ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት እትብሃል መጽሓፍ ኣብ ቤት ትምህርቲ ተዘርጊሓ

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት እትብሃል መጽሓፍ ኣብ ቤት ትምህርቲ ተዘርጊሓ

እታ ብ2012 ብፓንጋሲኛ ተተርጒማ ዝወጸት መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ፊሊፒንስ ንዚርከቡ እዚ ቛንቋ እዚ ዚዛረቡ ተምሃሮ ትሕግዞም ኣላ። እዛ ሕታም እዚኣ፡ ምስቲ ቘልዑ ኣብ መባእታዊ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ብቛንቋ ኣዲኦም ኪምሃሩ ኸም ዘለዎም ዚገልጽ መምርሒ ኽፍሊ ትምህርቲ ፊሊፒንስ እትሰማማዕ እያ።

ኣብ ፊሊፒንስ ልዕሊ 100 ቛንቋ ስለ ዚዝረብ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣየናይ ቋንቋ ኣብ ጥቕሚ ኺውዕል ከም ዘለዎ ኻብ ነዊሕ ኣትሒዙ ኣከራኻሪ ጕዳይ ኰይኑ እዩ ጸኒሑ። እቲ ኣብ 2012 ብኽፍሊ ትምህርቲ እተዋህበ ትእዛዝ፡ “ኣብ ቤት ዚዝረብ ቋንቋ ምጥቃም፡ ዝሓሹን ፈጣናትን ተምሃሮ” ኸተፍሪ ኸም ዚሕግዝ ገለጸ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ “ኣብ ቋንቋ ኣደ እተመሰረተ መደብ ትምህርቲ ብዙሐ ቛንቋ” ኪቐውም ክኢሉ እዩ።

ፓንጋሲኛ ሓንቲ ኻብተን እተመርጻ ቛንቋታት እያ ነይራ። እንተዀነ ግና፡ ሓደ ጸገም ነይሩ እዩ። ሓደ ርእሰ መምህራን ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ተምሃሮ ኼንብብዎ ዚኽእሉ ብፓንጋሲኛ እተዳለወ ጽሑፍ ኣዝዩ ውሑድ ከም ዝዀነ ተኣመነ። እታ ብሕዳር 2012 ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብፓንጋሲኛ ዝወጸት መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት ዘርእስታ መጽሓፍ እምበኣር ኣብ ጽቡቕ እዋን እያ ወጺኣ።

ኣብቲ ዓበይቲ ኣኼባታት ምእንቲ ኺዝርጋሕ ተባሂሉ ኣስታት 10,000 መጽሓፍ ተዳልዩ ነበረ። ቈልዑን ወለዶምን ብቛንቋ ኣዲኦም መጽሓፍ ምርካቦም ባህ ኢልዎም እዩ። ሰብ ሓዳር ዝዀኑ ሰብኣይን ሰበይትን፡ “ደቅና ምሉእ ብምሉእ ኪርድእዋ ስለ ዝኸኣሉ፡ ነዛ መጽሓፍ ፈትዮምዋ እዮም” በሉ።

ደድሕሪ እቲ ዓብዪ ኣኼባ፡ ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት እትብሃል መጽሓፎም ናብታ ኣብ ከተማ ዳጉፓን እትርከብ ቤት ትምህርቲ ሒዞምዋ ኸዱ። እቶም ዚንበብ ጽሑፋት ብፓንጋሲኛ ንምርካብ ሃለው ዚብሉ ዝነበሩ መምህራን ድማ ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ብምርካቦም ተሓጐሱ፣ ልዕሊ 340 መጽሓፍ ከኣ ተዓደለ። እቶም መምህራን ብኡብኡ ነዛ መጽሓፍ ተጠቒሞም ንተምሃሮ ብቛንቋኦም ኬንብቡ ኺምህርዎም ጀመሩ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ንቘልዑ ኣብ ምምሃር ኣገዳሲ ግደ ኸም ዘለዋ ብምርኣዮም ተሓጒሶም እዮም። ሓደ ኻብቶም ነታ መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ምትርጓም ዝሓገዙ ተርጐምቲ ኸምዚ ይብል፦ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ልቢ ሰባት ንምትንካፍ ጽሑፋት ብቛንቋ ኣደ ምድላው ኣገዳሲ ምዃኑ ኻብ ነዊሕ ኣትሒዝና ተገንዚብናዮ ኢና። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኢና መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ብኣማእታት ቋንቋታት ንምትርጓም እንጽዕር።”