ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

ስእለ ጽዩፍ

ስእለ ጽዩፍ

መጽሓፍ ቅዱስ ንስእለ ጽዩፍ ይዅንኖ ድዩ፧

“ንሰበይቲ ብፍትወት ዚጥምታ ዅሉ፡ ብልቡ ድሮ ምስኣ ዘመወ።”​—ማቴዎስ 5:28

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ሎሚ ስእለ ጽዩፍ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ህቡብን ብቐሊሉ ዚርከብን ኰይኑ ኣሎ። ንኣምላኽ ባህ ከተብሎን ሕጉስ ህይወት ክትነብርን እንተ ደሊኻ፡ ኣምላኽ ብዛዕባ ስእለ ጽዩፍ እንታይ ከም ዚስምዖ ኽትፈልጥ ኣሎካ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ስእለ ጽዩፍ ፈልዩ ኣይጠቅስን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ስእለ ጽዩፍ ምርኣይ ምስ መብዛሕትኡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ይጋጮ እዩ።

ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓደ ብዓል ሓዳር ንሓንቲ መጻምድቱ ዘይኰነት ሰበይቲ “ብፍትወት ዚጥምታ” እንተ ዀይኑ፡ ማለት ምስኣ ጾታዊ ርክብ ናይ ምግባር ባህጊ ዜሕድር እንተ ዀይኑ፡ ናብ ዝሙት ኪመርሖ ኸም ዚኽእል ይገልጽ እዩ። እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓት፡ ኣብ ስእለ ጽዩፍ ‘ብፍትወት ንዚጥምት’ ንዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ማለት ንእተመርዓወ ዀነ ንዘይተመርዓወ ሰብ ዚምልከት እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንኸምዚ ዓይነት ተግባር ይጸልኦ እዩ።

ጾታዊ ርኽሰት ናብ ምፍጻም ክሳዕ ዘይመርሓካ፡ ስእለ ጽዩፍ ምርኣይ ጌጋ ድዩ፧

“ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም፡ ማለት ምንዝርና፡ ርኽሰት፡ ፍትወተ ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ ስስዐ . . . ቅተሉ።”​—ቈሎሴ 3:5

ሰባት እንታይ ይብሉ፧

ገሊኦም ተመራመርቲ፡ ስእለ ጽዩፍን ጾታዊ ርኽሰትን ይተሓሓዝ እንተ ዀይኑ የጠራጥሮም እዩ። ኰይኑ ግና፡ ስእለ ጽዩፍ ምርኣይ ንባዕሉ ኸም ጾታዊ ርኽሰት ጌርካ ድዩ ዚርአ፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ን“ጽዩፍ ዋዛ” ኸም ተቐባልነት ዘይብሉ ጌጋ ተግባር ገይሩ እዩ ዚርእዮ። (ኤፌሶን 5:3, 4) ስእለ ጽዩፍ እውን ከምኡ እዩ። ሎሚ ዘሎ መብዛሕትኡ ስእለ ጽዩፍ፡ ሰባት ዝሙት ኪፍጽሙ ኸለዉን ግብረ ሶዶም ኪገብሩ ኸለዉን ካልእ ዓይነት ምንዝር ኪፍጽሙ ኸለዉን ዜርኢ እዩ። ብርግጽ እምበኣር፡ ንኸምዚ ዝበለ ብዕሉግ ተግባራት ምርኣይ፡ ንኣምላኽ ካብ ጽዩፍ ዋዛ ንላዕሊ እዩ ዜጕህዮ።

ገሊኦም ተመራመርቲ፡ ሰባት ብስእለ ጽዩፍ ተደፋፊኦም ርኽሰት ከም ዘይፍጽሙ ይከራኸሩ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ ስእለ ጽዩፍ ምርኣይ ንባዕሉ መንፈሳዊ ሓደጋ ኸም ዘለዎን ንኣምላኽ ከም ዜጕህዮን ይገልጽ እዩ። ‘ኣካላትኩም፡ ማለት ምንዝርና፡ ፍትወተ ስጋ ቕተሉ’ ዚብል ማዕዳ ድማ ሂቡ ኣሎ። (ቈሎሴ 3:5) እቶም ስእለ ጽዩፍ ዚርእዩ ሰባት፡ ኣንጻር እቲ ማዕዳ እዮም ዚገብሩ፣ እወ፡ ነቲ ትምኒታት ኣብ ክንዲ ዚቐትልዎ፡ መመሊሶም እዮም ዜጐሃህርዎ።

ካብ ስእለ ጽዩፍ ንኽትርሕቕ ኪሕግዘካ ዚኽእል እንታይ እዩ፧

“ሰናይ ድለዩ፡ እከይ ኣይኰነን። . . . እከይ ጽልኡ፡ ሰናይ ከኣ አፍቅሩ።”​—ኣሞጽ 5:14, 15

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ኣመንዝራታትን ሰኽራማትን ሰረቕትን ዝነበሩ ግናኸ ነቲ ጐዳኢ ተግባሮም ዘቋረጽዎ ሰባት ይገልጽ እዩ። (1 ቈረንቶስ 6:9-11) ብኸመይ እዮም ኬቋርጽዎ ኽኢሎም፧ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበብ ብምትግባር፡ እከይ ኪጸልኡ ስለ ዝኸኣሉ እዮም።

ብዛዕባ እቲ ስእለ ጽዩፍ ዘለዎ ጐዳኢ ሳዕቤን እንተ ሓሲብካ፡ ክትጸልኦ ትኽእል ኢኻ። ብዩኒቨርሲቲ ግዝኣት ዩታ እተሓትመ ኣብ ቀረባ እዋን እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዝሓበሮ፡ ገሊኦም ስእለ ጽዩፍ ዚርእዩ ሰባት፡ “ጭንቀትን ጽምዋን ይስምዖም፡ ምስ ሰባት ዘለዎም ርክብ ከኣ ይበላሾ እዩ፣” ካልእ ሕማቕ ሳዕቤናት እውን የጋጥሞም እዩ። ብዘይካዚ፡ ከምቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ፡ ስእለ ጽዩፍ ምርኣይ ንኣምላኽ ስለ ዜጕህዮ፡ ዝገደደ ሳዕቤን ኣለዎ። ንሰባት ድማ ካብ ፈጣሪኦም ኪፈላልዮም ይኽእል እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰናይ ንኸነፍቅር ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነንብብ እንተ ዄንና፡ ነቲ ኣብኡ ዚርከብ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ብዝያዳ ኸነፍቅሮ ኢና። እዚ ኸኣ ካብ ስእለ ጽዩፍ ንኽንርሕቕን ከምቲ፡ “ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ገለ ነውሪ ኣየንብርን” ዝበለ ጸሓፍ መዝሙር ንኽንከውንን ኪሕግዘና እዩ።—መዝሙር 101:3