንን። (እያ. 24:2) ኣብርሃም ኣብቲ ብድሕሪኡ ዝጸንሓሉ ነዊሕ ዓመታት ዕድሚኡ፡ “ነታ ኣምላኽ ዝነዳፊኣን ዝሃናጺኣን ናይ ሓቂ መሰረት ዘለዋ ኸተማ ይጽበ ነበረ።” (እብ. 11:10) ብየሆዋ ኣብ ዚመሓደር ነባሪ ቦታ ይነብር ከም ዘሎ ገይሩ ኣብ ኣእምሮኡ ብምስኣል፡ ነቲ ኣብ መጻኢ ዚፍጸም ነገራት ‘ርእይዎ’ እዩ። ኣቤልን ሄኖክን ኖህን ኣብርሃምን ከምኣቶም ዝኣመሰሉ ኻልኦትን፡ ብትንሳኤ ምዉታት ይኣምኑ ነይሮም እዮም፣ ኣብ ትሕቲ እታ “ናይ ሓቂ መሰረት ዘለዋ ኸተማ፡” ማለት ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ብህይወት ዚነብሩሉ ግዜ እውን ይጽበዩ ነይሮም እዮም። ብዛዕባ እዚ በረኸት እዚ ምስትንታኖም ነታ ኣብ የሆዋ ዘላቶም እምነት ኣደልዲላትሎም እያ።—እብራውያን 11:15, 16 ኣንብብ።

10. ሳራ ኻብቲ ብዛዕባ ዚመጽእ ዝነበራ ኣመለኻኽታ ብኸመይ እያ ተጠቒማ ኽትከውን እትኽእል፧

10 ብዛዕባ ሳራ ሰበይቲ ኣብርሃም እውን ንርአ። ሳራ ጓል 90 ዓመት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ውላድ እኳ እንተ ዘይነበራ፡ እቲ ብዛዕባ ዚመጽእ ዝነበራ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ብእምነት ንኽትመላለስ ሓጊዝዋ እዩ። ሳላ እዚ ኣመላኻኽታ እዚ ኸኣ፡ ዘርኣ ነቲ የሆዋ ዘተስፈዎ በረኸት ኬስተማቕር ከሎ ብዓይኒ እምነት ርእያ እያ። (እብ. 11:11, 12) ከምዚ ዝኣመሰለ ትጽቢት ንኽትገብር ዝሓገዛ እንታይ እዩ፧ የሆዋ ንሰብኣያ፡ “ክባርኻ እየ፡ ካብኣ ድማ ወዲ ኽህበካ እየ። ክባርኻ እየ፡ ህዝብታት ከኣ ክትከውን እያ፡ ነገስታት ህዝብታት እኳ ደኣ ኻብኣ ኪዀኑ እዮም” ኢልዎ ነይሩ እዩ። (ዘፍ. 17:16) ሳራ ንይስሃቅ ክትወልድ ምኽኣላ፡ እቲ ኣምላኽ ንኣብርሃም ዝሃቦ ኻልእ ተስፋታት እውን ከም ዚፍጸም ኣብ ኣእምሮኣ ኽትስእል ሓጊዝዋ እዩ። ንሕና እውን ብዛዕባ እቲ ብርግጽ ዚፍጸም ተስፋታት ኣምላኽ ኣብ ኣእምሮና ብምስኣል እምነትና ኸነደልድል ንኽእል ኢና።

ናብቲ ዓስቢ ምጥማት

11, 12. ሙሴ፡ ፍቕሪ የሆዋ ዘማዕበለ ብኸመይ እዩ፧

11 ብዛዕባ ተስፋታት የሆዋ እምነት ዝነበሮ እሞ፡ ንየሆዋ ኣጸቢቑ ዜፍቅሮ ዝነበረ ኻልእ ሰብ ከኣ ሙሴ እዩ። ሙሴ ኣብ ግዜ ንእስነቱ ኸም ኣባል ስድራ ቤት ቤተ መንግስቲ ግብጺ ዀይኑ ኣብ ዚነብረሉ ዝነበረ እዋን፡ ብቐሊሉ ንስልጣንን ንሃብትን ፍቕሪ ኼማዕብል ይኽእል ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ንእብራውያን ካብ ባርነት ሓራ ኣውጺኡ ናብ ምድሪ ተስፋ ኼእትዎም ዝነበሮ ዕላማን ካብ ወለዱ ተማሂሩ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። (ዘፍ. 13:14, 15፣ ዘጸ. 2:5-10) ብዛዕባ እቲ ህዝቢ ኣምላኽ ዚረኽብዎ በረኸት ኣቐዲሙ ይሓስብ እንተ ነይሩ፡ ኣብ ልቡ እንታይ ዚጥጥዕ ይመስለካ፧ ፍቕሪ ተፈላጥነትዶ ወይስ ፍቕሪ የሆዋ፧

12 ቅዱሳት ጽሑፋት ከምዚ ይብል፦ “ሙሴ ምስ ዓበየ፡ ወዲ ጓል ፈርኦን ከይብሃል ብእምነት ኣበየ፣ ንግዜኡ ብሓጢኣት ባህ ካብ ዚብሎስ፡ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ደኣ መከራ ኺጸግብ ሓረየ፣ ናብቲ ዚረኽቦ ዓስቢ ጠመተ እሞ፡ ካብ መዝገብ ግብጽስ ነቲ ቕቡእ ብምዃን ዚጽረፎ ጸርፊ ዝበዝሐ ሃብቲ ገይሩ ቘጸሮ።”—እብ. 11:24-26

13. ሙሴ ብዛዕባ ተስፋታት ኣምላኽ ብምስትንታኑ ብኸመይ ተጠቒሙ፧

13 ሙሴ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን ዘተስፈዎም ተስፋ ኸስተንትን ከሎ፡ ንየሆዋ ዘላቶ ፍቕሪ ትዓቢ፡ እምነቱ ድማ ትድልድል ነበረት። ከምቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮም ካልኦት ሰባት፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንደቂ ሰብ ካብ ሞት ሓራ ዜውጽኣሉ እዋን እውን ይፈልጥ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (እዮ. 14:14, 15፣ እብ. 11:17-19) ነቲ ንእብራውያንን ንዅሎም ደቂ ሰብን ዚርሕርሓሎም ዝነበረ ኣምላኽ ንኼፍቅሮ ኸም እተደረኸ ድማ ፍሉጥ እዩ። ስለዚ፡ እምነትን ፍቕርን ኣብ ምሉእ ህይወቱ ንየሆዋ ንኼገልግሎ ሓጊዘናኦ እየን። (ዘዳ. 6:4, 5) ፈርኦን ኪቐትሎ ምስ ኣፈራርሆ እውን ከይተረፈ፡ ነቲ ምፍርራህ ብትብዓት ኪገጥሞ ዝኸኣለ፡ እምነትን ፍቕሪ ኣምላኽን ስለ ዝነበሮን፡ ምናልባት እውን ኣብ ኣእምሮኡ ብሩህ ተስፋታት ይስእል ስለ ዝነበረን እዩ።—ዘጸ. 10:28, 29

ንበረኸት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ኣእምሮኻ ምስኣል

14. እንታይ ዓይነት ኣተሓሳስባ እዩ ሕልሚ ጥራይ ኰይኑ ዚተርፍ፧

14 ሎሚ ሓያሎ ሰባት ብዛዕባ ዚመጽእ ዚሓስቡ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኪፍጸም ዘይክእል ነገራት እዮም ኣብ ኣእምሮኦም ዚስእሉ። ንኣብነት፡ ገሊኦም ድኻታት፡ ኣብ ዚመጽእ ከም ዚህብትሙን ውሕስነት ዘለዎ ናብራ ኸም ዚነብሩን ኣብ ኣእምሮኦም ይስእሉ። መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ ህይወት ሰብ፡ “ጻዕርን መከራን” ዝመልኦ ምዃኑ እዩ ዚገልጽ። (መዝ. 90:10) ገሊኦም ከኣ ኣብ ትሕቲ ሰብኣዊ መንግስቲ ብዘይ ጭንቀት ከም ዚነብሩ ኣብ ኣእምሮኦም ይስእሉ። መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ እንኮ ተስፋ ደቂ ሰብ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዝዀነት እዩ ዚገልጽ። (ዳን. 2:44) ሓያሎ ሰባት፡ ኣምላኽ ነዚ እኩይ ስርዓት ዓለም ከም ዘየጥፍኦ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም። መጽሓፍ ቅዱስ ግና ኣምላኽ ነዚ እኩይ ስርዓት ዓለም ከም ዜጥፍኦ እዩ ዚገልጽ። (ጸፎ. 1:18፣ 1 ዮሃ. 2:15-17) ተስፋታት እቶም ንዕላማ የሆዋ ዕሽሽ ዚብልዎ ሰባት፡ ሕልሚ ጥራይ ኰይኑ እዩ ዚተርፍ።

ኣብ ሓዳስ ዓለም ትነብር ከም ዘለኻ ጌርካ ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእል ትኽእልዶ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)

15. (ሀ) ክርስትያናት ንተስፋኦም ኣብ ኣእምሮኦም ምስ ዚስእልዎ ብኸመይ እዮም ዚጥቀሙ፧ (ለ) ገለ ኻብቲ ተስፋታት ኣምላኽ ኪፍጸም ከሎ ኣብ ኣእምሮኻ እትስእሎ ነገራት ጥቐስ።

15 በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ፡ ከም ክርስትያናት መጠን፡ ተስፋና ሰማያዊ ይኹን ምድራዊ ብዘየገድስ፡ ንዕኡ ኣብ ኣእምሮና ምስኣልና የተባብዓና እዩ። ንተስፋታት ኣምላኽ ከም ዝረኸብካዮ ጌርካ ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእሎ ምኸኣልካዶ፧ ተስፋታት ኣምላኽ ኪፍጸም ከሎ እንታይ ከም እትገብር ምስትንታንካ፡ ንልብኻ የሐጕሶ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ትነብር ከም ዘለኻ ጌርካ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ምስ ካልኦት ሓቢርካ ነዛ ምድሪ ናብ ገነት ትቕይራ ኸም ዘለኻ ጌርካ ሕሰብ። ከምቲ ንስኻ ንየሆዋ እተፍቅሮ፡ ጐረባብትኻ እውን ንየሆዋ የፍቅርዎ እዮም። ጥዑይን ድልዱልን ብሩህ ተስፋ ዘሎካን ኢኻ። እቶም ነቲ ዕዮ ምሕዳስ ብሓላፍነት ዚቈጻጸርዎ ሰባት፡ ብዛዕባኻ ልባዊ ተገዳስነት ስለ ዘለዎም ብህይወት ምንባር የሐጕስካ እዩ። ኵሉ እቲ እትዓይዮ ነገራት ንኻልኦት ከም ዚጠቕሞምን ንኣምላኽ ከም ዜኽብሮን ስለ እትፈልጥ፡ ተውህቦኻን ክእለትካን ተጠቒምካ ምዕያይካ የሐጕሰካ እዩ። ንኣብነት፡ ካብ ምዉታት ንዝተንስኡ ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ኪፈልጡ ኽትሕግዞም ኢኻ። (ዮሃ. 17:3፣ ግብ. 24:15) እዚ ኣብ ኣእምሮኻ እትስእሎ ስእሊ መጻኢት ዓለም፡ ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዚመጽእ ዚገልጾ ሓቅታት እተመስረተ ደኣ እምበር፡ ዘይገሃድ ሕልሚ ኣይኰነን።—ኢሳ. 11:9፣ 25:8፣ 33:24፣ 35:5-7፣ 65:22

ብዛዕባ ተስፋና እንዛረብ ስለምንታይ ኢና፧

16, 17. ብዛዕባ ተስፋና ምስ እንዛረብ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧

16 ተስፋታት የሆዋ ኺፍጸም ከሎ እንታይ ክንገብር ከም እንደሊ ንክርስትያን ብጾትና ምስ እንገልጸሎም፡ እቲ ብዛዕባ ዚመጽእ ኣብ ኣእምሮና ዝሰኣልናዮ ስእሊ መሊሱ እዩ ዚደምቕ። ኣብ ሓዳስ ዓለም ብደረጃ ውልቀ ሰብ እንታይ ቦታ ኸም ዚህልወና ብልክዕ ዘይንፈልጥ እኳ እንተ ዀንና፡ ብዛዕባ እቲ ኼጋጥም ዚኽእል ኵነታት ምስ እንዛረብ፡ ንሓድሕድና ንተባባዕ፡ ተስፋታት ኣምላኽ ብሓቂ ኸም ዚፍጸም ዘሎና እምነት ከኣ ንገልጽ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ኣሕዋቱ ኺበጽሖም ከሎ፡ ‘ንሓድሕዶም ተተባቢዖም’ እዮም፣ ንሕና እውን ኣብዚ ጽንኩር እዋን እዚ ንሓድሕድና ኽንተባባዕ ንደሊ ኢና።—ሮሜ 1:11, 12

17 ብዛዕባ ዚመጽእ ኣብ ኣእምሮና ምስኣልና፡ ብዛዕባ እዚ ሕጂ ዘሎ ጸገማት ንዚመጸና ኣሉታዊ ሓሳባት ንኽንቈጻጸሮ ይሕግዘና እዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ንየሱስ፡ “እንሆ፡ ንሕና ዅሉ ሓዲግና ስዒብናካ፣ እንታይ ኰን ክንረክብ ኢና፧” ዝበሎ ብዛዕባ ህሉው ኵነታት ስለ እተሻቐለ ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሱስ ግና ንጴጥሮስን ነቶም ሽዑ ዝነበሩ ኻልኦት ደቀ መዛሙርትን ብዛዕባ ዚመጽእ ኣብ ኣእምሮኦም ንኺስእሉ ምእንቲ ኺሕግዞም ከምዚ ኢሉ መለሰ፦ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፦ ብዳግመ ፍጥረት፡ በታ ወዲ ሰብ ኣብ ክቡር ዝፋኑ ዚቕመጠላ እዋን፡ ንስኻትኩም እቶም ዝሰዓብኩምኒ እውን ኣብ ዓሰርተው ክልተ ዝፋን ተቐሚጥኩም፡ ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ክትፈርዱ ኢኹም። ምእንቲ ስመይ ኢሉ ኣባይቲ፡ ወይ ኣሕዋት፡ ወይ ኣሓት፡ ወይ ኣቦ፡ ወይ ኣደ፡ ወይ ውሉዳት፡ ወይ ግራውቲ ዝሓደገ ዅሉ፡ ብዙሕ ዕጽፊ ኺረክብ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እውን ኪወርስ እዩ።” (ማቴ. 19:27-29) ስለዚ፡ ጴጥሮስን እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርትን ኣብታ ኣብ ልዕሊ ምድሪ እትገዝእን ንእዙዛት ደቂ ሰብ በረኸት እተመጽእን መንግስቲ ብዛዕባ ዚህልዎም ግደ ኼስተንትኑ ይኽእሉ ነይሮም እዮም።

18. ብዛዕባ እቲ ተስፋታት ኣምላኽ ዚፍጸመሉ ዅነታት ምስትንታንና ሎሚ ብኸመይ ኪጠቕመና ይኽእል፧

18 ጥንቲ ዀነ ሎሚ፡ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ኣገልገልቲ የሆዋ ብዛዕባ እቲ ተስፋታት ኣምላኽ ዚፍጸመሉ ዅነታት ይሓስቡ እዮም። ኣቤል ብዛዕባ ዕላማታት ኣምላኽ እኹል ፍልጠት ስለ ዝነበሮ፡ ዝሓሸ እዋን ከም ዚመጽእ ኣብ ኣእምሮኡ ኺስእልን እምነቱ ኼደልድልን ናይ ሓቂ ተስፋ ኺሕዝን ክኢሉ እዩ። ኣብርሃም ንእምነቱ ብዜደንቕ ተግባር ኪገልጻ ዝኸኣለ፡ ብዛዕባ እቲ “ዘርኢ” እተዋህበ ትንቢት ኣምላኽ ዚፍጸመሉ ዅነታት ‘ዝረኣዮ’ ነገር ስለ ዝነበረ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዘፍ. 3:15) ሙሴ፡ “ናብቲ ዚረኽቦ ዓስቢ ጠመተ እሞ፡” እምነቱ ደልደለት፡ ንየሆዋ ዘላቶ ፍቕሪ ኸኣ ዓበየት። (እብ. 11:26) ንሕና እውን ነቲ ተስፋታት ዚፍጸመሉ ዅነታት ኣብ ኣእምሮና ንስእሎ እንተ ዄንና፡ እምነትና ትድልድል፡ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ እውን ትዓቢ እያ። ነዚ ውህበት ኣምላኽ እዚ ብኸመይ ክንጥቀመሉ ኸም እንኽእል ድማ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንመያየጠሉ ኢና።