ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 ካብ መዛግብትና

100 ዓመት ዝገበረ ቕያ እምነት

100 ዓመት ዝገበረ ቕያ እምነት

 

“ሓውና ራስል ብኣካል ዜዘራርበካ ዘሎ እዩ ዚመስል!”—ብ1914 “ፎቶ ድራማ” ዝረኣየ ተዓዛቢ።

ኣብዛ ዓመት እዚኣ፡ እታ ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ እምነት ንኸነሕድር እትሕግዝ፡ “ፎቶ ድራማ ኦቭ ክሪኤሽን” ዘርእስታ ፊልም ካብ እትወጽእ 100 ዓመት ኰይኑ ኣሎ። ኣብቲ ፍልቀትን ሒስ መጽሓፍ ቅዱስን ጥርጣረን ንእምነት ብዙሓት ኣጥፊእዋ ዝነበረሉ እዋን፡ እታ “ፎቶ ድራማ” ንየሆዋ ኸም ፈጣሪ መጠን ተጣቢቓትሉ እያ።

እቲ ኣብ ናይ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ መሪሕ ግደ ዝነበሮ ቻርለስ ቴዝ ራስል፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ንምዝርጋሕ፡ ውጽኢታዊ ዝዀነ መገዲ ኻብ ምንዳይ ዓዲ ውዒሉ ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ። ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ድሮ ንልዕሊ 30 ዓመት ብጽሑፋት ይጥቀሙ ነይሮም እዮም። ካልእ ኣማራጺ ግና ንኣቓልቦኦም ሰሓቦ፣ እዚ ኸኣ ተንቀሳቓሲ ስእሊ እዩ ነይሩ።

ንወንጌል ብተንቀሳቓሲ ስእሊ ምዝርጋሕ

1890ታት ድምጺ ዘይብሉ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ንህዝቢ እተዘርግሓሉ እዋን እዩ ነይሩ። ካብ 1903 ኣትሒዙ ድማ፡ ኣብተን ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ዝነበራ ኣብያተ ክርስትያን፡ ሃይማኖታዊ ፊልምታት ይርአ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ብ1912 ራስል ን“ፎቶ ድራማ” ንምስራሕ ብትብዓት ምድላዋት ኪገብር ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ኢንዱስትሪ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ገና ታተ እዩ ዚብል ነይሩ። ራስል፡ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ብጽሑፋት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብተንቀሳቓሲ ስእሊ እውን ኪግለጽ ከም ዚኽእል ተገንዚቡ ነበረ።

እቲ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ኣርባዕተ ኽፋል ተኸፊሉ ንሸሞንተ ሰዓት ዚርአ “ፎቶ ድራማ፡” 96 እተቐድሐ ሓጺር ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዜጠቓልል እዩ ነይሩ፣ ኣብቲ እዋን እቲ ኣዝዩ ህቡብ ዝነበረ ሰብ ድማ እዩ ነቲ ትምህርቲ ዜንብቦ ነይሩ። መብዛሕትኡ ትርኢት፡ ብልስሉስ ሙዚቃ ተሰንዩ እዩ ዚቐርብ ነይሩ። ክኢላታት ተክኒከኛታት ከኣ፡ ነቲ ኣብ ፎኖግራፍ እተቐድሐ ድምጽን ሙዚቃን ብምጽዋት፡ እቲ ድምጺ ምስቲ ህቡብ ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ ዜጠቓልል ሕብራዊ ስላይድን ፊልምን ማዕረ ማዕረ ኸም ዚኸይድ ይገብሩ ነይሮም።

“ካብ ፍጥረት ከዋኽብቲ ጀሚሩ ኽሳዕ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ዜጠቓልል እዩ ነይሩ።” —ፍራንሲስ ስቱዋርት ባርንስ፡ ብ1914 ወዲ 14 ዓመት ዝነበረ

መብዛሕትኡ ኽፋላት እቲ ፊልምታትን ብዙሕ ስላይድን ካብ ንግዳዊ ስቱድዮታት እዩ ተዓዲጉ። ኣብ ፊላደልፍያን ኒው ዮርክን ፓሪስን ለንደንን ዚነብሩ ኽኢላታት ሰኣልቲ፡ ንነፍሲ ወከፍ ስላይድን ፊልምን ብኢድ ሰኣልዎ። ኣብ ቤት-ኤል ኣብ ክፍሊ ስነ ጥበብ ዚዓይዩ ድማ፡ ሕብሪ ኣብ ምልካይ ብዙሕ ዓይዮም  እዮም፣ መብዛሕትኡ እዋን ከኣ፡ ስላይድ ኪስበር ከሎ የዕርዩ ነበሩ። ኣብ ርእሲ እቲ እተዓደገ ፊልምታት፡ ኣባላት ስድራ ቤት-ኤል ኣብቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዚርከብ ዮንከርስ ዚብሃል ቦታ፡ ከም ኣብርሃምን ይስሃቅን እቲ ንኣብርሃም ንወዱ ኸይስውኦ ዝኸልከሎ መልኣኽን ኰይኖም ኪዋስኡ ኸለዉ ተቐዲሖም እዮም።—ዘፍ. 22:9-12

ክኢላታት ተክኒከኛታት፡ ነቲ 3.2 ሜተር ዝንውሓቱ ፊልምን 26 እተቐድሐ ፎኖግራፍን ኣስታት 500 ስላይድን ተጠቒሞም፡ እቲ ምስልን እቲ ድምጽን ብማዕረ ኸም ዚኸይድ ይገብሩ ነበሩ

ሓደ ተሓባባሪ ሓውና ራስል ንመራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እዚ ኣሰራርሓ እዚ፡ “ቅድሚኡ ሃይማኖታዊ መልእኽቲ ንምዝርጋሕ ካብ እተገብረ ጻዕሪ ንላዕሊ፡ ንኣሽሓት ሰባት ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ተገዳስነት ከም ዜሕድሩ ኺገብሮም ከም ዚኽእል” ሓበረ። እሞኸ ኣቕሽሽቲ፡ ነቲ ብመንፈስ ንዝጠመዩ ሰባት ንምሕጋዝ ዚግበር ዝነበረ ጻዕሪ ንኢዶምዎዶ፧ ኣይፋሎምን፣ ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ ኣገልገልቲ ህዝበ ክርስትያን ን”ፎቶ ድራማ” ወገዝዋ፣ ህዝቢ ነታ “ፎቶ ድራማ” ምእንቲ ኸይርእያ ድማ፡ ብስዉር ወይ ከኣ ብጋህዲ ብዙሕ ጸዓሩ። ንኣብነት፡ ኣብ ሓደ መአከቢ፡ ጕጅለ ኣቕሽሽቲ ኤለክትሪክ ከም ዚቋረጽ ገይሮም እዮም።

ኣብቲ ኸባቢ ኻብ ዝነበራ ጉባኤታት ዝመጻ ኣሳሰይቲ፡ ብሚልዮናት ዚቝጸር ቅዳሓት እቲ ኣብ “ፎቶ ድራማ” ዚርአ ስእልታት ዝሓዘ መደብ ብናጻ ይዕድላ ነበራ

እቶም ተዓዘብቲ፡ “ሰላም” ዚብል ጽሑፍ ዘለዎ፡ የሱስ ብቝልዕነቱ ኸሎ ዜርኢ ናይ ኣፍ ልቢ ስልማት ይውሃቦም ነበረ። እዚ ኸኣ ነቲ ተዓዛቢ፡ “ወዲ ሰላም” ኪኸውን ከም ዘለዎ የዘኻኽሮ ነበረ

ይኹን እምበር፡ ነታ “ፎቶ ድራማ ኦቭ ክሪኤሽን” ብናጻ ኺርእዩ ዚመጹ ዝነበሩ ሰባት፡ ነቲ ቦታታት ቲያትር ይመልእዎ ነበሩ። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ “ፎቶ ድራማ” ኣብ 80 ኸተማታት በብመዓልቱ ትርአ ነበረት። ብዙሓት እተደነቑ ተዓዘብቲ፡ ንፈለማ እዋን እዮም ‘ዘረባ ዘለዎ ፊልም’ ዚርእዩ ነይሮም። ኣብቲ ብቕልጡፍ ዚሓልፍ ስእልታት፡ እንቋቝሖ ኽትጭጫሕ ከላን ዕምባባ ኺዕምብብ ከሎን ኪርእዩ ይኽእሉ ነበሩ። እቲ ምስ ስነ ፍልጠት ዚተሓሓዝ ትርኢት ድማ፡ ነቲ ዜደንቕ ጥበብ የሆዋ ዜጕልሕ እዩ ነይሩ። ከምቲ ኣብ መእተዊ እተገልጸ፡ ሓደ ተዓዛቢ ንሓውና ራስል፡ ነታ “ፎቶ ድራማ” ኼፋልጣ ኸሎ ምስ ረኣዮ፡ “ሓውና ራስል ብኣካል ዜዘራርበካ ዘሎ እዩ ዚመስል” በለ።

ኣገዳሲ ፍጻመ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ

“ፎቶ ድራማ” ብ11 ጥሪ 1914 ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ኣብ ዚርከብ ብኣህጉራዊ ማሕበር ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዚውነን ቦታ ቲያትር እያ ንፈለማ እዋን ተራእያ

ደራስን ጸሓፍ ታሪኽ ፊልምን ዝዀነ ቲም ደርክስ፡ ብዛዕባ እታ “ፎቶ ድራማ” ኺገልጽ ከሎ፡ “ድምጽን (እተቐድሐ ዘረባ) ተንቀሳቓሲ ስእልን ሕብራዊ ስላይድን እተጠቓልል ናይ መጀመርታ ዓባይ ፊልም” ከም ዝዀነት ሓበረ። ቅድሚ “ፎቶ ድራማ” ዝወጸ ፊልምታት፡ ነቲ እተጠቕሰ ሜላታት እኳ እንተ ተጠቕመ፡ ንዅሉ ብሓደ ዘጠቓለለ፡ ብፍላይ ከኣ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ፊልም ግና ኣይነበረን። “ፎቶ ድራማ” ብብዝሒ ተዓዘብቲ እውን መወዳድርቲ ኣይነበራን፣ ኣብታ ናይ መጀመርታ ዓመት ጥራይ፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካን ኣውስትራልያን ኒው ዚላንድን፡ ኣስታት ትሽዓተ ሚልዮን ሰባት ርእዮምዋ እዮም።

“ፎቶ ድራማ” ንፈለማ እዋን ብ11 ጥሪ 1914 ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ እያ ተራእያ። ድሕሪ ሸውዓተ ወርሒ፡ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ጀመረ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት፡ ነታ “ፎቶ ድራማ” ምርኣዮም ኣየቋረጹን፣ ካብቲ ብዛዕባ በረኸት መንግስቲ ኣምላኽ ዜርኢ ህያው ትርኢት ድማ ምጽንናዕ ይረኽቡ ነበሩ። ብ1914 ካብ ዘጋጠመ ዝዀነ ይኹን ነገራት፡ ምስታ እተደንቕ ፊልም ዝዀነት “ፎቶ ድራማ” ዚወዳደር ኣይነበረን።

ኣብ ብምሉኡ ሰሜን ኣመሪካ ብዝነበሩ ጕጅለታት፡ ዕስራ እተፈላለየ “ፎቶ ድራማ” ይርአ ነበረ