ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብቝልዕነተይ ዝመረጽክዎ

ብቝልዕነተይ ዝመረጽክዎ

ቈልዓ ኸለኹ

ብ1985 ወዲ ዓሰርተ ዓመት ከለኹ፡ ደቂ ካምቦዲያ ዝዀኑ ቘልዑ ናብቲ ኣብ ኮሎምበስ፡ ኦሃዮ፡ ሕ.መ.ኣ. ዚርከብ ቤት ትምህርትና መጺኦም። ሓደ ኻብቶም ቈልዑ፡ እንግሊዝኛ ብዙሕ ስለ ዘይፈልጥ፡ ብስእሊ ገይሩ፡ ብዛዕባ እቲ ዜጋጥም ስቓይን ቅትለትን ካብኡ ንምህዳም ብዛዕባ ዚግበር ጻዕርን ዚገልጽ ዛንታታት ይነግረኒ ነይሩ። ብዛዕባ እቶም ቈልዑ ኽሓስብ ከለኹ፡ ለይቲ እበኪ ነይረ። ብዛዕባ ገነትን ተስፋ ትንሳኤን ክነግሮም እኳ እንተ ደለኹ፡ ነቲ ኣነ ዝዛረቦ ቛንቋ ኣይርድእዎን እዮም ነይሮም። ዕድመይ ንእሽቶ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ንመማህርተይ ብዛዕባ የሆዋ ምእንቲ ኽነግሮም፡ ካምቦድያኛ ኽመሃር ወሲነ። እዚ ምርጫ እዚ፡ ንመጻኢ ህይወተይ ከም ዚቐርጾ፡ ሽዑ ኣይተገንዘብኩን ነይረ።

ካምቦድያኛ ኽትመሃር ኣጸጋሚ እዩ። ክልተ ሳዕ ተስፋ ቘሪጸ ነይረ፣ የሆዋ ግና ብወለደይ ኣቢሉ ኣተባቢዑኒ እዩ። ድሕሪ ግዜ፡ መምህራነይን መማህርተይን፡ ብዙሕ ደሞዝ ዚኽፈሎ ሞያ ንኽመሃር ኬተባብዑኒ ጀሚሮም። ኣነ ግና ፈላሚ ክኸውን እየ ዝደሊ ነይረ፣ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኸለኹ ድማ፡ ናይ ክፍለ ግዜ ስራሕ ብምስራሕ ሸቶይ ንኽወቅዕ ኪሕግዘኒ ዚኽእል ስልጠና ሰልጢነ። ካብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝምለሰሉ እዋን፡ ምስ ፈለምቲ እራኸብን ምሳታቶም አገልግልን ነይረ። ብወለንታ ድማ፡ እንግሊዝኛ ኻልኣይ ቋንቋኦም ንዝዀነ ተመሃሮ እምህር ነይረ፣ ከምኡ ምግባረይ ጸኒሑ ጠቒሙኒ እዩ።

ወዲ 16 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ብዛዕባ እታ ኣብ ሎንግ ቢች፡ ካሊፎርንያ፡ ሕ.መ.ኣ. ዝነበረት ብካምቦድያኛ እትምራሕ ጕጅለ ሰሚዐ። ናብኡ ኸይደ ድማ ብኸመይ ካምቦድያኛ ኸም ዘንብብ ተማሂረ። ትምህርቲ ምስ ወዳእኩ፡ ፈላሚ ዀይነ፣ ነቶም ኣብ ጥቓ ቤትና ዝነበሩ ደቂ ካምቦድያ ድማ እሰብከሎም ነይረ። ወዲ 18 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ናብ ካምቦድያ ኽግዕዝ ሓሰብኩ። እቲ ቦታ ሓደገኛ እኳ እንተ ዀነ፡ ካብቶም ዓሰርተ ሚልዮን ዚዀኑ ተቐማጦ ካምቦድያ፡ እተወሰኑ ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዝሰምዑ እፈልጥ ነይረ እየ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር፡ 13 ኣስፋሕቲ ዘለውዋ ሓንቲ ጉባኤ ጥራይ እያ ነይራ። ወዲ 19 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ንፈለማ እዋን ናብ ካምቦድያ ኸይደ። ድሕሪ ኽልተ ዓመት ድማ፡ ናብኡ ኽግዕዝ ወሲነ። ገዛእ ርእሰይ ንምድጋፍ፡ ብናይ ክፍለ ግዜ ዚስራሕ ዕዮ ትርጕም ክሰርሕን እንግሊዝኛ ኽምህርን ጀሚረ። ድሕሪ ግዜ ድማ፡ ከም ናተይ ዓይነት ሸቶ ዘለዋ መጻምድቲ እትዀነኒ ሰበይቲ ረኺበ። ብሓባር ኴንና ኸኣ፡ ንብዙሓት ተቐማጦ ካምቦድያ፡ ርእሶም ንኣምላኽ ንኺውፍዩ ሓጊዝናዮም ኢና።

የሆዋ፡ ‘ልበይ ዚደልዮ ሂቡኒ’ እዩ። (መዝ. 37:4) ደቀ መዛሙርቲ ምግባር፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ሞያ ንላዕሊ ዜዕግብ ዕዮ እዩ። ኣብተን ኣብ ካምቦድያ ዝጸናሕኩለን 16 ዓመት፡ እታ 13 ኣስፋሕቲ ዝነበሩዋ ጉባኤ፡ ናብ 12 ጉባኤታትን ናብ ኣርባዕተ ግሉላት ጕጅለታትን ዓብያ እያ።—ጄሰን ብላክወል ዘዘንተዎ።