ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓድሽ ዝለዓለ ቝጽሪ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተመዝጊቡ

ሓድሽ ዝለዓለ ቝጽሪ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተመዝጊቡ

ብ1987፡ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀነ ሊማን ስዊንግል፡ ኣብ ቫለንስያ፡ ቨነዝወላ ኣብ ዚርከብ ምስ ኣርሓ ዚግበር ግጥም ዚርኣየሉ ፕላዛ ሞኑመንታል፡ ን63,580 ሰባት መደረ ሂቡ ነይሩ። ነዚ መደረ ንምስማዕ፡ መብዛሕትኦም ምሉእ ለይቲ ብኣውቶቡስ ተጓዒዞም ነይሮም እዮም። ሓውና ስዊንግል ነቶም እተኣከቡ ህዝቢ፡ “ደጊም ጨንፈር ቤት ጽሕፈትኩም ንእሽቶ ዘይኰነትስ፡ ማእከለይቲ ዀይና እያ። ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ቍጽሪ ኣስፋሕቲ 100,000 ዚበጽሕ እዩ ዚመስል” ኢልዎም ነይሩ።

ኣብ 1987 ኣብ ቨነዝወላ ቝጽሪ ኣስፋሕቲ ማለት ቍጽሪ ንጡፋት ሰበኽቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ልዕሊ 38,000 እዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ልዕሊ 100,000 ኣስፋሕቲ ዝነበረን ሃገራት፡ ሸሞንተ ጥራይ እየን ነይረን።

ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገበርዎ ዕቤት ዜደንቕ እዩ። ድሕሪ ምዝዛም ቀዳማይ ውግእ ዓለም፡ ሒደት ሰባት ጥራይ እዮም ብዛዕባ መንግስቲ የሆዋ ዚእውጁ ነይሮም። እዚ ግና ተቐይሩ እዩ። ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር 1943 ብዛዕባ እዚ፡ “ናይ 1942 ጸብጻብ ኣብ ምልውዋጥ ሓበሬታ ብዘጋጠመ ጸገም እተማልአ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ . . . ቍጽሪ እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ኣብቲ ዕዮ [ብስራት ኣብ ምስባኽ] ዚሳተፉ ኣስፋሕቲ 106,000 ብምዃኑ ዜሐጕስ ጸብጻብ እዩ” ኢላ ነይራ። ብግዜ ኻልኣይ ውግእ ኣብ ዝነበረ ቕልውላው እውን ከይተረፈ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንዚርከብ ሓቂ ተቐቢሎም እዮም። ብ1950 ቍጽሪ እቶም ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከቡ ኣስፋሕቲ ጥራይ ልዕሊ 100,000 በጺሑ ነይሩ።

እታ ቐጺላ 100,000 ኣስፋሕቲ ዝበጽሐት ሃገር፡ ናይጀርያ ኽትከውን ከላ፡ ነዚ ቝጽሪ እውን ብ1974 እያ በጺሓቶ።

ንዓመታኡ፡ ቍጽሪ እቶም ኣብ ብራዚልን ኣብ ጀርመን ዚርከቡ ኣስፋሕቲ ኻብ 100,000 ዛይዱ። እዚ ኣብ ኣርባዕተ ኽፍሊ ዓለም እተረኽበ ዕቤት፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ ኣብ ኵሉ ንዚርከብ ሰብ ከም ዚስሕብ ኣርእዩ።

ኣብ መላእ ዓለም፡ ቊጽሪ እቶም ነቲ ብስራት ዚቕበሉ ሰባት ይዓቢ ኣሎ። እዚ ኸኣ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ፡ “እቲ ሒደትሲ ሽሕ፡ እቲ ንእሽቶ ኸኣ ብርቱዕ ህዝቢ ኪኸውን እዩ። ኣነ የሆዋ ነዚ ብግዜኡ ኸፍጥኖ እየ” ዚብል ትንቢት ዚሰማማዕ እዩ።—ኢሳይያስ 60:22

ብመሰረት ጸብጻብ ዓመት ኣገልግሎት 2014፡ ልዕሊ 100,000 መሰኻኽር የሆዋ ዚርከቡወን 24 ሃገራት ኣለዋ። ብ2007 ኣብዚ ቝጽሪ እዚ ዝበጽሐት ቨነዝወላ እውን ሓንቲ ኻብዘን ሃገራት እዚአን እያ። ኣብ መላእ ዓለም፡ 8,201,545 ኣስፋሕቲ ዚርከብወን 115,416 ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዋ።

ልዕሊ 100,000 ኣስፋሕቲ ዚርከብወን ሃገራት

ኣህጉር

ሃገር

ኣስፋሕቲ

ሰሜን ኣመሪካ

ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ

1,243,387

መክሲኮ

829,523

ካናዳ

116,312

ኣፍሪቃ

ናይጀርያ

362,462

ኣንጎላ

108,607

ኮንጎ (ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ)

216,024

ዛምብያ

178,481

ጋና

125,443

ኤውሮጳ

ሩስያ

171,268

ስጳኛ

112,493

ብሪጣንያ

138,515

ኢጣልያ

251,650

ዩክረይን

150,906

ጀርመን

166,262

ፈረንሳ

127,961

ፖላንድ

123,177

እስያ

ኮርያ (ሪፓብሊክ)

100,641

ጃፓን

215,703

ፊሊፒንስ

196,249

ደቡብ ኣመሪካ

ብራዚል

794,766

ቨነዝወላ

140,226

ኣርጀንቲና

150,171

ኮሎምብያ

166,049

ፐሩ

123,251