ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እታ ኣብ ሰራጵታ ዝነበረት መበለት፡ ሳላ እምነታ ተባሪኻ

እታ ኣብ ሰራጵታ ዝነበረት መበለት፡ ሳላ እምነታ ተባሪኻ

ሓንቲ ድኻ መበለት ነቲ ሓደ በይኑ ዝዀነ ውሉዳ ሓቘፈቶ። ኣዝዩ ደንጽይዋ ነበረ። ከመይሲ፡ ቅድሚኡ ነዊሕ ኣብ ዘይጸንሕ እዋን፡ ሞይቱ ኸሎ ኣብ ኣእዳዋ ኣንቢራቶ ነይራ እያ። ድሕርዚ ግና፡ ነቲ ዝተንስአ ወዳ ረኣየቶ፡ ፍሽኽ ኢሉ ኺጥምታ ኸሎ ኸኣ ተገረመት። እቲ ኣብ ቤታ ዚሓድር ጋሻ፡ “ርኣዪ፡ ወድኺ ህያው ኰይኑ” በላ።

እቲ ትንሳኤ እቲ፡ ኣስታት 3,000 ዓመት ይገብር እዩ ተፈጺሙ። ነዚ ታሪኽ እዚ፡ ኣብ 1 ነገስት ምዕራፍ 17 ኸተንብቦ ትኽእል ኢኻ። እቲ ጋሻ፡ ኤልያስ እቲ ናይ ኣምላኽ ነብዪ እዩ ነይሩ። እታ ኣደኸ መን እያ ነይራ፧ ኣብ ሰራጵታ እትነብር፡ ስማ ዘይተጠቕሰ መበለት እያ ነይራ። ትንሳኤ ወዳ፡ ሓደ ኻብቲ ኣብ ህይወታ ዝረኣየቶ ንእምነታ ብዝያዳ ዜደልድል ፍጻመታት እዩ ነይሩ። ብዛዕባኣ ምስ እንምርምር፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነጥብታት ክንመሃር ኢና።

ኤልያስ፡ እምነት ዘላታ መበለት ረኸበ

የሆዋ ኣብ ግዝኣት እቲ እኩይ ንጉስ እስራኤል ዝነበረ ኣከኣብ፡ ድርቂ ኼምጽእ ወሲኑ ነበረ። ኤልያስ ብዛዕባ እዚ ድርቂ እዚ ምስ ኣወጀ፡ ኣምላኽ ንኤልያስ ካብ ኣከኣብ ሓብኦ፣ ኳዃት፡ እንጌራን ስጋን ከም ዜምጽኡሉ ብምግባር ከኣ ብተኣምራዊ መገዲ ይምግቦ ነበረ። ድሕሪኡ፡ የሆዋ ንኤልያስ፡ “ተንስእ እሞ ናብ ሰራጵታ ናይ ሲዶና ኺድ፡ ኣብኣውን ተቐመጥ። እንሆ፡ ኣብኣ ሓንቲ መበለት ሰበይቲ ኽትምግበካ አዚዘ አሎኹ” በሎ።—1 ነገ. 17:1-9

ኤልያስ ኣብ ሰራጵታ ምስ በጽሐ፡ ሓንቲ ድኻ መበለት ዕንጨይቲ ኽትኣሪ ኸላ ረኣየ። ‘እታ እትምግበኒ መበለት፡ እዚኣ ደዀን ትኸውን፧ ኣዝያ ድኻ ኽነሳ፡ ከመይ ገይራ እያ እሞ ኽትምግበኒ፧’ ኢሉ ብምሕሳብ ተጠራጢሩ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ነበረ፡ ምስታ ሰበይቲ ኺዘራረብ ጀመረ። “በጃኺ ዝሰትዮ ሒደት ማይ ብኣቕሓ ጌርኪ ኣምጽእለይ” ድማ በላ። ማይ ከተምጽእ ኢላ ኽትከይድ ከላ ኸኣ፡ ኤልያስ፡ “በጃኺ ብኢድኪ ቝራስ እንጌራ ኣምጽእለይ” በላ። (1 ነገ. 17:10, 11) እታ መበለት፡ ነቲ ጋሻ ማይ ምሃቡ ኣየጨነቓን፡ እንጌራ ኽትህቦ ግና ጸጊምዋ እዩ።

 ከምዚ ድማ በለቶ፦ “ህያው እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW] ኣምላኽካ እዩ፡ ኢለ ብጀካ ሸልገት ሓርጭ ኣብ ዕትሮ፡ ሒደት ዘይቲ ኣብ መቐርሰሚቶ፡ እንጌራስ የብለይን፡ እኔኹ ኸኣ ክልተ ዕጨይቲ እአሪ አሎኹ፡ አትየ ድማ ንኣይን ንወደይን ክስንክቶ እሞ በሊዕናዮስ ክንመውት ኢና።” (1 ነገ. 17:12) ካብዚ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

እታ መበለት፡ ኤልያስ ንኣምላኽ ዚፈርህ እስራኤላዊ ኸም ዝዀነ ትፈልጥ ነይራ እያ። “ህያው የሆዋ ኣምላኽካ እዩ” ምባላ፡ ነዚ ዚሕብር እዩ። ብዛዕባ ኣምላኽ እስራኤል እተወሰነ ፍልጠት ዘለዋ ትመስል እኳ እንተ ነበረት፡ ንየሆዋ፡ “ኣምላኸይ” ክሳዕ ምባል ዜብጽሕ ፍልጠት ግና ኣይነበራን። ኣብ ሰራጵታ ናይ ሲዶና እያ እትነብር ነይራ። ሰራጵታ በታ ኸተማ ፊንቄኣውያን ዝነበረት ሲዶና እትመሓደር ንእሽቶ ኸተማ ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። ተቐማጦ እዛ ኸተማ እዚኣ፡ ኣምለኽቲ በዓል ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ኣብዛ ሰበይቲ እዚኣ ጽቡቕ ነገር ርእዩ ነይሩ እዩ።

እታ ኣብ ሰራጵታ እትነብር ዝነበረት ድኻ መበለት፡ ኣብ ማእከል ኣምለኽቲ ጣኦት እኳ ትነብር እንተ ነበረት፡ እምነት ነይራታ እያ። ስለዚ፡ የሆዋ፡ እታ ሰበይትን ነብዪ ኤልያስን ምእንቲ ኺጥቀሙ ኢሉ፡ ንኤልያስ ናብኣ ለኣኾ። ካብዚ እንረኽቦ ጠቓሚ ትምህርቲ ኣሎ።

ካብቶም ኣብ ሰራጵታ ዚነብሩ ዝነበሩ ኣምለኽቲ በዓል፡ ብስነ ምግባር ምሉእ ብምሉእ ዘይተበላሸዉ ሰባት እውን ነይሮም እዮም። የሆዋ ንኤልያስ ናብዛ መበለት እዚኣ ምልኣኹ፡ ነቶም ንዕኡ ዘየገልግልዎ፡ ቅኑዕ ድራኸ ግና ዘለዎም ሰባት ከም ዜስተብህለሎም ዚሕብር እዩ። “ኣብ ኵሉ ህዝቢ፡ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅኑዕ ዚገብርን፡ ብእኡ ቕቡል እዩ።”—ግብ. 10:35

ኣብ ክልኻ ምስታ ኣብ ሰራጵታ ዝነበረት መበለት ዚመሳሰሉ ኽንደይ ሰባት ኣለዉ፧ እዞም ሰባት እዚኦም፡ ብተጣበቕቲ ናይ ሓሶት ሃይማኖት እተኸብቡ እኳ እንተ ዀኑ፡ ዝሓሸ ነገር ንኺረኽቡ ሃረር ይብሉ ይዀኑ እዮም። ብዛዕባ የሆዋ ብዙሕ ፍልጠት ዘይብሎም፡ ወይ ከኣ ምንም ዘይፈልጡ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ፡ ናብ ንጹህ ኣምልኾ ንኺመጹ ሓገዝ የድልዮም እዩ። ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ውልቀ ሰባት ትደልዮምን ትሕግዞምንዶ ኣሎኻ፧

‘ቅድም ንዓይ ንእሽተይ ቅጫ ሰንክትለይ’

ኤልያስ ነታ መበለት እንታይ ክትገብር ከም ዝሓተታ እሞ ተጠንቂቕና ንሕሰበሉ። እታ መበለት፡ ንዓኣን ንወዳን ዚኸውን ምግቢ ምስ ሰርሐት፡ በሊዖምዎ ኸም ዝሞቱ ነጊራቶ ነይራ እያ። ኤልያስከ እንታይ እዩ ኢልዋ፧ “ኣይትፍርሂ፡ ኪዲ፡ ከምቲ ዝበልክዮ ግበሪ፡ ቅድም ግና ንኣይ ካብኡ ንእሽቶ ቕጫ ሰንኪትኪ ኣምጽእለይ፡ ድሕሪኡ ድማ ንኣኽን ንወድኽን ሰንክቲ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል አሎ እሞ፤ ክሳዕ እታ እግዚኣብሄር ንምድሪ ዝናም ዜዝንመላ መዓልቲ ሓርጭ ካብ ዕትሮ ኣይውዳእን፡ እቲ ዘይቲውን ካብ መቐርሰሚቶ ኣይጐድልን።”—1 ነገ. 17:11-14

ሓደ ሰብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶ ምስ ዚቐርበሉ፡ ‘ነታ ዘላትና ናይ መወዳእታ ምግብናስ ኣቃቢጽና ኽንህበካ፧ ተላግጽ ዲኻ ዘለኻ፧’ ይብል ይኸውን። እታ መበለት ግና ከምኡ ኣይበለትን። ብዛዕባ የሆዋ ዝነበራ ፍልጠት ውሱን እኳ እንተ ነበረ፡ ንኤልያስ ስለ ዝኣመነቶ፡ ከምቲ ዝበላ ገበረት። ዓብዪ ናይ እምነት ፈተና እዩ ኣጋጢምዋ ነይሩ። ጥበባዊ ውሳነ ድማ እያ ገይራ።

እታ መበለት ኣብቲ ኣምላኽ ኤልያስ ዝዀነ የሆዋ እምነት ብምርኣያ፡ ህይወታን ህይወት ወዳን ኣድሓነት

ኣምላኽ ነታ ድኻ መበለት ኣይሓደጋን። ልክዕ ከምቲ ኤልያስ እተመባጽዖ፡ የሆዋ ነቲ ሒደት ምግባ ኸም ዚብርክት ገበሮ እሞ፡ እቲ ድርቂ ኽሳዕ ዚሓልፍ ንኤልያስን ነታ መበለትን ንወዳን መገቦም። እወ፡ “ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ብኤልያስ እተዛረቦ፡ እቲ ሓርጭ ካብ ዕትሮ፡ እቲ ዘይቲውን ካብ መቐርሰሚቶ  ኣይጐደለን።” (1 ነገ. 17:16፣ 18:1) እታ ሰበይቲ ኣሉታዊ ምላሽ ሂባ ነይራ እንተ ትኸውን፡ እቲ በቲ ሒደት ሓርጫን ዘይታን ገይራ እትስንክቶ ቕጫ፡ ከምቲ ዝበለቶ ናይ መወዳእታ ምግባ ምዀነ ነይሩ። ንሳ ግና ብእምነት ስጕምቲ ወሰደት፡ ብየሆዋ ተኣመነት፡ ቅድም ከኣ ንኤልያስ መገበቶ።

ካብዚ ጸብጻብ እዚ፡ ኣምላኽ ነቶም እምነት ዜርእዩ ሰባት ከም ዚባርኾም ኢና እንመሃር። ንጽህናኻ ዚፍትን ነገር ኬጋጥመካ ኸሎ እምነት እንተ ኣርኢኻ፡ የሆዋ ኺሕግዘካ እዩ። ንፈተናኻ ምእንቲ ኽትዋጽኣሉ፡ ዓርክን ምንጪ ውህበትን ዕቝባን ኪዀነልካ እዩ።—ዘጸ. 3:13-15

ዛዮንስ ዎችታወር፡ ብ1898 ካብ ታሪኽ እታ መበለት እዚ ዚስዕብ ትምህርቲ ኽንረክብ ከም እንኽእል ሓቢራ ነበረት፦ “እታ ሰበይቲ ንኽትእዘዝ እትድርኻ እምነት ስለ ዘርኣየት፡ ጐይታ በቲ ነብዪ ገይሩ ብምሕጋዝ ኣኽቢሩዋ እዩ፣ እምነት እንተ ዘይተርኢ ነይራ ግና፡ እምነት እተርኢ ኻልእ መበለት ምተረኽበት ነይራ። እዚ ኣባና እውን ዚውዕል እዩ። ጐይታ ኣብ ህይወትና፡ ንእምነትና ዚፍትን ኵነታት ኬጋጥም ይፈቅድ እዩ። እምነት እንተ ኣርኢና ኽንባረኽ ኢና፣ እንተ ዘየርኢና ግና ኣይክንባረኽን ኢና።”

ፍሉይ ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋትን ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትናን መምርሒ ኸነናዲ ኣሎና። ሽዑ፡ ንምቕባሉ ኣዝዩ ኸቢድ ይኹን ብዘየገድስ፡ ምስ መምርሒ የሆዋ ተሰማሚዕና ስጕምቲ ኽንወስድ ይግባእ። ምስቲ፡ “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ፡ ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ” ዚብል ጥበብ ዝሓዘለ ምሳሌ ተሰማሚዕና ስጕምቲ እንተ ወሲድና ኸኣ፡ ብሓቂ ኽንባረኽ ኢና።—ምሳ. 3:5, 6

‘ንወደይ ክትቀትል ኢኻ ዝመጻእካ’

ንእምነት እታ መበለት ካልእ ፈተና እውን ኣጋጢምዋ እዩ። ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ኰነ ድማ፡ ድሕሪ እዚ ነገር እዚ ወዲ እታ ሰበይቲ ሐመመ። እቲ ሕማሙ ኸኣ ትንፋሱ ኽሳዕ ዚሰአን በርትዖ። ሽዑ ንሳ ንኤልያስ፤ ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንኣይን ንኣኻንሲ እንታይ ኣራኸበና፧ ሓጢኣተይ ከተዘክር ወደይውን ክትቀትል ኢኻ ዝመጻእካ፡ በለቶ።” (1 ነገ. 17:17, 18) እዚ ብምረት እተዘርበ ቓላት እንታይ ትርጕም እዩ ነይርዎ፧

እታ ሰበይቲ ንሕልናኣ ዚርብሽ ሓጢኣት ድያ ዘኪራ፧ ሞት ወዳ መለኮታዊ መቕጻዕቲ ኸም ዝዀነ፡ ኤልያስ ከኣ ሞት ንኼምጽእ ብኣምላኽ ከም እተላእከ ድያ ሓሲባ፧ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኢላ ኸም ዝሓሰበት ዘይነግረና እኳ እንተ ዀነ፡ እታ መበለት ንኣምላኽ ኣይወቐሰቶን።

ኤልያስ ብሞት ወዲ እታ መበለትን በቲ እታ መበለት እተዛረበቶ ቓላትን ኣዝዩ ሰምቢዱ ኪኸውን ኣለዎ። ከመይሲ፡ ኣብ መሪር ሓዘን ክትወድቕ ዝኸኣለት ብሰንኩ ኸም ዝዀነ እያ ተዛሪባ። ኤልያስ ነቲ ሬሳ ተሰኪሙ ናብቲ ደርቢ ደየበ። ሽዑ፡ ዓው ኢሉ፡ “ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ነዛ ኣነ ምስኣ ብግሽነት ዝነብር ዘሎኹ መበለት ወዳ ብምቕታልዶ ኽፉእ ገበርካያ፧” በለ። እቲ ነብዪ፡ ኣምላኽ ነታ ለዋህን ተቐባሊት ጋሻን ዝዀነት መበለት ተወሳኺ መከራ ኸተሕልፍ እንተ ፈቒዱ፡ ስም የሆዋ ኺንቀፍ ከም ዚኽእል ስለ ዝሓሰበ፡ “ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ በጃኻ፡ ነፍሲ እዚ ቘልዓ ናብ ውሽጡ ምለሳ” ኢሉ ለመነ።—1 ነገ. 17:20, 21

“ርኣዪ፡ ወድኺ ህያው ኰይኑ”

የሆዋ ይሰምዕ ነይሩ እዩ። እታ መበለት ንነብዪኡ ዜድልዮ ብምሃብ እምነት ኣርእያ እያ። ምናልባት፡ ኣምላኽ፡ እቲ ቘልዓ ሓሚሙ ንኺመውት ዝፈቐደ፡ ከም ዚትንስእን ትንሳኤኡ ንዚመጽእ ወለዶታት ተስፋ ኸም ዚህብን ስለ ዝፈለጠ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከመይሲ፡ እቲ ትንሳኤ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመዝገበ ናይ መጀመርታ ትንሳኤ እዩ ኪኸውን ዚኽእል። ኤልያስ ንየሆዋ ምስ ለመኖ፡ የሆዋ ነቲ ቘልዓ ኣተንስኦ። ኤልያስ፡ “ርኣዪ፡ ወድኺ ህያው ኰይኑ” (NW) ምስ በለ፡ እታ መበለት እንታይ ተሰሚዕዋ ኪኸውን ከም ዚኽእል እሞ ገምቶ! ሽዑ እታ ሰበይቲ ንኤልያስ፡ “ንስኻ ናይ ኣምላኽ ሰብ ከም ዝዀንካ፡ ቃል እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ኣፍካ ሓቂ ኸም ዝዀነ፡ ሕጂ ፈለጥኩ” በለቶ።—1 ነገ. 17:22-24

እቲ ኣብ 1 ነገስት ምዕራፍ 17 ዘሎ ብዛዕባ እታ መበለት ዚገልጽ ጸብጻብ፡ ኣብዚ እዩ ዜብቅዕ። ነቲ የሱስ ብዛዕባ እታ መበለት ዝሃቦ ኣወንታዊ ሓሳባት ኣብ ግምት ብምእታው ግና፡ ክሳዕ ግዜ ሞታ እምንቲ ኣገልጋሊት የሆዋ ዀይና ትነብር ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። (ሉቃ. 4:25, 26) ታሪኻ፡ ኣምላኽ ነቶም ንኣገልገልቱ ጽቡቕ ዚገብሩሎም ሰባት ከም ዚባርኾም ይምህረና እዩ። (ማቴ. 25:34-40) ኣምላኽ ኣብ ጽንኩር ኵነታት ንእሙናት ሰባት ዜድልዮም ከም ዚህቦም እውን የረጋግጸልና እዩ። (ማቴ. 6:25-34) ብዘይካዚ፡ እዚ ጸብጻብ እዚ፡ የሆዋ ንምዉታት ኬተንስኦም ከም ዚደልን ከም ዚኽእልን የረጋግጸልና እዩ። (ግብ. 24:15) ብርግጽ እምበኣር፡ ነታ ኣብ ሰራጵታ ዝነበረት መበለት እንዝክረሉ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና።