ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስድራ ቤት | ሓዳር

ብኸመይ ተዓጻጻፊ ኸም እትኸውን

ብኸመይ ተዓጻጻፊ ኸም እትኸውን

ጸገም

ንስኻን መጻምድትኻን ብዛዕባ ገሊኡ ነገራት፡ እተፈላለየ ምርጫ እዩ ዘሎኩም። ስለዚ፡ ሰለስተ ኣማራጺ ኣሎኩም፦

  1. ከምቲ ንስኻ ዝደለኻዮ ኽሳዕ ዚኸውን፡ ድርቕ ትብል።

  2. ነቲ መጻምድኻ ዝደለዮ ኸይፈተኻ ብምግባር፡ ኢድካ ትህብ።

  3. ክልቴኹም ተዓጻጸፍቲ ትዀኑ።

ይኹን እምበር፡ ‘ኣነ ግና ተዓጻጻፊ ምዃን ኣይፈቱን እየ። ክልቴና ዝደለናዮ ነገር ኣይንረክብን ኢና ማለት እኮ እዩ’ ትብል ትኸውን።

ኰይኑ ግና፡ ነቲ ጕዳይ ብግቡእ እንተ ሒዝካዮ፡ ተዓጻጻፊ ስለ ዝዀንካ ጥራይ፡ ውጽኢቱ ዘየሐጕስ ይኸውን ማለት ኣይኰነን። ብኸመይ ተዓጻጻፊ ኸም እትኸውን ቅድሚ ምምርማርና፡ ብዛዕባ እዚ ኣገዳሲ ኽእለት እዚ ኽትፈልጦ ዘሎካ እተወሰነ ነገራት ኣሎ።

ክትፈልጦ ዘሎካ

ተዓጻጻፊ ንምዃን፡ ምስ መጻምድትኻ ብሓባር ክትዓዪ ኣሎካ። ቅድሚ ምምርዓውካ፡ ብገዛእ ርእስኻ ትውስን ኔርካ ትኸውን። ሕጂ ግና፡ ኵነታት ተለዊጡ እዩ፣ ንስኻን መጻምድትኻን ንሓዳርኩም ካብ ውልቃዊ ምርጫታትኩም ንላዕሊ ቐዳምነት ክትህብዎ ኣሎኩም። ነዚ ግና ከም ጸገም ዘይኰነስ፡ ከም ጠቓሚ ለውጢ ጌርካ ርኣዮ። ኣለክሳንድራ ዝስማ ብዓልቲ ሓዳር፡ “ክልተ ሰባት ብሓባር ኰይኖም ዜምጽእዎ መፍትሒ፡ ካብቲ ሓደ ሰብ ንበይኑ ዜምጽኦ ዝበለጸ እዩ” በለት።

ተዓጻጻፊ ንምዃን፡ ክፉት ኣእምሮ የድሊ። ጆን ጎትማን ዝስሙ ኣማኻሪ ሓዳር፡ “ኵሉ ሳዕ ምስቲ መጻምድትኻ ዚብሎ ትሰማማዕ ማለት እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ንርእይቶኡ ኣብ ግምት ንምእታው ግና ድሉው ኩን። መጻምድትኻ ብዛዕባ ገለ ጸገም ኬዘራርበካ ኸሎ፡ ንስኻ ግና ኢድካን እግርኻን ኣጣሚርካ ኾፍ ትብልን ብኣሉታ ርእስኻ ትንቕንቕን (ወይ ከምኡ ንኽትገብር ትሓስብ) እንተ ዄንካ፡ ምይይጥኩም ዜፍርዮ ነገር የብሉን” ኢሉ ጸሓፈ። a

ተዓጻጻፊ ምዃን፡ ጥቕሚ ርእስኻ ምስዋእ ይሓትት። “ኣነ ዝበልክዎ እንተ ዘይኰነ ወይ ናተይ ርእይቶ እዩ ቕኑዕ” ምስ ዚብል መጻምድቲ ምንባር፡ ኣየሐጕስን እዩ። ክልቲኦም መጻምድቲ፡ ጥቕሚ ርእሶም ንኺስውኡ ፍቓደኛታት ኪዀኑ ዝበለጸ እዩ። ጁን ዝስማ ብዓልቲ ሓዳር፡ “ሓድሓደ እዋን፡ ንሰብኣየይ ምእንቲ ኸሐጕሶ ኢለ፡ ከምቲ ንሱ ዝደለዮ እገብር እየ፣ ሓድሓደ እዋን ድማ ንሱ፡ ከምቲ ኣነ ዝደልዮ ይገብር እዩ። ሓዳር ከምኡ እዩ ኪኸውን ዘለዎ፣ ትህብን ትቕበልን ደኣ እምበር፡ ትቕበል ጥራይ ክትከውን የብልካን” በለት።

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ኣጀማምራኹም ኣጸብቑ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ በቲ ምይይጥኩም ክትጅምሩ ኸለኹም ዝነበረኩም ቃና ድምጺ ኢኹም እትዛዝሙ። ኣብ መጀመርታኡ ብሻሕካር ቃላት እንተ ጀሚርኩም፡ ኣብ መወዳእታኡ ብሰላማዊ መገዲ ኽትተዓጻጸፉ ኪኸብደኩም ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ነቲ፡ “ርሕራሐ፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ልእመት፡ ዓቕሊ ልበሱ” ዚብል ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ስዓብዎ። (ቈሎሴ 3:12) እቲ ተጠቒሱ ዘሎ ባህርያት፡ ንዓኻ ዀነ ንመጻምድትኻ፡ ቈየቛ ሓዲግኩም ነቲ ጸገም ኣብ ምፍታሕ ንኸተተኵሩ ኺሕግዘኩም እዩ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ቈሎሴ 4:6

ዜሰማምዓኩም ነጥብታት ድለዩ። ተዓጻጸፍቲ ንኽትኰኑ እትገብርዎ ጻዕሪ ናብ ቈየቛ ጥራይ ዚቕየር እንተ ዀይኑ፡ ምናልባት ንስኻን መጻምድትኻን ኣብቲ ርእይቶኹም ዚፈላለየሉ መዳያት ጥራይ ተተኵሩ ትህልዉ ትዀኑ። ስለዚ፡ ኣብቲ እትሰማምዑሉ ነጥብታት ኣተኵሩ። ዜሰማምዓኩም ነጥብታት ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ ነዚ ዚስዕብ ፈትንዎ፦

ነፍሲ ወከፍኩም ክልተ ዓምዲ ዘለዎ ዝርዝር ኣዳልዉ። ኣብቲ ናይ መጀመርታ ዓምዲ፡ ፈጺምካ ኪቕየር ዘይትደልዮ ነጥብታት ጽሓፍ። ኣብቲ ኻልኣይ ዓምዲ ድማ፡ እንተ ሓደግካዮ እውን ብዙሕ ዘየገድስ ነጥብታት ጽሓፍ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ዝጸሓፍኩምዎ ብሓባር ኴንኩም ተመያየጡሉ። ካብቲ እተጸበኹምዎ ንላዕሊ፡ ንሓድሕድኩም ዜሰማምዓኩም ነጥብታት ክትረኽቡ ኢኹም። ከምኡ እንተ ኣጋጢሙ፡ ተዓጻጸፍቲ ኽትኰኑ ኣይኬጸግመኩምን እዩ። ዋላ እውን እቲ ነጥብታት ዘይሰማማዕ እንተ ዀነ፡ ንዅሉ ነገራት ኣብ ወረቐት ምጽሓፍኩም ግና፡ ንስኻ ዀንካ መጻምድትኻ ነቲ ጕዳይ ብንጹር ንኽትርእይዎ ኺሕግዘኩም እዩ።

መፍትሒ ንምርካብ፡ ብሓባር ኴንኩም ዕየዩ። ገሊኡ ጕዳያት ብተዛማዲ፡ ብቐሊሉ ኺድቅስ ይኽእል እዩ። ንገሊኡ ሕልኽልኽ ዝበለ ጕዳያት ዚኸውን መፍትሒ ንምርካብ ግና፡ ሰብ ሓዳር ብሓባር ኰይኖም ኪዓይዩ ኣለዎም፣ ከምኡ እንተ ገይሮም፡ ካብቲ ነንበይኖም ኰይኖም ኬምጽእዎ ዚኽእሉ ዝነበሩ ዚሓይሽ መፍትሒ ብምርካብ ንሓዳሮም ኬደልድልዎ ይኽእሉ እዮም።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ መክብብ 4:9

ርእይቶኻ ኸተተዓራሪ ፍቓደኛ ኹን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቱ ኸም ርእሱ ገይሩ የፍቅራ፣ እታ ሰበይቲ እውን ንሰብኣያ ብዙሕ ተኽብሮ” ይብል። (ኤፌሶን 5:33) መጻምድቲ ኣብ ሓዳሮም ብፍቕርን ብኣኽብሮትን ዚመላለሱ እንተ ዀይኖም፡ ንርእይቶ ሓድሕዶም ኣብ ግምት ንኼእትዉን ንኺተዓጻጸፉን ፍቓደኛታት እዮም ዚዀኑ። ካመሮን ዝስሙ ብዓል ሓዳር፡ “ኣብ ፈለማ፡ ገሊኡ ንጥፈታት ባህ ኣየብለካን ይኸውን፣ ጸኒሑ ግና ሳላ መጻምድትኻ ኣዚኻ ኽትፈትዎ ትኽእል ኢኻ” በለ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘፍጥረት 2:18

a ካብታ ዘ ሰቨን ፕሪንስፕልስ ፎር ሜኪንግ ሜሪጅ ዎርክ ዘርእስታ መጽሓፍ እተወስደ።